ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኸባ ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት!!

ensf - hidri

ብኣቦ መምበር ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ብጻይ ዑቑባዝጊ ድቡስ፡ ዝምራሕ ሰፊሕ ህዝባዊ  ኣኼባ  ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ተዳልዩ ምህላዉ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ህዝብና በዓቢ ፍናን ንሕብር።

 

ኩሉ ደላይ ፍትሒን መሰረታዊ ለውጢን ነዚ ተዳልዩ ዘሎ ህዝባዊ ኣኼባ ብተገዳስነት ክካፈሎን፡ ብምሉእ ናጽነት ሓሳቡን ርእይቶኡን ከፍስስ፡ ክበርህ ዝደልዮ ሕቶታት ክሓትት ግሃድኤ – ሕድሪ ብኽብሪ ይዕደም።

 

 

ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ዘተኩረሎም ቀንዲ ዛዕባታት፡-

  1. ብሰንኪ ምሕደራ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ህዝብና ንብርሰት ተሳጢሕሉ ዘሎ ህሞት እንኮ መፍትሒ ሽግር ህዝብና ይጽንሓለይ ዘይበሃል ህጹጽ ሓድነት ደለይቲ መሰረታዊ ለውጢ ምኳኑ ኩሉ ዝሰማማዓሉ ካብ ኮነ፡ ብዛዕባ ኩነታት ደምበ ተቃውሞን ወድዓዊ ምዕባለታቱን ብሓፈሻ፡
  2. ኩነታት ሃገራዊ ባይቶ ንመሰረታዊ ለውጥን ምዕባለታቱን፡
  3. ኩነታት 6 ፖለቲካዊ ውድባት ወሲደንኦ ዘለዋ አገዳሲ ምቅርራብን፡ ህዝብና ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ልፍንትን ምዕባለታቱን፡
  4. ካብ ህዝቢ ዝመጽእ ዛዕባን ዘጠቃለለ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ እዩ።

 

ህዝባኢ ኣኼባ ዝግበረሉ፡ ዕለት 20.02.2016

                   ስዓት  15: 00  . . እዩ፡

ኣድራሻ፡          Saalbua Niederad

                  Goldsteinstr.33

                     60528 Frankfurt A/M እዩ።                                                                                                                                                                                        ብድሓን ምጽኡ!!

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ!!

ዓወት ንሕፋሽ ብተግባር!!

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ  ጨንፈር ጀርመን

 

ሓበሬታ ናይ መጉዓዝያ፡

ካብ ፍራንክፈርት መዕረፍ ባቡራት (ባንሆፍ)  Frankfurt Hauptbahnhof Strassenbahn  ቁ12 Richtung ናብ Schwanheim ትኸይድ  ተሰቒልኩም ኣብ Gerauerstr.Haltstelle ድሕሪ ምውራድ ናብ ጎልድሽታይ ብእግሪ ክምጻእ ይካኣል እዩ::

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10148

Posted by on Feb 18 2016 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net