ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣

encdc

ኦውፉይ ሓፋሽ  ህዝቢ ኤርትራ!

ምግባእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ዕንቅፋትን ጸገማትን ኣባላት ባይቶን ማሓዙትን ንምፍትሑ ዝተፈላለየ ጻዕርታት ክካየድ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ። ንቐጻልነት ባይቶ ክልተ ግዜ ብልዕሊ ኣብዝሓ 2/3 ድምጺ ምግባእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ክናዋሕ ተገይሩ’ዩ። ብድሕሪኡ ክሳብ ጉባኤ ዘሎ ግዚ ሓባሪ-መንገዲ /Road Map/ ሓንጺጹ ኣሎ።

ካብዚ ብምብጋስ ዕማማት ምስንዳእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ምጽፋፍ ንድፊ ሰነዳቱን ርእይቶ ናይ ኩሉ ብዝተሓተ መደብ-ዕዮ ዘካተተ ክኸውንን ተጻፊፉ ክወርድ’ዩ፡፡ ተሳታፍነት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንኹሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣከናውና ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ክከውን ጻዕርታት ክግበር’ዩ። ነዚ ቁዱስ ዕላማዚ ንምርግጋጽ ዘድሊ ገንዘባዊ ደገፋት ምቅራብን ዕዉት ክኸውንን ድርብ ምርብራብ ኣባላት ባይቶን ኩሉ ደላይ ለውጥን ዝሓትት እዩ። በዚ መሰረት ከኣ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ካብ ዕለት 26-30/ ግንቦት 2016 ኣብ ዘሎ ግዜ ክጋባእ ተወሲኑ ኣሎ።

መሪሕነት ባይቶ፣ ተባዓት ተቓለስቲ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ሓፋሽ ህዝብናን ንሓድነትን ቀጻልነትን ሃገራዊ ባይቶ ከም ዝሐሸ ገድላዊ መማረጺ ብምውሳድ፡ ክገብርዎ ዝጸንሑ ተገዳስነትን ጻዕርን እናኣሞጐሰ ዕዉት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምክያድ ዘድሊ ሞራላዊ ድገፍን ገንዘባዊ ወጻኢታትን ንምሽፋን ብተወፋይነት፡ ሓላፍነትን ትግሃትን ክቕጽልሉ ንጽውዕ። ከምኡ’ውን ውፉይ ሓፋሽ ህዝብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን፡ ዝተፈላለዩ ዞባታት ባይቶን ነዚ ገንዘባዊ ወጻኢታትን ወፈያታትን ንምእካብ ወለንታውያን ሽማግለታት ክቑማ ንጽውዕ።

ዓወት ንካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ!

ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ

ኣቦ መንበር መሪሕነት ባይቶ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

23/02/2016

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10168

Posted by on Feb 26 2016 Filed under News, Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net