ወተሃደራት ህግደፍ ገና ሕጂ ውን ብተመልከተለይ መንእሰያትና ብጥይት ይቐዝፉ አለዉ‏

hidri may 31 2016

ኣብ ዓድታት ምምሕዳር ቤት መጣዕ ፉሉይ መለለዪ ቦታ ደቡባዊ ምዕራብ መሬት ገለባ ትማሊ 28 ግንቦት 2016 ሓደ መንእሰይ ኮነ ኢልካ ብሰለስተ ጠያይቲ ናይ ህግደፍ ወተሃደራት ከም ዝተቐተለ ምንጭታት ሓበሬታ ግሃድኤ-ሕድሪ ካብ እቲ ከባቢ ሓቢሮም፡፡ እቲ መንእሰይ ዝተቐተለሉ ቦታ ብቐጻሊ ጓሶት ጥሪቶም ሒዞም ዝውዕሉሉን ካብ ምንቅስቓስ ሰባት ዘየዕርፍን ቃልዕ ናይ መጋሃጫን ሕርሻን ቦታ ምዃኑ ወሃብቲ ሓበሬታና ብተወሳኺ ይገልጹ፡፡

እዚ እከይ ግብሪ ስርዓት ህግደፍ ምርሻን ንዜጋታትና መፈጠራዊ መለለይኡ እኳ እንተኾነ ብፍላይ ኣብ እዚ እዋን እዚ ግን ኣይኮነን’ዶ ኣብ ከባቢ  ዶባት ሃገርና ኣብ ማእከል ከተማታት’ውን ከይተረፈ ብቓልዕ ዝፍጽሞ ገበናቱ ምኳኑ ንምንጻር፡ ናይ ማዝያ ሰለስተ 2016 ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ናብ ዓሰብ ዘጓዕዞም ዝነበረ መንእሰያት ተዓለምቲ ዝፈጸሞ ግፍዕን ቅንጸላን ምዝካር እኹል እዩ፡፡

እዚ ከም እዚ ኢሉ ከሎ፤ ሎሚ ዕለት 29 ግንቦት 2016 ኣብ ቤት ትምህርቲ ላሕዮ ወረዳ ሰንዓፈ ክምህሩ ዝሓገዩ 2 መማህራን ነቲ ዘሎ ሕሱም ናይ ምልክን ግበታን ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ህዝቦምን ሃገሮም ንድሕሪት ገዲፎም ናብ እታ ብቐጻሊ ጸላኢት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተባሂላ ብስርዓት ህግደፍ ዝግዓረላ

ኢትዮጵያ ብምስጋር ዕቑባ ስደተኝነት ክሓቱ ኪኢሎም ኣለዉ፡፡ ከም ዝፍለጥ ኤርትራ ሃገርና ብሰንኪ ሕሱም ውሽጣዊ ኣገዛዝኣ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣይኮነን ዶ መንእሰያታስ ሽማገለታታ እኳ ከይተረፉ ምርኩስ ተደጊፎም ናብ ስደት ዝሳግሙላ፡ ንኪኢላታታን፡ ምሁራታን፡ ኣፍረይትን ዜጋታታ ንምንባራ ረመጽ ዝተቐየረት ሃገር ብምዃና፡ ብኣርባዕቲኡ መኣዝናታ ብዘሰክፍ ብዝሒ ንለይቲ ረጥሪጦማ ዝሰደዱ ሃገር ኮይና ምህላዋ ካብ ትቃላዕ ዓመታት ኣቑጺራ ኣላ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

29 ግንቦት 2016

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10353

Posted by on May 31 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net