መግለጺ ሓዘን ብምኽንያት አብ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓል ሂወቶም ዝሰኣኑ ዜጋታትና

ብሰሪ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጋበቲ ስርዓተ ምሕደራ ህግደፍ፡ እንሆ ዜጋታትና ካብ ገዛእ ሃገሮም እግሮም ናብ ዝመርሖም ብምስጓም ንዘጋንፎም ኩፉእ ነገር ዘበለ ንምቕባል፡ ዝኸፍአ እንተኸፍአስ ካብ ኣተሓሕዛ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍእ’ዶ ከይህሉ ክሳብ ዘብል፤ መሪር ሂወት ከም ዝመርሕ ንህዝብና ይገብሮ ብምህላዉ፡ ናብ ፈቐዶ መኣዝን ዓለምና ከም ዝዝረው ይኸውን፡፡ ብኡ መጠን ድማ ብውልቅን ብጥርኑፍ ብኣልማማን ኣደዳ ንኽትሰምዖ መሰክሕ ዝኾነ ቅዝፈት ብምድራግ፤ ን ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝገደደ እምበር ይሓይሽ ዘይበሃሎ፡ ፈታኒ ሂወት ከምዘሕልፍ ብምግባር፤ ፈትሊ ሂወት በቲኽካ ዝርከብ ትንፋስን ናብራን፡ ዝሕሸሉን ዝምረጸሉን ዓይነት ኣተሓሕዛ ጌርካ ብምጭቋን ዝወለዶ ምረትን ኣርሒቕካ ናይ ምጥፋእ ሽርሕን ብምኽታል፤ ስርዓት ህግደፍ ዝጠንሰሶ እከይ ግብሪ ሕሰም፡ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝልለዎ ጌርዎ ይርከብ፡፡

እዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ዜጋታትና ብዘይ ዉሑስን ጥዕነአን ይኹን ብቕዓተን ብዘይተሓለወን ናእሽቱ ጀላቡ ብልዕሊ ዓቐን ብዝሒ ስደተኛታት ዜጋታትና ብምጽፍጻፍ ነቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ጉዑዞ ማእከላይ ባሕሪ ብሰላም ዛዚምካ ክብጻሕ ዘለዎ ከምዘይከውን ዝግበር ዘሎ፡፡ ኣብ እዚ’ዩ እምበኣር ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ጃምላዊ ሂልቂት ዘጋድዶ ውዲት ይፍጸመሉ ኣሎ ከብል ዝኽእል ኣስተብህሎ ዘሎ፡፡ እዚ መቐጸልታ ናይ እቲ ዝሓለፈ ህልቂት ምናልባት እውን ቀልጢፍና ብቓልስና ክንገትኦ እንተዘይኪኢልና ብዝኸፍአ መልክዑ ክቕጽል ምዃኑ ብሩህ ዝኾነ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ተራ ነገርን ወዝብን ዘጋጥም ዘሎ ዘይኮነ ኮነ ተባሂሉ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስቅያት ንምውዳቕን ንምህላቑን ዝስርሓሉ ዘሎ ውዲት ስርዓት ህግደፍ ምኳኑ ድሮ ብሩህ ኮይኑ ክቐርብ ዝግብኦ፡፡ በዚ መሰረት እምበኣር ንሃገራዊ ወጽዓናን ስቓይናን እንኮ መፍቲሒኡ ኣምሳያ ብስደት ተኸዊልካ ከተሕልፎ ምፍታን ፊት-ንፊት ከጢምካ ክትስዕሮ ኣዝዩ ዝቐለለን ዝጠዓመን ምዃኑ ብምግንዛብ ዘሎ ኒሕ ሃገራውነትና ብምምላስ ተርኒዕና ክንቃለሶ ይግባእ ንብል፡፡

በዚ ዘጋጠመ ዘሎ፤ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዜጋታትና መሪር ሓዘን እንዳተሰመዓና፡ ነዚ መግትኢ ንምግባር ድሮ ኣብ ቃልሲ ዝርከብ ሃገራዊ ውድብና ግሃድኤ-ሕድሪ፡ ንህግደፍ ንምውዳቕ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ንምዕዋት ኢድ መላእ ህዝቢ ኤርትራ የድልዮ ኢሉ ስለ ዝኣምንን ብመሪሕ ዝንቀሳቐሰሉ ባህጉን ምዃኑ ደጋጊሙ ብምንጻር፡ ኣብ ውሽጡ ተጠርኒፎም ክቃለሱ ዝደልዩ ውልቀ ተቓለስቲ ይኹኑ ጥርናፈታት፡ ከምኡ ውን ብዝተፈላለየ ግንባር፡ ክሰርሑ ዝብገሱ ሃገራውያን ተቓለስቲ መርሓባ ኢሉ ሙሉእ ናይ ምቅርራብ መንፈሱ የርኢ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
10 / ሰነ / 2016
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10370

Posted by on Jun 13 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net