ስርዓት ህግደፍ ወለዲ ናይ’ቶም ኣብ ኢማራት ዓረብ ትምህርቶም ዝወድኡ ኣሲሩ።

eritrean force uae
ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኮለጅ ሓይሊ ኣየር ኸሊፋ ቢን ዛይድን ኣብ ኮለጅ ሓይሊ ባሕሪ ራሽድ ቢን ሰዒድ ኣል-መክቱምን፣ ካብ ኤርትራ ተላኢኹም ትምህርቶም ዝወድኡ ኤርትራውያን፣ ንሃገሮም ሰለ ዘይተመልሱ፣ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ብጀካ ኣብ ዞባ ማእከል (ኣስመራን ካባቢኣን) ኣብ ኩሉን ካልኦት ዞባታት ኤርትራ ንወለዲ ናይ’ቶም ዘይተመለሱ ዝተመረቑ ተማሃሮ ከም ዝዳጒነን ንብረቶም ክህግሮ መዲቡ ምህላዉን ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

መብዛሕቲኦም ኣብ’ዘን ክልተ ኮለጃት ዝተመረቑ ዜጋታትና፣ ክብ ዝበል ማዓርግ ዝተቐሉ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፣ ንመጀምርታ ግዜ ኣብ ክልቲኡ ኮለጃት፣ ካብ ወጻእተኛታት ክልተ ኤርትራውያን ቀዳሞት ስለ ዝወጹ፣ ወርቂ ሰይፍ ምሽላሞም፣ ኣብ ቅድሚ ሓለፍቲ ናይተን ኮለጃትን መማህርቶምን፣ ስምን ዝናን ኤርትራዊ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከብጽሕዎ በቒዖም። እዚ ልዑል ዓቕሚ’ዚ ኤርትራ ሃገሮም ኣብ ክንዲ ትጥቀመሉ፣ ብሰንኪ ሕሱም ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክንዲ ናብ ኤርትራ ዝምለሱ፣ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ናብ ዮጋንዳን ከንያን ገጹም ክኸዱ ከም ዝተገደዱ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። ካብ’ቶም ኣብ ኮለጅ ሓይሊ ኣየር ዝተመረቑ (ዳንኤል፣ መሓመድ ሱለይማን፣ ወሃብዝጊ፣ሄኖክ፣ዓወት ሙሉጌታ፣ ዓወት ሃይለን) ብጥርኑፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም ምንባሮም ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ተገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ከምኡ’ውን ካብ ኮለጅ ሓይሊ ባሕሪ ዝተመረቑ (ኣቤል ገብሪሄወት፣ ኣማን ተወልደ፣ ሲራክ ቴድሮስ፣ ሙሳ መሓመድ ከራር፣ መሪሕ ሃብተን) ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ናብ ዝተፈለለየ ቦታት ክስደዱ ከም ዝተገደዱ ተረጋጊጹ። ካብ ሓይሊ ባሕሪ ብጀካ ኣሕመድ መሓመድ ዓሊን ዓድል መሓመድ ዑስማንን ንኤርትራ ዝተመልሰ ካልእ ዘይምህላዉ ንስርዓት ህግደፍ ብጣዕሚ ኣብ ሃውተታ ከም ዘእተዎ ካብ ውሽጢ’ቲ ስርዓት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ካብዚ ሕሉፍ ሕርቃን ነቒሉ መላኺ ኢሳያስ፣ ነቶም ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ሓላፍነት ናይ ጸጥታ ሒዞም ዘለዉ ቀንዲ መማኽርቱ ሊተናል ኮረነል ኣማኑኤልን ኮረነል ተስፋልደትን ብነድሪ ቁጠዐን ከም ዘዛራረቦም ምንጭታትና ሓቢሮም። ንኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስን፣ ንኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሑመድ ካሪካሪን ስማውያን ሓለፍቲ ጥራሕ ስለ ዝኾኑ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ፈጺሙ ርእይቶኦም ክህቡ ከም ዘይተሓተቱ ተረጋጊጹ። ከምኡ’ውን ኣምባሳዳር ኤርትራ ኣብ ኣቡዳቢ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ግቡእ ሓበሬታን ኣፍልጦን ከም ዘይብሉ፣ እቲ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

ኣብ ጉዳይ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ኣብ ትሕቲ ኢሳይያስ ኮይኖም ገበርትን ሓደግትን ዘለዉ እቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሓለፍቲ ጸጥታ ምዃኖም ዝተፈልጠ ኢዩ። ንመላኺ ኢሳይያስ ካብ’ቲ ቀንዲ ዘሰንበዶ ጉዳይ፣ ጉድን ዕርቃንን ስርዓቱ ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ኢማራት ብምቅልዑ ምዃኑ ዘረጋግጽ ሓበሬታ፣ ምንጭታትና ምስ ገለ ሓለፍቲ ናይ’ቲ ስርዓት ካብ ዝገበርዎ ዝርርብ ክፍለጥ ተኸኢሉ።

መንግስቲ ኢማራት ዓረብ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሓው ኣህዛብ ዘሎ ዝምድና ንምሕያልን፣ ዓቕሚ ሃገርና ኣብ ኩሉ መዳያት ንምጉልባትን ካብ ዘለዎ ሰናይ ድልየት ተበጊሱ፣ ኩሉ ወጻኢታት ባዕሉ ሸፊኑ፣ ኣብቲ ናይቲ ሃገር ምዕቡሉን ክቡሩን ዝኾነ ኮለጃት ንኤርትራውያን ዕድል ክኸፍት ከም ዝጸንሐ ህዝብና ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ብሰንኪ ጨቋኒ ምሕደራ ኢሳይያስ ጉጅሉአን ግን፣ እዚ ሰናይ ሓገዝ ናይ ህዝብን መንግስትን ኢማራት ኣብ ክንዲ ንጠቕሚ ሃገር ዘውዕሎ፣ ንጸቢብ ጉጅልኣዊ ጠቕምታቱ ከውዕሎ ስለ ዝፍትን፣ ውጽኢት ኣልቦ ኮይኑ ተሪፉ።

“ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
20/07/2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10392

Posted by on Jul 24 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net