ጋዜጣዊ መግለጺ

ዝኾነ ሃገራዊ ዕዮ ብፍላይ ዝተፈላልየ ዝምባሌታት ዘለዎም ሓይልታት ኣብ ዝሓቖፈ ልፍንቲ ንምዕዋቱ ብርክት ዝበሉ ዓቕምታትን ተሞከሮታን ዝሓትት እዩ። ኣብ’ዚ መዳይ እዚ ከኣ፡ ኣሽንኳይዶ በወሳነንት ኣብ ስደት ኮይና ንደሞክራስያዊ ለውጢ እንቃለስ ዘለና ተቓወሞን ንምዕዋት መደባቱ ብብርክት ዝብሉ ዘይሓገዝቲ ኩነታት ዝተኽበን፡ ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት ዘለዋ ብርክት ዝብላ ሃገራት ዝተለምኦ መደባት ኣብ ምዕዋት እውን ዕንቅፋት ከም ዘጋጥመን ዝፍለጥዩ። ስለዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከኣ፡ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤኡ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ክግበር ብዘይምኽኣሉ ዘይተጸበናዮ ዕንቅፋታት ይኹን ደኣምበር ብመንጽር ከጋጥምዎ ዝጸንሑን ዘሎውን በዓልቤታውን ውድዓውን ብዶሆታት ምስ ነዊሕ ገድላዊ ጉዕዞ ህዝቢ ኤርትራ ክርኤ እንክሎ ዘይስገር ጸገም ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ሓፋሽ ህዝብን ብሃገራዊ ጉባኤ ኣቢሎም ዕላማታቱ ንምዕዋት ይጽዕቱ ክሳብ ዝሃለዉ፡ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ልዑል ተጽቢት ይግበርሉ።

ነዚ መስረት ብምግባር፡ ጉባኤ ኣብ ዝተመደብሉ ግዜ ማለት መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2016 ክካይድ ዘድሊ ምድላዋት በዘይምምልኡን ካብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብዛዕባ ምምጣጥ ግዜ ምግባእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ብዝምልከት ዝመጹና መማርጺ ሓሳባት ኣብ ግምት ብምውሳድን፡ መሪሕነት ባይቶ ግዜ ምግባእ ከልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ክምጠጥን ዕለተ ምግባእ ከልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ እዚ ግዜ’ዚ ብኣስናዳኢት ሽማግሌ ተራእዩ ክውስንን፡ ቅድሚኡ ከኣ፡ ቀጥታ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ክካየድን መሪሕነት ባይቶ እዚ መማርጺ ሓስብ.ዚ ብድሕሪ ምቕራብ ብስምምዕ ኣብዝሓ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ግዜ ንኽምጠጥን ኣብ ውሳኔ በጺሑ ኣሎ። ቦታ ምግባእ ከልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ድማ ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ክግባእ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ክንሕበር ንፍቱ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ጉዕዞ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተሰከመቶ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕን፡ እዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት’ዚ ኣብ መንኮብ ኩሉ ኤርትራዊ ደላዪ ለውጢ ዝተጻዕነ ሃገራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ብምዝኽኻርን፡ መሪሕነት ባይቶ ንሰፊሕ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ጨንፈራትን ዞባታትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከኣ ብፍላይ፡ ንምዕዋት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ሞራላውን ማተርያላውን ምድግጋፍ ክገብሩ ይጽውዕ።

ኣብ መደምደምታ፡ መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ፡ ንምድጋፍ ሃገራዊ ባይቶን ንምዕዋት ጉባኤኡን ብኹሎም ኣካላት ባይቶን መሓዙትን ክግበር ንዝጸንሐን ዘሎን ሰናይ ተበግሶታት ልዑል ምስጋናኡ ከቕርብ ይፈቱ። ከምኡ’ውን መስረታዊ ኣብ ዘይኩኑ ካልኣዊ ጉዳያት ኣብ ክንዲ ምትኳር ኣብ ቀንዲ ዋኒን ምዕዋት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ከነተኩር ይግባእ እብል።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ!!
ዓወት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ
ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
27 ሓምለ 2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10396

Posted by on Jul 28 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net