ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ (4)

ራብዓይ ክፋል

ብዛዕባ ኩነታት ናይዚ ወታሃደራዊ ክፍሊ ክገልጽ ከሎ ፣ ሓፈሻኡ ኩሉ ከበሳ ዘጠቃለለ     ኣውራጃታት ኣከለጉዛይን ሰራየን ሓማሴንን ምብራቃዊ  ገማግም ባሕሪ ኣከለጉዛይ ፣  ምዃኑ ገሊጹ ። ሓይሊ ጸላኢ ጦር ሰራዊት ኮነ ካልእ ወታሃደራዊ ሓይሊታቱ  ፖሊስ ፣ ኮማንዶስ ፣ ከተማ ኣስመራ ሓዊስካ ቀንዲ መደበራት ጸላኢ ዝርከቦ ክፍሊ እዩ ። ብተወሳኺ ጸላኢ ኣብ ፈቀዶ ዓድታት ንህዝቢ ( ባንዳ ) ዝዓደሎ ብረት ይርከብ ። ምስ ጀብሃ ንምግጣም ካብ ዝተፈላለየ መሰረታዊ መደበራቱ ይብገስ ነሩ ። ስሌዚ ከምቲ ዝተገልጸ ምስ ጸላኢ ቅልጡፍ ተኸታታሊ ወይ ድማ ዳርጋ ማዓልታዊ ዝኾነ ግጥሚያታት ክካየድ ባህሪያዊ እዩ ክባሃል ይካኣል ።

ደገፍ ህዝቢ ብዝምልከት፣ ምትሕብባር ናይ ህዝቢ ኣብዚ ክፍሊ ፣ከተማታት ሓውስካ ማለት እቶም ኣብ ምስጥራዊ ሰክዔታት ዝተወደቡ ብፍላይ ኣብ ኣስመራ ፣ ዓድቀይሕ ፣ ሰንዓፈ፣ መንደፈራ ፣ ደቂማሓረ ፣ዝነበሩ ኣባላት ብዛዕባ ጸላኢን ምንቅስቃሳቱን  ጠቃሚ ሓቤረታታት የስንቁና ነሮም ። ብፍላይ እቲ ንጹር መርገጽ ካብ ጸላኢ ዝነበሮ ህዝቢ ዘርእዮ ዝነበረ ታሓባባርነት ላዕሊ ነሩ ። ዉሱን ነገራዊ ሓገዛትን ገለ ስንቂ ካብ ከተማታት ንገጠር ናይ ሙውጻእ ጻዕሪታቱ ድማ ቀጻሊ ነሩ ። ብተወሳኺ ሓይሊ ሰውራ ኣብዚ ክፍሊ ምብጽሑ  ነቲ ኣብ መዳ ንምስላፍ ንባርካ ሙውራድ ጸገም ኮይኑዎም ዝነበሩ መንእሰያት  ተቃሊሉሎም ብቀረባ ኣብ ሰልፊታት ሰራዊት ሓርነት ክጽንበሩ ዓብይ ዕድል ረኸቡ ።  እቲ ብተጋዳሊት ጁምዓ ዑመርን ራሕማ ሳልሕን ንፈለማ ግዜ ዝተጀመረ ፣ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ጎኒ ኣሕዋታ ብሬት ተሰኪማ ዝተሰለፈት እውን ኣብዚ ክፍሊ እዩ ። እዚ ድማ ባህሪያዊ መቀጸልታ  ናይቲ ምስ ምጅማር ሰውራ ዝተጀመረ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምድጋፍ ሰውራን ተወፋይነተንን ዘመልከተ ተርእዮ ነበረ ። በዚ ኣጋጣሚ ዝዝክሮ ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ  ክፍሊ ንተጋደልቲ ዘድሊ እኽለ ማይ ኣብ ምቅራብን ፣ ምስቲ ሽዑ ብወገን ጸላኢ ዝነብረ ሓደገኛ ኩነታት ፣ እገዳን ምክትታልን እንዳሃለወ  ከም ሽኮርን ካልእ ኣድላይ ነገራትን ካብ ከተማታት ንምምጻእ ዘካየዳኦ ዝነበራ ሓደገኛ ጻዕሪታት ዝርሳዕ ኣይኮነን ።ብፍላይ ኣብ ናእሽቱ ዓድታት ዉሱናት ደቂ ኣንስትዮ በይነን ንዓሰርተታት ተጋደልቲ ዝኾውን መግቢ ንምድላው ዘካይዳኦ ዝነብራ ጻዕሪ ብፍጹም ዝርሳዕ ኣይኮነን ። ብተወሳኺ ንተጋደልቲ  ኩፉፍን (ዝናር) ሻንጣታትን ካብ ቆርበት ይሰርሓ ነረን ። ከምኡ ድማ ተጋደልቲ ኣብ መንኲቦም ዝሰቅሉዎ  ኣብ (ካታፋት)  ካብ ሕብራዊ ጨርቂ ዝስራሕ (ፍሉይ ምልክት) ይሰርሓ ነረን  ። ኩለን ክፍሊታት ነናተን  ፍሉይ መለለዪ ነሩወን ። ናይ ሳልሰይቲ ክፍሊ ምልክት ድማ ብሙሉኡ ቀይሕ ነሩ ።

ቁጽሪ ናይቶም ካብ ገጠርን ከተማታትን ንምስላፍ ዝመጹ ተጋደልቲ ኣዚዩ እንዳበዘሔ ስሌ ዝኸደ ሓደስቲ ኣሃዱታት ማለት ጋንታታትን ሓይሊታትን ተመስሪተን ። መብዛሕትኦም ዝስለፉ ሓደስቲ ብሰንኪ ቀጻሊ ምስ ጸላኢ ዝካየድ  ዝነበረ ውግኣት ሓደገኛ ኩነታት ስሌ ዝነበረ ወታሃደራዊ ስልጠና ኣብ ውሽጢ ኣሃዱታት ይዋሃቦም ነሩ ። ካብቶም ሽዑ ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ድማ  ኣብ ጉዕዞ ናይ ቃልሲ ኣብቲ ክፍሊ ይኹን ድሕሩ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሜዳ ኤርትራ  ኣገዳሲ መሪሕነታዊ ቦታ ዝሓዙ ብዙሓት እዮም ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ ጸላኢ ዝካየድ ዝነበረ ዝተፈላለየ ወታሃደራዊ  ስሪሕታት ፣ መሪሕነታዊ ኣካላት ናይዚ ክፍሊ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ብጸላኢ ዝንዛሕ ዝነበረ ፣ እቲ ሰውራ ኣንጻር ክርስትያን እያ ዝብልን ካልእ መርዛም ነፍሕታትን ካብ ሓንጎሎም ንምእላይ ፣ ሰውራ ናቶም ምዃናን እቲ ቀንዲ ሃገራዊ ዕላማታታ ድማ ናጽነትን ሓርነትን ምዃኑ ንምግላጽ ምስቲ ዝጓነፎም ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ፣ ኣብ ዓድታት ኣኼባታት ብምክያድ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ጎሽጓሻት የካይዱ ነሮም ።ከተማታት ዝኣትዉሉ ግዜ እውን ነሩ። እዚ ክባሃል ከሎ ኩሉ እቲ ህዝቢ ኣብዚ ክፍሊ ብሬት ናይ ጸላኢ ተሰክሙ  ምስ ጸላኢ ጠጠው ኢሉ ነሩ ማለት ኣይኮነን  ። ጸላኢ ዝቆጻጸሮ ቦታታት እኳ እንተኾነ ፣ብሃገራውነቶም ዝተፈልጡ ልሉያት ባእታታት ዝሓዛ ዓድታት እውን ነረን እየን ። ብሬት ናይ ጸላኢ ንዝሓዙ ህዝቢ ብሬቶም ኣንጻር ሰውራ ከይየቅንዑ  ብዝተፈላለየ ሜላታት መጸዋዕታታት ይቀርቦም ነሩ ።

ንምሳሌ  ኣብ ዓዲ ኣጓልዕ ክልተ ሰብ ብረት (ባንዳ) ምስ ብሬቶም ሕዝና ሳልሳዮም ሃዲሙ ፣ ነዞም ክልተ ክሳብ ምስያም ምሳና ወስድናዮም ህዝቢ ካብቲ ዓዲ ስዒቦሙና ንሕና ድማ ነቶም ባንዳ ብሬቶም ኣውርድና  ንዓዶም መሊስናዮም ። ከምዚ ዝኣምሰለ ስጉምትታት ድማ ሰውራ  ኣንጻር ህዝቢ ከምዘይኮነት ዝሕብር ሓድሽ መንፈስ  የሕድረሎም  ነሩ ። ኣብ ሞንጎ እቲ ብሬት ናይ ጸላኢ ዝሓዘ ዓድታት ድማ ከምቲ ዝተገልጸ ሃገራዊያን ነሮም ንምሳሌ ኣብ ዓዲ ኣስሞሩ ሸቃ ክፍለ ዝባሃል ካብ ግዜ ኢንግሊዝ ብሬት ዝሓዘ ሰብ ነሩ ፣ ካብ ሽፍትነት ክኣቱ ብሬቱ ኣብ ዓዱ ክስከም  ብኢንግሊዛዊያን ተፈቅዱሉ  ነሩ ። ነዚ ሰብ መወዳእታ 1965 ኢና ረኽብናዮ ፣ ምስ ኢትዮጵያውያን ብምትሕብባሩ መሪር ሓዘን እንዳ ተሰመዖ ድማ ዛንታኡ ክነግረና ጀሚሩ ። ሸቃ ክፍለ ካብቶም ናይ ኢትዮጵያ ሸፋቱ ፣ መራሕቲ ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ጠቂሱ  ፥-

  1. ሸቃ ክፍለ ( ንሱ ባዕሉ )
  2. ኣስረስሄ ኢምባየ
  3. ደበሳይ ድራር
  4. ወዲ ከፈላ ።

ሸቃ ክፍለ ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣርባዕተና  ንኢትዮጵያ ጸዊዑ ከይድና ፣ “ንሕና ደሞዝ ክንገብረልኩም ኢና ፣ ዕማምኩም ድማ ንህዝቢ ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ከምዝሓቲት ግበሩዎ ጸረ እቶም ናጽነት ኤርትራ ዝጽዉዑ ድማ ብሬት ኣልዕልኩም ተቃለሱ ” ኢሉና  ይብል ።ቀጺሉ  ነዚ ናይ ሃይለ ስላሴ ዘረባ ሰምዕና ድማ ንምሳሌ ኣብ ኢንጋኛ ንሓደ ሰብ ቀቲልና እንዳበለ ጓህዩን ሓዘኑን ይገልጽ ። ጠንቂ ናይዚ  ሕጂ  ተፈጢሩ ዘሎ ሕማቅ ኩነታት ድማ ንሕና ኢና ብምባል ፣ ምሳና ክስለፍ ስድራ ናቱ ካብ ዓይኒ ጸላኢ ክነርሕቆም  ሓቲቱና ንሕና ዝሓተተና ክንፍጽም ኣይካኣልናን ፣ ምስኡ ግን ምስጥራዊ ርክብ ነሩና ።  ብስምምዕና መሰረት ድማ  ንሕና ኣብታ ዓዱ ክንኣቱ እንተደለና ፣ ጸላኢ ከይጥርጥሮ ካብታ ዓዲ ክወጽእ ኣቀድምና ንሕብሮ ነርና ።

ካብቲ ሞንጎ ህዝቢ ዝካየድ ዝነበር ንጥፈታት ድማ እተን ንኣትወን ዓድታት ፣ ሞንጎ ሰውራን ህዝብን ዘሎ ዝምድና ዝሰርዑ ፣ ንህዝቢ ኣብቲ ዓዲ ዘመሓድሩ ሽማግሌታት ከምዝመርጹ ንገብር ነርና  ። ዝተፈላለየ ስራሓት ንምስላጥ ኣብ ሞንጎ ኣሃዶታት ይኹን ምምሕድራት ፣ ዝነበረ ናይ ርኽክባት ሽግራት ንምቅላል ተላኣኣኽቲ ካብ ህዝቢ ንምድብ ነርና ።ምስቲ ኣብ ከተማታት ዘሎ ምስጥራዊ ስርርዓት ኣድላይ መልእኽትታት ዘበጻጽሑ  ሰባት እውን ከምኡ ።

ደቡባዊ ወገናት ናይዚ ክፍሊ ምቁጽጻሩ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ጽዑቅ ህላወ ናይ ጸላኢ ኣሸጋሪ እዩ ነሩ ። ንምሳሌ መደበራት ናይ ፖሊስን ባንዳን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት  ፋሕ ዝበለ ነሩ ፣  ኣብ ደምበላስ ዓዲ ጸጸር ፣ ቱኹል ኣብ ዛይድ ኣከሎም ፣ከባቢ ዓዲ ኣጓልዕን ንእሽቶ ከተማ ዓረዛን ነሩ ። ስሩዕ ሰራዊት ግን ካብ ዓበይቲ  ከተማታት  ኣስመራ ፣ ደቂማሓረ ፣ መንደፈራ ፣ ዓዲዃላ ፣ ዓዲ ቀይሕ ፣ ሰንዓፈ ፣ ሰገነይቲ ፣ማይ ሓባር —-ይውንጨፍ ነሩ ።

ምብራቃዊ ሸነኽ ኣከለ ጉዛይ ድማ ጎቦታት ዓጋምቡሳ ፣ ዳቅዓ ፣ ዲዖት ፣ቆሓይቶ ፣ ሶይራን ሓዊስካ ፣ምብራቃዊ ጎላጉል ገማግም ባሕሪን ብሓፈሻ ካብ መደበራት ጸላኢ ዝራሓቀ ብምንባሩን ፣ብሰንኪ እቲ  ተፈጥሮ  ጽኑዕ ዓይነት መሬቱን ፣ ዝላዓለ ምትሕብባር ናይ ህዝብን ጸላኢ ብቀሊሉ ክደፍሮ ዘይክእል ጽኑዕ ድሕረ ግንባራትና ብምንባሩ ፣ ኣብ ጽንዓትናን ዓወትናን ዓብይ ግደ ነሩዎ ። ስሌ ዝኾነ ድማ ሓይሊታትና ኣብዚ ክፍሊ ዝተፈላለየ ዕዉት ውግኣት ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዓብይ ክሳራ ኣውርደን እየን ።

ሰራዊት ሓርነት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ መጥቃዕትታት እንዳ ኣካየደን ንመጥቃዕትታቱ እንዳተኸላኸለን  ዘተኣማምን ድሕረ ግንባር ዝኾኖ መሬት ክቆጻጸር ከኣለ ። ብብዝሑን ስሪሕታቱን እንዳሳሰነን እንዳማዕበለን ምስ ከደ ድማ ጸላኢ ኣብ ልዕሊ መደበራቱ መጥቃዕትታት ከይይካየድን ኣብ ውሽጢ ከተማታት ዝካየድ ስሪሕታት ከይድንፍዕን ክፈሪህ ጀመረ ።

ሓሚድ ቀጺሉ ፣ ምስ ምስፍሕፋሕ ሰውራዊ ንጥፈታትን ምምዝጋብ ዓወታትን ብሓፈሻ ፣ ጸላኢ ግስጋሰ ሰውራ ንምግታእ ዘካየዶ ዝነበረ ፈተናታት ኩሉ ስሌ ዝፈሸሎ ኣብ ተስፋ ናይ ምቅራጽ ደረጃ ስሌ ዝበጸሔ ሓይሊታቱ  ኣኻኽቡ ፣ መሬት ምንዳድ  ዝብል ፖሊሲ ተኸቲሉ  ፣ ብሙሉእ ሓይሉ ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ህዝቢ ንምንጻትን ትሕዝቶታቱ  ንምብራስን  ተላዕለ ። ወራሩ ወርሒ 2/ 1967 ብጋሽ ባርካ ጀምሩ ከምቲ ኣብ ሞጎራየብ ፣ ዓድ ኢብራሂምን ጋርሳትን ወዘተ ዝፈጸሞ ህዝቢ ብምቅታልን ዓድታት ብምንዳድን ፣ ካብ ህዝቢ ኣማኢት ቀቲሉ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቁጸር እንስሳታት ድማ ኣንጽቱ ፣ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቁጸር ህዝቢ ድማ ተሰዲዱ መሬት ሱዳን በጽ|ሑ ። ኣብ ወርሒ 7/ 1967 ድማ ኣብ ራብዓይቲ ክፍሊ ኣብ ዓድታት ዓኢላትን ጋድጋድን ወዘተ ተመሳሳሊ ግፍዕታት ፈጺሙ ካብ ህዝቢ ኣማኢት ቀቲሉ ዓሰርተታት ኣሻሕት ካብ ጥሪት ድማ ኣንጽቱን ዓድታት ኣንድዱን  ።ወርሒ 10/ 1967 ድማ ኣብ ካልኣይቲ ክፍሊ ብኣስማጥ ፣ ማላብሶ ፣ሓልሓል ጀምሩ ዓሰርተታት ዓድታት ኣንድዱ ተመሳሳሊ ስራሓት ኣካይዱ ። ብወርሒ  11/1967 ናይታ ዓመት ድማ ኣብ ሳልሰይቲ ክፍሊ ካብ ህዝቢ ኣማኢት ቀቲሉ ዓሰርተታት ኣሻሓት ካብ ጥሪት ኣጥፊኡ ዓሰርተታት ዓድታት ድማ ኣንድዱ ቀንዲ ካብኤን ድማ ፣ ኣብ ሰራየ ብማልሕና ዲክ (ሸውዓተ ዓዲ) ዝጽውዓ ዓድታት ፣ ኣብ ሃዘሞ ድማ ዓድታት ፣ ጎዶፎ ፣ ሳርባቢት ፣ ሮባሺሮ ፣ ዓዝዓዝሎ ፣ ካስካሰ (ሞንጎ ዓድቀይሕን ሰንዓፈን ) ፣ ኣብ ካልእ ዓድታትን ዘስካሕክሕ ፈጻመታት ተገይሩ ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣብ ዝተፈላለየ ወገናት ኤርትራ ጭካኔ ዝመለኤ ደረት ዘይብሉ ግፍዕታት ዝተፈጸመሉ ግዜ  እዩ ነሩ ። ይኹን እምበር ህዝብና ኣይተምበርከኸን ብጽንዓት ድማ ቃልሱ ቀጸለ ። ኣብ ሳልሰይቲ ክፍሊ እውን ምስ ጸላኢ ምርብራብ ኣይተዳኸመን ተጋደልትናን ህዝብናን ንጸላኢ እንዳደርዓሙ ፣ ጅግንነታዊ መስዋእቲ ኣወፊዮም እዮም ።

ኣብ ሳልሰይቲ ክፍሊ ዝነብሩ መራሕቲ ጋንታታትን ሓይሊታትን ሓለፍቲ ናይ ዝተፈላለያ ትካላትን ፍሉጣት ባእታታትን ክጠቅሰለይ ምስ ሓተትኩዎ  ተጋዳላይ ሓሚድ ፣  ኩሎም ሓለፍቲ ዝነበሩ ሓደ ግዜ ምዝካሮም ኣሸጋሪ እዩ ብምባል ፣  ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተጠቅሱን ዝተሰወኡን ዝስዕም ኣስማት ጠቂሱ ፥-

ሓሚድ ኢድሪስ በላይ ፣ ዑመር ሱባ  ፣ ሙሓመድ ስዒድ ድብሽክ  ፣ ኣደም ሳልሕ (ቀይሕ ሻምበል ) ፣ ባሻይ ገረዝግሄር ፣ ዑመር ሙሓመድ ኣቡ ሻናብ ፣ ዑስማን ሲዲ ፣ ሳልሕ ዑመር ፣ ጻዱዋ ሹም ዑመር ፣ ዑመር ማሕሙድ ፣ ዓብዱቃድር ካቢረ ፣ ወዲ ቀሺ ፣ ዓብዱልራሒም ፣ ዓሊ ሑሩይ ፣ ኣብራሃም ተወልደ ፣ ኣደም ዲኒ ፣ስዒድ ሳልሕ ማሕሙድ ፣ ዓብዳላ ዳዉድ ፣ ገብሪህወት ወዲ ሕምብርቲ ፣ሸኽ ሑሴን ሙሓመድ ማሕሙድ ፣  ናፍዕ ጁኑቢ ፣ ስዒድ ሑማድ ፣ ሳልሕ ሙሓመድ ስዒድ ፣ ሃይለ ጓንጉል ፣ ስዒድ  ዩሱፍ (ሓራክ) ፣  ዑስማን ሙሓመድ እስማዒል ፣ ስዒድ ሳልሕ ሙሓመድ ፣ ኣሕመድ ሙሓመድ ብርሃን  ( ኣስመራ)  ፣ ዓብዱልቃድር ሙሓመድ ያሲን (ማንጆስ) ፣ ወልዳይ ካሕሳይ ፣ ኣቡባካር ዓሊ ሑሴን  ፣ ዓብዱ ዓብደላ ሱለይማን ፣ ተኽለ ማንጆስ ( ሓኪም ሓይሊ ነሩ ) ፣ ገይቱ ፣ ዓብደላ ዓሊ ፣ሳልሕ ሱለይማን ( ዶክቶር ) ሙሓመድ ዓሊ ሕጎ ፣ ክዳነ ጁኑቢ ፣ ኣሕመድ ፖሊስ ፣ ወዲ ዳሪዕ ፣ ሳልም ዑስማን ፣ ሙሓመድ ኣሕመድ ኢክለ ፣ ኢብራሂም ኢስማዒል ፣ ኑር ዓይኒ ፣ ሶሎሙን ወልደማርያም ፣ ሱለይማን ዲኒ ፣ ዓምር ዑመር ፣  ኣማን ባህታ ፣ ባሻይ ዳዉድ ፣ ኢብራሂም ዓቃ ፣ ራማዳን ዳዉድ ፣ ዓብደላ ሹም  ፣ ሳልሕ ኢብራሂም ፣ ሙሓመድ ዑመር ኢብራሂም ፣ ኣስመሮም ገብረዝጋብሔር  ፣  ወዘተ ጠቂሱ ።

ካብዞም ኣብዚ ተጠቂሶም ዘሎዉ ሓምሸይቲ ክፍሊ ምስ ተመስረተት ዝተሳሕቡ ኣለዉ ። ወልዳይ ካሕሳይ ሓደ ካብኦም እዩ ። ከምኡ ድማ ስዉእ ገብሪህወት ወዲ ሕምብርቲ  ፣ ስዉእ ስዒድ ሳልሕ ሙሓመድ ፣ ኣሕመድ ኣስመራ ፣ ሳልሕ ሙሓመድ ስዒድ (ኣርዋሓትየ ) ፣ ድሕሪ ምኽሓድ ወልዳይ ካሕሳይ መራሕ ሓምሸይቲ ክፍሊ ድማ ስዉእ ኣብራሃም ተወልደ ።

ሓጽር ግዜ ቅድሚ ምምስራት ሱሉሳዊ ሓድነት ድማ ኣብ ወጻኢ ወታሃደራዊ  ትምህርቲ ዝጨረሹ ሞኮንናት ስዉእ ሙሓመድ ኣሕመድ ዓብዱ ፣ ሳልሕ ኢብራሂም ፣ ሳልሕ ዓምር ከኪያ ፣ ከምኡ እውን ካድር ኣሕመድ ኢብራሂም ( ስክርተር ) ወዘተ መጺኦሙና ፣ እዞም ዝተጠቅሱ ድማ 99% ካብኣቶም ስዉኣት እዮም ኢሉ ።

ይቅጽል

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10420

Posted by on Aug 15 2016 Filed under Interviews. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net