ኣፈታትሓ ግርጭት መሰረትን መሪሕነትን ኣይመርጽን።

ብ ብርሃነ ገብረመድህን

ዓለምና ብመሰረቱ መድረኽ ቃልሲ ስለዝኾነት ንፍሉይን ብዙሕ ውረድ ደይብ ዝጠልብን ዕላማ ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ዕለታዊ ናብራኻ መሊኽካ ንኽትነብርውን እንተኾነ ዓቕምኻ ብዝፈቕዶ መጠን ዘዋጻኣካ መገዲ መሪጽካ ኢኻ ንናይ ሂወት ብድሆታት ክትሰግሮ እትጽዕር። ውልቃዊ ወይከኣ ስድራቤታዊ ሓላፍነት ስለዘለካ የዐውተኒ ብዝበልካዮ መገዲ ትጓየ። ጸገማት እንተኣጓነፈካ ከኣ ኣማራጺታት ተናዲ። ሓላፊ ስድራቤት እንተዄንካ ኩሉ ግዜ ምስ ስድራኻ እናተማኸርካ ትሰርሕ። ኣድላዪ ምስዝኸውን ድማ ንትኣምኖም ካልኦት ተወኪስካን፡ ካብ ተሞኩሮኦም ተማሂርካን ዝሰማማዓካ ኣማራጺ እናወሰድካ መጻኢኻ ተማዓራሪ። ሂወት ከምኡ እናበለት ትቕጽል። ብሓጺሩ ናብራኻ ህልውናኻ ስለዝኾነ ኣይከኣልኩን ኢልካ ተቋርጾ ጉዳይ ኣይኮነን። ኣሚንካ ዝተሰለፍካሉ ዕላማ ንምዕዋትውን ብመንጽርዚ ዝርኤ ተወፋይነት ዝጠልብ ኢዩ። ብፍላይ ሃገራዊ ዕላማ ብማሓዛይ ገደፋኒ ዘይኮነስ ዓቕምኻ መዚንካ ምስ መቓልስትኻ ብሓደ ራእይ ተጠርኒፍካ ንኽትሰርሕ ብንቕሓት እትምርሓሉ ናይ ሕልና ድሉውነት ይሓትት። እቲ ኣብ ቃልሲ ዝህልወካ ተሳታፍነት ካብቲ ንናይ ባዕልኻ ናብራ ኢልካ እተጥፍኦ ግዜን፡ጉልበትን፡ ገንዘብን ብጽሒቱ ዘልዕል ስለዝኾነ እቲ እትስለፈሉ ዕላማ ዘሰክመካ ሓላፍነታዊ ጾር ኣቐዲምካ ክትመዝኖ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ ገለገለ ኣጋጣሚታት ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘይተሓስበ ነገራትውን ከጋጥም ከምዝኽእል ኣብ ግምት ኣእቲኻ ንኹሉ ነገራት ቅሩብ ሙዃን ዝበለጸ ኣፍራዪ ንኽትከውን ሓጋዚ ኢዩ። ቃልሲ ልሙጽ ጎደና ተኸቲሉ ስለዘይከይድን ወድሰብ ከኣ ኣብ ኣተሓሳስብኡ ገለ ለውጥታት ከርኢ ባህርያዊ ስለዝኾነን ዝበዝሑ ብጾትካ ጽንዓቶም እናደልደለ፡ ተሳትፉኦም እናሰፍሐ ክኸይድ እንከሎ ዝተወሰኑ ካብኣቶም ግና ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ክምለሱ ዝስትውዓለሉ ኣጋጣሚታት ክትርኢ ተኽእሎታት ኣሎ። ገለ ካብኣቶም ቀስ እናበሉ ካብቲ ቃልሲ ከንሳሕቡ ካልኦቶም ድማ ንህድምኦም ምኽኑይ ክገብሩ ክብሉ ኣብ ዘየድሊ በለካ ለኽዓካ ተዋፊሮም ንገለ ገርህታት ከጋግዩ ክፍትኑ ክትዕዘብ ትኽእል። ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ ክኽሰት እንክሎ ቀልጢፍካ ብስምዒት ተደፋፊእካ ክትገጥሞ ዘይኮነስ ነቲ ቀንዲ ጠንቅታት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት እንታይ ኢዩ ኢልካ ግዜ ብዘይመጥጥ ኣገባብ ካብ ሱር መሰረቱ ከተጽንዖ ኢዩ ዘድሊ። ግዜ እናነውሐ ምስዝኸይድ እቲ ካብ ናእሽቱ ነገራት ዝጅምር ሕሹኽሹኽ ናብ ግርጭትን ቅርሕንትን ከምርሕ ይኽእል። እዚ ድማ ዝዓበየ ውራይካ ገዲፍካ ኣብ ጓልነገር ተሓጺርካ ከምትተርፍ ይገብረካ። ብፍላይ ለባምን ቆራጽን መሪሕነት እንተዘይብልካ ውድብ ናይ ህልኽን ጭቕጭቕን መድረኽ ይኸውን። እቲ እትዕዘቦ ድኽመት ናይ መሪሕነት መበገሲኡ ብቐሊሉ ክትርድኦ ምስዘይትኽእል ህድእ ኢልካ ከተጽንዖን ክትመዝኖን ዝተወሰነ ግዜ ምሃብ የድሊ። ብመሰረቱ ኩሉ ግርጭት ኣሉታዊ መበገሲ ይኹን ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ናይግድን ስለዘይኮነ ቅድመፍርዲ ክትገብረሉ ወይከኣ ካብ መጀመርትኡ ብኣሉታ ክትርእዮ ኣይግባእን። ሓድሓደ ግዜ ንጽቡቕካ ክኸውንውን ይኽእልዩ ምኽንያቱ ብግቡእ ዝተኣልየ ግርጭት መሰረት ምዕባለ ስለዝኾነ። እቲ ክትኰረሉ ዝግባእ ቁምነገር ነቲ ጉዳይ ኣስፍሕ ኣቢልካ ምርኣይን እቲ ንዕኡ ከጽንዕ ዝምደብ ወገን ድማ ብቕዓት ዘለዎ ሙዃኑ ምርግጋጽን’ዩ። ብፍላይ እቲ ዝጽናዕ ጉዳይ ዝደጋገም ተርእዮ እንተኾይኑ ፍሉይ ኣቓልቦን ኣተሓሕዛን ክግበረሉ ይግባእ። ብኣውርኡ ግና ኣብ ሓደ ውድብ ንዝፍጠር ግርጭት መዓልቦ ናይ ምግባር ሓላፍነት ነቲ መሪሕ ኣካል ዝምልከትኳ እንተኾነ መሰረታት እውን ኣብ ምፍትሑ ዓቢ ተራ ከምዘለዎም ክፍለጥ ኣለዎ። ኣብቲ ዝተፈጠረ ጸገም ኢድ ዘይብሎም መሰረታት ናይ ማንም ጸግዒ ከይሓዙ ምእንቲ መትከላዊ ዕላምኦም ክብሉ ሻራ ዘይብሉ ሓበሬታ ክህቡ ይኽእሉ ኢዮም። ክብደትን ፉኽሰትን ናይቲ ጉዳይ ብግቡእ ንኽምዘን እቲ ዘጻሪ ኣካል ዝረኽቦ ሓበሬታ ወሳኒ ስለዝኾነ እቶም ሓቀኛ መሰረታት ምንጪ ናይቲ ዝድለ ቅኑዕ ሓበሬታ ኮይኖም ከገልግሉ ይኽእሉ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ግርጭት ከም ተርእዮ መጠን ንምንታይ ተፈጠረ ኢልካ ትጭነቐሉ ዘይኮነስ ኣነ ንኽፈትሖ እኹል ሓበሬታ ኣለኒ ድዩ? ሓበሬታ እንተረኸብኩኸ ናይ ምእላይ ዓቕመይ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኢልካ ምስ ንብስኻ ትተሓታተሉ ንኹሉ ኣባል ዝምልከት ብድሆ ኢዩ። ስለዚ ኣብ መንጎኻ ዝተፈጠረ ሽግር ንምእላይ ኣድላዪ ምድላዋት እንተድኣ ጌርካ ንእንታይነት ናይቲ ጸገም ብግቡእ ገሊጽካ ነቲ ንዕኡ ዘበገሰ ጠንቅታት ብምብራህ ብዘተ ንኽትፈትሖ ትዳሎ ማለት’ዩ ። ናብ መስርሕ ፍታሕ ክትኣቱ እንከለኻ ድማ፡ 1. ግርጭት ዋላ ናብ ምትፍናን ገጹ ዘምርሕ ዝመስልውን እንተኾነ ክትኣልዮ ክሳዕ ዝኸኣልካ ውጽኢቱ ሃናጺ ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ግምት ከተእቱ ድኣምበር ንግርጭት ክትፈርሖን ብኣሉታ ክትጥምቶን ኣይግባእን። ኣብ እትወስዶ ስጉምቲ ርእሰ ምትእምማን ይሃሉኻ። 2 2. ንጽቡቕ ኣተኣላልያ ቅድመ ኩነቱ ንኹሉ ነገራት ብቕንዕናን ብሓቀኝነትን ምቕራብ ጥራይ ኢዩ ዝሓትት። ነቶም ነዚ ዝበቅዕ ባህሪ ዘለዎም ብጾትካ ኣለሊኻ ነቲ ዝተፈጠረ ግርጭት ዝገልጹሉ ዕድል ምርካቦም ኣረጋግጽ። ሓድሓደ ግዜ ኣብ መስርህ ምጽራይ ንዝሕተቱ ገዲፍካ ንዘይምልከቶም ምስትሓትት ነቲ ሓቂ ብኣንጻሩ ዘዘንትዉ እውን የጋጥሙ ኢዮምሞ ንውድብካ ግዳይ ናይ ግጉይ ሓበሬታ ከይትገብሮ ልዑል ጥንቃቐ ምግባር የድሊ። 3. ኣብቲ ዝተፈጠረ ግርጭት ተራ ምስዝህልወካ ንኽትእረም ተባሂሉ ካብ ካልኦት ንዝውሃብ ርእይቶ ንዓኻ ብውልቂ ንምጥቃዕ ከምዝተገብረ ጌርካ ብምውሳድ ንብጾትካ ኣይትጻባእ። ኣብኡ ተራ ዘይብልካ እንተኾንካሞ ኣራምን ሃናጽን ኴንካ ምስትቐርብ ድማ ርእይቶኻ ኣብቲ ዘዘራርብ ዘሎ ጉዳይ ዘቕንዐ ድኣምበር ነቲ ትእርሞ ዘለኻ ሰብ ዘቆናጽብ ኣይኹን። ነቲ መግለጺኻ ንጹርን ብሩህን ግበሮ እንተኽኢልካ ድማ ንዕኡ ይኸውንዩ ትብሎ ፍታሕ እንተልዩ ንብጾትካ ሓብር። ኣብ መስርሕ ኣተኣላልያ ግርጭት ቁጥዐ፡ ስምዒታዊነት፡ ወጊድካ ቅረብ። ሃሳዪ ርእይቶ ካብ ምሃብ፡ ቂም ካብ ምንጽብራቕ ተቖጠብ። ሓድሓደ ግዜ ሰኣን ትዕግስትን ሜላን ዘይስምካ ክትውሃብ ስለእትኽእል ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕን ሓሳብካ ብህድኣት ናይ ምግላጽን ልምድኻ ኣደንፍዕ። 4. ናይ ምእራም ዕላማ እቲ ሰብ ካብ ጌግኡ ተማሂሩ ንመጻኢ ምሳኻ ብስኒት ንኽጓዓዝ ስለዝኾነ በቲ ዝተረኽበ ኣጋጣሚ ሓጥያት ከተብዝሓሉ ይኹን ዕድል ረኺበ ኢልካ ውልቃዊ ቅርሕንትኻ ከተንጸባርቐሉ ሞራላዊ ኣይኮነን። ምሒር እንተበዝሐ ከኣ ካብ ዓንኬል ውድባዊ ኣተኣላልያ ወጺኡ ብሕጊ ከኽስሰካ ከምዝኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ካብ ዘተ ዝርከብ ፍታሕ ሰዓርን ተሰዓርን ዘይብሉ ናይኩሉ ናይ ሓባር ዓወት ስለዝኾነ ንኣባላት ብዝበለጸ ዘተሓቛቑፍ ኣዎንታዊ ውጽኢት ኣለዎ። 5. ወናኒ ቅርዑይ ሞራል ምእንቲ ክትከውን ኩሉግዜ ኣብቲ ዓበይቲ ጉዳያት ድኣ ኣትኩር እምበር ጥኒን እናበልካ ንናእሽቱ ፍልልያት እናደማመርካ ኣይተጋፍሕ። ንኽብደት ናይቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ጉዳይ መዚንካ ነቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ሓዊ ዝነዝሕ ብዘይ ንሕስያ ተቓለሶ። ንርቡሓት ብጾቶም ብዝተፈላልየ ኣሉታዊ ባህርያት እናገለጹ ምስ ኣባላት ውድብ ከጋጩዉዎምን መቃለሲ ባይታ ከስእንዎን ዝግዕሩ ድኹማት ምስ እትዕዘብ ከም ኣመለኛታት ርኢኻ ሸለል ዝብሃሉ ዘይኮኑስ ናይ ካልኦት ውድቀትካ ዝምነዩ ግዳማውያን ልኡኻት ከይኮኑ ኣድላዪ ክትትል ክግበረሎም ሓብር። ንርቡሓት ምኽፋእ ንውድብካ ምድኻምዩ። ብፍላይ ብሰላሕታ ኣብ መንጎ ኣባላት ዝፍኖ ሕሹኽሹኽ ንውድብ እናኣመናመነ ዝቐትል መርዚ ስለዝኾነ ነቶም ከምዚኦም ዝበሉ ገበርቲ ክፉእ ብዘይንሓፍነት ካብ ውድብካ ብዝቐልጠፈ ስጎግ። ንኻልኦት ጥዑያት ብላኼማ ከይትኸስሮም ግና ብርቱዕ ጥንቃቐ ግበር። 6. እትዛረቦ ነገራት ዋላ ሓቂ ይኹን ብዘየገድስ ኣብ ውድብካ ዘሎ ጸገማት ምስ ኣብ ደገ ዘለዉ ፈተውትኻ ኣይተዕልል። ግዜን ቦታን ከይመረጽካ ስምዒትካ ዘይትቆጻጸርን ከምዝመጽኣልካ ትዛረብን እንተድኣ ዄንካ ንምስጢር ውድብካ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ዘኽስስ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ምእራም መስርሕ ንተቕርቦ ሓሳብውን ክብደት ዝኸልኦ ጥራይ ዘይኮነስ ደቂ ውድብካ ብዛዕባኻ ግጉይ ስእሊ ክሕድሩ ዘኽእል ኢዩሞ ኩሉ ጉዕዞኻ እርኑብ ይኹን። 7. ኣብ ዝኾነ ይኹን ሽግር ናይ ምፍታሕ ተበግሶኻ ንሰላም ቀዳምነት ሃብ። ንሂወት ውድብካ ዕድመ ዝህብን ንኹልኻ ከሰማምዕ ዝኽእልን ማእከላይ ነጥቢ እንተልዩ ይቕረ ንምብህሃልን ናብቲ ዝቕጽል ደረጃ ንምሕላፍን ድሉው ኩን። ብህልውናን ክብርን ውድብካ ግን ኣይትዋገ። እዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ሓሳባት ንኣዎንታዊ ኣፈታትሓ ግርጭት ዝሕብሩኳ እንተኾኑ ኣብ መስርሕ ዘይተሓስበ ኣሉታዊ ውጽኢት ንኸየስዕቡ ክትጥንቀቐሎም ዝግብኡ ነገራት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ምግንዛብ ጠቓሚ ኢዩ። እብ መንጎ ንሓደ ዕላማ ኢሎም ዝተጠራነፉ ሰባት ናይ ተሞኩሮ፡ ናይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ናይ ዕድመ፡ናይ ውልቀባህርያት፡ ናይ መነባብሮ ምናልባሽውን ናይ ጥሙሕ ፍልልያት ክህልዉ ባህርያዊ ስለዝኾነ ምስኦም ተታሓሒዙ ክመጽእ ዝኽእል ብኩራት ስኒትውን ክቀላቐል ናይ ግድን ኢዩ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ሓደ ግርጭት ዝህሉ ተረድኦን ንዕኡ ንምፍታሕ ኣብ እትኽተሎ ኣገባብን ዝንጸባረቕ ፍልልያትውን እንተተራእየ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ነቲ ሓፈሻዊ ጸገም ጥራይ ዘይኮነስ ንሕመረት ናይቲ ፍልልይ ኣብ ምልላይ ፍሉይ ምትሕግጋዝ ጊርካ ምንጻሩ ኣገዳሲ ኢዩ። ነዚ ዝሕግዝ ድማ ሽግር ምስተፈጠረ ዘብዘብ ምባል ዘይኮነስ ካብ መሰረቱውን ንቕሓት ኣባላትካ ዘደንፍዕ ፍሉይን ቀጻልን መደብ ሰሪዕካ ኣብ ስራሕ ምውዓል እቲ ዝዓበየ ሜላ ኢዩ። ሓድሓደ እዋን ደይመደይ ኢሎም ንፍልልያት ዘጋፍሑ ወይከኣ እቲ ፍልልይ ምስተነጸረ ግቡእ ፍታሕ ንኸይረክብ ሕልኽላኻት ዝፈጥሩ ባእታታት ከጋጥሙ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት እቲ ዝዓበየ ቁምነገር ኣቓልቦ መታን ከይረክብ ጓል ነገር ፈጢርካ ምሽክዕላል ሓደ ልሙድ ኣሰራርሕኦም ኢዩ። ሓደ ሃገራዊ ዕላማ ዘለዎ ውድብ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ደጋጊሙ ዘጋጥሞ እንተኾይኑ ኣብ ውሽጡ ንኣኻይድኡ ሓኒቑ ዝሕዝ ወይከኣ ሕንፍሽፍሽ ክፈጥረሉ ዝግዕር ዘራጊቶ ከይህሉ ንውሽጡ ብዕቱብ ክድህስስ ይግባእ። ከምዝፍለጥ ሓደ ካብቲ ኣብ ዘበነ ገድሊ ውሽጣዊ ሓድነት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ላሕሊሑ 3 ኣብ ንመጥቃዕቲ ተቓሊዓ ካብ ሜዳ ኤርትራ ንኽትወጽእ ዘገደዳ ብኩራት ሓድነት መሪሕነታ ምንባሩ ከም መወከሲ ክዝከር ዝግብኦ ኢዩ። ሓደ ወገን ናይቲ መሪሕነት ንወተሃደራዊ ቤትጽሕፈት ተቖጻጺሩ ነቲ ውድብ ብወተሃደራዊ መሪሕነት ክትክኦ ጥሙሕ ስለዝነበሮ ነቲ ኣብ ጉባኤ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ኣካል ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑዎ ከምዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልይ ሎሚውን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ከም ባህሊ ኮይኑ ኣብ መንጎ መራሕቲ ውድባት ብመልክዕ ናይ ስልጣን ውድድር ዝኽሰት ክውንነት ኢዩ። እቶም መሃንድሳት ናይዚ ተንኮልዚ እውን ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ንዘሎ ግርጭት ፊት ንፊት ምግጣም ክስእኑ እንከለዉ ነቲ ምንም ኣፍልጦ ዘይብሉ መሰረታት ብበለካበለካ እናኣደናገሩ ንግርህነቱ መዝሚዞም ንገለ ካብኡ መጋበሪኦም እናገበሩ ብረቂቕ ሜላ ክገማምዑዎ ተራእዮም’ዮም። እቲ ጠንቅን ሳዕቤንን ናይቲ ፍልልያት ዘይፈልጥ ኣባል ብንኹስቶ ፈለጥኩ ጥራይ ጭራ ናይቶም ዝፈልጦም እናተኸተለ ኣብዘይሓሰቦ መዓልቦ ዝወደቐ ውሑድ ኣይኮነን። እዚ ከምዚ ዓይነት መኣዝኑ ዝሰሓተ ኣኻይዳ ድማ ኢዩ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ረሚሱዎ ዝርከብ። እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ውልቃዊ ድልየት ናይቶም መራሕቲ ዝተሓጸረ ጉዳይ ጥራይ ጌርካ ዝውሰድ ዘይኮነስ ክንይኡ ዝኸይድ መጽናዕቲ ክግበረሉ ዝግባእ ኢዩ። መሰረታት ዕላምኦም ብንጹር እንተተረዲኦም ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጋገይቲ መሳርሒ ኣይኮኑንዮም። ሕጂውን ዝለዓለ ንቕሓት ዝረኽቡሉ መድረኽ ክሳዕ ዝፍጠር ካብ መንጎኦም እቶም ዝሓሸ ፍልጠት ዘለዎም ኣባላት እቲ ብጾቶም ዝኸፍሉዎ ዘለዉ መስዋእቲ ንሃገሮምን ንህዝቦምን ድኣምበር ንውልቀሰባት ዘይምዃኑ ከነጽሩሎም ኣገዳሲ ኢዩ። ሰባት ንግላዊ ረብሕኦም ክጥቀሙሎም ክፍትኑ እንከለዉ እዚኣቶም መንዮም? ስለምንታይከ ከምዚ ይብሉ ኣለዉ? ኢሎም ክሓቱን ክመራመሩን ከምዘለዎም ምዝኽኻር የድሊ። ብፍላይ ከኣ ብቓልዕ ክዛረቡዎ ዘይክእሉ ዘረባታት ሒዞም ሰባት ሕሹኽ ክብሉዎም ከለዉ ነቲ ዝማሓደሩሉ ነናይ ውድቦም ሕጊ ህንጻን ነቲ ዝቃለሱሉ መደብ ዕዮ ቃልሶምን እናተወከሱ ክረዳድኡዎምን ዝጥርጥሩዎም እንተኾኑ ከኣ ናብ ሕጋዊ መድረኽ ንኽቀርቡ ክዕድሙዎምን ይግባእ። ሕጋዊ መድረኽ እንከሎ ብበጠበጥ ምኻድ ኣይናይ ጥዕናንሞ ቅርዑይ ኣገባብ ምኽታል ከም እንኮ ኣማራጺ ተረዲእካ ኣፈታትሓ ግርጭት መሰረትን መሪሕነትን ስለዘይመርጽ መፍትሒኡ መትከላዊ ኣሰራርሓ ጥራይ ኢዩ። ቃልሲ ብሕሹኽሹኽ ክሕመስ ኣይግባእን። ብፍላይ ንሕሹኽሹኽ ከም መሳርሒ ውልቃዊ ረብሕኦም ንዝጥቀሙ መሰረታት ይኹኑ መራሕቲ ሒዝካ ምጉዓዝ ኣብዝኾነ ግዜ ክቐትሎ ዝኽእል ካንሰር ዝተሰከመ ውድብ ሒዝካ ኣሎኹ ምባልዩ። ስለዚ ደንበ ተቓውሞ ካብቲ ክሳዕ ሎሚ ክጓዓዘሉ ዝጸንሐ ዘይጽፉፍ ኣገባብ ንኽገላገል ንመትከላዊ ኣሰራርሓ ግቡእ ኣቓልቦ ክህብ ንትስፎ።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

12 / መስከረም / 2016 ብርሃነ ገብረመድህ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10438

Posted by on Sep 14 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net