ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ኣብ ሃገረ ሲውዘርላንድ ከተማ ሉዘርን ኣገዳሲ ህዝባዊ ሰሚናር ተኻይዱ።

እቲ ኣቀድም ኣቢሉ ብመራኸቢ ብዙሃን ተሓቢሩ ዝነበረ ህዝባዊ ሰሚናር ብዕለት 01/10/2016 ኣብ ሃገረ ሲውዘርላንድ ከተማ ሉዘርን ከምዝተኻየደ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ርጡብ ሓበሬታ የረድእ።
እቲ ብ ብጻይ ፍስሓጽዮን ገብረ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ወኪል ክፍሊ ውደባን ወጻኢ ጉዳይን ዞባ ኤውሮጳ ግሃድኤ-ሕድሪን ብብጻይ በርሀ ተኽልዝጊ ኣባል ኣሳናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ግሃድኤ-ሕድሪን ዝተማእከለ ኣገዳሲ ሰሚናር፡ ውሽጣዊ ኩነታት ውድብ ግሃድኤ-ሕድሪ ከምኡ ውን ሓፈሻዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞን ኣመልኪቱ ዝዘተየ ሰሚናር ምንባሩ ውሃብ ቃል የረጋጊጽ።
እቲ ሰሚናር ምርድዳእን ምክብባር ዝዓሰሎ ኣገድሲ ትምህርቲ ዝተቀስመሉ ሰሚናር ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ብኣኼበኛታት ንዝቀረቡ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልሲን መብርህን ከምዝተዋህበ፡ ተሓቢሩ።
ኣማእከልቲ ሰሚናር ካብ ኣኼበኛታት ዝቀረበሎም ለበውን ርእይቶን ብምቅባልን ብምምዝጋብን ብሓድ-ሕድ ምንእኣድን ብልዙብ ምርድዳእን ሰሚናር ምዝዛሙ ኣብቲ ሰሚናር ብዝወዓለ ውሃብ ቃል ተሓቢሩ።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
03/10/2016
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ- ሕድሪ ዞና ኤውሮጳ
حيدرى – جبهة الإنقاذ الوطني الإرترية
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10482

Posted by on Oct 7 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net