ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ  ለውጢ (ኤስደለ) ዕዉት  ዞባዊ ውድባዊ  ኮንፈረንስ  ሰሜን ኣመሪካን ህዝባዊ ዓውደ ዘተን ካብ መስከረም 29-ጥቅምቲ 01/ 2016 ኣብ ከተማ ደንቨር ኣቃኒዑ፡

እዚ ብኣኼባ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን መራሕቲ ዞባ ሰሜን ኣሜርካን ዝተጀመረ ኮንፈረንስ ኣቦ መንበር ኤስደለ ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ንኣጠቓላሊ ኣተሃላልዋ ውድብናን ናይ ኣዋኑ መደባትናን ዝሓበረ ኮይኑ በቶም ብቐረባ ንዞባ ሰሜን ኣመሪካ ከማሓድሩ ዝጸንሑ ብጾት ድማ ኣጸናንሖኦም ብዝምልከት ሓጺር ጸብጻብ ቀሪቡ ብዛዕባቲ ዝቕጽል ዞባዊ ኮንፈረንስ መደባት ስሪዑ ሓዲሩ።

ንጽባሒቱ ዕለት 30 መስከረም 2016 ዞባዊ ኮንፈረንስ ብዕሊ ተጀሚሩ። ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ንቕደም ተኸተል ናይቲ መደባት ድሕሪ ምብራህ ኣቶ ክብረኣብ ተኽለገርጊስ ናይ ዞባ ኣሜሪካ ዝርዝር ዝበለ ጸብጻብ ውደባን ፋይናንስን ኣቕሪቡ። ስዒቡ ብኣቶ እዮብ መንግስቱ ጸብጻብ ካናዳ ድሕሪ ምቕራብ ካብ ኣባላት ናይ ክልቲኡ ዞባታት ዝቐረበ ተወሳኺ ሓሳባት፡ መብርሂታት ከምኡውን ሕቶታት ቀሪቡ። ድሕርዚ ክልቲኡ በበይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ዞባታት ኤስደለ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ብስም ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ክነጥፍ ድሕሪ ምስምማዕ ኣርባዕተ ካብ ኣሜሪካ ሰለስተ ካብ ካናዳ ዝርከብዎም ሓድሽ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ዞባ ሽማግለ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ተመሪጾም።

ኣቦ መንበር ኤስደለ ኣብ ጉዳይ ሃገርናን ከባቢናን ከምኡውን ኣብ ጉዳይ ደንበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ድማ ብፍላይ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ህግደፍ ካብ ተናኻሲ ባህርያቱ ነቒሉ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ጽልኢ ዝፈጠረ ስርዓት ምኳኑን ብድሕሪ ሕጂውን ናብ ዝኸፍኤ ሓደጋ ከእትወና ዝኽእል ምዃኑን ድሕሪ ምግላጽ፡ ካብ ኩሉ ዝኸፍኤ ግን ሃገርና ኤርትራ ህዝባ ዝፈርሕዋ ሃገር ክትከውንን ንድሕነቶም ክብሉ ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡላ እምበር ከም መዕቆቢቶም ዘይርእይዋ ሃገር ክትከውን ዝገበረ ስርዓት ምኳኑ ገሊጹ።

ጉዳይ ሃገራዊ ባይቶ ብዝምልከት ድማ ሕጂውን እንተኾነ ጉያና ጸረ ስርዓት ህግደፍ ፍረ ክረክብ እንተኮይኑ ኣብ መንጎ ውድባት ዘሎ ዘይምትእምማን ተስፋ ከይቆረጽካ ብናይ ሓባር ስራሕ ክፈሓቚ ከምዝክእል ብምርዳእ ከይተሓለልና ክንሰርሕ ምዃንና፡ ልዕሊ ኩሉ ግን እቶም ዝቐረበ ኣረኣእያ ዘለዎም ውድባት ግዜ ከይበልዑ ብሓደ ተጠርኒፎም ክሰርሑን ናይ ሓድነትን ምጽውዋርን ኣራኣያ ክኾኑን ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። ብዘይካዚ ከኣ ተጀሜሩ ዘሎ ዝምድና ናይ 6ተ ኣሓት ውድባት ንድሕሪት ክምለስ ከይምዘይግባእ ብምግንዛብ በብእዋኑ ክፍጠሩ ንዝኽእሉ ፍልልያት ብሰናይ ናይ ግርጭት ምሕደራን ናይ ሓባር ናይ መጽናዕቲ ሽማግለን ክፍታሕ/ክመሓደር ከምዝግባእ መርገጽ ውድብና ምዃኑ ኣብሪሁ።

ድሕሪ ዞባዊ ኮንፈረንስ ስዒቡ ኣብ ዕለት 1 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ክፉት ናይ ህዝቢ ኣኼባ ንከይካየድ ብዙሕ ናይ ተጻብኦ ወፍርታት ዝተኻየደ ምኳኑ ብዘይምዝንጋዕ ነቲ ኩሉ ጸለመታትን ተጻብኦታትን ስዒሮም ዝተሳተፉ ግን ነቲ ኣኼባ ድምቀት ዝሃቡ ንቁሓት፡ ግዱሳት ከምኡውን ናይ ቃልሲ ወኖም ዘይተጸንቀቐ ትጉሃት ሃገራውያን እዮም ኔሮም። ብዘይካኦምውን ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪዱዎ ዘሎ ኣደራዕ ተናጊፉ ምስ ሓው ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ምስ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ከም ክልተ ጎረባብትን ኣጸቢቖም ዝመሳሰሉ ሓው ህዝብትታን ብሰላም ንኽነበር ዘለዎም ድሌት ብምግላጽ ወትሩ ኣብ ጎኒ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ዝብሉ ምኳኖም ዝገለጹ ኢትዮጵያውያን እውን ኔሮም። ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ብኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ዝቐረበ መደረ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝተዘርገሐ ኮይኑ ንደምሳኤ ወኪሉ ኣብቲ ህዝባዊ ኣኼባ ተሳቲፉ ዘደንቕ መደረ ዘስመዐ ሓው ዓብዱ እስማዒል ድማ ነቲ ኣኼባ ብቐጥታ ናብ ኣየር ክዝርጋሕ ብምግባር ኣሻሓት ተኸታተልቲ ክረክብ ዝገበረ ስለ ዝኾነ ከየመስገንናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን።

ድሕሪ እዚ ኣብ ህዝባዊ ዘተ ከም ዕዱማት ነብሶምን ውድቦምን ዘላለዩ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ ንህዝባዊ ምልዕዓል ሰሜን ኣመሪካ ብምዉካል፡ ኣቶ ተወልደ ስእለ ድማ ንዓለም ለኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምልዕዓል ብምዉካል ወ/ሮ ኣበባ ኣብረሃ ንደቂ ኣንስትዮ ብምዉካል መልእኽታቶም ኣብጺሖም። ዝተሓተትዎ ሕቶታት መሊሶም፡ ኣኼባ ብለበዋታት ተዛዚሙ፡፡ ብዘይካኦም ካብ ፈደራላዊ ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ዝርከብዎም ብኣካል ዘይተረክቡ ብጽሑፍ ደገፎምን ጽቡቕ ምንዮቶምን ዝገለጹ ኣሓት ውድባት ከየመስገንና ክንሓልፍ ኣይንደልን። ኩሉ ምይይጣት ተወዲኡ ሙሉእ ለይቲ ንተሳተፍቲ ከዘናግዑ ዝሓደሩ መንእሰያት ሙዚቐኛታት እውን ነቲ ዝወዓለ ምዉቕ ምይይጣት ብርሱን ጓይላ ዛዚሞሞ። ምስጋናና ደረት የብሉን። ኣብቲ ህዝባዊ ኣኼባ ካብ ዝወረዱ ኣገደስቲ ሕቶታትን መልስታትን ድሕርቲ ኣብ ሳንድየጎን ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲን እንገብሮ ህዝባዊ ኣኼባታት ኣጠቓሊልና ናብ ህዝቢ ከነቕርብ ኢና።

ቅኑዕ መስመርን ህዝብን ሒዝና ክንዕወት ኢና

ውድቀት ንገበተ ስርዓት ህግደፍ

ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ሰሜን ኣመሪካ – ኤስደለ 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10496

Posted by on Oct 16 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net