ዓርኪ ጀነራል ፍሊጶስ 36 ኪሉ ወርቂ ከተህድም ተታሒዛ !!

ወጋሕታ ዓርቢ ዕለት 28/10/2016 ጽገረዳ ዝተባህለት ኤርትራዊት ዋናኒት ”ጽገረዳ ወኪል ጉዕዞ” 36 ኪሎ ዘይተጻረየ ወርቂ ካብ ኣስመራ ናብ ዱባይ ከተህድም ብጸጥታ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሰመራ ከም ዝተታሕዘት ካብ ኣሰመራ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ወ/ሮ ጽገረዳ ንኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ከም ውሽምኡ እትፍለጥ ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም እትዋፈር ጓል ኣንስተይቲ ኢያ። ምስኡ ብዘለዋ ቅርበት ተጠቒማ ብዙሕ ዘይሕጋዊ ንግዲ ተኻይድ ሰብ ምዃና ኣብ ኣስመራ ይኹን ኣብ ዱባይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሰፊሑ ዝዛረበሉ ጉዳይ ኢዩ። ጽገረዳ ብመንገዲ ናፋሪት ፍላይ ዱባይ (Flydubai) ካብ ኣስመራ ናብ ዱባይ ኣብ ትነቕለሉ ዝነበረት፣ ሓለፍቲ

felibosestealsgoldጉምሩኽ ኣስመራ መዓርፎ ነፈርቲ እቲ ከተህድሞ ዝሃቀነት ወርቂ ምስ ረኸብዎ ቀጥታ ናብ ሓላፊ ጸጥታ ኣየርፖርት ኣመሓላሊፎማ። ጽገረዳን ንዓኣ ዝኣመሰሉ ኣብ ብልሽውናን ኮንትሮባንዳን ተዋፊሮም ሃብቲ ሃገር ኣብ ምጥፍፋእ ከም ድልየቶም ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ከም ዓይነት ጸጥታዊ ምክትታል ከም ዘርዕዶም ርዱእ ኮይኑ፣ ናብ ቀንዲ ዋሕስ ይኾነኒ ዝበለቶ ጀነራል ፍሊጶስ ደዊለ ዘጋጠማ ጸገም ከም ዝገለጸት ተፈሊጡ። ወዮ ጀነራል ከኣ፣ ብኡ ንብኡ ናብ ኣየርፖርት ብምምጻእ፣ ምስ ሓላፊ ጸጥታ ብምዝርራብ፡ ብቐጥታ ክለቃ ሓቲትዎ። ኮይኑ ግን፣ ንብረት ሃገር ክዝመት ፍቓደኛ ዘይኮነ ተባዕ ሓላፊ ጸጥታ፣ ንትእዛዝ ጀነራል ፊሊጶስ ነጺጉ፣ ንጽገረዳን ምስ ዝተታሕዘ 36 ኪሉ ወርቅን ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘመሓላለፋ፣ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።

 

ብቀዳም ዕለት 29/10/2016 ምዑታት ኣባላት ውሽጣዊ ስርርዕ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ነዚ ኣብ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሰመራ ዝተፈጸመ ተረኽቦን ዝሕብርን፣ ነቶም ጀጋኑ ኣባላት ጉምሩክን ጸጥታን ኣየርፖርትን ዘሞጒስን፣ ንጀነራል ፊሊጶስን መሰልቱን ዘቃልዕን ጽሑፍ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ከተማ ኣስመራ ብሰፊሑ ከም ዝዘርግሑ ተረጋጊጹ። ኣብ ህዝብና ሃገርን ሃብቱን ክዝመት፣ ዓይንና ነይዕመትዝብል ቀንዲ ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። እዞም ሃብቲ ሃገር ዘህድሙ ሰባት፣ ብትራንሲት ዘይኮነስ፣ ጉዳዮም ንከይቃላዕ፣ ኩሉ ግዜ ብቐጥታ ናብ ዱባይ ዝጓዓዛ ነፍርቲ ከም ዝወስዱ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።

 

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ሃብቲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይሽይጥ ከም ዘሎ ሓቢርና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፣ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብነጻ ዞና ዶባይ” (free zone dubai) ብስም ውልቀሰባት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝዋፈራ  ብዙሓት ትካላት ኣቚሙ ምህላዉ ንከታተሎ ዘሎና ጉዳይ ኢዩ። ገለ ካብዞም ትካላትዚኣቶም ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

  • ህበይ ትረዲን (Hibey Trading )
  • ረድ ሲ ትረዲን (Red Sea Trading )
  • ራህዋ ትረዲን (Rahwa Trading )
  • ሰላም ትረዲን (Selam Trading )

 

 

“ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

30/10/2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10519

Posted by on Oct 31 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net