ናይ 1973 ዝነበር ምንቅስቓስ

 ብከምዚ ኣገባብ ይጅምር*

  1. በራኺ ፈንቅል
  2. ጸጋይ ቀሺ
  3. ኣድሓኖም
  4. ኢሰያስ ተወልደብርሃን

ኮይኖም ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምዚ ይብልዎ፡- እዚ ኵሉ ኩነታት ኣምጺእዎ ዘሎ ሰለሙን ወልደማርያም ኢዩ። ምኽንያቱ ካብ ቀደም ጅሚሩ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ኣውራጃ ምንቅስቓስ ሕጂ’ውን ጀሚርዎ ኣሎ። ስለዚ ንህ ዘሎና ኩሉ ክንፍድሖ ኢና። ኣጋጣሚ ኮይኑ ከአ ሽጋራ ስለ ዝተኸልከለ፤ ነቶም ደቂ ሰራየን ደቂ ኣከለጕዛይን ብሽጋራ ይሰብኮም፣ ንቶም ደቂ ሓማሴን ከአ ብኣውራጃውነት ይሰብኮም ኣሎ። ስለዚ ንሕና በብእንፈልጠሉ ክንፍድሖ ኢና። ህዝቢ ከኣ ምንም’ኳ ከይፈለጠት ትኹን’ምበር ትንፍሓልና ኣላ። ስለዚ ነዚ ሰብ’ዚ ክንፍድሆ ኢሎም ፍቓድ ካብ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሓተቱ።

ኢሰያስ ኣፈውርቂ፡– ቅንዕናኹም ይሓግዝኩም ድኣ’ምበር ጉሩፖይ ክብልኹም ኢዮም። እምበር ሓሳቡስ ጽቡቕ ኢዩ። ኣነ’ውን ብግደይ ክሕግዘኩም፣ ማለት ምሳኹም ኮይኖም ዝሰርሑ’ውን ሰለ ዘድሊ፣ እዞም ዚስዕቡ ሰባት ወስኹ።

  1. ርእሶም ግደይ
  2. ሃይለ መንቆርዮስ
  3. መሓሪ ግርማጽዮን
  4. ወልደሚካኤል ገ/ማርያም
  5. ወልደርፋኤል ስባህቱ
  6. መብራህቱ ወልዱ
  7. ተስፋይ ይትባረኽ

በዚ ተሰማሚዖም ድማ ነዞም ዳሕረዎት 7 ሰባት ጸውዑና’ሞ እቶም 11 ተጋደልቲ ተራኸብና። ብዛዕባ እንዛረበሉ ኣርእስቲ ከአ ተላዒሉ፣ አብ ውሽጢ መሪሕነት ዘሎ ዘይምቅዳው ንምርኣይ – መሪሕነት ክጽውዑ ምዃኖም ድማ በርሃልና።እሞ ክንሰምዖም እዚ ኩሉ ዝግበር ዕግርግር ናቶም ዘይምስምማዕ ኢዩ’ውን በሉና።

ካብዚ መሪሕነት ተጸዊዖም መጹ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣቦ-መንበር ከይገበሩ ከኣ ዘረባ ብወዲ ፈንቅል ተጀመረ። በራኺ ፈንቅል፡- መሪሕነትንሕና ኢና ጸዊዕናኩም ዘሎና፣ ኣብ መንጎኹም ዘይምስምማዕ ዘሎ ኩሉ ገልጹልና በሎም። ካብዚ ኢሰያስ ከም’ዚ እናበለ ዘረባኡ ጀመረ።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡- ኣነ ናይ ብሓቂ ክሳብ ሎሚ ቀሺ ኮይነ ኢየ ዘካይዶም ነይረ። ናይ ብሓቂ ጃህራ ከይመስለኩም፣ ኣነ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክሳብ ሎሚ ቀሺ ኮይነ’የ ዝካየድ ነይረ። ናይ ብሓቂ እዚ ኩሉ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ሰለሙን ኢዩ። እሞ ሰለሙን ሰብ ምጽላም ትገድፎ። ንኪዳነ ክፍሉ’ውን ኣውራጃዊ ኢዩ ኢልካኒ ኔርካ ኢኻ።ከምኡ’ውን ንስኻ ሰለሙን ንካልኦት ሰባት ስሞም ተጸልም ኔርካ ኢኻ። ስለዚ ሰለሙን እዚ ጠባይ’ዚ ትገድፎ። ንስኻ ኣውራጃዊ ኢኻ! ኣብ ናይ መወዳእታ ዘረባይ፣ ንስኻ እዚ ጠባይ’ዚ ትገድፎ (ምስ ተግሳጽን ምፍርራሕን) እናበለ ዘረብኡብምቕጻል …ከምኡ’ውን እኒ ኣልኣሚን ስራጅ ዘዕገርግሩ ዘሎዉ መዝነት ስለ ዘይረኽቡ እዮም። ናይ ብሓቂ በዓል ወዲ ስራጅ ንሕና ዋላ ሓንቲ ክንፈልጥ ኣይከኣልናን፤ ሓላፍነት እንተሃብናዮም ጾር ናይ ጋንታታት ኢዮም ዝኾኑ። እዚ ናይ ወዲ ስራጅ ክኸውን ከሎ፤ ብዛዕባ ተመስገን ናይ ብሓቂ ፈራሕ ኢዩ። ሓንቲ ክገብር ዘይክእል ሰብ ኢዩ …እናበለ ብምቕጻል፣ ናይ ዓርኩ ሚካኤል፡ ናይ ሃይለ፡ ናይ ታደሰ ዝንፍሑልና ዘለዉ ኣነ ዋላ ሓንቲ ክፈልጥ ኣይክእልን ይብል። ነዞም ሰባት እዚኣቶም – ኣነ ኢሰያስ ኣነ – ታሕቲ ወሪደ እንታይ ኴንኩም ክብሎም ኣይክእልን ኢየ። እዚ ብዛዕባ እዞም ዘዕገርግሩ ዘለዉ ግደ ኢዩ። ብዛዕባ ናይ እዘን ኣዋልድ፣ ናይ ብሓቂ ኣነ ደጋጊመ ኣብ ቅድሚአን ይኹን ብድሕሪአን ዝብለን፡ ንሳተን ዒራ ናጻ ዘይወጻ ኢየን። ኣብዚ ንሕና ምስ ቀጻዕናየን ንዝኾነ ይኹን ዝመጸን ሰብ፡ ከምዚ ቀጺዕምና’ባ ጌሮሙና እናበላ ንሓልፍቲ መገዲ ዘውርያ ዘለዋ። እዚ ሓራ ከም ዘይወጻ ዘረጋግጸልካ ኢዩ …እናበለ ዘረብኡ ዓጸወ።

ካብ’ዚ ቀጺሉ ወዲ እዮብ፣ ተወልደ እዮብ፡- ሰለሙን እዚ ኩሉ ዘዕገርግር ዘሎ ንኢሰያስ ከውርድ ደልዩ ኢዩ። እምበር ካባና ንላዕሊ መዝነት ኣለዎ። ሰለሙን ሎሚ ጥራይ ኣይኮነን ዘዕገርግር ዘሎ፡ ካብ ግዜ ሳልሰይቲ ክፍሊ ጀሚሩ ኢዩ። ኣብ ሳልሰይቲ ክፍሊ ከሎና፡ ኣነን ንሱን ኣስመኦምን መምህር ተኽለን ከምኡ’ውን ካልኦት ኣብ መንጎና ነይሮም፣ ከምዚ ኢልና ተሰማማዕና። ንሕና ንከበሳ ደይብና ንህዝብና ከነረድእ ፍቓድ ንሕተት ኢልና ፍቓድ ሃቡና ኢልና ርእይቶ ኣብ ዘቕረብናሉ ጊዜ፡ ድሕሪ ቅሩብ ጊዜ ድማ ነዚ ሓሳባት ዘቕረብናዮ ምስ ተረድኡ ንሰለሙን ወሲዶም ንዓ ተሓዝ ገንዘብ ክንገብረካ በልዎ። ንሱ ድማ ሓራይ በሎም። እዚ ከአ ጥልመት ኢዩ። ቀጺሉ’ውን ሰለሙን ንወዲ ሓረጎት ካባና ሓቢኡ ምስ በዓል መሓመድ ኢብራሂም ኣራኸቦ። እዚ’ውን ጥልመት ኢዩ …እናበለ ዘረባኡ ዓጸወ።

ካብዚ ቀጺሉ በራኺ ፈንቅል፡- ንስኻ ሰለሙን ኣውራጃዊ ኢኻ። ንስኻ ንኣብራሃም ተወልደ ኣውራጃዊ ኢዩ ትብል ዝነበርካ ኢኻ። ንመረጋገጺ ክኾኖኩም ከኣ፡ ንወልደንኪኤል ሃይለ ኣብራሃም ተወልደ ምስኡ ኣትሪፍዎ ወዲ ዓዱ ስለ ዝኾነ ኢሉኒ። ኣነ ብጣዕሚ ሰንቢደ ንስኻስ ከምዚ ክትብል ኢለ ተቘጣዕኩ። ንስኻ ሰለሙን ካብ ቀደም ኣውራጃዊ ኢኻ (ምፍርራሕ እናሓወሰ)። ንስኻ ሰለሙን ከከም ሓይልኻ እንተዝኸውን፡ ንዓኻ ካሶቲ ጌረ ቀሊዐ ኣብ ገረብ ምስቐልኩኻ፡ ካብኡ ኣውሪደ ድማ ኣብ ጁባይ መእቶኩኻ … እናበለ ምስ ብዙሕ ምፍርራሕን ምጕብዕባዕን ይዛረብ ነበረ።

ካብኡ ደጊሙ ተወልደ እዮብ፡- ኣነን ኣስመሮምን ኣብዚ መሪሕነት’ዚ ክንነብር ዘይንኽእል ደቂ-ሓማሴን ብዘይምዃና ጥራይ ኢዩ። ኣነ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንባሕሪ ኣቢለዶ ክኸይድ ወይሲ ኣብ’ዚ ሜዳ’ዶ ፈጺመ ምግዳል ክሓድጎ ሓሳብ ይመጸኒ፤ ግና ኣብዚ ግዜ’ዚ ምህዳም ኮይኑ ስለ ዝስማዓኒ ኢየ ኮፍ ኢለ ዘሎኹ። ሰለሙን እዚ ኩሉ ትዛረብዎ ዘሎኹም ሽኮር-ሽኮር ኢይ ዝጥዕሞ። ኣመሉ ኣይሓድግን ኢዩ፤ እዚ ነገር’ዚ ኣብ ሓቁ ክበጽሕ ኣለዎ እናበለ ዘረብኡ ደምደመ።

ቀጺሉ ኣድሓኖም፡- ኣነ ዋላ’ኳ ሓድሽ ተሰላፊ እንተኾንኩ ክዛረብ መሰል ኣሎኒ። ኣነ ብገበነኛ ክምራሕ ኣይደልን ኢየ። እዚ ነገር’ዚ አብ ሓቁ ክበጽሕ ኣለዎ። ኣብ ሓቁ እንተዘይበጺሑ ከከላሽና ክዓርቀና ኢዩ። ነዚ ነገር’ዚ ከዐርይዎ ዝኽእሉ ከአ እዞም ደቂ ሓማሴን እዮም። ንሕና ዋላ ሓንቲ ክርድኣና ኣይክእልን፣ ሰለሙን ስለምንታይ ኢዩ ተነፊሑልና ዘሎ።

መብራህቱ ወልዱ፡- ንስኹም ሰብ ብዘይገበሮ እናኽፋእኩም፡ እዘን ኣዋልድ ክግበራ እየን ንታሕቲ ወሪደን፡ ዝገብርወን ሰባት ኣሎዉ ወዘተ… እናበልኩም ተካፍኡና ሰለ ዘለኹም ምሳኹም ክንዛረብ ኣይንኽእልን። እዚ ዝበለኒ ከአ ሰለሙን ኢዩ። ዝያዳ መረጋገጺ ክረክብ ዝኸኣልኩ ከኣ፡ ካብ ኵናት ፉሕ ምስ ተመለስና ኣብ ኣልጌደን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምዚ በለና፡- እዚ ኵናት’ዚ ንመጀርመርያ ግዜ ኣብ ሰልፍና ይርከብ ኣሎ። ድሕሪ ደጊም’ግን ኣይክድገምን ኢዩ። ሕጂ ግና ትኽ ኢልኩም ንተቢሕ ትኸዱ በለና። እሞ ካብኡ ኣነ (መብራህቱ) ተመሊሰ ንኢሰያስ፡ ንሕና ደኺማና ኣሎና፣ ማይ ጽምኢ ይኹን ጥሜት ኣሎና፣ ስለዚ ኣብ’ዚ ክንውዕል ንደሊ ኣሎና ኢለ ምስ ሓተትኩዎ …ኣይግድሰንን ኢዩ ትኸዱ በለና። ስለምንታይ መቕጻዕቲ ድዩ ምስ በልኩ፡ ንስኻ ኢሰያስ ድማ ሸርሙጣ ኢልካ ጸረፍካንን ቀጻዕካንን በሎ። እዚ ከኣ ንኣይ ጭቡጥ ነገር ኮይኑኒ በለ።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክምልስ ከሎ፡- መብራህቱ መትመስመሲ ኢዩ። ኣነ ዝበልኩዎ ንላዕሊ ትኸዱ። ንሱ ከኣ መቕጻዕቲ ድዩ ዘብል ኣይነበሮን። ከምኡ’ውን ሰለሙን ነዘን ኣዋልድ ከምዚ ኢሉወን ዝብልሲ እንታይ ክጥቀመላ ደልዩ ኢዩ? ኣነ ኢለየን እየ፤ ግና እንታይ ክትጥቀመላ ደሊኻ ኢኻ? እዚ ካብቲ ብዙሕ ትጥቀመሉ ሽጣራታት ሓደ ነቃዕ ኢዩ በሎ።

ኣስመሮም ገብረዝግኣብሄር፡- ሰለሙን ንኣይን ንወዲ እዮብን ክትፈላልየና ትደሊ ኔርካ። ንኣብነት ንኣይ ወዲ እዮብ ንዓዱ ከይዱ ኢልካኒ። ከምኡ’ውን ኣነ ኣስመሮም ንዓደይ ከም ዝኸድኩ ኣምሲልካ ፈኒኻ። ኣነ ብዙሕ ሓሪቐ፣ ግና ንኣኻ ሓቲተካ ሓሲኻ ምዃንካ ድሕሪ ምፍላጠይ፤ ስለምንታይ ከምኡ ትገብር ኢለ ምስ ሓተትኩኻ …ከሕርቐካ ደልየ ኢልካኒ። እሞ ብስራሕ ስለምንታይ ትጻወት? ከምኡ’ውን ንስኻ ሰለሙን ኣብ ወገን ብፍላይ ትገብሮ ዝነበርካ ኣውራጃዊ ምንቅስቓስ፣ ብእኒ ወዲ ወልዱ ጌርካ፡ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ በሎ።

መብራህቱ ወልዱ ተንሲኡ ከምዚ ይብል፡- ንስኻ ኣስመሮም ኣብ ክሳድ መጋሳስ ክልተ ጋንታታት ኣብ ዝነበርናሉ መዓልቲ ከምዚ ኢልና ሓቲትናካ። ንስኻ ኣስመሮም ስለምንታይ ሓሰውቲ ጌካልና? ኢልና ምስ ሓተትናካ …መታን ክትማሃሩ ደልየ ኢየ ኢልካ መሊካልና። ባዕልኻ ተኣሚንካሉ እንዲኻ፡ ስለምንታይ ጌርካዮ? ስለምንታይ ሕጂ ንካልኦት ብከምኡ ትኸስስ?

ኣስመሮም፡- በዓል መን እዮም ነይሮም?

መብራህቱ፡- ንኣብነት ኣብ ጋንታና ከሰተ ነይሩ። ከሰተ ድሒሩ ከም ዝበለና፣ ኣነ ኣስመሮም ኣጋጉዩኒ ነይሩ። ግና ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ ኣየመሓላለፍኩን፤ ኣበዚ ጋንታ ግና ጃሱስ ይብሉኒ ኣሎዉ ኢሉና። ንሕና ከኣ ቀጺልና ብዓል መን ምስኡ ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ምስ ተወከስናዮ …ንሱ ንኢሰያስ ተወልደብርሃን ጠቒሱልና በለ።

ኣስመሮም፡- ዒራ ከሰተ ሞይቱ ኢልካ ኢኻ ትዛረብ ዘሎኻ ኢሉ መለሰሉ።

ጸጋይ ቀሺ፡- ንኣይ ሰለሙን ኣታሊሉኒ ነይሩ። ግና ኣብ መጨረሽታኡ ኣውራጃዊ ስምዒት ከም ዘለዎ ተረዲኡኒ። ንኣብነት ሰለሙን ንኣይ ከምዚ በለኒ፡

ሀ/ እዞም ደቂ ኣከለጕዛይ ንኢሰያስ ከውርድዎ ደልዮም

ለ/ ንስኻትኩም ዝኾነ እትምጽእዎ ስንቂ ክትሓብእዎ ኣሎኩም፣ ምኽንያቱ ክፍለዩ ኢዮም ዝደልዩ ዘለዉ

ሐ/ ንስኻ ምስኦም ኣይትዛረብ …ኢሉኒ። ካብዚ ንድሓር ኣነ’ውን ሰለሙን መን ምዃኑ ስለ ዝፈልጥኩዎ፡ ካብኡ ክርሕቕ ጀመርኩ ይብል።

ሠለሙን ወልደማርያም፡-

ኣነ ካብ ሱዳን ምስ ተመለስኩ ንስኻ ጸጋይ ኢኻ ናባይ መጺእካ፣ ንሕና ፍልልይ ሰለ ዘሎና ጸገም ኣሎ ዝበልካኒ። ንስኻ ኢኻ ንኣይ በዚ ኣርእስት’ዚ ዘዛረብካንን ፍልልያት ምህላዉ ዘፍለጥካንን በሎ።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡- ንሕና (መሪሕነት) ክንከደልኩም፡ ባዕልኹም ነዚ ጕዳይ’ዚ ርኣይዎ። ምሉእ ሓላፍነት ኣሎኩም፡ ኢሉ ካብ ኣኼባ ወጸ’ሞ ዝተረፉ ኣባላት መሪሕነት’ውን ስዒቦም ወጹልና።

ካብዚ ነቲ ቀሪቡ ዝነበረ ክስታት ክስራዕ ተረዳዳእና፣ ክስታት እንደገና ወረደ።

  1. ከሲ ብወዲ ፈንቅል፡-

ሰለሙን ኣውራጃዊ ኢዩ። ንኣብራሃም ተወልደ ከምዚ ኢሉ ክሓምዮ ሰማዕኩ፣ ኣብራሃም ንወዲ ሃይለ ኣትሪፍዎ ዘሎ ወዲ ዓዱ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ሰለሙን ጃህረኛ ኢዩ። ኣብ ቅድሚኡ’ውን ክብሎ እየ። ሰለሙን ንክጃሃር ኢሉ ዝገብሮ ዝነበረ ዘረባ-ፕሮፖጋንዳ፡ ኣነ (ሰለሙን) 500 ኮማንዶስ ኣሎዉኒ፣ ውጹ እንተበልኩዎም ዝወጹ፣ ዝንሑ እንተበልኩዎም ከኣ ክጸንሑ ዝኽእሉ እዮም እናበለ ከኣ ንቅያዳ-ዓማ ይዛረብ ነበረ። እቲ ንሱ ዘምጽኦ ጕድኣት ከኣ፡ እዞም ኵላቶም ኣሕዋትና ሞይቶም ዘሎዉ ብሰንኩ ብዝኣተወ ዘይምትእምማን ኢዩ ይብል።

  1. ክሲ ብጸጋይ ቀሺ፡-

ሀ/ እዞም ደቂ ኣከልጕዛይ ንኢሰያስ ከውርድዎ ደልዮም

ለ/ ክፍለዩ ይደልዩ ኣሎዉ፣ ስንቂ ሕብኡ ኢሉኒ

ሐ/ ንስኻ ምስኦም ኣይትኺድ ኢሉኒ

መ/ ሰለሙን ንኣይ ውድብ ምስራሕ ከሊኦምኒ፤ ክንደይ ማሕበራት ነይረን ዝፈልጠን ግና ስለ ዝተኸልከልኩ ክራኸበን ኣይከኣልኩን በለኒ። ኣነ ድማ መገዲ ክህሉ ኣሎዎ ኢለ ምስ ሰብ ምስ ኣራኸብኩዎ ….ኣብ መጨረሽታ ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጥ ናይ ምትላል ዓይነት ኮይኑ ረኸብኩዎ።

ብዝተረፈ ኢሰያስ ብወገኑ ዝተኸሰሶ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝረአናዮ ኮይኑ፣ ንኩሉ ገዲፍና ነተን ክስታት ናይ ሰለሙን ፍልይ ኣቢልና ወሰድና። ከምኡ’ውን ክልተ ካልኦት ማለት ናይ ወዲ ሸሪፍን ናይ መስፍን ሓጎስን ዝነበራ ክስታት ተሪፉ ኣብ ልዕሊ ሰለሙን ምትኳር ብዓብላልነት ተሰማማዕና።

ኢሰያስ፡- አብ ልዕሊ ሰለሙን ከምዚ ይብል፡ ንኪዳነ ክፍሉ ኣውራጃዊ ነይሩ ኢልካ ይብሎ።

ሰለሙን፡- ኣነ ሓደ ኣስመሮም ዝበሃል ሰላይ ምሳና ዝነበረ …ኪዳነ ክፍሉ ብከምኡ ዓይነት ቀሪቡኒ ስለ ዝበለኒ’የ ትፈልጦ እንተለካ ብምባል ኣልዒለልካ በሎ።

ሃይለ መንቆርዮስ፡- ኣነ ኣናሓለፍካ ዝጋጮ ዘረባ ይሰምዕ ኣሎኹ። እሞ ሰለሙን እታ ቴፕ ሃባ። እዚ ቴብ’ውን ንላዕለዋይ ደርቢ ኢዩ መጺኡ ዝብል ዕላል’ውን ሰሚዐ ኣሎኹ። ብዝተረፈ ንሕና ኣይንቕጻዕን ኢና፣ ነዋልድ ኢና ነቕጽዕ ክብል ሰለሙን ሓጪጩለይ። እዚ ከኣመሰረቱ ኣብ መንጎ መራሕቲ ከገራጩ ዝኽእል ነገራት ኢዩ።

እቲ ክስታት ብዙሕ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ብድሕር’ዚ ኣኼብኛታት ንወስኽ ተባሂሉ ድሕሪ ምስምማዕ ኣመራርጻ ብከምዚ ተወሰነ። ዘድልየካ ሰብ – ከየማኸርካ – ኣብ ኣኼባ ምእታዉ። እቶም ዝምረጹ ንክካራኸሩ ዝክእሉ ሰባት ኮይኖም ብኣፍልጦን ፍቓድን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክድምደም ስምምዕ ተበጽሐ። ንኣብነት ንኣፈወርቂ ተኽሉ(ኣምሓራይ) ኣይነእትዎ ተባሂሉ ድሕሪ ክንደይ ክትዕ ኣድሓኖም ብዘቕረቦ ርእይቶ፣ ማለት መን ምዃኑ መታን ሰብ ክፈልጦ ይካፈል ስለ ዝበለ፣ ከም ዝካፈል ተገብረ። ካልኦት ኣብ መንጎ ከም በዓል ተስፋኣለም፡ ዘርእማርያም ዕንዱኩር ወዘተ… ጉሩሃት’ዮም መታን ክድሕድሕዎ ይካፈል ይብሃል ነይሩ። እዚ ከኣ ነቲ ዚቐርብ ክስታት ኣብ ምርጋእ ሓጋዚ ጠባይ ኣለዎም ብምባል’ዩ።

ቀጺሉ ወዲ ፈንቅል ከምዚ ይብል፡- ኣብ ሓደ ቦታ ደቂስና ከሎና፣ ገብረጻድቕ ናይ ብሓቂ ንጹህ ኢዩ ነይሩ፣ ንኣብነት ሎሚ ይዝከረኒ ዘረባኡ፡ ኣነ ቀደም ኣብ ጀብሃ ከሎኹ ኣስላማይ እንተዝኸውን ዝብለሉ ግዜ ነይሩ። ምኽንያቱ ድማ ነቲ ዝነበረ ናይ ሃይማኖት ስምዒት ቡንቍርቍር መበልኩዎ ነይረ። ሎሚ ከአ ኣነ ወዲ ሓማሴን እንተዝኸውን ዝብለሉ ግዜ ኮይኑ፤ ምኽንያቱ ድማ ነዚ ዘሎ ናይዚ ሰልፍ’ዚ ኣተሓሳስባ ኣብ ኣውራጃውነት ከም ዘይህሉ ምገበርኩዎ ነይረ፡ ይብል ነበረ። እሞ ሎሚ ብጣዕሚ እቲ ኣተሓሳስባኡ ኢዩ … እናበለ ብርእይቶ ገ/ጻድቕ ኣሚኑ ወይ ኣምሲሉ ይዛረብ ነበረ።

ኢሰያስ ፊናንሳ፡– ሎሚ ሕግና ኣብ ግብሪ እንተዘይ-ኣውዒልናዮ ብላሽ ኢዩ። ሕግና ክኽበር ኣለዎ። ነዚ ፍርድ’ዚ ሕግና ኢዩ ዝውስኖ።

ኣድሓኖም፡– እዚ ነገር’ዚ ካብ ሱሩ እንተዘይወጸ ሰስሬናን ከካላሽናን ከዋጽኣና ኢዩ።

እቲ ኣኼባ ብከምዚ ተዓጽዩ፤ ኣኼባ ንጽባሒቱ ተመሓላለፈ። ካብኡ ንጽባሒቱ ኮይኑ፡ ኣኼበኛታት ተወሲኾም፡ ብሓድሽ ስርዓት እቲ ኣኼባ ተጀመረ። እቲ ሓድሽ ኣኼባ ቅድሚ ኣቦ-መንበር ምምራጽ ብኢሰያስ ተወልደብርሃን ተኸፍተ።

ኢሰያስ ተወልደብርሃን(ወዲ ፊናንሳ)፡- እዚ ተራኺብናሉ ዘሎና ኣኼባ እናሓዘንኩየ ዝኸፍቶ ዘሎኹ፡ ድሕሪ ምባሉ፣ እዚ ኣኼባ ሰለሙን ኣውራጃዊ’ዩ ብዝብል ኣርእስቲ”ዩ፡ በለ።

ሙሴ ተስፋምካኤል – ሓደ ካብቶም ሓደስቲ ተሳተፍቲ – ካብኡ ተንሲኡ፡ እዚ ኣኼባ’ዚ ሕጋዊ ድዩስ ኣይኮነን? ክብል ሓተተ።

ኢሰያስ ፊናንሳ፡- እዚ ኣኼባ’ዚ ብመሪሕነት ኢዩ ተጸዊዑ፤ ዘየድልየካ እንተኾይኑ ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ፡ በሎ።

ሙሴ፡- ንመሪሕነት ዝትንክፍ እሞ መሪሕነት ድማ ንመሰረታቱ ጸዊዑ ዝፍረደሉ ወይ ዝናቘተሉ ቅኑዕ ኣይኮነን፡ በሎ።

ብድሕሪ’ዚ ኩሉ ከኣ ሰክረታርያ ኣውጽእ ኢልና፡ ኣቦ-መንበር ኣውጻእና። ዝተመርጹ ከኣ ① ግርማይ መሓሪ ② መሓሪ ግርማጽዮን ③ሃይለ መንቆርዮስ ነበሩ። ካብዚ ከኣ ኢድካ እናልዓልካ ብግቡእ ምዝራብ ተጀመረ። ቀጺሉ ነቶም ሓደስቲ ተሳተፍቲ – ሰለሙን ኣውራጃዊ’ዩ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ – ዝሓለፎም ነገራት ክጽሕፉ ዕድል ተዋህበ። ክስታት ተጻሒፉ ካብኡ ቀጺልና ኣብ ትንተና ክስታት ድሕሪ ምእታው ከኣ ኣፈወርቂ ኣምሓራይ ከምዚ ይብል፡

ኣፈወርቂ ተኽሉ (ኣፈወርቂ ኣምሓራይ)፡- ኣብዚ ሰልፊ’ዚ ናይ ሽመት ውድድር ኣሎ። እቲ ኣውራጃውነት መልክዕ ሒዙ ዝመጽእ ዘሎ ክልተ ምፍሕፋሕ ናይ ሽመት ውድድር ስለ ዘሎ ኢዩ። ስለዚ ንሕና ዋላ ከምቲ ዝበሃል ዘሎ እንተዝነብር፡ ንሓደ ሰብ ቀቲልና ወይ ሓኒቕና እዚ ሰልፊ’ዚ ዝዕረ ኣይኮነን። ስለዚ ንሕና ከም ተጋደልቲ መጠን ካልእ መፍትሒ ክንርኢ ኣሎና። እምበር እዚ መፍትሒ ኣይኮነን።

ወዲ ፈንቅል፡- ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን ክሲ ዘሎዎ ክኸስስ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምዝራብ በዓል ዘርእማርያም ዕንድኩር ክኸሱ ጀመሩ።

ዘርእማርያም ዕንድኩር፡-

  1. ንሕና ብወገና ኣብ ናላይ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን መቕጻዕቲ ምስ ተቐጻዕና፣ ኣስመሮምን ስዩምን ንዓና ነቶም ቅጹዓት፡ ንሕና ብረትና ካባኻትኩም ኣውሪድና ኣብ ጎቦ እንተሓባእናዮ ኣይግድሰናን’ዩ ኢሎሙና፡ ስለምንታይ?
  2. ሓደስቲ ዝኽተቡ ክመጹና ከሎዉ፣ ግሊኦም ይኽተቡ፡ ካልኦት ድማ ይኽልከሉ፣ ስለምንታይ?

ጸጋይ፡- ነዚ ናይ ዘርእማርያምን ካልእ ንሱ ዘይፈተዎ ሕቶታትን፡ ተቓዉሞኡ ወሰን ኣይነበሮን። ንዅሉ ምኽንያት እናፈጠረ ክዓጽዎ ይፍትን ነበረ።

ሙሴ ንወዲ እዮብ ክኸሶ እንከሎ ከም’ዚ ይብል፡-

  1. ወዲ እዮብ – ንኣይ – ኣብርሃም ተስፋይ ምስ ተሰውአ፡ ካብተን ባጎኒኻ ሓንቲ ጸዲፋ ኢልካኒ
  2. ንኣይ ንስኻ፡ ንሕና ኣብ ኮራኹር ኣይንኣምንን ኣብ ስሬና ኢና ንኣምን ኢልካ መጺእካ ሓኒቕካኒ
  3. ኣብ ስንቂ ብምምልላስ ገሊኦም ዝልገሰሎም ካልኦት ድማ ዝኽልከሉ፡ ምኽንያቱ እንታይ ኢዩ?

ቀስ-ብቐስ እቲ ኣኼባ ብዘይ ምርድዳእን ብምንህሃርን ቀጸለ። ኣብ መንጎኡ ከኣ ኣድሓኖምን ሙሴን ተነሃሃሩ’ሞ፡ ኣቦ-መንበር ጠጠው ኣበሎም።

ኣድሓኖም ንሙሴ፡- ንዓ ውጻእ በሎ። እቲ ኣኼባ ብከምዚ እናቐጸለ፡ ተመሊሱ ኣድሓኖም ክልተ ግዜ ከካላሽና ክዓርቀና ኢዩ፡ እናበለ ፈከረ።

ቀጺሉ ወዲ ሸሪፍ፡- ኣነ ከም ዝርዳኣኒ ዘሎ፡ እዞም ሓደ ጸግዒ-ድፋዕ ናይ በዓል ኢሰያስን፡ ኣስመሮምን ወዘተ… እቶም ካልኣይ ሸነኽ ከኣ ናይ ሰለሙን ኢኹም፡ በለ።

ኣፈወርቂ ኣምሓራይ፡- እወ ንሕና ጉሩፖ ናይ ሰለሙን ኢና፤ እዚኣቶም ከኣ ጉሩፖ ናይ በዓል ኣስመሮምን ተወልደን ወዘተ… ኢዮም። ሕጂ ብጽቡቕ፣ ማለት ከይተሃላለኽና፣ ንካታዕ። ኣነ እዚ ኣኼበይና ክሳብ ዝፈልጦ እየ ሽጣራታት ክጥቀም ዝወዓልኩ፡ በለ።

ጸጋይ ተንሲኡ፡- ኣሕሩእ ኢኹም፣ ረሳሓት፣ መሳፋሕቲ … እናበለ፡ ዕጥቁ ብምልዓል ተንሲኡ ክኸይድ ከሎ፤ ኣቦ-መንበር፡ ውጻእ ኪድ በሎ። ካብኡ ኣኼባ ቀጸለ።

ኢሰያስ ፊናንሳ፡- ሓደ ካብቶም ኮራኹር ተባሂሎም ዝሕመዩ ስለ ዝነበረ ክከላኸል ይፍትን’ሞ ምዃን ምስ ኣበዮ፡ ኣነ ወዲ ሓማሴን ስለ ዘይኮንኩ ኢዮም እናበለ ምዕዝምዛም የስምዕ ነበረ።

ካብ’ዚ ሕጂ’ውን መስዩና፡ ኣኼባ ንጽባሒቱ ተመሓላለፈ። ንጽባሒቱ ግዜ ኣኼባ ኣኺሉ፣ ኣቦ-መንበር ኣኼባ ከፈተ።

ሙሴ፡- ትማሊ ጸጋይ ብኢደ-ወነኑ እናተጻረፈ ተንሲኡ ከይዱ፤ ሎሚ ኣብ ኣኼባ እንሆ፡ ከም ዝደለዮ ከይዱ ማለት ድዩ?

መልሲ ካብ ኣቦ-መንበር ከይተዋህቦ፣ ጸጋይ ተንሲኡ ንሙሴ ብሰደፍ ጠበንጃ ዘበጦ። እንተዀነ ክመውት ኣይከኣለን። ንጸጋይ ሒዝና ምስ ኣሰርናዮ ከኣ፣ ንሙሴ ናብ ሕክምና ኣብጻሕናዮ። ካብኡ ዓሰርተ-ደቂቓ ኣይገበርናን …

ወዲ ፈንቅል፡- ጸጋይ ብቡርቱዕ ተኣሲሩ ስለ ዘሎ ረኣይዎ በለ።

ወዲ ይትባረኽ፡- ኣነ ኣብኡ ጸኒሐ፡ ኣዝሊቐሉ ኣሎኹ በለ።

መሓሪ፡- ቅድም ግዳ – ምናልባት፡ እዚ ወዲ ሞይቱ ከይከውን – ሕክምና ኬድና ዘይነረጋግጽ፡ ክብል ሓተተ። ብዝኾነ ጕዳይ ሙሴ ብዙሕ ተገዳስነት ኣይረኸበትን።

ወዲ ፈንቅል፡- ድሓን ኢዩ ዘሎ፤ ጸጋይ ከኣ ሓሪቑ’ዩ ሃሪሙዎ፡ እናበለ ከደዓዕስ ፈተነ።

መብራህቱ፡- ትቕብል ኣቢሉ፣ ድሓን ጸጋይ’ኳ ድልየቱ ስለ ዘይረኸበ’ዩ፤ ግና ሕጂ ኣኼባና ንቐጽል፡ ኢሉ ተዛረበ።

ካብኡ መራሕቲ፡ ካብ’ቲ ተኸሲሶምሉ ዝነበሩ ክስታቶም ከብርሁልና፡ ንሰዓት 9 ተዓዲሞም ስለ ዝነበሩ፡ መጹ። ኣስመሮም ፈሊጡ ክነሱ፡ ናብተን ታሕቲ ዝነበራ ሓይልታት ከደ። ኢሰያስን ሰለሙንን ግና መጹና። ወዲ እዮብ ከኣ ብስራሕ ምኽንያት ከም ዝተላእከ ፈሊጥና።

ዘርእማርያም ዕንድኩር፡- ንሕና ከይፈለጥና ኣብ ደልሃመት ከተእትዉና መዲብኩም ኔርኩም። ኣነ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ዝተረዳእክዎ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ኣነ ግና ኣብ ገራግር ተሪፉ ኢለ-እምበር፣ ብሰሙን ዘይውዳእ ክስታት ነይሩኒ። እንተኾነ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ብዙሕ ነገራት፡ ቲክቲካት ኣለዎ። ኣብ’ዚ ኣኼባ እናተባህለ ብጠበናጁ ጌርካ ኮራርምቲ ሰብ ምስባር ኣለዎ’ዩ ጉዱ። ናይ’ዚ ብልሃት ኣይጭረስን’ዩ፡ ብምባል ዘረባኡ ጨረሰ።

ሰለሙን ወልደማርያም፡- ኣነ እዚ ኣኼባ’ዚ ዕላምኡ እንታይ ምዃኑ ጽቡቕ ጌሩ ይርድኣኒ’ዩ፤ እናበለ ረሲኑ ድሕሪ ምዝራብ፡ ኣቦ-መንበር ድማ ኮፍ በል! በሎ። ሰለሙን ኮፍ ምባል ስለ ዝኣበየ ከኣ፡ ብረቱ ኣሕዲግና ካብ ኣኼባ ሰደድናዮ።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡- እዚ ኣኼባ’ዚ ነዚ ዘሎ ግርጭት ዝፈትሕ ኣይኮነን። እዚ ኣኼባ’ዚ ካልእ ነቓዕ ዝደሊ ኢዩ። ብሓጺሩ ሕጂ ሙሴን ጸጋይን ዘባእስ ዋላ ሓንቲ ኣይነበሮምን። እንተኾነ ኣብ’ዚ ዝተጠንሰ ሓሳባት ስለ ዘሎ’ዩ፣ እዚ ግርጭት’ዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን። ዘጥፍኦ ዝነበርኩ ግርጭት’ዩ። ግን እዚ ተጠኒሱ ዘሎ ሸሞንተ ወርሑ ኣኺሉ ክውለድ ቀሪቡ ዘሎ ነገር ጥራይ’ዩ ንዓታቶም ነቓዕ ኮይኑ ዘሎ። ስለዚ ንኣይ ግደፉለይ በለና።

ወልደንክኤል ሃይለ፡- ኣባና እምነት የብልካን ማለት ድዩ? ኢሉ ንኢሰያስ ሓተቶ።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡-  ኣነ እምነተይ ኣብ’ዚ ሓይሊ’ዚ ኣብ ቆራጽነተይን ገስጋሲ እምነተይን ኢዩ። ኣብ ነብሰይ እምነት ድማ ወሰን የብሉን። ግና ኣብ’ዚ ናይ ተበለጽቲ ነቓዕ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። ንኣብነት ዘርእማርያም እንተወሰድና፣ ሓንቲ ቅንዕና ጥራይ ሒዙ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። በዘን ቍሩባት ዓቕመይ ድማ ክታለል ይኽእል’ዩ። ስለ’ዚ ከኣየ ንኣይ ሕደጉለይ፣ ባዕለይ ከዐርዮ እየ ዝብል ዘሎኹ፣ እናበለ ብንዕቀት ውሳኔኡ ገለጸልና።

ካብ’ዚ ሓደ-ሓደ ሰባት’ውን ባዕሉ ኢሰያስ የዐርዮ፣ ባዕሉ ይዕረቆም እናበሉ ተወሳኺ ርእይቶ ስለ ዝወሰኽሉ፡ ካልእ ዕድላት ዕጹው ነይሩ። ኣብኡ ድማ ደው በልና። ብድሕሪ’ዚ ኢሰያስ ሓዲጉና ከይዱ፣ ዝተረፍና ንነቃቐፍ ኢልና፡ ነቐፌታ ጀመርና።

ኣፈወርቂ ተኽሉ(ኣምሓራይ)፡- ኣነ ደጋጊመ ሓደራ ዝበለኩም፡ ነዞም ሓረስቶት ዝነበርኩም ኣብ መጻወድያ(ካሚን) ከይትኣትዉ ኢዩ። ኣብ ካሚን ክትጥሕል ቀሊል’ዩ፤ ካብ ካሚን ንምውጻእ ግና ብጣዕሚ ብርቱዕ ኢዩ። ስልዚ ኣነ ዝገብሮ ዝነበርኩ ሽጣራታት ካብ’ቲ ኣቲናዮ ዝነበርና ካሚን ንምውጻእ እዩ ነይሩ፣ በለ። ቀጺሉ፡ ንሕና እዞም ተመሃሮ ንፋለጥ ኢና። ስለዚ ንስኹም ተሰበኽቲ ኣይትኽኑ፣ ክትጥንቀቑ ኣለኩም፣ ብምባል ደምደመ።

ኣድሓኖም፡- ንኣይ ኣይትፈልጠንን ኢኻ። ግና ንስኻ ኢኻ ተበላጺ በሎ።

ካብ’ዚ ኣኼባ ተወዲኡ ንጸጋይ ቀሺ ፈቲሖሞ፡ ምጕዓዝ ኮነ። ኣብ መገዲ ድማ ንመብራህቱ፡ ንስኻ’ኸ ኣብ’ቲ ኣኼባ እንታይ ኢኻ ትብል ዝነበርካ? በልዎ።

መብራህቱ፡– እቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝበልኩ፡ ኢሉ መለሰ። ስለምንታይ ንስኻ’ኸ ንሙሴ ሃሪምካዮ?

ቀጺሉ ወዲ ፈንቅል፡- ስማዕ መብራህቱ፡ ንሕና ናይ ግብሪ ዓይነት ሰብ ኢና። እዚ ኣጠዋዋይ ዘረባ የብልናን። እዚ ፖለቲካ-ምቓዕ ኢዩ።

መብራህቱ፡- ብዛዕባ ግድማና እንተኾይኑ ካልእ ነገር’ዩ። ብዝተረፈ፡ ንሕና ከም ተጋደልቲ፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ርእይቶና ክፈላለ ይኽእል’ዩ። እሞ ኩሉ ግዜ ሓደ ንኹን ክትብል ኣይግባኣክን ኢዩ። ብዝተረፈ ካብቲ ምኽርና ብዙሕ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን፣ ተበሃሀሉ።

/////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////////

November 12, 2016

Teclesenbet Teclai

Germany

*እዚ ሰነድ አብ ደርዓ/ዓረት ዚተባህለ ዓዲ አብ ዚኒበረ ናይ ተሓኤ ዚዀነ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ጸጥታ ብወርሒ ታሕሳስ 1976 ዚተረኽበ’ዩ። አብ ማእከል ፋይላት ጸጥታ አብ ውሽጢ ንህዝባዊ ሓይልታት ዚምልከት ፍሉይ ፋይል ዚብል’የ ረኺበዮ። መደበይ ቀዋሚ ብዘይ ምንባሩ ተመሊሰ ክረኽቦን ከይረኽቦን ርግጸይና ኣይነበርኩን፤ እዚ ሰነድ ድማ ፍሉይ ኣገዳስነት ርእየሉ። የግዳስ ናይ ምስኣሉ ተኽእሎ ስለ ዘይነበረ ቅዳሕ ክወስድ አይከኣልኩን። ሓንቲ ምርጫ ዚነበረትኒ ብኢድ ምድቃሉ’ዩ። ከምኡ ድማ ገቢረ፣ ኣድቂለዮ። ሎሚ ብጥስጣስ መዘክራተይ ከገላብጥ ክብል ድማ ረኺበዮ፣ እንሆ’ኳ ምሳኻትኩም/ክን እካፈሎ አሎኹ። እቲ ጸብጻብ ዚህብ ዘሎ ሰብ ካብ ህዝባዊ ሓይልታት ናብ ተሓኤ ዚሰገረ ተጋዳላይ ክኸውን አለዎ። አነ ሽዑ ካብ መን’ዩ ተረኺቡ እቲ ዶኩሜንት አየጻሬኹዎን፣ ሕጂ’ውን መን’ዩ ዚሓበረ ዝፈልጦ የብለይን። የግዳስ ጕዕዞ ተጋዳላይ ወትሩ-ዘብዘብ ስለ ዚዀነ፣ ምናልባት’ውን ዋና’ዛ ሰነድ ብሂወት ሃልዩ፣ ኣነ’የ ይብለና ይኸውን።

¶¶¶¶ተፈጸመ¶¶¶¶

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10528

Posted by on Nov 14 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net