ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብቲሕቲ ጭርሖ ’ቃልስና ምእንቲ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት’’ ብዝብል ብዕለት 06 ሕዳር 2016 ኣብ ከተማ ሎንዶን ዑውት ሰመናር ኣካይዱ።

ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ እተፈላለየ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተረኽብዎ ስፊሕ ስመናር

ኣካይዶም። 

ኣክባ ብዝክሪ ሱው ድሕሪ ምጂማሩ፡ ኣቦ ወንበር ዓባይ ብሪጣንያ ብጻይ ኣሕመድ ዓሊ ኣሕመድ ድሕሪ ዕንቛዕ  ብደሓን መጻእኩም ምባል እቲ ባይታ ብቀጥታ ንብጻይ ዓብዱ መሓመድ ጣህር ኣባል መሪሕነት ፈጻሚት ሽማግለ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣመሓላሊፍዎ። ብጻይ ዓብዱ መሓመድ ጣህር ብወገኑ ኩነታት ሃገርናን ክባቢና ዝክይድ ዘሎ ኣስካፊ ዝኮነ ኩነታት፡ ከምኡ ዊን ብፈላይ ኩነታት ውድብና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ብሓፈሽኡ ኣተሃላልዋ ደምበ ተቋውሞ  ሰፊሕ መግለጺ ንተሳተፍቲ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ  መግለጺ ሂቡ።   

ካብዚ ብምቅጻል ኩሎም ኣባላት ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ሓላፍነት ተሰኪሞሞ ዝነበሩ ክፍልታት ፀብጻቦም ኣቅሪቦም።  ብምቅጻል ኩነታት ነናይ ዘለውዎ ከተማታት  ምስ ማሓዙት ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ዝገብርዎ ንጥፈታት፡ ብፍላይ ኩነታት ሓፋሽ ህዝብና ዘጟንፎ ዘሎ ናይ ስደት ጸገማት ኣስፊሖም ጸብጻብ ኣቅሪቦም።  

ድሕሪ እዚ ሓበረታ ምስማዕ፡ ኣባላት ግንባር ሃገርዊ ድሕነት ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ድሕሪ ነዊሕ ኸትዓት ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት መዝጊቦም። 

ኩነታት ውድብና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤረትራ ብፍላይ ኩነታት ጨንፈርና ኣውንታውን ኣሉታውን ሽነካቱ ኣስፊሖም ገምጊሞሞ። ብሽነኽ ውድብና ካብዚ ኩሉ ተጻብኦታት ውሽጣውን ግዳማውን መኪቶም ኣብዚ ደረጃ ዘብጽሕዎ መሪሕነትን መስረታትን ታሪካዊ ተረክቦ ስለዝኮነ ናይ ጽንዓትና ምስኽርነት ብምዃኑ ዓብይ ተመኽሮ ብምቅሳም፡ ሎሚ ውን ክምትማሊ ድርብ ቃልሲ ክነካይድ፡ ምእንቲ ህዝብናን ሃገርናን ክነድሕን ዘለና ዓቅምታት

 ብመስኖ ውድብና ኣቢልና፡ ኽምኡ ዊን ምስ ማሓዙት ውድባት፡ በርገስዊ ማሕበራት ብዝላዓለ ደርጃ ክንስርሕ ኢና። ካብዚ ብምቅጻል  ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ንሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤረትራ ንምዕዋት ኩሉ ካባና ዝድለ ቁጠባውን ሞራላውን ሓገዝና ክነበርክት ኢና።  

 

ኣብ መጨረሻ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ንህዝብና ካብዚ ኣርመናዊ ስርዓት ንምግልጋል ሓንሳብን ንሓዋሩን መሒና ክነልግሶ፡ ኩሉ ካላኣዊ ጉዳይና ንጎድኒ ገዲፍና ኣብቲ ስፊሕ እንኮ ጥርናፈ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞኽራሲያዊ ለውጢ ተጠርኒፍና ክንስርሕ ንዝመጽእ ዘሎ ካላኣይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ንምዕዋት ንሕና ብሸነክና ምስ ማሓዙት ውድባት ንስርሓሉ

 

እኳ እንተሃለና ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብቅጽበት ኣብ ድሕነት ህዝቡ እጃሙ ከበርክት ክሳብ ምልኪ ፈሪሱ ህዝባዊ ስርዓት ዝትኸል ብሽም ውጹዕ ህዝብና ብኣክብሮት ለበዋና ነማሓላልፍ። 

ዓወት ንህዝቢ ኤረትራ

ሕጊ ይንገስ  ምልኪ ይፍርስ

ኽብርን ዝክርን ንሱውኣትና       

ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤረትራ          

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10531

Posted by on Nov 14 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net