ዜናታት ውሽጢ ሃገር ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ “ እንዳ ማርያም ” ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣድማ ኣካይዶም !!

  • ስመራ፣

ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ “እንዳ ማርያም” ኣስመራ፣ ብሰኑይ ዕለት 02 ጥሪ 2017፣ ኣንጻር ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ኣድማ ከም ዘካየዱ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ’ቲ ቦታ ጸብጻብ ኣመሓላሊፎም። ተማሃሮ “እንዳ ማርያም”፣ መግለጺ ናይ ቁጠዐኦም፣ ኣብ ልዕሊ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝገልጽ፣ ባንዴራ ኤርትራ ኣውሪዶም ከም ዝቐደድዋ ተፈሊጡ።

 

ምንጭታትና፣ ምክንያት ናይ’ዚ ኣዳማ’ዚ ንምፍላጥ ድህሰሳ ኣብ ዘካየድሉ፣ ኩነታት ሃገር ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ይጓዓዝ ብምህላዉን፣ ብገለ ኣካላት ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ መጀመርታ ሓዲሽ ዓመት 2017 ኩነታት ሃገር ንምምሕያሽ  ንጽገና ዝምልከት ኣገዳሲ ስጉምትታት ክውሰድ ኢዩ፣ ከምኡ’ውን ብዙሓት ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ ኢዮም ዝብል ክፍኖ ዝጸንሐ መናፍሕ ሓቀኛ ዘይምዃኑ ስለ ዝራኣዩን፣ እዚ ስርዓት’ዚ ክጽገን ይኽእል ኢዩ ዝብል ዝነበረ ገለ ታስፋታቶም ስለ ዝበነነን ኢዮም እቶም መንእሰያት ሓያል ኣድማ ክገብሩ ዝመረጹ ዝብል ጭቡጥ ሓበሬታ ረኺቦም።  እዚ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ኣብ መንእሰያትን ተማሃሮን ዝተሓጽረ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ሰፊሕ ኣካላት ሕብረተሰብና ሰፊኑ ዘሎ መንፈስ ምዃኑ እቲ ዝበጽሓንና ዜና ኣረጋጊጹ።

 

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ተመሃሮ ዘልዓልዎ ናዕቢ ንምግታእ፣ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ቤት ትምህርቲ እንዳ ማርያም ሊኢኹ፣ 27 ዝኾኑ ተመሃሮ ብምውሳድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ዳጒንዎም ምህላዉ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣረጋጊጾም።  

 

  • ሰሜናዊ ባሕሪ

 

ዓበይቲ ሓለፍቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ”ፍሽይ- ምራራ” (ሰሜናዊ ባሕሪ) ዝርከብ ሰፊሕን ስቡሕን ሕርሻዊ መሬት ጫት ይዘርእዎ ምህላዎምን፣ ካብኡ ዝተረኽበ ዓቢ ማእቶት ከኣ ካብ ኩሉ ቦታታት ኤርትራ  ኣብ ወጻእን ብሰፊሑ ኣብ ምዝርግሑ ተዋፊሮም ምህላዎምን፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ኣብዚ መዳይ’ዚ፣ ቀንዲ ተዋፈርቲ ኮይኖም ዘለዉ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ጀነራል ሑመድ ካሪካሪን፣ ምስ ብሪጋደር ጀነራል ፍጹም ወዲ መምህርን ምዃኖም፣ ነዚ ብቱዂራት ዝከታተሉ ዘለዉ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣረጋጊጾም። ቀንዲ መዋፈሪ ጫትን ንዕኡ ዝጥቀሙ ናይ ምእንጋድን ኮይኑ ዘሎ ሰፈር፡ ጀነራል ካሪካሪ ኣመሓዳሪ ዓሰብ እንከሎ ዝተዋህቦ ገዛ፣ ሎሚ ከኣ ከም  መዕረፍ ኣጋይሽ  ዝፍለጥ ”ራስ ጎምቦ” ዝተባህለ ሰፈር ምዃኑ’ውን ተረጋጊጹ። ኣብዚ ቦታ’ዚ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮኑ፣ ኣብ ከተማ ዓሰብ ዝመደበሮም ናይ ዓረብ ኢማራትን ናይ ካልኦት ሃገራት ዓረብ  ወትሃደራት’ውን ከም ዝመላለሱ ምንጭታትና ሓቢሮም።

በዓልቲ ቤቱ ንጀነራል ካሪካሪ ኣብ ኣስመራ ብዙሓት መንእሰያት ጫት ክምርቅኑ ዝምላለስሉ ቦታ (ስግረቶ) ኸፊታ ምህላዋ ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ ስርዓት ህግደፍ ይኹን ጀነራላቱ፣ ነዚ መጻኢ ዕድል መንእሰያትና ዘበላሹን ኣብ ባህልና ዘይነበረ ጣባያት ዘተኣታቱን ንግዲ፣ ዘይተኣደነ ሃብቲ ይድልቡ ምህላዎም ዝተፈልጠ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። 

ፍሸይ ምራራ ቡን ዝዝረኦ ዝነበረ ስቡሕ መሬት ምዃኑ ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ ገባቲ ስርዓት ካብ ዋናታቱ መንዚዑ ባዕሉ ይጥቀመሉ ብምህላዉ፣ መሬቱ ሓሪሱ ዝናበር ዝነበረ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ድኽነትን ጸገምን ከም ዝርከብ ተረጋጊጹ።

 

  • ሓረስቶት ኤርትራ ናይ ሎሚ ዓመት ሕረሻዊ ማእቶት ከቃጽልዎ ይግደዱ ኣለዉ።

 

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝነብሩ ብዙሓት ሓረስቶት ኤርትራ ናይ ሎሚ ዓመት ሕረሻዊ ማእቶት ከቃጽልዎ ከም ዝተገደዱ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ነዚ ክገብሩ ዘገደዶም ምኽንያት፣ ሰበ ስልጣን ህግደፍ፣ ደቕኹም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንከይኸትቱ ኣህዲምኩሞም ካብ ዝብል ክሲ ብምብጋስ፣ ከም መቕጻዕቲ፣  ናይ ሎሚ ዓመት ማእቶት፣ ብሕሱር ዋጋ ናብ መንግስታዊ ትካል’ምበር ናብ ካልእ ክትሸጥዎ ኣይፍቀድን ኢዩ ሰለ ዝበሎም ምዃኑ ተፈሊጡ። ስርዓት ህግደፍ እዚ ገባቲ ውሳነ’ዚ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ ከተግብርዎ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈን፣  እዚ ክጸርዎ ሰለ ዘይከኣሉ፣ ሓረስቶት ሃገርና፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰራየን ኣከለ ጉዛይን ዝነብሩ፣ ፍረ ጻዕሮም ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝምንዝዖም፣ ዋላ ንጥመ ብምባል፣ እቲ ማእቶት ከንድድዎ ከም ዝተገደዱ እቲ ዝበጽሓና ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። 

 

  • ደሴት ዳህላክ፣

 

ገለ ካብ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ፣ ካብ መደበሮም ኣብ ደሴት ዳህላክ ነቒሎም ብንኡሸትይ መርከብ ገይሮም፣ ብሰሉስ ዕለት 28 ታሕሳስ ናብ ጋማግም ሱዳን ከም ዝበጽሑ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሓቢሮም። እታ መርከብ፣ ኣብ ርእሲ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ፣ ገለ ስድራ ቤታት’ውን ሒዛ ናብ ሱዳን ብሰላም ከም ዝበጽሐት ተረጋጊጹ። ቀጥታ መሬት ሱዳን ምስ በጽሑ፣ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ከም ዝሓተቱውን ተፈሊጡ። ቀንዲ ምኽንያት ናብ ሱዳን ምስዳዶም፣ ብሰንኪ  ምሕደራ ህግደፍን፣ ጨቋኒ ጸጥታዊ ኣተሓሓሕዛ ትካላቱን ምዃኑ ሓደ ካብቶም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ንእሙን ምንጭና ሓቢሩ። ሓይሊ ባሕርን፡ ከምኡውን ክፍለ ሰራዊት 61 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ  ደረቱ ዝሓለፈ ግፍዕን ምብስባስን ይፍጽሙ ምህላዎም ተረጋጊጽ።  ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ነቶም ብናእሽቶ ጀላቡ ተጠቒሞም ንነብሶምን ንስድራቤቶምን ዘመሓድሩ ዝነበሩ ባሕርኛታት፣ ኣብ ደሴት ዳህላክ ይኹን ኣብ መላእ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብምሉእ ስለ ዝኣገድዎምን፣ ከምኡ’ውን ነዳዲ ፈጺሙ ብዘይምህላዉን፡ ህዝብና ኣብ ደቡብን ሰሜንን ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣስካሕካሒ ኩነታት ከም ዝርከብ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኣረጋጊጾም። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ደሴት ዳህላክ ጽኑዕ ቊጽጽር ንኽገብር፣ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ መልኣኪ ተኽለማርያም ዝተባህለ ብወዲ ፍተውራሪ ዝፍለጥ ሓላፊ፣ ናብ ቦታ ከም ዝላእከ ተፈሊጡ ክብል እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። እዚውን ከይተርፍ፣ ናይቲ ቦታ መንእሰያት ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስቲዮ ናብ ግዴታዊ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት ንክወስድዎም፣ ሓይልታት ስርዓት ህግደፍ ጽዑቕ ጓስጓስ የካይዱ ምህላዎም ተፈሊጡ። እዚን ወዲ ከምዝን ኢዩ ድማ፣ ዜጋታትና ሃገሮም ራሕሪሖም፣ ከጋጥሞም ዝኽእል ኩሉ ሓደጋታት ከየገደሶም፣ ናብ ፍቖድኡ ክስደዱ ተገዲዶም ዘለዉ።

 

“ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

04/01/2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10561

Posted by on Jan 5 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net