መግለጺ መሪር ሓዘን

ንሕና ኣብ ሪያድ እንነብር ኣባላት  ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣዝዩ ዘሰንብድ ወረ  መስዋእቲ መራሒና ኣቦ መንበር ዶክቶር ሃብተ ተስፋማርያም ብምስማዕና መሪር ሓዘን ተሰሚዑና። ሞት ንቡር ስለዝኾነ ክትጻወሮ ክትፍን ግድንዩ። እንተኾነ ግን  ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ኣዚዩ ተሃዋሲ ኩነታት ወዲቁሉ ኣብዘለወሉ ጊዜ ከም በዓል ዶክቶር ሃብተ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሃገራውያን መራሕቲ፣ ብሞት ክፍለዩኻ ዘይጽወር ጥራሕ ዘይኮነስ ድርብ ሞትውን እዩ።

 

ፍጡር ኮይኑ ካብ ሞት ዘምልጥ ስለ ዘየለ እንሆ ድማ ዶክቶር ዕጭኡ በጺሓቶ ተፈልዩና። ካብ ኮነ ኸኣ ንስዉእ ዶክቶር  ሃብተ መንግስተ ስማያት የዋርሶ፣ ብቐዳምነት ንብዓልቲ ቤቱን ደቁን ከምኡውን ንኩሎም ብጾቱንኩሎም ደለይቲ ለውጥን ድማ ጽንዓት ይሃብ ንብል።

 

ብጉዳይ ስዉእ ዶክቶር ሃብተን ካልኦት ስዉኣትን ኣብ ሃገራዊ ግዴኦም ዝተመርኮሰ ብዙሕ መግለጺታት ክወጽእ ይከኣልዩ። እቲ ብዝያዳ ነዞም ስዉኣት ኣብ ዘለውዎ ቅሳነት ዝህቦም ግን ነቲ ዝተሰውእሉ ዕላማ ኣብ መዕረፊኡ ንከብጽሕ መድረኽ ዝጠልቦ ቃልሲ ዘካይድ ሸነኽ ምስ ዝህሉ ጥራሕዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ብምሉኣትና ኣባላት ግንባር ድሕነት ኤርትራ ጨንፈር ርያድ በዚ ኣጋጣሚ ዓቅምና ብዝፈቅዶ ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ክንቃለስ ምዃና ቃል ንኣቱ።

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ጨንፈር ርያድ

14-01-2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10598

Posted by on Jan 18 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net