ሓጺር ታሪኽ ናይ ኣቶ ገርህላሰ ኣስፍሃ

ዕለት 06.01.2017

ኣቶ ገርህላሰ ኣስፍሃ ካብ ኣቦኡ ነፍስሄር ኣስፍሃ ክፍለን ካብ ኣዲኡ ነፍስሄር ኣስካሉ ተወልደን ብ01.01.1953 ኣብ ዓዱ ደቀምሓረ ድንበዛን ተወሊዱን ዓብዩን። ትምህርቲ ግና ጀሚሩ ከብቅዕ ኵነታት ናብራ ንምምሕያሽ ብማለት ትምህርቱ ኣቋሪጹ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊሩ፤ እንዳተጓዕዘ ከሎ ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ እተበጀዎ ብ1973 ዓ.ም. ኣብ ሰውራ ኤርትራ ተሰሊፉ እጃሙ ከበርክት ድሕሪ ምጽናሕ ብ1980 ዓ.ም. ንሃገር ሱዳን ኣተወ።

ብ1983 ዓ.ም. ድማ ምስ ወይዘሮ ሓጎሳ መርእድ ብቃል ኪዳን ተጣመረ፤ ካብ ኣብራኾም ዝወጹ ሰለስተ ውላድ ኣለውዎም። 1. ፈቨን ገርህላሰ 2. ኤደን ገርህላሰ 3. ምስግና ገርህላሰን ድማ ይበሃሉ። ኣቶ ገርህላሰ ካብ 1991 ዓ.ም. ጀሚሩ ሂወቱን ሂወት ደቁን ክኣሊ ድሕሪ ምጽናሕ ብ19.12.2016 ገባሪኡ ብዘይተፈልጠ ሓደጋ አብ ትሕተ-ምድሪ ቤት ኣቶገርህላሰ ዚነብረሉ ህንጻ – አብ ናይ ሓባር ናይ ሐጸብቲ ክፍሊ – መይቱ ተረኺቡ።

ንሕና የሕዋቱን መተዓብይቱን ዝኾና ኣብዚ ሓጺር መረዳእታ(መግለጺ) ብዛዕባ ባህርያት ሓውና ገርህላሰ ኣብ ምሕባር ግዴና ንምግባር ድኣ’ምበር ንገርህላሰ ዝበቅዕ ታሪኽ ነቕርብ ኣሎና ንምባል ኣይኮነን። ማለት ታሪኽ ወዲ ሰብ ብጸብለልትነት ክበጽሖ ካብ ዝኽእል ናይ ስራሕ ዕቤትን ደረጃታቱን ዘይኮነስ እቲ ክርኤ ዝግብኦ ባህርያቱን ስነ ምግባሩን ምዃኑ ካብ ኵላትና ዝተኮወለ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ፣ እቲ ኮር-ባህሪ ሓውና ገርህላሰ ከም ሓቁ ዝያዳ የሕዋቱን መተዓብይቱን ካልእ ክገልጾ ኣይክእልን’ዩ። ባህርያት ገርህላሰ ኣስፍሃ ውጹእ ፍሉይነት ነይሩዎ። ገርህላሰ ከም ሰብ መጠን – ኣይሓቅን’ዩ ንዝብሎ ነገር ብትብዓትን ብሓቀይና ዕግበቱን ስለ ዝምክት – ውጹእ ፍሉይነት ነይሩዎ። እዚ ባህርያት’ዚ ድማ ንገርህላሰ ኣብ መድረኽ ገድሊ ይኹን አብ ውልቀ መነባብሮ ብዙሕ ኣሳግድን ጸገማትን ይገብረሉ ምንባሩ ብቀረባ ስለ ንግንዘብ ምስክርነትና ነቐምጥ ኣሎና። ጽኑዕ እምነት ኣብ ሓቅን ርትዕን ዘስዕቦ መዘዝ አብ ዓለምና ቀሊል ኣይኮነን።

ናይ ጽንዓት ትበተኽን ጠባይ አብ ማይ-ቤት እቲ ስድራ ፍሉጥ መለለዪን ሕላገትን  ኢዩ። ገለ ከም ኣብነት ንምጥቃስ’ኳ ናይ ስዉእ ሓድጉ ኣርኣይ ባህርያትን ጅግንነትን አብዚ ክገጥም ይኽእል። ስዉእ ሓድጉን ገርህላሰን ደቂ ሓወቦታት ነይሮም። ሓድጉ ካብ ውሽጢ ተሰነይ ወተሃደር ከሎ ጀሚሩ ክሳብ ናብ ኣስመራ ከም ምሉእ-ግዜ ተጋዳላይ ኴይኑ ዚምደብ አብ ስራሕ ፈዳይን አብ ተ.ሓ.ኤ ብልጫ ነይሩዎ። አብ’ዚ ስራሕ ናይ ፈዳይን እንከሎ ከአ ነታ ካብ ምንጋጋ ኮማንድስ ብተኸስተ ካብቺኖ ትምራሕ ዝነበረት ናይ ጀነራል ጎይትኦም ማርሰደስ አብ ከባቢ ሕምብርቲ ናብ ገለ ሓለፍቲ ተሓኤ (ንኣብነት ዓብደልቃድር ሮሞዳን ሓደ ካብኣቶም ነይሩ) ተረኪባ ናብ ዓዲ ገብራይን ባንብቆን እናምርሑ አብ ጓል ሕምብርቲ ክበጽሑ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስለ ዚተኸተሎም፣ ሓድጉ ንብጾቱን መራሕቱን ዚነበሩ ምስቲ ዚነበሮም ዋሕዲ ብኢድ ከይትሓዝዎ መታን ንሳቶም ከዝልቑ ንበይኑ አብ ምትዃስ አተወ፤ አድሒንዎም ከእ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ንመጻናንዕን መምለስ እግርን ነታ መርሰደስ ወሲዶም ተመልሱ፣ ካብ መራሕ መኪና ጀሚርካ ኵላቶም ተጋደልቲ ግና ድሓኑ። ጅግና ሓድጉ  ኣርኣያ ግና  ብ23 ጥሪ 1975 አብ ጓል-ሕምብርቲ ዚተባህለት ቦታ ተሰዊኡ ተሪፉ። ይኹን እምበር ጸላኢ ሬሳ ሓድጉ ከይረኸቦ ተመሊሱ፣ ስለዚ ከአ ንሬሳኡ ብጾቱ ተመሊሶም አልዓልዎን አብቲ ቦታ መስዋእቱ ተቐብረን።

አየ’ወ እቲ ኵሉ ምትዕጽጻፍ እዚ ኵሉ ጅግንነት፣ ወተሃደሮም ኔርካስ አብ ማእከል ኣስመራ ኴንካ ድማ ብጥይት ትዳኒ! ሓድጉ ወተሃደር ኢትዮጵያ ኔይሩ፣  ብስሙን ብስእሉን ድማ ኣብ ፋይላት ኢትዮጵያ ዚነበረ ባእታ ምዃኑ’ዩ፣ እዚ ክንሱ እቲ ሓቂ አብ ማእከል ኣስመራ ተመዲብካ ክትንቀሳቐስ ከቢድ ነገር’ዩ።

አብዚ ታሕተዋይ ስእሊ ከም ዘሎ፣ ፈዳይን ኴይኖም አብ’ዚ እንዳ ፍርናሽ’ዚ ሰራሕተኛታት ድሕሪ ምፍዳስ ኣጸልሚቶም ይጥቀምሉን ይሰፍሪሉን ነይሮም። ምናልባት ዝያድ ዚሕብሩ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ይህልዉ ይኾኑ?! እወ፣ ፈቐዶ ጎደናታት ብሓደ ተጓዒዞም መጽናዕትታቶም ብምክያድ ምስ ወደ’ርኣያ ሓቢሮም አብተን ፍርናሽ ብሓደ ዚመኸሩን አብኡ ዚሓደሩ ዚነበሩን ብጾት ብሂወት እንተልዮም መን ይፈልጥ ኣሎና ይብሉ ይኾኑ። ወይ’ውን አብቲ ካልኣይ ኑቕጣ ዚነበረ (አብ ወኪዱባ) ተፋለጥኩም እንተኴንኩም። ገለኻትኩም’ውን ምናልባት ናይ እዛ አብ ላዕሊ ዘላ ስእሊ፣ ማለት ብየማነ-ጸጋም ወደ’ርኣያ ዘለኹም ሰባት ትኾኑ።

ብዝኾነ ታሪኽ ጀጋኑን ተመክሮ ብጾትን ንምዝኽካር ዚአክል ኢዩ’ምበር ካብ ሓጺር ታርኽ ኣቶ ገርህላሰ ኣስፍሃ ኣሊናኩም ከም ዝጸናሕና እንተገንዘብና ኢና። እንተኾኑ አብቲ ስድራ ብዙሓት ዚተኽፍሉ ጀጋኑ እናሃለዉ ኢና ንሓድጉ ኣርኣይ ለኪምና ዘኪርናዮ። እምበኣር ናብ ኣቶ ገርህላስ ኣስፍሃ ኣቢልና ክንመልሰኩም!

ወዲ ኣስፍሃ እወ ፈጣን ጻዕራም ኔርካ

ኣብ ዓበይትን ኣብ ንኣሽቱን ኣሎ ምልክትካ

እታ ዘይትተርፍ ሕጊ ብጽሒት ወሲድካ

ስጋኻስ ዓሪፋ’ያ ብንየው ይቀበልካ፤

ፍሉይ’ዩ ነይሩ እትኒሕካ ትብዓትካ

ዘይትንሕፍ ኔርካ ንናጻ እምነትካ

ብዙሕ መጻወድያታት ዝፈንጠስካ

ካብዛ ዓዲ ኩስዖይ ድሮ ተኸዊልካ፤

ኣየ እዛ ዓዲ ክስዖይ’ወ፣ ዓለም መዓሸዊት

ኩሉ ዘጥረዮ ገዲፉዎ ንዝኸይድ

ካብ ውሳኔ ጎይታስ ኣይልቅብ ኣይዛይድ

ነታ መጸዋዕታስ ኣይኣቢ ኣይሕንግድ።

ብዝተረፈ ንኩቡራት ቤተ-ክህነትናን ክቡር ህዝብናን ክብረት ይሃበልና፣ ሕሰም ኣይትርከቡ ንብል። ንመዋቲ ከኣ መንግስተ-ሰማይ ይኽፈተሉ። ንውሉዳኑ ከምኡ ድማ ንሙሉኣት ስድራን ቤተ-ሰብን ጽንዓት ይሃብኩም።

ካብ የሕዋትን ፈተውትን ነፍስሄር ገርህላሰ ኣስፍሃ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10655

Posted by on Feb 27 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net