ኣማሓዳሪት ዞባ ደቡብ ፋና ተስፋማርያም፣ ኣብ ሓምሻይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ተኣሲራ !!

ኣማሓዳሪት ዞባ ደቡብ ወ/ሮ ፋና ተስፋማርያም፣ ኣብ ሓምሻይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ፣ ካብ ቅድሚ 10 መዓልታት ይኸውን፣ ብስርዓት ህግደፍ ተኣሲራ ምህላዋ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ቀጥታዊ ምኽንያት መእሰሪኣ’ኳ ብደቂቕ ተፈሊጡ እንተ ዘይሃለወ፣ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከም ዝሓበርዎ፣ እቲ ቀንዲ ምኽንያት መእሰሪኣ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ብቐጻሊ ዝድይብ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ክትኣልዪ ኣይበቓዕክን ዝብል ኢዩ።

 

ብመሰረት ናይ ስርዓት ህግደፍ ኢደ ወነናዊ ምምቓል ምምሕደራት ኣውራጃታትና ብዞባ ደቡብ ኣብ ዝፍለጥ ክሊ ዝነብር ህዝብና፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰራየን ኣከለ ጉዛይን፣ ደቕኻ  ናብ ግዴታዊ ዕስክርና ኣረክብ ዝብል ትእዛዝ ስለ ዝነጸገ፣ ሕርሻዊ ማእቶትካ ናብ ትካላት ህግደፍ ክትሸጦ ጥራሕ ኢዩ ዝፍቀደካ ዝብል መቕጻዕቲ ተበይንሉ ዝነበረ ዓማጺ ውሳነ ነጺጉ፣ ንኣዋርሕ ጽዒሩ ዘእተዎ ሕርሻዊ ማእቶት ኣብ ክንዲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ዝምንዝዖ፣ ሓረስቶት ሃገርና ምስ’ቲ ኩሎ ከጋጥሞም ዝኽእል ናይ መነባብሮ ጸጋማት እናፈለጡ፣ እቲ ማእቶት ከቃጽልዎ መሪጾም። ርእይቶ ህዝቢ ዘየኽብርን፣ ደገፍ’ምበር ምቅዋም ከም ሓጥያት ዝቚጽርን፣ ስርዓት ህግደፍ፣ ንብዙሓት ዜጋታትና ክኣስር ከሎ፣ ንተቐማጦ “ዓዲ ወደርኪ” ከኣ፣ ብጃምላ ከም ዝኣሰሮም ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝከታተሎ ዘሎ ጉዳይ’ዩ።

 

ወ/ሮ ፋና ተስፋማርያም፣ ድሕሪ’ቲ ብ21 ጥሪ 2013 ብስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወድ ዓሊ) ዝተመርሐ ስሪሒት ፎርቶ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጣፋ ኑርሒሰን ስለ ተኣሰረ፣ ከም መተካእትኡ ብስርዓት ህግደፍ ዝተሾመት ኢያ። ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ቅድሚ ምዃና’ውን፣ ከንቲባ ከተማ ምጽዋዕ ከም ዝነበረት ዝተፈልጠ ኢዩ።

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

01 መጋቢት 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10659

Posted by on Mar 1 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net