ጉጅለ መላኺ ኢሳይያስ ሓድሽ ዞባዊ ምምሕዳራት ኣተኣቲዩ !!

ህጹጽ ዜና ካብ ውሽጢ ሃገር

ጉጅለ መላኺ ኢሳይያስ ሓድሽ ዞባዊ ምምሕዳራት ኣተኣቲዩ !!

                         

 

ስርዓት ህግደፍ፣ ምምሕዳራት ዝተፈላለዩ ዞባታት ሃገርና ብዝምልከት፣ ሓዲሽ ምምሕዳራዊ ምቅይያራት ኣታኣታቲዩ ምህላዉ፣ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝላኣኽዎ ጸብጻብ ሓቢሩ። ብመሰረት’ዚ ሓዲሽ ምቅይያራት’ዚ፣ ጉጅለ ህግደፍ ንቲ ኣቐዲሙ ንኤርትራ ኣብ ሹደሽተ ዞባታት መቓቒልዋ ዝጸንሐ ውሳነ ኣፍሪሱ፣ ሕጂ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ንክትከውን፣ ኣብ ትሕቲ “ዞባታት መኸተን ልምዓትን” ዝብል ስያመ ሓዲሽ ውሳነ፣ ከም ዝወሰነን፣ ንነፍሲ ወከፍ ዞባ ከኣ፣ ብሚጀር ጀነራል ክትማሓደር ከም ዝወሰነን ተፈሊጡ። ብተወሳኺ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቊጽጽሩ ንምእታው  ብመልክዕ ዞባ ሰሪዑ፣ “ምምሕዳር ዞባ 4” ዝብል ስያመ ሂብዎም ምህላዉ’ውን ተፈሊጡ።

 

ዞባ ሓደ ዞባ ደቡብን ዞባ ማእከለን ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ ብሚ. ጀነራል ሓዲሽ ኤፍሬም ክማሓደር ኢዩ።

ዞባ ክልተ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ ብሚ. ጀነራል ሑመድ መ. ካሪካሪ ክማሓደር ኢዩ።

ዞባ ሰለስተ፡ ዞባ ዓንሰባን ዞባ ጋሽ-ባርካን ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ ብሚ. ጀነራል ተኽለ ክፍላይ ማንጁስ ክማሓደር ኢዩ።

 

ስቪላዊ ይኹን፣ ወትሃደራዊ ከምኡ’ውን ነቲ ዞባ ዝምልከት ኩሉ መዳያዊ ጸብጻባት፣ ቀጥታ ናብቲ ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ክላኣኽ ተወሲኑ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ። እዚ ዝሕብሮ ጉዳይ እንተሃልዩ፣ ኤርትራ ኣብ ፍጹም ወትሃደራዊ ምሕደራ ኣቲያ ምህላዋን፣ ነቲ ዞባታት ኣብ ሰለስተ ከም ዝሕጸር ምግባሩ፣ እቲ ስርዓት ኣብ ዓቢ ቅልውላው ኣቲዩ ከም ዘሎ ዝሕብርን፣ ነታ ሃገር ብምሉኣ ኣብ ትሕቲ ደቂቚ ምቊጽጻር ንምእታው ዝሓለነ ኢዩ ክብል፣ ውሽጣዊ ኩነታት ናይቲ ስርዓት ዝፈልጦ ሃገራውያን፣ ንምንጭታት ግሃድኤ ከም ዘረጋገጹ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።  ከምኡ’ውን፣ መላኺ ኢሳይያስ ነቶም ንይምሰል ሚነስተራት ኢሉ ሸይምዎም ዘሎ ሰባት ዳርጋ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ኣቐሚጥዎም ምህላዉ በዚ ውሳነ’ዚ ከም ዝበርሀ እቲ ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣሚቱ።

 

እዞም ገደብ ዘይብሉ ሓላፍነት ተሰኪሞም ዘለዉ ሰለስተ ጀነራላት፣ ቀንዲ መሳርሒ መላኺ ኢሳይያስ ኮይኖም፣ ንህዝቢ ከበሳብሱ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሕጂ’ውን ዕማሞም ንህዝብና ብልምዓት ንምድባስ ዘይኮነስ፣ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቊጽጻሮም ኣእቲዮም፣ ኣብ ተወሳኺ መከራን ሕሰምን ክሸምዎን፣ ዕምሪ ስርዓት ህግደፍ ንምንውሓን ዝዓለመ ድራማ ስለ ዝኾነ፣ ኣብ ውሽጥን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከብ ደላዪ ፍትሒ ህዝብና ነዚ ሓደገኛ ከፋፋሊ ጉጅለኣዊ ኣተሓሳስባ ክምከቱ፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጸዊዑ። 

 

ብቕዋም ዘይግዛእ ጉጅለ ህግደፍ፣ ቅድም ክብል፣ ነቲ ምስ ታሪኻዊ ኣውራጃዊ ምምሕዳራት ሃገርና ኣፍሪሱ፣ ንኤርትራ ናብ ሹድሽተ ዞባታት ኣብ ትሕቲ ዝብል ስያመ፡ ብኢደ ወነኑ መቒልዋ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር ኮይኑ፣ ሕጂ ከኣ ብተመሳሳሊ፣ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝኣመተ ሓድሽ ምምቕቓል ኣታኣታቲዩ ይርከብ። 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

06/03/2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10668

Posted by on Mar 6 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net