ኣብዚ መበል 21 ዘመን ምቛም መንግስታት ብዓለትነትን ሃይማኖትን ይከኣልዶ ተራእዮ ኣግኣዝያንከ ንረብሓ መን

“Exposing Agazians false narratives of building TigrayTigrini”

 

ብፍስሓ ናይር

 

 

ሎሚ ነዚ ሓተታ ከቅርብ ዝገደደኒ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ኣብ ፓልቶኮት ኤርትራውያን ክቀርብ ዝጸንሔ ዘይጸረየን ኣብ ሓቀኛ ጽሑፋት ታሪኽ ብዛዕባ ሕዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምርኰሳ ዘይብሉ ናይ ሃውተታ ክትዓት ክካየድ ብምኽትታልን ከምኡ ድማ ኣብ ገለ መጽሔታት ከም “ውራይና” ዝብሉ መጽሔታትን ብምንባብ እዚ ጉዳይ እዚ ንኩልና ስለዝምልከት ሰነ ፍልጠታዊ ድህሰሳ ዘድልዮ ተረኽቦ ኢዩ።

መጀመርያ ታሪኽ ምፍላጥ ንህልዊ ኩነታትናን ንመጻእን ካብ ዝሓለፈ ናይ ሓድሕድ ውግእን ኩናትን፣ ብርሰትን ድኽነትን ድንቁርናን ኣተሓሳስባ ወጺእና፣ ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ነዛ ብብዙሓት ዓለታትን ሃይማኖታትን ዝቆማ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብኡ ሓሊፍካ ድማ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃገራት ሰላምን ደሞክራስያን፣ ሰብኣዊ መሰላትን ግዝኣተ ሕግን ዘንግሳ መንግስታት ምሕናጽ ድኣ እምበር ኣብ ሓደ ዓለታዊ ኣተሓሳስባ ናይ ዘመኒ እምኒ 4000 ዓመት( ንድሕሪት ምሕሳብ እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት ንረብሓ መንከ፣ ዓሚቁን ሰፊሕን ትንተናን ሰለ ዘድልዮ፣ኩልና እቶም ንድሕነት ሕዝብናን ኣካባቢናን ንግደስ ከነድህበሉ እዋኑ ኢዩ ይመስለኒ።

 

ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ኣብዛ ሎሚ ኢትዮያን ኤርትራን ተባሂለን ዝጽዋዓ ሃገራት ሕዝብን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ዝነበረን ድሕሪኡ ዝተረኽበን ጽሑፋት እቲ ኣብዘን ሃገራት ዝነብር ዝነበረ መበቆሎም ካብ ካም /ኩሽ ፣ሰም፣ ሓማውያን ወይ ድማ ሓውዋስዋስ ዓለታት ከምዝኾኑ ይዝንቶ። ነዚ ዝያዳ ንምርዳእ ድማ

ናይ ሎሚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕዝብታት ታሪኽ ንምፍላጥ ዝሕግዙና፣ ናይ ኣርኪዮሎጅን ናይ ታሪኽ ቅርስታት፣ ናይ ታሪኽ ጽሑፋት፣ ካብ ጥንታዊ ቦታታት ብምድላይ፣ ናይ ሕዝብታት ዘርእን መበቈልን እምነታትን፣ምቋም ሃገራትን ሃገራውነትን ኣብ እንታይ ዝተመርኰሰ ምዃኑ ክሕግዘና ይኽእል፡

 

ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ቅድሚ ጽሑፍ ምምጹኡ፣ ወድሰብ ዝተፈላለየ ናይ ሕይወት መነባብሮ ከምዝሓለፈ ይዝንቶ ካብ ምእራር ዝብላዕ ካብ ኣታኽልቲ ድሓር ሃድን፣ ጸኒሑ ኣብ ሓደ ቦታ ምቅማጥን ሕርሻን፣ጸኒሑ ድማ ኢንዱስትሪ ከምኡ እናበለ ሰልጣነ ሕዝብታት ዓለም ኣብዚ ሕጂ ግሎባላይዘን ዓለም ኣብ ሓንቲ ቂሾት ኮይና ትግለጸሉ ደርጃ ኣብ ዝተበጽሔ ግዜ ሕጂ ተመሊስካ፣ ንሕና እባ ኣጋዝያን፣ንሕና ኢና ንመርሓኩም፣ትግራይ -ትግሪኚ፣ ኣስላምን ዓረብን ክጥፍኡ ኣለዎም እናበልካ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዓጀውጀው እምበርዶ ናይ ጥዕና ኢዩ ኢልካ ክትሓስብ ዝግድደካ ኢዩ፡፤

 

ኣብቲ ግዜቲ ሃገራት ብዶባት ዝፍልጣ እውን ኣይተፈጥራን ነረን፣ እታ ሓንቲ ኣሰር ንግስነታት ከምዝነበራ ክሳብ ክንደይ ሕዝብን ስፍሓት መረትን ሒዞም ይገዝኡ ነሮም፣ ዝፍለጣ ቅድሚ ንግስነት  ኣግኣዝያን ናይ ነገድ ኖህ ካም ኩሽ ዘመን መንግስቲ ከምዝነበረ ድሕሪኡ ድማ ናይ ኣግኣዝያን ንግስነት ቅድሚ ልደት ክርስቶስን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስን ከምዝነበረ፣ ድሕሪኡ ኣብ መበል 1300-ናይ ነገደ ዛጉየ ዘመነ መንግስቲ ድሕሪኡ ድማ ናይ ሽዋ ነገስታት  ኢየን። ብዛዕባ ነገድ ዮቅጣን- ነገደ ኣግኣዝያን ጽሑፍ ገዕዝ ከምዝነበሮም ዝፍለጥ ሰነድ የለን፣ ግን ነገደ ሳባ ካብ ደቡብ ዓረብ እዮም ፍደል ግዕዝ ዝመሃዙ  እዚኦም ድማ ካብ ካብ ሶርያ /ፈኒቅያ – ጢሮስ ናይ ሎሚ ሊባኖስ ከምዝመጽኤ ኢዩ ዝእመን( ፍስሓ ያዜ ካሳ፣ የኢትዮያ የ 5 ሺ ዓመት ታሪክ፣ ከኖህ እስከ ኢህአዴግ፣ መጽሓፍ 1 ርኤ)

 

ኣመጻጽኣ ፍደላት ምስ ትውልዲ ዝተኣሳሰር ዘይኮነስ ምስ ምህዞ ደቂ-ሰባት ድኣ እምበር ሕዝቢ ሓደ ዓለት ተኣኪቡ ዝመሃዞ ኣይኮነን።

 

ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ፍደላት

 

ኣብቲ ግዜቲ ፈኒካውያን ማለት እቲ መጀመርያ ናይ ጽሑፍ ፊደላት ዝመሃዙ ኣብ ናይ ሎሚ ማእከላይ ምብራቅ ሃገራት፣ መሶጳጣምያ ሱርያን ሊባኖስ ከምኡ ድማ ኢራቅ ምንጪ ናይ ሎሚ ኩሉ ፍደላት  ዕብራይስጢ፣ ዓረብ፣ ግዕዝ፣ ጽኒሑ ድማ ላቲን ኣብ ግዜ ሮማውያን ዝተጀመረን ዘሎን ፍደላት ምዃኑ ታሪኻውያን ይዝንትዉ፣ ምልክት ፍደላት ግዕዝ ሎሚ ኣብ ኤርትራን ኣብ ክልል ትግራይን ይርከብ፣ ዘሐወለ ዘተአገበረ……….ሓውልትታት ይርከብ፣ እቲ ኣብ ኣኽሱም ይኹን ኣብ ካል እ ቦታት ዝርከብ ሓውልታት ብግዜ ኣግዝያን ጥራሕ ዘይኮነ ብኩሎም በቶም ሽዑ በብተራ ዝነግሱ ዝነበሩ ዝተሰርሔ ድኣ እምበር ብኣግዝያን ዝበሃሉ ጥራሕ ነሮም ማለት ዝንቡዕ ሓበረታ ኢዩ።

 

እቲ ከም መንግስቲ ወይ ንጉሳዊ መንግስቲ ኣስማቱ ካብ ኣክሱም( Axumite Kingdom, Zaguie Dynasty, Solomonic Dynasty……………. and many other coercive rules in this region) ኩሎም ድማ ኣብ ዝተወሰነ ቦታት  ውሱን ኣካባቢ( city- states ) ድኣ ነሩ እምበር  ኣብዚ ሎሚ ንፈልጦ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣስፋሕፊሖም የማሓድር ነሩ ዝብል ጽሑፋት የለን፣ እቶም ኣብቲ ግዜቲ ገዛእቲ ዝነበሩ ብንግስናን ሽማምንትን በተክህነትን ድኣ እምበር ሕዝቢ ዝመረጾም መንግስታት ይኹኑ ሃገራት ብዶባተን ዝፍልጣ ይትረፍዶ ኣግኣዝያን ኣብ ምሉእ ዓለም እውን ክሳብ 990 ድ.ልደት ክርስቶስ ዝቆማ መንግስታት ይኹና ሃገራት ኣይነበራን።

 

ኣመጻጽኣ ክርስትናን ኢስልምናን

 

ኩላትና ኣብ ታሪኽ ኣብ መባእታውን ካል ኣይን ደረጃ ትምህርቲ ዝተመሃርናዮ ብ ዛዕባ  ምምጻእ ክርስትናን ኢስልምናን ኣብዘን ሎሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተባሂለን ዝጽዋ ዓ ሃገራትን ሕዝብን ፣ ክርስትና ኣብ 4ይ ዘመን ልደት ክርስቶስ  ብክልተ ኣሕዋት ካብ ቲሮስ ወይ /Tyre ሎሚ ብሊባኖን ትፍለጥ ሃገር ትውልዶም ሲርያውያን ፈኒካውያን፣ፍረሚናጦስን-ከሳተ- ብርሃን ፣ እደስዩስን ምስ ሓውቦኦም መሮፒኡስ ካብ ጢሮስ ብቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ኣብ መረት ምስ በጽሑ እቶም ባሕረኛታት ብዘይካ እቶም ክልተ መን እሰያት ፍረመንጡስን ኤዲስዩስን ካል ኦት ከምዘተቀትሉ፣ፍረሚንጦስን ኤደስዩስን ግን ከምባሮት ተታሒዞም ናብ ንጉስ ኤዛና ናብ ኣኽሱም ከምዝተወስዱ ታሪኽ ይዝንቱ፣ ንሳቶም ድማ ንጉስ ኤዛና መማኽርቱ ኮይኖም ክርስትና ከምሁሩ ጀመሩ፣ፍረሚንጦስ ኣብ አኽሱም ጥራሕ ከይተወሰነ ክሳብ እስክንድርያ/ግብጺ በጺሑ ኣቡን ተሸይሙ ኣብ ኣኽሱም ተመሊሱ ከም መራሒ ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ምስፍሕፋሕ ተጸምደ፣ ሓዉ ኤደስዩስ እውን ጢሮስ ተመሊሱ ክህነት ተቀቢሉ፣ ምስ ፍረሚንጦስ ኮይኑ ክሳብ እስክንድርያ ብምብጻሕ ንፓትርያክ እስክንድርያ ናብ ኢትዮጵያ ኣቡን ክሰዱ ተማሕጸንዎ፣ ኣብቲ ግዜቲ ኢዩ ድማ እቲ ክልተ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳንን ሓዲስ ኪዳንን ናብ ግዕዝ ዝተተርጐመ፣ ሰነ-ጽሑፍ ግዕዝ ድማ ካብ ኣብጃ/ Consanants/ ናብ ኣቡጊዳ/ Vocal/ syllabus ዝተለወጠ/ ሰለዚ ንቋንቋ ግዕዝ ሰነ-ጽሑፋዊ ቅርጻ ዝሃብዎ ከምቲ ናይ ሎሚ ፍላስፋታት ኣግዝያን ዝብልዎ ዘይኮነስ መሰረቱ ካብ ማእከላይ ምስራቅ ዝመጹ ሱርያዊ/ፈኒካዊ ፍልስፍና እዩ፣ እምብ ኣር ፍላስፋታት ኣጋዝያን ክንዲ እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ኣመጻጽ ክርስትና ብኣይሁድ ዘይኮነስ በቶም ኣብዚ ግዜዚ ቋንቋ ዓረብ ዝዛረቡ ክርስትያን ዝመንጨወ ኢዩ።

 

ሃይማኖት እስልምና እውን ካብ 6ይ ክፍለ ዘመን ንመጀመርያ ኣብቲ ግዜቲ ነቢይ መሓመድ ሰዓብቱ በቶም ኣረማውያን ምስ ተሃድኑ ኪዱ ናብ ምድሪ ሓበሻ ኣብኡ ንጉስ አኽሱም ኣብ ሓደ እግዚብሔር ዝኣምን ሰለ ዘሎ ክቀብለኩም ኢዩ ምስ በሎም ኣመንቲ ምስልምና ናብ ኣኽሱምን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሎሚ ኣዱሊስ ተባሂላ ትጽዋዕ ቦታ ሰፈሩ፣ካብኡ ንንየው ድማ ብሰላም ሃይማኖቶም ከስፋሕፍሑ ጀመሩ፣ ካብ ሽዑ ድማ ኢዩ ሃገራት  ኣዕራብ ይኹና ካልኦት ምስልምና ሃገራት ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዓብይ ኣኽብሮት ዘለዎም፣ ኣቱም ጽዮናውያን – ኣግኣዝያን ኣብ ስደት ብሳላ ወል ፈያር/ Social-Welfare ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ከይሰራሕኩምን ከይተምሃርኩምን እዚ ናይ ግዜና ተክኖሎጂ ኣብ ድሕሪ ኢንተርነት ኰንኩም ተፈላሰፉ ዘሎኹም፣ ኣብ ስራሕን ትምህርትን ምስ እትዋፈሩ ንነፍስኹምን ሕዝብኹምን ምጠቀምኩም፣ ካብዚ ናይ ጥንቲ ፖሊቲካን፣ ናይ ጽልእን ፍርሓትን እውን ምደሓንኩም፣ እወ እዚ ግዜዚ እቶም ኣብ ከምዚ ሃለዋት ዘለዉ፣ ገለ ናይ ሰነ-ኣእምሮ ተመራመርቲ ከምዝብልዎ እዞም ኣብ ፖልቶኮት ዘህተፍትፉ ገለ ጉድለት ናይ ሰነ-ኣ እምሮን ካብ ማሕበረ-ሰብ ዝተነጸሉን ኢዮም ኢሎም ይገልጽዎም እሞ ተራፒ ሕክምና ሰነ-ኣእምሮ የድልዮም ይብሉ፡፤

 

ኣብዛ ሎሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝብሃላ ሃገራት እቶም ገዛእቲ ኩሉ ግዜ ነንሕድሕዶም ክዋግኡን ሕዝቦም ከጥፍኡን ከምዝነበሩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ሕዝቢ ምንቅስቃስ ከምዝነበረ ይዝንቶ ፣ ናቱ መቀጸልታ ድማ ወራራት ኣብ ልዕሊ ሕዝብታት ናይዚ ከባቢ ንሕና ዘርከብናዮ እኹል ምስክር ኢዩ፡ መጀመርያ ግዕዝ ዝብል ቃል ናይቲ ፍደላት እምበር ናይ ሕዝቢ መጸውዒ ሰም ኣይኮነን፣ እቶም ብግዕዝ ክጽሕፉ ዝጀመሩ ኣብ ግዜ ምእታው ክርስትና ካብ ናይ ሎሚ ሱርያ ዝመጹ በተክህነት ክርስትያን እዮም ንጉሳዊ መንግስቲ ኣክሱም ዕላዊ ቋንቋኡ ግሪኽ ወይ ጽርኣ ዝበሃል ኢዩ ነሩ፣ ንክርስትና ዝተቀበሉን ዘስፋሕፋሑን ድማ እዞም ሎሚ ኣግኣዝያን ንሕና ዝብሉ ዘይኮነስ ዘርኢ ካም-ኩሽ ኣገው ዳይናስቲ እቶም ንኣኽሱም 300 ዝገዝኡ፣ ነቲ ስልጣን ድማ ብሰላም ናብቶም ንሕና ኢና ካብ ነገደ ይሁዳ ዝብሉ ኣመሓላሊፎም፣ ናይዚ ጭቡጥ ምስክርነት ድማ ሎሚ ኣብ ላሊበላን ካልእ ቦታታን ዘሎ ሕንጻታት በተክርስትናት እኹል ምስክር ኢዩ፡፤ ኣብ ኤርትራ እውን ንቋንቋ ትግርኛ ብስነ- ጽሑፍ ዘማ ዕበሉ እቶም ኣግዝያን ዝብሃሉ ኣይኮኑን እንታይ ድኣ ካልኦት ዘርኢ ሕዝቢ ኢዮም፣ ሓደ  ቋንቋ ናይ ሓደ ዘርኢ ከምዘይኮነ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ንምስክሮ ሓቂ ኢዩ፣ ሎሚ ቋንቛ እንግሊዝ ብዝበዝሕ ሕዝብታት ዓለም መራኸቢ ኮይኑ ኣሎ፣ ቋንቋና ከይትዛረቡ ዝብሉ እንግልዛውያን ግን የለዉን፣ ከምኡ እውን ሃይማኖት ዘርኢን ደረትን የብሉን፣ ኣቱም ፍላስፋታት ኣግኣዝያን መጀመርያ ሃይማኖት ክርስትና ካብ ዘርኢ ኣይሁድ ኣይመጽኤን፣ ስለምንታይ ኢኹም ዝምድናኹም ምስ ኣይሁድ ተታሕዝዎ፣ ሞኣ ኣንበሳ ዘእምነገደ ይሁዳ፣ እዚ ኢዩ ምልክትና ባንደራን ድማ ትብሉ፣

ትፈልጥዶ ሎሚ እቶም ቅድሚ 37 ዓመታት ፈላሻ ዝበሃሉ ሕዝብታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኢስራኤል ዝመጽኡ ኩነታት መነባብሮኦም፣ብዛዕባ ሰብኣውን ዘግነታውን መሰላቶም፣ ትማሊ ትማሊዶ በሽሓት ወጺኦም ሰላማዊ ሰልፊ መሰልና ይሕሎ የለን ኢሎም ክሓቱ ኣይተራእይንዶ ብእንታይ ድኣ እሞ ኢኹም ኣጋዝያንን ኢስራኤል ትብህግዎን ትውልድኹም ካብ ኣይሁድ ኢና ትብሉ፣ በጃኻትኩም ቅድሚ ኣብ ፓልቶክ ወይ ፈይስ ቡክ ዘርባዕባዕ ቅድሚ ምባልኩም ኣመጻጽኣን ኣቋቁማን መንግስታት – ሃገራት ታሪኽ ኣንብቡ።

 

ንሕናስ ኣፍሪቃውያን ኢና ይትርፍዶ ሎሚ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ዘይኮነስ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ምምስራት ዓብይ ግደ ዝተጻወትና ሎሚ ድሕሪት ከምሽንቲ ገመል 4000 ዓመት ንድሕሪት መንግስቲ ትግራይ/ትግርኚ ረፑብሊክ ኣግኣዝያን ዝብልሲ እምበርዶ ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለምና ኣሎኹም ክሓቶም እፈቱ። ንእሽቶ ትግራይ /ትግርኚ ዶ ትሓይሽ ወይስ ሰፋሕ ሃገረ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብኡ ሓሊፋ ድማ ንኩላተን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሕበር ኣንጻር ድኽነትን ድንቁርናን ውግእን ወረ ውገን ሓቢሩ ዝቃለስ ዝተዋሃሃደ ንብዙሓነት ሕዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላምን ብልጽግናን ዘማሓድር ስርዓታት ድኣ ኣብ ምሕናጽ ድኣ ንሕሰብ እምበር ሕና ንሳቶም ኣብ ዝብል ክርክር ምእታው እቲ መጀመርያ ዝጉዳእ ሕዝቢ ትግራይን ኤርትራን እዚ ሎሚ ንሕና ኣግዝያን ዝብል ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ፣ ውጥን ኣግኣዝያን- ትግራይ ትግርኚ ኣብ ኣርባዓታት ድሕሪ ስዕረት ኢጣልያዊ መግዛእቲ ናይ ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳነ ሕቶ ምስ ቀረበ ከም ርእይቶ/ሓሳብ ብገለ ኤርትራውያን ዝቀረብ ዝነበረ ኢዩ ነሩ እንተኾነ ኣብቲ ግዜቲ በተን ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ተቀባልነት ሰለዘይረኸበ ፈሺሉ ዝተረፈ ርእይቶ ኢዩ ነሩ፣ ብፍላይ ነዚ ውጥን እዚ ዘፍሽለ እቲ ብራእሲ ተሰማ ዝምራሕ ዝነበረ ሊበራል ሰልፊ ምንባሩ ኣብ ብዙሕ ታሪኻውን ፖሊቲካውን ጽሑፋት ይገልጽ።( ኣይንፈላለ፣ 1941-1950 ብ ኣለምሰገድ ተስፋይ) ከምኡ እውን ዶር.ደጃዝማች ዘውደ ገብረስላሰ ኣብ መጽሓፉ፣ ( የኢትዮጵያ እና የኤርትራ ግጭት መንሥ ኤ እና መፍትሔ) ኣብ ዝብል መጽሓፉ ከምዚ ይብል፣

 

“ኤርትራና ትግራይ በኢጣልያ የግዛት ዘመን ተቀላቅለው እንደነበሩ ውህደታቸውን ቀጥሎ ነጻ የትግራይ ትግርኚ መንግስት በኢንግሊዝ ድጋፍ ለመቋቈም ያቀዱት፣ ልዑል ራስ ስዩም መንገሻ ኢትዮጵያን ኣልከፍልም ብማለት አሳቡብ ተቃውመው ከኣምባ ኣላጌ ጦርነት በኋላ በ1943 ዓ. ም ወደ ኣዲስ ኣበባ በመሄዳቸው ከሸፈ።”

 

ሰለዚ ትግራይ -ትግርኚ ውጥን ኣብ ዝሓልፈ ታሪኽ ብትግራዎት ይኹን ኤርትራዉያን ተቀባልነት ዘይብሉ ውጥን ኢዩ፣ ውጥን ትግራይ ትግርኒ ናይቶም ተስፋ ዝቈረጹ ባእታት እምበር ናይ ሕዝቢ ኤርትራን ትግራይን ውጥን እውን ኣይኮነን።

 

አብ መጽሔት ውራይና መበል 34 ሕታም ጥሪ 2009 ዓ. ም ኣብቲ ውጥን ኣግኣዝያውነት ወይ ብሄር ኣግኣዚ ክልተ ከምዝነበሩ እቲ ሓደ ብናይ ትግራይ ተጋሩ ዝተጀመረ ብማሕበር ዝፍለጥ፣ ጸኒሑ ድማ ሃገራዊ ግንባር ኣግ ኣዝያን ከምዘቆሙ ይፍለጥ ንዝያዳ ሓበረታ ምስዚ ተኣሳሲሩ ብ PDF ዝተላኤኸ ርኤ

ጸላእቲ ኣግ ኣዝያን፣ ፖሊቲካ ኢስላምን ዓረባዊ ሃገራውነትን፣ ሃገራውነት ኣምሓራን ኢዩ ይብሉ።

 

ውከሳ/ References

  1. Cardinal Paulos Tsadua On SaintFrumentius and the Liturgy of Ethiopian Church
  2. ውራይና፣ ኣግ ኣዝያን እንታይነት ምንቅስቃስ ብሄረ ኣግ ኣዝያን/ትግራይ -ትግርኚ
  3. የኢትዮጵያ የ 5 ሺ ዓመት ታሪክ ፣ ከኖህ እስከ ኢህአዴግ፣ ብፍስሓ ያዜ ካሳ
  4. ኣይንፈላለ ፣ 1941-1950፣ ኣለምሰገድ ተስፋይ
  5. የኢትዮጵያ እና የኤርትራ ግጭት መንሥኤ እና መፍትሔ፣ ዶ/ር ደጃዝማች ገብረ ሥላሴ
  6. Eritrea – The making of A Nation -1890-1991 by Redie Bereketeab Uppsla University 2000
  7. Paths toward the nation, Islam Community, and early Nationalist Mobilization in Eritrea, 1941-1961 by Joseph L. Venosa
  8. Italian Colonialism in Eritrea , 1882-1941 Policies, praxix and impact by Tekeste Negash
  9. Eritrea and Ethiopia- The Federal Experience by Tekeste Negash
  10. Eritrea At CrossRoads- A narrative of Triumph, Betrayal and Hope by Andebrhan Welde Giorgis
  11. Coercion, Capital And European States- AD 990-1992 by Charles Tilly

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10684

Posted by on Mar 29 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net