ትፈልጥዎምዶ?

05.05.2017

ትፈልጥዎምዶ?

ንወዮም ክልቲኦም ደቀቦይ በራኺ ዓዲ ፈለስቲ!

ዝተወልድሉ ዕለትን መኖም ከምዝዓብን’ኳ እንተዘይፈለጥኩ፡ ሓዲኦም የማነ፡ እቲ ካልኣይ ድማ በየነ ዝተባህሉ ክልቲኦም ደቀቦይ በራኺ ኣባይን፡ ደቂ ዓዲ ፈለስቲ ሰፍኣ ምዃኖምን እሞ ኣጸቢቐ እፈልጦም ኢየ። እስከ ብዛዕባ ገለ ዛንታ’ዞም ክልተ ኣሕዋት ከዋግዓኩምየ’ሞ ንስኹም ድማ ሎሚ ንልቢ፡ ጽባሕ ንሕጊ ክኸውን ምእንቲ ተገዲስኪም ተኸታተሉኒ።

እዋኑ ኣብ ሞንጎ መወዳእታ 1975ን መጀመርታ ድማ 1976ን ኮይኑ፡ ሓይሊ ናይ ክልቲአን ውድባት ሃገርና ዓንቲሩሉ፡ ሓይሊ ጸላኢ’ውን ብተዛማዲ ደኺምሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተገብረ ፍጻመ ኢዩ። ሽዑ የማነ በራኺ “ጠያይቲ ናይ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሸይጡ” ተባሂሉ ኣብ ሓንቲ ካብተን ዓድታት ሰፍኣ ተኣሲሩ ነበረ። በታ ምሸት መዓልቲ ፍጻመ ድማ መዅሲ ገበነኛ ዚኾነ የማነ ገብረመስቀል ዝተባህለ ውላድ ዓዲ ናህባይን ተጋዳላይ ተሓኤ’ን፡ ንሸያጥ ጠያይቲ እሱር፣ ንመዅሱ ማለት ንየማነ በራኺ፣ ካብታ ተኣሲሩላ ዝነበረ ናብታ ሓለፍቲ ጸጥታ ናይቲ ውድብ ዝነበርዋ ስግር ዓዲ ሕረት-ዑና ከብኪብዎ እናኸደ፡ እሱር ኣብታ ዝመረጻ ቦታ በጽሐ’ሞ ንከብካቢኡ ተጋዳላይ የማነ ገብረመስቀል ክሽይን ፍቓድ ሓተቶ። ተ/ይ የማነ ድማ ብዘይዝኾነ ጥርጣረ ኣእዳዉ ፈቲሑ ንክሸይን ንወዮ እሱር ፈነዎ።

የማነ በራኺ ኣሻቡ ከምዝሸነ፡ ግናስ ክእሰር እናመሰለ፡ ናብ ተ/ይ የማነ ገብረመስቀል ቀረበ። ተ/ይ የማነ ዝኾነ ክፍኣት ገዛእ ወዲ-ዓዱ ኣብዘይሓሰበሉ እዋን እሱር የማነ በራኺ ግና ፈጢኑ ኣብ ኢዱ ሒዝዎ ብዝመጸ ደንጎላ ንተ/ይ የማነ ኣፍልቡ ሰጎዶ።

ተ/ይ የማነ ኣየድለወን። ብኡ ንብኡ ድማ ቁልቁል ኣፉ ንመሬት ተሰጥሐ።

የማነ በራኺ ንሙሉእ ዓወቱ ክመናቶ ወይ ክደናጐ ኣይነበሮን። ዘለዎ ጠላምን ፈራህን ድፍረት ኣኻኩቡ በቲ ጸልማት ከይተደናበረ ብዘልዓሎ ገዚፍ ዶንጎላ ሰፍሲፉ ንርእሲ ናይ’ቲ ድሮ ኣፍልቢ ተዓቢሱ ዝተዘረረ ተ/ይ የማነ ጨፍለቖ። ሽከና ርእሲ ተ/ይ የማነ ከአ ልክዕ ከም ሓምሓም ተጀፊዓ ስለዝተተርተረት ንዝዓቀበቶ ጥፍሒ-ሂወት ትሕዞኣ (ሓንጎል) ኣናጠረቶ።

ኣኸለ እምበኣር! በታ ምሸት’ቲኣ ሂወት ናይ’ቲ ምእንቲ ውጹዕ ህዝቡ ንበረኻ ዝሰፈረ ተ/ይ የማነ ገብረመስቀል ሓንሳብን ንሓዋሩን ሓለፈት።  እንተ’ቲ ነብሰ-ገዳይ የማነ በራኺ’ሞ ኣንጻር ጸላኢ ብትሕዞ ኮነ ብማዕዶ ኣይመደረ፡ ኣይወፈረ። እኳድኣ ብሰይጣናዊ ተጻብኦ ገዛእ ወዲ-ዓዱን ሓዉን ቀቲሉ ንእለቱ ጎይታ ዕጥቅን ብረትን ኮይኑ፡ ብምስሊ ተጋዳላይ ገሪሙ ክነሱ፡ ተግባራቱ ብቅጽበትን ብእዝኒ ገረብን አብ ኩሉ ህዝብን ቦታን  ስለተላብዐ ግና፡ ንውሕስነት ሂወቱ ኢዱ ክህብ ናብ ደርጊ ንዱባርዋኡ ተደርገመ።ተጋዳላይ ቀቲሉን ብረት ሰሊቡን ስለ ዝመጾም ከኣ፡ ብደርጊ ከም ሓርበኛ ተጸብጺቡ ንምሉእ ውሕስነቱ ናብ ኣስመራ ተመሓላለፈ።

ሓራይ! ኣስመራስ ኣተወ፣ ግናኸ ሰውራ ድማ ነዊሕ እንድ’ዩ ኢዳ፣ እሞ ወዮ ገባር እከይከ መጻኢ ዕድሉ ኣማሲይኡ እንታይ ኮነ?

በየነ በራኺ ነቲ ዘየደቅስ ውዕሎ ነብሰ-ገዳይ ገዛእ ሓዉ የማነ በራኺ ሰሚዑ ክድቅስ ኣይከኣለን። ንርእሱ በየነ’ውን በዓል ድርብ ፖለቲካዊ መርገጺ(double agent)፣ ማለት በቲ ሓደ ውዱብ ተሓኤ፡ በቲ ካልእ ድማ ናይ ደርጊ፣ ብምንባሩ፣ ብስም ናይ ተሓኤ ውዱብ፡ ምስኡ (ምስ በየነ በራኺ) ክሰርሕ ከተማ ንዝኣተወ ተጋዳላይ ጠሊሙ ዘቕተለ እሙን ኣገልጋሊ ስርዓት ደርጊ ብምንባሩ፡ ብልጫኡ ተጠቒሙ ንገበነኛ ሓዉ ከውሕስ ተበላሒቱ ካብ ኣስመራ ሓኒቑ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ደርጊምዎ ተመልሰ።

መዓልቲ ይወስድ’ምበር ከምቲ ዝተባህለ “ኢድ ሰውራስ ነዋሕ ኢያ”። ነገር ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ኮይና ከኣ በየነ በራኺ ከይሓሰበሉ ኣብ ማእከል ኣስመራ ብኢድ ናይ ከተማ ስርሒት (ብኢድ ፈዳይን ተጋደልቲ) ናይ ኢዱ ተኸፊሉ ተኸምበለ።

ድሕሪኡኸ ገበነኛ የማነ በራኺ ናበይ ኣበለ?

ድሮ ብዝፈጸሞ ገበን ዝደንበረን ብዋጋ ዕስበት ደም ሓዉ ዝሰኸረን የማነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ እናሰርሐ ኣብ ልዕሊ ክንደይ ህዝቢ ደቂ ሃገሩ ኤርትራ እኪት ከም ዝፈጸመ እዝጊ ዋንኡ። እንተኾነ ገባር ክፉእ ፈጺሙ ስለዘይጥዕሞ መሬት ከይትውሕጦ እናተማህለለ ድሕሪ ቅንጸላ ናይቲ ንዕኡ ዘድሓኖ ሓዉ ተራኡ ከምትመጾ ፈሊጡ ናብ ሞት ከምዘይብላ ዝሓስባ ሃገር ናብ ሃገር-ኣመሪካ ተጨለጠ። ኣብ ዋሽንግቶን ኢዱ ሂቡ ኣብ ሓደ ጋራጅ እናሰርሐ ድማ ምኽንያቱ ብዘይፈለጥናዮ ንሓደ ዜጋና ብካራ ሃሪሙ ካብ ኣመሪካ ተሰወረ።

መቸም ዘይሞተ ኣይስወርን’ዩ’ሞ ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ሃለዋት የማነ በራኺ እንሆ ክስማዕ ጀሚሩ። እናጸንሐ’ሞ ወዲያት ኣብ ዘይፍለጠሉ ዝሓሰቦ ዞናን ቦታን ኣብ ሃገር ስዊዘርላንድ – ኣብ ማእከል ከተማ ጀነቫ ዓስኪሩ – ከም ሓደ ንጡፍ ውዱብ ጉጀለ ህግደፍ ምስቶም “ንሕና ንሱ” ዝብሉ ኮይኑ ከውደኽድኽሲ ተራእየድኣ።

የማነ ሎሚ፡ ዘመን ብዝፈጠሮ መዓቡጥ ፌስቡክን ፓልቶክን ምስ ብዙሓት ከምቲ ከምኡ ነብሰ-ገዳያት ተኣሳሲሩ ይነጥፍ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክሳብ ብኣካል ምስ ዝኸዶምን ዝመጽዎን ከም ናይ ፍራንክፎርት ዝኣመሰላ ናይ ከባቢኡ ከተማታት ተሻሪኹ ዜጋታትና አብ ምጥፋእ ይነጥፍ ከምዘሎ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ሕቶ ክህልወኩም ይኽእል ሕጂ። ከምዚ ዝብል ሕቶ፡-

“እዚ ተጋዳላይ ቀቲሊ ዝተሸርበ ገበነኛ-ሰብ’ዚ ከመይቢሉ ደፊሩ ምስቲ ትማሊ ተጋደልቲ ዘቖሙዎ መንግስቲ ኤርትራ ተጸጊዑ የገልግል ኣሎ? ህግደፍ’ከ መንነት ኣባላቱ ኣይፈልጥን ዲዩ? ከመይ ኣቢሉ ንገበነኛ ከይጽንዖ ከጸግዖ ክኢሉ?” ዝዓይነቱን መስሉን ሕቶታት።

መቸም በቲ ሓደ ድማ “ምናልባሽዶ ሽሙ ቀይሩ የታልል ይህሉ?” ክበሃል ይከኣል። ግናኸ ስም ክቕየር ይከኣል’ኳ እንተኾነ ንሱ መን ከምተሰምየ’ውን ገና ርግጸኛ እንተዘይኮንኩ፤ ብዝኾነ  ግና ምስ ጥዕናና እንተሊና “ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ” ከምዝበሃል፡ጉልባቡ መሊኡ ክቕላዕ’ዩ። እንተ ነገር ህግደፍ “መን ምዃንካ ክነግረካስ ምስ መን ከምትኽይድ ንገረኒ” ዝብል ምስላ ከምዘለና ዘይፈልጥ የብልናን። ህግደፍ ከም መጫጭሒ ጽሉላትን ገበነኛታትን መጠን ምስ ገበነኛታት ኣባላቱ ክጣመርን ክተሓኸኽን ምርኣይ’ውን ኣይሓድሽን። የማነ ድማ በቲ ሓደ ድሮ ኢዱ ኣብ ደም ዝኣለኸ፡ በቲ ካልእ ምስ ገበነኛ ውድብ ዓሪኹ ዘውደኽድኽን ገበናዊ ትእዛዛት ውድብ ዝፍጽም ኣዚዩ እሙን ሰብን ከምዝኾነ’ኳ ድሮ ተጣሊሉ ኣሎ።

ዝኾነ ኮይኑ ንሱ ከም ሓደ ገብነኛ መጠን ማንም ሰብ መታን ክፈልጦ ንዝዓሞቐ ዝርዝራት ብወገና ኣብ ዝቕጽል መጽናዕትና ናቱ ስእሊ ኮነ ዝስየመሉ ዘሎ መጸውዕን ካልእ-ካልእን ኣሰኒና ክንሕበር ኢና።

ሰሰናዩ ንዓኹም!

ኣቕራቢ፡- ሓደ ወዲ ዓዲ ናህባይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10704

Posted by on May 7 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net