ኣገናዕ ንዘይርጡብ ተመራማሪ ወደባት

ብወገነይ ምስ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ዓሚቕ ሌላን ፍልጠትን ኣለኒ ክብል ኣይደፍርን’የ። ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዝተራኸብናሉ ኩነታት ምህላዉ ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ፡ ምስቲ ሽዑ ዝህሉ ጋዕ ገልጠም ዕሙቕ ዝበለ ዕላል ክንብር’ውን ብዙሕ ዕድል ዝረኸብና ኣይመስለንን። ዕሙቕ ዝበለ ዕላል ስለ ዘይገበርና ድማ ክንፋላለ ወይ’ውን ብዓይኒ ቅርሕንትን ጽልእን ክንረኣአ ዘግብር ኩነታት’ውን ኣይተፈጥረን ይብል። ኮይኑ ግን ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ብዛዕባይ ኣብ ዝተፈላለየ መርበብ ሓበሬታታት ብተደጋጋሚ ክጽሕፍ ካብ ዝዕዘብ ነዊሕ ኣቁጺሩ ኣሎ። ምስ ግዜ ኣብ ልቡ ይምለስ ይኸውን ወይ’ውን ክበሊ’ዩ ብዝብል ጽኑዕ እምነት ግብረ መልሲ ምሃብ ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ከም ዘይብሉ ክርአ ጸኒሐ። ሕጂ’ውን ከምቲ ልሙድ <<ኣንታ ጉድ ሰሚዕና ዒመር መን ልኢኩኳ ትመራመር>> ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብ14 ግንቦት 2017 ኣብ ዝተፈላለየ መርበብ ሓበሬታታት ዝዘርግሖ ጽሑፍ ስመይ ተጠቒሱ ይርከብ።
ሕጂ’ውን ኣብቲ ግርማይ ወዲ ፊሊፓ ኣትይዎ ዘሎ ብርቱዕ ቅርሕንትን ጽልእን ዝመስል ህሞት ክኣቱ ኣገልግሎቱ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ኣዓርየ ስለ ዝግንዝብ ፍጹም ምርጫይ ዘይምዃኑ ከነጽር ይፈቱ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕለይ ዘቕርቦ ዘሎ ተደጋጋሚ ክስታት ድማ ሰብኣዊ ይኹን ፖሎቲካዊ መንነተይ ልዕለይ ወይ’ውን እቶም ብቀረባ ኣብ ጥዑምን መሪርን ኩነታት ምሳይ ዝቋደሱ ዝነበሩን ዘለዉን ባእታታት ክገልጻ ዝኽእል ጠንቋላይ ስለ ዘይህሉ ብዙሕ ዝስኸፈሉን ዝሽቁረረሉን ምክንያት የልቦን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ብወገንኻ ብዛዕባ’ቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕለይ ተልዕሎ ዘይርጡብ ክስታት ብውሽጣዊ ሕልናይ ዝውቐሰሉ ስለ ዘይብለይ ድንብርጽ ከም ዘይብለኒ እናሓበርኩ፡ ግን ንዓይ ምስ ዘይፈልጡኒ ዜጋታት ንምልላይ ትጻወቶ ዘለኻ ዓቢ ኣውንታዊ ኣበርክቶ ኣገናዕ ክብለኻ ይፈቱ። ብርግጽ ረብሓታት ምስ ዝህልዎን ዘሓጉሰኻ ምስ ዝኸውንን ካብኡ ንላዕሊ ብናህሪ ክትቕጽል ተስፋ ይገብር።
ግን ብሓቂ ብኣይ ወገን ዝስከፈሉ ጉዳይ ምስ ዝህሉ፡-
 ብርግጽ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ሓደጋ ውድቀት ንምድሓን ኣብ ቃልሲ ምስ ትህሉ ንህዝቢ ቅኑዕን ኣብ ጭብጢ ዝተመርኾሰን ሓበሬታታት ምቕራብ ግቡእን ግዴታን ስለዝኾነ። ኣብ ቅንዕነት ዘይተሰረተን ጭብጥነት ዘይብሉን ሓበሬታታት ምዝርጋሕ ተመሊሱ ንመንነትካ ኣብ ሕቶ ዘእቱን ንዓኻ ብታሪኽ ዘውቕስን ምዃኑ ስለ ዘይተርፍ።
 ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ዓዘቕቲ ንከይወጽእ ብንጹር ፈተውቱን ጻላእቱን ንከይፈልጥ ኣብ ጸልማትን ድንግርግርን ክኣቱ ኣብ ምግባር ኣሉታዊ ተራ ትጻወት ከይትህሉ።
 ኣብ መንጎ ፖሎቲካዊ ውድባት ይኹን ባእታታት ገድላዊ ሕውነትን ምሕዝነትን ከይድልድል ዘይምትእምማን ክዓሙቕ ኣሉታዊ ግደ ተበርክት ከይትህሉ።
 ብዕድመ ንእሽቶይ ዘይኮነስ ክልተ ጨጉሪ ዘብቆልኻን ናብ እግዛብሄር ዝቐረብኻን ምዃንኻ ኣብ ግምት ብምእታው ንውሽጣዊ ሕልናኻ ዝወቕስ ትሰርሕን ሓጥያት ትውስኽን ከይትህሉ ብዙሕ ይስኸፍ። ንለባም ኣምተሉ ከም ዝበሃል ካብኡ ንላዕሊ ክብል ኣይኽእልን።

ምስ ክቡር ሰላምታ
ነፀረኣብ ኣስመላሽ
17 ግንቦት 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10722

Posted by on May 18 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net