ንዕረ ናብ መዓር ምቕያር ዝኸኣል ኣይኮነን!!

ብቀዳምነት ክቡር ሰላምታይ ንክቡራት ኣንበብቲ፡- እቶም ክቡራትን ጭዋታትን ወለድና፡ ልዝቡነትን ቅርጡውነትን ስለ ዘውረሱና፡ ኩሉ ግዜ እቲ ከም ልሙድ ባህሊ ዝተወስደ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ዝኽተሎ ጸርፍታትን ዘለፋታትን ክኽተል ምርጫይ ዘይምዃኑ ከረጋግጽ ይፈቱ። ብካልእ መዳይ’ውን ንደሞክራስን ፍትሕን ይቃለስ ምህላወይ ክሳብ ዝኣመንኩ፡ ዝኾነ ዜጋ ይሕመቕ ይጸብቕ ዘለዎ ርእይቶ ከኽብር ውሽጣዊ ዕግብተይን ፖሎቲካዊ እምነተይን ስለ ዝድርኸኒ፡ ኣብቲ ንሱ ወዲቕዎ ዘሎ ደረጃ ክወድቕ ስለ ዘየፍቕድ ሕጂ’ውን ኣይክኽተሎን’የ። ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ብዕድመ በዓል ጸጋ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንመንእሰይ ወለዶ እቲ ክቡርን ጭዋን ያታዊ ባህልታት ወለድና ከውርስ’ዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዘለዎ ተሪርን ልሉይን ፖሎቲካዊ መርገጽ ኩሉ ግዜ ዘኽብሮ ኮይኑ፡ ኣብ ደሞክራሲ ዝሰፈኖን ልዕልነት ሕጊ ዝተረጋገጸሉን ክብሪ ወዲ ሰብ ዝሕለወሉን ሃገር ካብ ዝነብር ውሑድ ግዜ ስለ ዘየቁጸረ፡ ብውሕዱ ካብ ትርጉም ዘይብሉ ጸርፍታትን ዘለፋታትን ተናጊፉ ቅኑዕ መስመርን ምልውዋጥ ሓሳብ ንሓሳብን ክምህር ምተገብአ ነይሩ ክብል’ውን ይደፍር። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ፡ ኣብ ልዕለይ ክህልዎ ዝኽእል ሚዛን ይኹን ክስታት ባዕሉ ድዩ ኣጻርዩን ተመራሚሩን ረኺብዎ ወይስ ብዝበልዎ’ዩ ብዘየገድስ፡ ብልዙብ መንገዲ ከቕርቦ እንተዝበቕዕ ክንደይ’ኳ ለባም ምኾነ። ግን እንታይ’ሞ ይገበር? ትዕድልቲ ኮይኑ።
ብድሕሪ ክንደይ ትዕግስቲ ንመጀመርያ ግዜ ጽሑፈይ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ወስ ከብል ምስ ተገደድኩ፡ ብርግጽ ግርማይ ወ/ፍሊፖ ሕጂ ክምልሽ እንተኮይኑ፡ ቤላ ቤለው ዘይኮነስ፡ ኣለኒ ዝብሎ ጭቡጥ መርትዖታት ናብ ህዝቢ ክቐርብ ብዙሕ ህርፋንን ትጽቢትን ነይሩኒ። ኩሉ ሰብ’ውን ከምኡ ትጽቢት ከም ዝገብር ኣይስሕትን። ኮይኑ ግን እቲ ልሙድ ቤላ ቤለውን ዘለፋታትን እንተዘይኮይኑ ክጭበጥ ዝኽእል ትርጉም ዘለዎ መርትዖታት ስለ ዘይብሉ ኣብ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክንጻባጸበሉ ብምባል’ዩ ክሓልፎ መሪጹ። ብወገነይ ብርግጽ ግርማይ ወ/ፊሊፖ ጭቡጥ መርትዖታት ምስ ዝህልዎ ክሳብ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ጋህዲ ትኸውን ዘጸቢ ባህርን ትዕግስትን ስለ ዘይብሉ ክብሎ ከም ዝኽእል ቅንጣብ ዘጠራጥር የብለይን። ሕጂ’ውን ኣብ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንጸባጸበሉ ብዝብል ዕባራ ምክንያታት ኣተሃዳድማ ዕቡያት ምህዳም ቅኑዕ ስለ ዘይኸውን ጭቡጥ መርትዖታቱ ከቅርብ ከተባብዕን ክዕድምን ጥራይ’የ ዝኽእል። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መልእኽተይ ንዕኡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ እቶም ካብ ሓላፍነት ነብሶም ሓራ ንምውጻእ ናብዚ እከይ ተንኮልን ዓዘቕትን’ዚ ዝሸመምዎን ሕጂ’ውን ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ዝደፋፍእዎን ዘለዉ ንዓይ ፍጹም ስውራት ክኾኑ ስለ ዘይኽእሉ፡ ጭቡጥ ዝኾነ መርትዖታት ከቕርብ ክተሓባበርዎ ይምሕጸን። ሃየ ሓቅነትን ትብዓትን እንተልዩ እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ ክብል ይደፍር።
ብዝኾነ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ኣብ መልሱ ምሳይ ዘይተሓሓዝን ካብ ሓላፍነተይ ወጻኢዝኾነን ብዙሕ ጉዳያት ይተሓዋወሶ ምህላዉ ስለ ዝዕዘብ ክሕገዝ ፍቓደኛ እንተኮይኑ፡ ሕጂ’ውን ምሕጋዙ ግቡአይን ግዴታይን ገይረ ስለዝወስድ ንምሕጋዙ ድልውነተይ የረጋግጽ። ሃገራዊ ዋዕላ ንምድላው ብቀንዱ ሓላፍነት ዝተሰከመ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ምዃኑ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ። መዝገብ ተሳተፍቲ ክሕዝን ኣጋይሽ ክቕበልን መዝነት ዝነበሮ’ውን እቲ ንምድላዉ ሃገራዊ ዋዕላ ሓላፍነት ዝተሰከመ ኣካል’ዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ስም ውድበይ፡ ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ኣባልነት ከም ዘይነበሮ ካብ ማንም ስውር ኣይኮነን። ሕጂ’ውን ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ኣባልነት የብሉን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ብወድበይን ብግለይን ኣብ መስርሕ ምድላው ሃገራዊ ዋዕላን ኣሰታትፍኡን ምስቲ ከዳሉ ሓላፍነት ዝተሰከመ ኣካል ፍሉይ ርእይቶ ስለዝነበረና፡ ንምስልሳሉ ሰሙን ክተርፎ ከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ከም ተራ ዕዱማት ዕድመ በጺሑና ብውድበይ ተወኪለ’የ ተሳቲፈ። ስለዚ ኣብ መስርሕ ምድላው ወይ መዝገብ ተሳተፍቲ ኣብ ምሓዝ ዝተራእየ ጸገማትን ፌዴራሊዝም ክትመሃር ዝገበረ ኩነታትን ብዝምልከት፡ ኣነ ይኹን ውድበይ ብፍጹም ብሓላፍነት ንሕተተሉ ጉዳይ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ናይዚ ኩሉ’ዚ ሓላፍነት ዝስከም፡ ብቀንዱ እቲ ንምድላው ሓላፍነት ዝተሰከመ ኣካል’ዩ ዝመስለኒ። ነዚ ሓቂ’ዚ ብምጉሳይ፡ ንዓይ ጸጥታ ኢትዮጵያ መዝገብ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ዋዕላ ከም ዝሃቡንን ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ከም ዝዘርግሕክዎን ብግርማይ ወ/ፊሊፖ ዝወሃብ መግለጺታት ኣዝዩ ካብ ክውንነት ኣዝዩ ርሑቕን ኣብ ባይታ ዘይነበረን’ዩ። በየናይ መለክዒታትን ሓላፍነትን’ዩ ንዓይ’ሞ ክወሃበኒ? ንምንታይ’ዩ ኸ ንዓይ ይወሃበኒ። ብርግጽ ግን ኣብ ዝሃብካዮ መልሲ ምስ ገለ ንዓኻ ዝመስሉ ንዓይ ንምጽላምን ንምክሳስን ክሳብ ናብ ጸጥታ ኢትዮጵያ ከም ዝጠራዕኩም ብብሩህ መንገዲ ስለ ዝገለጽካለይ ልዑል ምስጋናይ ከቕርብ ኣፍቕደለይ። እዚ እከይ ተግባር’ዚ ሽዑ መንዓቂኩም፡ ሕጂ ድማ ብኣንበብቲ እንታይ ዓይነት ትርጉም ከም ዝወሃቦ ንዕኦም ዝገድፎ’ዩ ዝኸውን። እዚ ጉዳይ’ዚ ክትርስዖ ትጽቢት ክገብር ከም ዘይብለይ፡ ብኣንጻሩ እናሻዕ ክደጋገም ምዃኑን ካልኦት ክጽሕፉ’ውን ይዳለዉ ከም ዘለዉን ዝእምት ከም መፈራርሒ ዝቁጸር ኣቀራርባ፡ ንዕረ ናብ መዓር ምቕያር ስለ ዘይኸኣል፡ ገለ ረብሓታት እንተሊዎ ክትቕጽሎ ኣብ ቀዳማይ ጽሑፈይ ብንጹር ዝሓበርኩ ይመስለኒ።
ኣብ መደምደምታ ንነብሰይ እንባሕ ኢለ ተደሪረ ዝሓድርን እምነተይ ፈጺመ ምሉእ ዘይጉዱል ዕግበት ዝስምዓንን ባእታ ምዃነይ ኣይጠራጠርን። ንሓንቲ ደቂቕ’ውን ትኹን ካብ ዕግበተይ ወጻኢ ክሰርሕን ሕልናይ ክሸይጥን ሓሲበ ኣይፈልጥን። ብድሕሪ ሕጂ’ውን ብፈጣሪ ዝተዓደለኒ ሰብኣዊ ባህርያተይ ይኹን ፖሎቲካዊ መንነተይን ክብርታተይን ክልውጥ ፍጹም ፋቓደኛ ኣይኮንኩን። ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ መንጋጋ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምንጋፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕለል ቃልስታት ድማ ምስ ህወሓት ኢህወደግ ኣብ ዘራኽቡ ስትራተጂካዊ መርገጺታትን ፖሊስታትን ብሓባር ምስራሕ ቅዱስ ዕላማ ስለዝኾነ ዘሕፍር’ዩ ኣይብልን። ፖሎቲካዊ እምነቶም ይኹን ፖሊስታቶም ክሳብ ዘይተቐየረ ብድሕሪ ሕጂ’ውን ዘሕፍር ገይረ ስለ ዘይወስዶ ብፍጹም ዝልወጦ መርገጽ የብለይን። እዚ ፖሎቲካዊ መርገጽ’ዚ ብግርማይ ወዲ ፍሊፖን መሰልቱን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ርኽብ ከም ዘለኒ ዘቁጽር እንተኮይኑ፡ ዘኮርዓሉን ዝሕበነሉን ደኣንበር ዝሽቁረረሉን ዝሓፍረሉን ክኸውን ከም ዘይግባእ ጽኑዕ እምነተይ ሕጂ’ውን ብእዉጅ ከፍልጥ ይፈቱ። ህወሓት ኢህወደግ ብጀካ’ቲ ን100,000 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምምሕዳር ንምርግጋጽ ዝኸድዎ ርሕቀት፡ ዓይነታዊ ቁጠባውን ማሕበራውን ለውጥታት ንምዕዋት ዝተኸተልዎ ብሱል ኣመራርሓ፡ ብርግጽ ፍስሃን ሰውራዊ ቅንእን የሕደረለይ። ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብዝምልከት’ውን ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ በዚ ዝስዕብ ጽኑዕን ነቕ ዘይብልን ፖሎቲካዊ መርገጺታት’ዚ ክኽበሩ፡ ክምስገኑን ክነኣዱን ይግባእ ይብል።
1. ህወሓት ኢህወደግ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ጉዳይ ኤርትራ ታሪኻውን ፍትሓውን ሕቶ ምዃኑ ዝኣመነ እንኮ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ጎኒ ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፉ ከቢድ መስዋእትነት ዝኸፈለ ብምዃኑ፡-
2. ብድሕሪ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ምድምሳሱ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ርእሰ ወሳኔ ረፈረንደም ከካይድ ዝተቐበለን ንውጽኢቱ ብጸጋ ዝተቐበለ እንኮ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ኢትዮጵያን ከም መንግስቲ’ውን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ ስለዝኾነ።
3. ብድሕሪ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ፡ እዚ ፖሎቲካዊ እምነት’ዚ ነቕ ከይበለ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ይቕጽል ምህላዉ።
4. ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ወሪድዎ ዘሎ ጨካን ዲክታቶርያዊ ጭቆናን ኣደራዕን ህግደፍ ክናገፍ ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሱ ብምድጋፍ፡ ብክንድ’ቲ ዓቕምታቶም ዘፍቕዶ ዝገብርዎ ዘለዉ ልሉይ ኣስተዋጽኦ።
5. ኣብ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምብራር ዜጋታትና ዝተወሰደ ገለ ጉጉይ ስጉምታታት ብዘይናሕፍነት ዓሚቕ ዝኾነ ገምጋም ብምክያድ ተባዕን እውጅን ርእሰ-ነቐፊታ ዝገብር፡ ውጽኢት ኵናት ዝፈጠሮ በሰላታት ንምሕዋይ ርኽብ ህዝቢ ንህዝቢ ዘተባብዕን ብተግባር ዝሰርሕን፡ ንብረት ኤርትራውያን ንምምላስ ዘየውላውን ውሳኔታት ዝወስድን ብግብሪ ዝነጥፍን ፖሎቲካዊ ሓይልን ስርዓትን ብምዃኑ።
6. ከቢድ ጸበባን ሓሳረ መኸራን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣንገፍጊፍዎም ኣምሊጦም ንዝመጹ ዜጋታትና ብሕውነታዊ መንገዲ ዘጋይሽን ዘዕቁብን ኣብ ኤርትራ ዝተነፍጎም ዕድል ትምህርቲ ንምቕጻል፡ ክሳብ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክመሃሩ ኣፍደጊኡ ዝኸፍት ብሱል ፖሎቲካዊ ሓይልን ስርዓትን ብምዃኑ።
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰን ካልእን ብምድማር፡ ህወሓት ኢህወደግ ብዓቢኡ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ጸላእቱ ዘይኮኑስ ፈተውቱን ደለይቲ ሰናዩን ምዃኖም ይግንዘብ። ነዚ ነቕ ዘይብል ፖሎቲካዊ መርገጻትን ሰናይ ድሌት ሕውነታዊ ጉርብትናን ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ከመይ ይርእይዎን ይመዝንዎን ማንም ክነፍጎም ዘይኽእል መሰሎም’ዩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣነን ንዓይ ዝመስሉ ዜጋታትን ድማ ካብቲ ናቶም ዝተፈልየ ተጻራሪ ፖሎቲካዊ መርገጽ ክንሕዝ ማንም ክነፍገና ዘይኽእል መሰልና ምዃኑ ብንጹር ክርድኡ ይግባእ። ኮይኑ ግን ምስቲ ናቶም ተመሳሳሊ ፖሎቲካዊ መርገጽ ንዘይሕዙ ባእታታት ብተራ ጸለመታትን ጥቐናታትን ክትድህል ወይ ከተሸቁርር ምፍታን ምዕቡል ደሞክራስያዊ ባህሊ ዘይምዃኑ ዘካትዕ የብሉን። ብወገነይ ሕማቕ ዕድልን ኣጋጣምን ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ’ቲ ልዕልነት ሕጊ ዘየኽብር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምምሕዳር ምንፋጉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሱልን ንፉዕን ደንበ ተቓወሞ ብዘይምርካቡ ብክልቲኡ ይብደልን ኣበስኡ ካብ ግዜ ንግዜ ይጋደድን ምህላዉ ይኣምን። እቲ ዘይመንፋዓትን ድኽመታትን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ድማ ብቀንዱ ዋናታቱን ብሓላፍነት ንሕተተሉን ንሕና ደኣንበር፡ ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነት ብምህዳም፡ ንካልኦት ፖሎቲካዊ ሓይልታት ወይ ጎረባብቲ መንግስታት ከተሰክም ምፍታንን ዘየሎ መረረ ምብዛሕን ካብ ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ወጻኢ ካልእ ትርጉም የብሉን። ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ከባቢና ካብ ዝርከብ ተቓውሞታት እቲ ዝሓመቐ ምዃኑ ስለምንታይ ክንኽሕድ ንፍትን። ሓባእ ሕማሙ ሓባእ ፈውሱ ከምዝበሃል ኩሉ ጠንቂ ሕመቕ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ውጻኢት ተደጋጋሚ ምፍንጫላቱን ንህወሓት ኢህወደግ ዝዕደል ትዕድልቲ ኣይኮነን። ኩሉ መልክዓት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዝርከብ ጸገማትን ሕማማትን ብቀንዱ ናትና ብምዃኑ ብትብዓት ክንኣምንን ሓባራዊ ፈውሲ ክንረክበሉ ብልቢ ምስ ንጽዕርን ጥራይ’ዩ እቲ ቅኑዕ ኣንፈት ዝኸውን። ካብዚ ወጻኢ ዓንገረር ምባል ንበሃሊኡ ዘሕፍርን ዓዲ ዘየእቱን’ዩ።
ምስ ሰናይ ሰላምታ
ካብ ነፀረኣብ ኣስመላሽ
20 ግንቦት 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10726

Posted by on May 21 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net