ኣብ ኣጀንዳታት ኢሳይያስ ዝቆጻጸ ሕልና የብለይን!!

ክቡራት ኣንበብቲ ብቀዳምነት ሰናይ ቅነ በዓል ነጻነት 2017 ክኾነልኩም ልባዊ ትምኒተይ ይገልጽ። ብምቕጻል ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ነቲ ኣብ ልዕልይ ዘቕርቦ ተደጋጋሚ ኣጉል ጸለመታትን ጠቐነታትን ጭቡጥ መርትዖታት ናብ ህዝቢ ከቕርብ ኣይበቕዐን። ኮይኑ ግን ከምቲ በዓል ኣመል ኣመሉ እንባ ቦትኡ ነይገድፍ ዝብሃል ያታዊ ምስላ ንኩሉ ጉዳይ ካብቲ ናቱ ወጻኢ ቴሞ-ሜትር ክዕቕን ብሰንኪ ዘይምዕዳሉ ዝበልዔት ከብዲ የብላን መኣዲ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ምስ ክቡር ባህልታት ኣቦታትናን ምስ ደሞክራስያዊ ጭዋነትን ዘይተኣሳስር፡ ብዘበነ ውቤ ዝጸመመስ ውቤ ክብል ነበረ ዝዓይነቱ ጽሑፍ ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታታት ንኣንባቢ ኣቕሪቡ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ። ኩሎም ክቡራት ኣንበብቲ’ውን ካብዚ ናተይ ወጻኢ ትዕዝብትታት ከም ዘይህልዎም ምሉእ እምነተይ’ዩ። ብዝኾነ ግን ብከብዲ ዝሓስብ ፖሎቲካዊ መንነት፡ ካብ ጅዳ ብዝምንጠወለይ ዶላራት ዝውድስ ወይ’ውን ኣብ ገለ ሰሚናራትን ፌስቲቫላትን ከም ኣገዳሲ ባእታ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከቕርብ ብዝእተወለይ ኣጉል ዝኾነ መብጽዓታት ዘዝበሉኒ ከም ፓፓጋሎ ዝደግምን ዘናሹን ዘይምዃነይ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከነጽር ይፈቱ።

ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ሓፈሻዊ ፍልጠት መታን ክህልዎም፡-
ብወገነይ ንሓደ ደቂቕ ዝኸውን ጭፍራ ህግደፍን ገባቲ ኢሳይያስን ኣብ ዝፈጥርዎ ኣጀንዳታት ከጣቕዕ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ክቆጻጸን ኣብኡ ክነብርን ፍጹም ፍቓደኛ ኣይኮንኩን። ህግደፋውያን ንመዋእል ኣብ ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን መታን ክነብሩ ብሱዳን፡ የመን፡ ጂቡትን ኢትዮጵያን ኲናት ብውጽኢቱ ድማ እከይ ጽልእታትን ቅርሕንትታትን ክፈጥሩ ከለዉ፡ ብወገነይ ብኣንጻሩ ፈተውትን ጸላእትን ህዝቢ ኤርትራ ብምልላይ፡ ብክንድ’ቲ ንኡስ ዝኾነ ዓቕምታተይን ብቕዓተይን ነቲ ጠንቂ ብምእላይ፡ ንቡር ሕውነታዊ ጉርብትና ኣህዛብ ኣብ ቦትኡ ንምምላስ ይጽዕር። በቲ ንኡስ ዓቕምታተይን ብቅዓተይን ነዚ ቅዱስ ዕላማ ተግባራዊ ክገብር ኣብ ዘይኽእለሉ ኩነታት ምስ ዝወድቕ፡ ሕመቐይ ኣብ ክንዲ ንጎረባብቲ ኣህዛብ ወይ’ውን መንግስታት ምልጋብ መፍትሒታት ንምንዳይ ደጊመ ደጋጊመ ይቃለስ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ከምቲ ጭፍራ ህግደፍን ገባቲ ኢሳይያስን ነቲ ህወሓት ኢህወደግ ኣብ ነጻነት ኤርትራ ብዝነበሮም ንጹር ዝኾነ እምነት ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝኸፈልዎ ታሪኻዊ መስዋእትነትን ሕጂ ኣብ ልዕላውነት ኤርትራ ዘለዎም ነቕ ዘይብል መርገጽን ክኽሕድ ዝድርኸኒ ሕልናን ብቁዕ ምክንያትን ኣይህሉን’ዩ። ከምቲ ሕማቕሲ ዕባራ ምክንያታት ካብ ምብዛሕ ቁም ነገር ነይርኸብ ዝበሃል ምስላ፡ ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ካብ ፖሎቲካዊ ስንኩፍንኦም ዝብገስ ብትሕዝትኡ ካብቲ ብጭፍራ ህግደፍን ገባቲ ኢሳይያስን ከም መዝሙር ወግሐ ጸብሐ ዝደጋገም ወያኔ ኣብ ልዕላውነት ኤርትራ ኣይኣምኑን፡ ሕሳዳትን ቀናኣትን ስለዝኾኑ ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ኣይደልዩን’ዮም ወያኔ ድኽምቲ ኤርትራ ክትህሉ’ዮም ዝብህጉ…………ወዘተ ዝብል ክደጋግሙ ምስማዕ ብጣዕሚ’ዩ ዘሕዝን።

ግርማይ ወዲ ፍሊፖን መሰልቱን ንዘይመንፍዓት ደንበ ተቓውሞ ንጹር ገምጋም ብምግባር ብቁዕ ዝኾነ መፍትሒታት ንምንዳይ ሓጋዚ ኣውንታዊ ተራ ክጻወቱን ከበርክቱን ብፍጹም ኣይርእዩን። ንነብሶም ከም ብሉጻትን ንጹሃት ሃገራውያንን ብምውሳድ፡ ንገለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ባእታታት ወይ ውድባት ፖሎቲካዊ ነጻነት ዘይብሎምን ብከብዶም ዝተዓስቡን’ዮም ብምባል ጸለምታት ክነዝሑ ይውዕሉን ይሓድሩን። ወያኔ ድኽምቲ ኤርትራ ክትህሉ ስለ ዝብህጉን ዝትምነዩን ንደምበ ተቓውሞ ብግቡእ ዘይምሕጋዝ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ዕለት ንዕለት ክፈናጨሉን ክራብሑን ይገብሩ ዝብል ክስታት ከቕርቡ’ውን ይስምዑ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣዝዩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ፡ ንሕሉፍ ታሪኽን ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞን ብንጹር ዝኽሕድ’ዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ምፍንጫል ወይ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ውድባት ኣብ ዝተሓተ መደብ ዕዮ ኣንጻር ሓደ ሓባራዊ ጸላኢ ብሓባር ዘይምስራሕን ሕጂ ዝርአ ዘሎ ዘይኮነስ፡ ማዕረ’ቲ ብረታዊ ቃልስና ዕድመ ዘለዎ ፍጹም ፈውሲ ዘይረኸበ ሕማም ምዃኑ ብከመይ ይዝንጋዕ? ብ1970 ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ተሓኤ ብድሕሪ ምፍንጫል ሂወት ኣሸሓት መንእሰያት ዝበልዐ ውግእ ሕድሕድ እቲ ዝኸፍአ ኣሉታዊ ታሪኽና ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ። ብ1976-1977 ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ክልተ ምግምዑ፡ ብ1981-1982 ተሓኤ ንሱዳን ምስ ኣተወት ናብ ብዙሓት ውድባት ምፍንጫላ ካብቲ ኣሉታዊ ተመክሮና’ዩ። ብድሕሪኡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተራእዩ ምፍንጫላት ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እቲ ጭቡጥ ሓቂ እዚ እናሃለወ ከሎ ምፍንጫል ይኹን ዘይመንፈዓት ደንበ ተቓውሞ ብግርማይን ወዲ ፊልፖን መሰልቱን ስለ ምንታይ ምስ ህወሓት ኢህወደግ ክተኣሳሰር ዝምረጽ ዘሎ ዘደንጹ’ዩ። ትርግታ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ክምርምር ዘይተዓደለ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ንህወሓት ኢህወደግ ከዳምጽ ዝኽእል እዝኒ ክህልዎ ኣይኽእልን’ዩ።

ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ዘቕርብዎ ጸለመታትን ጠቐነታትን ካብ ዕድመ ምድፋእ ዝብገስ ብዕራይ ወለደ ብምዃኑ ሸለል ምባሉን ከም ተራ ምርኣዩን ይሓይሽ ዝብሉ ብዙሓት ባእታታት የጋጥሙኒ’ዮም። ብወገነይ ግን እዚ ለባም ፖሎቲካዊ ኣተሓሳስባ ወይ ኣርሒቑ ዝጥምት ኣገላልጻ ዘይምዃኑ ብጽንዓት ይኣምን። እቲ ብህወሓት ኢህወደግ ተታሒዙ ዘሎ ፖሎቲካዊ ዕላማን መስመርን ዘይወሓጠሎም ኣካላትን ሓይልታትን ኤርትራ ብድሕሪኡ ምህላዎም ብንጹር ክፍለጥ ይግባእ ይብል። ገሊኡ’ውን መንቐሊኡ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ ትግራዎት ልዕሌና’ዶ ክራኣዩ ካብ ዝብል ዘይሰውራዊ ቅንእን ትምክሕትን ዝብገስ ኣጉል ራእይ ምዃኑ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ። ኣብ ጭቡጥ ኣብነት ዝተሞርኮሰ ኣብነት ንምቕራብ ዝኣኽል፡ ሓደ ኣብ ጉዳይ ህወሓት ኢህወደግ ምስ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ተመሳሳሊ ራእይ ዘለዎን ብጽሑፍ ይኹን ብድምጺ ተደጋጋመ ዘመተ ዘካይድን ካብ ኩሉ ተስፋ ቆሪጹ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ብሰንኪ’ቲ ብርቱዕ ጸጥታዊ ኩነታት ኤርትራ ለውጢ ከምጽኣሉ ዝኽእል ዕድል የልቦን። ኣብ ደገ ዝርከብ ደንበ ተቓውሞ’ውን ለውጢ ከረጋግጽ ዘይሕሰብ’ዩ። ብርግጽ ምስ ዝፈቱ ኣብ ኤርትራ ጭቡጥ ለውጢ ከረጋግጽ ዝኽእል ገባቲ ኢሳይያስ ጥራይ’ዩ ብምባል ተደጋጋሚ ንኢሳይያስ ደብዳቤ ብምጽሓፍን ምሕጽንታ ብምቕራብን ዝፍለጥ ባእታ፡ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ ትግራዎት ከም ንፉዓት ዝቁጸሩ ዘለዉ ስለ ዝነፍዑ ዘይኮነስ ንሕና ኤርትራውያን ስለ ዝሓመቕና ጥራይ’ዩ ክብል ናብ ንባብ ከም ዘብቕዐ ይፍለጥ። እዚ ከም ዕድመ ዝደፍኦ ተራ ብሂል ምቁጻሩ ፖሎቲካዊ ዕሽነት ጥራይ’ዩ።

ንምጥቕላል ዝኣኽል፡- ኣብ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ዝምልከት ብጽማቕ 3ተ ተጻረርቲ ፖሎቲካዊ መርገጻት ምህላዉ ዝሰሓት ኣይኮነን።
1. ፖሎቲካዊ መርገጽ ህወሓት ኢህወደግ ካብ ብኣግኡ ኣትሒዙ ሃገራዊ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ብጽንዓት ዝኣምን ምዃኑ ካብ ምንም ስውር ኣይኮነን። ብሰንኪ’ዚ እምነት’ዚ ድማ ብተቓወምቱ ንልዕላውነትን ረብሓታትን ህዝቡ ዘይሰርሕ ብዓቢኡ ንኤርትራ ኣሕሊፉ ዝሃበ፡ ክሳድ ኢትዮጵያ ቆሪጹ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ክትስእን ዝገበረ ፖሎቲካዊ ሓይሊ’ዩ ብምባል ብቀጻሊ ኣንጻር’ዚ መርገጽ’ዚ ብርቱዕ ጎስጓስ ዘካየደሉን ዝኽሰስሉን ኩነታት ምህላዉ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ’ዩ።
2. ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዘይትቁረጽ ዘይትጭረም ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና፡ ንምምላሳ’ውን ይቓለስ ምህላዉ ንነብሱ ዝኣምን ፖሎቲካዊ መርገጽ ዘለዎ ሓይልታት።
3. ኤርትራ ሃገራዊ ነጻነታ ክትጓንጸፍ ጸገም ከም ዘይብሉ ዝመስል፡ ኢትዮጵያ ግን ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ክትረኽብ መሰላ ብምዃኑ፡ ወደብ ዓሰብ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንምምላስ ይቃለስ ምህላዉ ዝኣምን ፖሎቲካዊ መርገጽ ዘለዎ ሓይልታት’ዮም። ጭፍራ ህግደፍን ገባቲ ኢሳይያስን ነቶም ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ዝተቃለሱ ዜጋታትን ሃገራውያን ሓይልታትን ነጺጉ፡ ከምቲ ናይ ጸላእየይ ጸላኢ ፈታውየይ ዝበሃል ምስላ፡ ነዞም ጸረ ልዕላውነትን ኤርትራ ዝኾኑ ሓይልታት እናሓብሓበ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብቀጻሊ እከይ ሸርሕታት ክሰርሕ ጸሓይ በሪቓ ትዓርቦ ከም ዘላ ዘጠራጥር የብሉን። ሃየ በሉ ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ኣየናይ ፖሎቲካዊ መርገጽ ንልዕላውነት ኤርትራን ህዝባን ከም ዝጠቕም ብግሉጽ መንገዲ ከነጽሩን ከረድኡን ብክብሪ ዕድመይ የቕርብ።

ንቡር ዝምድና ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምድልዳል ንረባረብ!!
ምስ ሰናይ ሰላምታይ
ነፀረኣብ ኣስመላሽ 25 ግንቦት 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10729

Posted by on May 26 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net