ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ናይ ዝተፈላለዩ ኮባንያታት መዐንደሪ ኮይኑ ይርከብ !!


ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ ወደባት የመን፣ ኣጽዋርን መኻይንን፣ ከምኡ’ውን ካልእ ኣብ ውግእ ዘድሊ መሳለጥያታት ዘመላልሳ ዝነበራ መራኽብ፣ መብዛሕቲአን ናብ ኢማራት ዓረብ ከም ዝተመልሳ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ
ከተማ ዓሰብ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢማራት፣ ኣብ ከተማ ዓሰብ፣ ወትሃደራዊ ሓይልታቱ ዓሪደሙሉ ካብ ዘለዉ መደበር ፣ ናብ ዝተፈላለየ ወደባት የመን፣ ንሎጂስቲካዊ መደባት ንምስላጥ ንክጥቀመለን ብማለት፣ ብዙሓት መራኽብ ካብ 3 ኮባንያታት ተኻሪዩ ምንባሩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እዘን ብ (ላንድ ክራፍት) ዝፍለጣ መራኽብ፣ ንሓጺር ጉዕዙ፣ ኣጽዋርን ካልእ መሰራሒታትን ዘጓዓዕዛ ምዃነን ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ዓሰብን ወደባት የመንን ሓይልትት ኢማራት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝኸውን ክጥቀሙለን ድሕሪ ምጽናሕ፣ መብዛሕቲኡ ወደባት የመን ወጻኢ ካብ ቁጽጽር ሓይልታትን ሑቲን ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ድሕሪ ምዃኑ፣ መንግስቲ ኢማራት ዘድልዮ ኣጽዋርን ካልእ ናውትን ብዓበይቲ መራኽብ ገይሩ ብቐጥታ ኣብ የመን የራግፍ ምህላዉ ተረጋጊጹ። መብዛሕቲአን ኣብ ዓሰብ ዝነበራ መራኽብ ናይ ኣጽዋር ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ኢማራት ክምለሳ ከለዋ፣ ገለ ካብኣተን መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ዓሰብ ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስራሓት ንክጥቆሙለን፣ ዛጊት ኣብ ወደብ ዓሰብ ተዓሺገን ከም ዘለዋ ምንጭታት ግሃድኤ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ወደብ ዓሰብ ንመንግስቲ ኢማራት ኣካርይዎ ከም ዘሎ ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ ሓይልታት ኢማራት ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ መነባብሮ ህዝብናን ኣብ ልዕሊ ልዑላውነት መሬትናን ባሕርናን ብዝገብርዎ ዘለዉ ቐጻሊ ግህሰታት፣ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝብና ኣምሪሩ ክዛረብ ጀሚሩ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ወደብ ዓሰብ ዝመደበሮም ሓይልታት ኢማራት ብዕለት 7 ግንቦት 2017 ንምግፋፍ ዓሳ ዝተዋፈረት ንእሽቶይ ጃልባ፣ ብናፋሪት ከም ዝደብደቡ፣ ማዕከናት ዜና ሓቢሮም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ። ካም ውጽኢት ናይዚ ደብዳብ’ዚ ገለ ካብ’ቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ዜጋታትና ህይወቶም ክስእኑ ከለዉ፣ ገለ ድማ ቖሲሎም ኣብ ሆስፒታል ዓሰብ ይሕከሙ ምህላዎም ተፈሊጡ። እዚ ተረኽቦ’ዚ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከም ዝተኻየድ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፣ ስርዓት ህግደፍ ግን ፈጺሙ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዘይምዝራቡ፣ ክሳብ ክነደየናይ ብህይወት ዜጋታትና ዘይግደስ ምዃኑ ተወሳኺ መርትዖ ኢዩ።

ብተመሳሳሊ፣ ብዝተፈላለያ ኮባንያታት ዝውነና ገፈፍቲ ዓሳ ጀላቡ፣ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘይ ዝኮነ ፍቓድ፣ ከም ድላየን ዓሳ ኣብ ምግፋፍ ብጻዕቂ ይሰርሓ ምህላወን ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ካብ’ዘን ጀላቡ’ዚኣተን፣ ደቂ ፍሊፒን ዝውንንወን ሰለስተ ጀላቡ፣ ካብ ወደብ ጅዳ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ነቒለን፣ ኣብ ማያት ኤርትራ ዓሳ እናገፈፋ፣ ሹዱሽተ ፊሊፒናውያን ባሕረኛታት ምስ’ተን ጀላቡ ፣ ብሰበ ስልጣን ህግደፍ ከም ዝተታሕዛ፣ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ፊሊፒን (ከም ABS – CBN – TV Patrol) ብሰፊሑ ኣቃሊሖም። እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ሶሻል መድያን ፊሊፒን ኣካታዒ ኮይኑ ምህላዉ’ውን ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዜናዊ ጸብጻብ ጠቒስናዮ ከም ዝነበርና፣ ናይ ምስርን ናይ የመንን ኩባንያታት 60% ካብ እቶቶም ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንክኸፍሉ ብምስምማዕ፣ ኣብ ክሊ ዶባት ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብዓበይቲ ጀላቡ ዓሳ ይገፉ ምህላዎም ዝተፈልጠ ኢዩ። ብዙሓት ካልኦት ኩባንያታት’ውን ብተመሳሳሊ ብዘይ ሕግን ፍቓድን ሃብቲ ሃገርና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይዘምቱ ምህላዎም ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ዝዛረብሉ ዘለዉ ጉዳይ ኮይኑ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፣ ኤርትራውያን ባሕረኛታት ኣብ ገዛኣ መሬቶምን ባሕሮምን ነጢፎም ህይወቶም ንኸየካይዱን ነብሶምን ስድረኦምን ንኸይናብዩን፣ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈላለየ ምስምስ ተጠቒሙ የጻብቦሎም ምህላዉ ህዝብና ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

”ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ !!
27 ግንቦት 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10734

Posted by on May 30 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net