ኤስደለ ብሳምቡእ ኢሳያይስ ዘስተፍስ መርገጽ የብሉን!!

ክቡራት ኣንበብቲ ዕዙዝ ሰላምታይ ብድሕሪ ምቕራብ፡-

ሕጂ’ውን ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ካብ በላዕኩም ሰተኩም ዝብል ኣጉል ሞጎትን ተራ ጸለመታትን ጠቐናታትን ዘሊሉ ምስ ዕድሚኡ ዝኸይድ ከም ኣቦታቱ ጭውነት ዝመልኦ ኣንደበትን ኩሉ ዜጋ ብፍላይ’ውን እቲ መንእሰይ ወልዶ ክመሃረሉ ብዝኽእል ልዙብ መንገዲ ደሞክራስያዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ሓሳብ ከቕርብ ዘይኽእል ባእታ ምዃኑ እናተጋህደ ዝመጸ ይመስለኒ። ከምቲ ካብ ጉጉይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ ዝበሃል ከኣ፡ ክሳብ ሕጂ ስም ናይቲ ሰነዳት ሃገራዊ ዋዕላ ዝሃበኒ ዝብሎ ኣካል ጸጥታ ኢትዮጵያ ብጭቡጥ መርትዖታት ናብ ህዝቢ ከቕርብ ኣይኸኣለን። ብርግጽ’ውን ከቕርብ ኣይክእልን’ዩ።ነቲ ከዛርብ ዝቐነየ ጉዳይ ገዲፉ ኣብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምስ ዓብደላ ኣደም ዝተዛረብናሉ ብድምጺ ዝተቐረጸ ሰነድ ኣብ ኢዱ ምህላዉ ክገልጽ’ውን ኣይሓፈረን። እዚ’ውን ሕጂ ናብቲ ቀንዲ ዘዛርብ ዘሎ ቁም-ነገር ኣብ ክንዲ ምዝራብን ጭቡጥ መርትዖታት ምቕራብን ከምቲ ልሙድ ናብ ጓል ነገር ዕንክሊል ካብ ምባል ዘሊሉ ዝኾነ ይኹን ትርጉም የብሉን። ብዝኾነ ግን ኣብ ኩሉ ዘቕርቦ ጽሑፍ ከም ዓቢ ፈላስፋ ዝመራመር፡ ጭቡጥ ምንጭታትን መርትዖታትን ከም ዘለዎ ኮይኑ ንዘቕርቦ ኣቀራርባ ብዝምልከት፡ ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ ከም ዝበሃል፡ ካብ ምዃን ሓሊፉ ፋይዳ ዘለዎ ኣይኮነን። ብሓቂ ቁም-ነገር ኣለኒ ክብል ዝደፍር እንተኮይኑ፡ ብዛዕባይ ኩሉ ዝፈልጦ ጭቡጥ መርትዖታት ንህዝቢ ከቕርብ ኣነ ዘይኮንኩስ ኩሎም ኣንበብቲ ኣብ ትጽቢት ከም ዝርከቡ ፍጹም ኣይጠራጠርን። ኣብ መወዳእታ እቶም ሕፍረት ከም ባህሊ ዝወረስዎ ብናይ ባዕሎም ምክንያታት ካብ ኢትዮጵያ ክንወጽእ በቓ ወዲእና ኢና ብምባል ዘተባብዕዎን ከም ኣገዳሲ ፈላስፋን ተመራማርን ኣብ ገለ መድረኻት መጽናዕታዊ ጽሑፍ ሒዙ ክቐርብ ተደጋጋሚ መብጽዓታት ዝህብዎን ኣካላት ምስኡ ክሓፍሩ ምዃኖም ምንም ዘጠራጥር የብሉን። 

 

ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ብሓቲ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ኣትሒዙ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመላእ ጎረባብቲ ኣህዛብ ርኡይ ዕንወትን ጥፍኣትን ዝፈጸመ ጌና’ውን ዝፍጽም ዘሎ፡ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ምዃኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንመብዛሕትኡ ኤርትራዊ ዜጋ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንመላእ ማ/ሰብ ዓለም ብግብሪ ግሉጽ እናኾነ መጺኡ’ዩ። ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ከም ባእታታት፡ ብርግጽ ምስ ገባቲ ኢሳይያስን ስዓብቱን ብኣካል ኣብ ሓደ ደንበ ከም ዘየለዉ ዘይኽሓድ’ዩ። ብኣካል ኣብ ሓደ ደንበ ዘይምህላዎም ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ፡ ከምቲ ብመንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ስላሴ ሰለስተ ይኾኑ ሓደ ይኾኑ ዝበሃል፡ ምስ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ሰዓብቱን ብፖሎቲካዊ ኣረኣእያ፡ ኣተሓሳስባን ባህርያትን ተመሳሰልቲ ብምዃኖም፡ ብሳምቡእ ገባቲ ኢሳይያስ ከም ዘስተንፍሱ ብዙሕ ኣብነታት ክቐርብ’ውን ይኸኣል’ዩ። እዚ ንመንነት ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ኣጉሊሑ ዘርኢ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ነቶም ንግርማይ ወዲ ፊሊፖ ወይ መሰልቱ ከተባብዑን ብሳንቡእ ኢሳይያስ ዘስተንፍሱን ገለ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከቡ ውድባትን ንዓመታት ኣብ ቃልሲ ዝበለዩ መራሕትን ዘጠቓልል ፖሎቲካዊ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነት’ዩ። ብርግጽ ርእይቶይ ካብ ተራ ጽልእታትን ቅርሕንትታትን ዘብገስ ዘይምዃኑ ንምርግጋጽ ዝኣኽል፡ ጭቡጥ ዝኾነ መርትዖታት ብኣብነታት ደጊፈ ከቕርብ ድልው ምዃነይ’ውን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከረጋግጽ ይፈቱ።

 

ገባቲ ኢሳያይስ ካብ 1991-1998 ዘሎ እዋን ንኩሉ’ቲ ኣዕናዊ ዕላማታቱን ፖሊስታቱን ዘይተቐበሉ ባእታታትን ፖሎቲካዊ ውድባትን ኤርትራ ካብ ህዝቢ ንምንጻል ከድዓትን ሃሱሳት ዝብል ኣስማት የዘውትር ምንባሩ ይፍለጥ። ብድሕሪ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ንመላእ ተቓውሞ ኤርትራ ንምህራም፡ ዕሱባትን መሳርሒ ወያኔን ብምባል ንምህራሙ ብዙሕ ፈተነታት ኣካየደ’ዩ። ካብ 2000-2001 ካብ ውሽጢ ህግደፍ ብጉጅለ 15 ዝልለለ ብላዕለዎት መራሕቲ ነበር ዝተጋህደ ምንቅስቓስ ምስ ተበገሰ’ውን ነቲ ዘልዓልዎ እዋናዊ ሕቶታት ንምቁጻይ፡ ብተመሳሳሊ ዕሱባትን መሳርሒ ወያኔን ብዝብል ስም ኣጠሚቑ ክሳብ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሚልዮናት ዝቁጸር ዶላራት ከም ዝተቐበሉ ክኸስስ ኣይሓፈረን። ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ገለ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝርከቡ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ኣብ ርእይቶ ምስኣቶም ፍልልይ ምስ ዝፍጠር፡ ልክዕ ከም ዓቢ ገበን ተቆጺሩ ብሕቡእን ብጽሑፍ ደረጃን ኣብ ጽፍሒ መሪሕነታት ብዝርከቡ መዓት ዘይተኣደነ ጸለመታትን ጠቐናታትን ከም ዝወፍሩ ካብ ማንም ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ብሕቡእ ዝበሃል ንጎኒ ገዲፈ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሐ ሰነዳት ምቕራብ ጥራይ እኹል ይመስለኒ። የውሃንስ ኣስመላሽ እሙን መሳርሒ ወያኔ’ዩ፡ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ሕልሚ ምምስራት ዓባይ ትግራይ ትግርኚ ዘለዎ፡ ዕላማታት ማሕበር ኣንድነት ዝተሓንገጠ ፖሎቲካዊ ውድብ’ዩ…………… ወዘተ ብምባል ጸለመታት ይነዝሑ። ኣብዚ ቀረባ እዋን’ውን ብስም ኣርማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝሓዘ ብስም ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣብ ህዝቢ ዝተዘርግሐ ሰነድ፡ ዮውሃንስ ኣስመላሽ ዝመርሖ ውድብን መሪሕነቱን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝተጸፍየ መሳርሒ ህግደፍ’ዮም ብዝብል ጸለመ ምዝርግሑ ዝዝኸር’ዩ። ንገለ ኣባላት መሪሕነት ኤስደለ ምስ ኣየኖት ሓለፍቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከም ዝራኸቡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጀበርቲ ተዘርጊሑን ንህዝቢ ንንባብ ምብቕዑን ኣይዝንጋዕን። እቲ ብጣዕሚ ዘስደምም ግን ቀለም ናይዚ ኩሉ ጸለምታት’ዚ ገና ከይነቐጸ ከሎ ምስቲ ብመሳርሒ ወያኔን ማሕበር ኣንድነትን ብምባል ዝኸስዎ ኤስደለ ኣብ ዘተን ልዝብን ክኣትዉ ቅንጣብ ሕፍረት ዘይስምዖም ምዃኖም’ዩ። ብዝኾነ እቲ ኩሉ ኣብ ኤስደለን ብተመሳሳሊ ኣብ ካልኦት ዝግበር ጸለመታት ብመንፈሱ ይኹን ብትሕዝቶኡ ካብቲ ገባቲ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንሓሳባቱ ዘይቕበሉ ኣካላት ወግሐ ጸብሐ ዘካይዶ ጠቐናታት ፍጹም ፍልልይ ዘለዎ ኣይኮነን።  

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊስታትን ኣብ ባይታ ዘሎ ርኡይ ሕመቕ ደንበ ተቓውሞን ተስፋ ዝቆረጹ፡ ንሓደ ክፋል እምነታትን ብሄራትን እንዳኣናሸዉ ምምስራት ዓባይ ትግርኛ ትግርኚ ዝብህጉ፡ ኣንድነት’ውን ብግሁድ ዝጠልቡን ዝነጥፍሉን ግዜ በጺሕና ምህላውና ዘይሰሓት’ዩ። ንካልኦት ከምጓኖት ብምውሳድ ንነብሶም ከም ንጹሃትን ደቀባትን ዘጠምቑ፡ ንህላወ ሓደ እምነት ብምኽሓድ ልዕልነት ካልእ ሃይማኖት ንምርግጋጽ ዝጽዕሩ፡ ንሓደ ኣውራጃ እናዘልፉ ጸቢብ ኣውራጃዊ ስምዒታትን ትምክሕትን ዘሰራሰርሉ እዋን ምብጻሕና ብጣዕሚ ዘጉሂ ተርእዮታት’ዩ። ግርማይ ወዲ ፊሊፖን እቶም ዘተባብዕዎ መራሕቲ ውድባትን ነዚ ጸቢብን ድሑርን ዝንባሌታት’ዚ ኣብ ቅኑዕ መስመር ንምግራሕ ዝኾነ ይኹን ዝጭበጥ ተበግሶ ዘይወስዱ፡ ነቲ ንጹር ዕላማታት ዘለዎ ኣብ ቃልሲ ዝርከብ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ንምጥቓዕ፡ ኣብ ተራ ዝኾነ ጸለምታትን ጠቐናታትን ይሓድሩ። ካብኡ ዝኸፍአ’ውን ነቲ ብጉጉይን ኣዕናውን ፖሊስታት ህግደፍን ሕመቕ ደምበ ተቓውሞን ኣብ ባይታ ዘንጸባረቕ ዘሎ ድሑር ስምዒታት ህወሓት ኢህወደግ ድኽምቲ ኤርትራ ክርእዩ ስለዝብህጉ፡ ንምድኻምና ዝጻወትዎ ዘለዉ ኣሉታዊ ተራ’ዩ ብምባል ከዕዘምዝሙ ምስማዕ ግርንቢጥ’ዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ምስቲ ገባቲ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ንምትላል ብተደጋጋሚ ዝህቦ መግለጺታት ካብ ብሓቲ ህግደፍ ዝምንጩ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ብትሕዝቶኡ ፍልልይ የብሉን። ህወሓት ኢህወደግ ጉድ ረኺቦም፡ በቲ ኣብ ልዕላውነት ኤርትራ ብዘለዎም ተሪር መርገጽን በዚ ሕጂ ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና ዘበርክትዎ ሰናይ ደገፍን ብብዙሓት ከይተመስገኑ ይነብሩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ግን ምስቲ ኩሉ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሳዕሪሩ ዘሎ ሕመቕን ኣብ ልዕሊኦም ዝካየድ ጸለመታትን ክምህ ከይበሉ ንዘርእይዎ ትዕግስቲ ብሓቂ ክንኣዱ ጥራይ’ዩ ዝግባእ።   

 

እቲ ኣብ ኤርትራ ብ1991 ብሓቲ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ስርዓት ህግደፍ ብድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት ካብ 1994-1998 ዘሎ እዋን ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት በብእብረ ዘካየዶ ተደጋጋሚ ውግኣት ድሌትን ኣጀንዳን ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ኲናት ባድመ’ውን ህግደፍ ዝፈጠሮ ኣጀንዳ ደኣምበር ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዘይምንባሩ ማንም ዘይስሕቶ ጉሁድ ሓቂ’ዩ። ህግደፍ ነቲ ውግእ ምስ ኣባርዖ ብኣሜርካን ሩዋንዳን ዝቐረበ እማመ ሰላም ተሓሲሙ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ብዝተካየደ ሰፊሕ ኲናት ሂወት ብኣሽሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት ምስ በልዐን ብሚልዮናት ዝቁጸር ዶላራት ምስ ጠፍአን ስርዓት ህግደፍ ዘሕፍር ስዕረት ምስ ተጎምጎመ መስርሕ ሰላም ክቕበልን ክፍርምን ተገደደ። ብድሕሪኡ ጉዳይ ባድመ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብይን  ምስ ረኸበ ብህወሓት ኢህወደግ እቲ ውሳኔ ብመትከል ቅቡል ተወስደ። ኣብ ትግባሪኡ ብዝምልከት ግን ንጽባሕ ንክልቲኡ ኣህዛብ ከቢድ በሰላታት ብዘይፈጥር መንገዲ ንምዝዛሙ፡ ብዘተን ልዝብን ምውድኡ ኣገዳሲ ምዃኑ ንዝቐረበ ሰናይን ሓላፍነታውን ሓሳብ ብሓቲ ኢሳይያስ፡ ከምቲ ልሙድ ኣመሉ ተሓሲምዎ ይርከብ። ኢሳይያስ ብባህርያቱ ፍጹም ሓልዮት ህዝቢ ስለ ዘይብሉን ካብ ዘተን ልዝብን’ውን ክብህርር ስለ ዝነብርን እቲ ብይን ተግባራዊ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዘለዎ ብዝብል ደረቕ መርገጽ ብምሓዙ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ ሕጂ መዕለቢ ከይተገብረሉ ይርከብ ኣሎ። ብሰንኪ’ዚ ድማ ዝምድናታት ክልቲኡ ኣህዛብን ሃገራትን ኣብ ንቡር ቦትኡ ከይምለስ ኮይኑ ምህላዉ ካብ ምንም ስውር ጉዳይ ኣይኮነን።     

 

ክቡራት ኣንበብቲ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ብልቢ ኣስተውዕሉ፡-

ኣብዚ መዳይ’ዚ ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰላቱን ከምኡ’ውን ገለ ኣብ ተቓውሞ ዝርከቡ ሓይልታትን ፍጹም ካብ ብሓቲ ኢሳይያስን ህግደፍን ዝተፈልየ ፖሎቲካዊ ስነ-ሓሳብን መርገጽን የብሎምን። ጽባሕ ብሰንኪ ጉጉይ ውሳኔታትን ስጉምትታትን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክፍጠር ዝኽእል ከቢድ በሰላታት ስለ ዘይዓጦም፡ ንገባቲ ኢሳይያስ ፖሎቲካዊ ዋንጫን ሽልማትን ንምዕታር ይግዕሩ። ዘተን ልዝብን ምዕቡል መፍትሒ ኩሉ ጸገማትን ግርጭታትን ምዃኑ ስለ ዘይኣምኑ ክነጽግዎ ይስምዑ። ኣብ ባይታ ምምልካት ዶብ ዘተን ልዝብን ስለ ዘየድልዮ ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይቅድመ ኩነት ተግባራዊ ክኸውን ጥራይ’ዩ ዘለዎ ብምባል ብሳምቡእ ኢሳይያስን ህግደፍን ከስተንፍሱ ይርኣዩ። ህግደፍ ሸሞንተ ዓመት ወሪሩ ንዝሓዞ ልዕላውነት ሃገረ ጂቡቲ ሓንቲ መዓልቲ ብጩቕ ክብሉ ዘይስምዑ ባድመ ክብሉ ግን ክብህርሩ ይሓድሩ። እታ ኣብ ትሕቲ ግዕዘይ ምሕደራ ህግደፍ ትርከብ ኤርትራ ብምልእታ ምስቲ ኩሉ ህያው ዝኾነ ጸጋታታ፡ ወሰናስን ባሕርታታን ክልተ ወደባታን ንህዝብና ዓባይ ቤት ማእሰርትን ሲኦልን ኮይና እናሃለወት ከላ ልዕላውነትና እናበሉ ባድመ ንኢሳይያስ ክትሽለም ለይትን መዓልትን ይግዕሩ። ካብኡ ዝኸፍአ ድማ ብጉዳይ ዶብ ክላዘቡ፡ ክውስኑን ክፈራረሙን ሓላፍነት ዘለዎም ተቓውምቲ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መንግስታት ምዃኖም ብምዝንጋዕ፡ ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ተግባራዊ ክኸውን ንስበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግልጺ ተጊርናዮም ብምባል ሰፊሕ ዜናዊ ፖርፖጋንዳ  ይሰርሑን ካብ ካልኦት ንላዕሊ ተሓለቕቲ ልዕላውነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክመስሉ’ውን ይፍትኑ።

 

ኢሳይያስ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ኣህዛብ ዝኸተሎ ኣዕናዊ ኲናትን ምስ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ግብረ-ሽበራ ዘለዎ ቅሉዕ ዝምድናታትን መሰረት ብምግባር፡ መራሕቲ ህግደፍ ኣጽዋር ከይሽምቱን ኣብ ዘደልይዎ ሃገራት ከም ድሌቶም ከይገሹን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ማዕቐብ ምውሳኑ ዝዝኸር’ዩ። ኢሳይያስ ነዚ ማዕቐብ’ዚ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንምንብርኻኽን ንህዝቢ ብቁጠባ ንምርማስን ዝግበር ኣህጉራዊ ሸርሕታትን ምትንኳላትን ምዃኑ’ዩ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ። ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ድማ ብተመሳሳሊ በዚ ማዕቐብ’ዚ ብዝያዳ ዝጉዳእ ህዝብና’ዩ ብዝብል ጉልባብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተወስነ ኣህጉራዊ ውሳኔታት ክጻረሩ ይስምዑ። ከምኡ’ውን ብውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝብና ፍጹም ለውጢ ከምጽእ ስለ ዘይኽእል ይፈቶ ይጸላእ ምስ ዝፈቱ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከረጋግጽ ዝኽእል እንኮ ኢሳይያስ ጥራይ ስለዝኾነ፡ ህዝብን መንእሰያትን ኣብ ጫምኡ ክንብርኸኩን ክሳለሙን ለይቲ ምስ መዓልቲ ብትሪ ይሰብኹ። ንኮምሽን ምጽራይ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምድጋፍ ኣብ ጀነቫ ዝተገብረ ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብምጽራር ድማ፡ ካብ ኢሳይያስ ለውጢ ክምጽወት ይሓልሙ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብቅሉዕ ደብዳቤታት ብተደጋጋሚ ይምሕጸኑ።

 

እዚ ጥራይ መዓስ ኮይኑ እቲ ወግሐ ጸብሐ ንግንዘቦ ጉድ? ኢሳይያስ ወዮ ደኣ ምዃን ኣብይዎ እንበር ኢትዮጵያ ተበታቲና ክርኢ ካብ ምሕላም ሓንቲ መዓልቲ ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን’ዩ። ሰላምን ርግኣትን ኢትዮጵያ ንምዝራግን ነቲ ኣብቲ ሃገር ዝርአ ዘሎ ጭቡጥ ዝኾነ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ምዕባሌታት ንምቁጻይን፡ ብክንድ’ቲ ዓቕምታቱ ብዙሕ ጻዕርታት ከካይድ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ህውከትን ዕግርግርን ኢድ ከም ዘለዎ’ውን ዝሰሓት ኣይኮነን። ኢሳይያስ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ዘይብሉ ክንሱ፡ ተጣባቒ ኣህዛብ ኦሮሞን ኣምሓራን ብምምሳል፡ ኩሉ ፖሎቲካዊ ስልጣንን ሃብትን ብትግራዎት ብምግባቱ ዝፈጠሮ ሕሰም ምዃኑ ብዙሕ ክምደረሉ’ውን ኣይሓፈረን። ኣብዚ መዳይ’ዚ ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ድማ ካብቲ ናይ ኢሳይያስ ዝተፈልየ ፖሎቲካዊ መርገጽን ባህግን የብሎምን። እቶም ክሳብ’ውን ኣብ ሓላፍነት ፈጣሪ ዝመጣጠሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ ሰማይ ብዛዕባ ኤርትራ እንተዝሕተት ነይሩ ሓጥያተኛ ኮይኑ ምተረኸበ ዝብሉ፡ ብቅጽበት ብሳንቡእ ኢሳይያስ ከስተንፍሱ’ዮም ዝርኣዩ። እቶም ትማሊ ኣብ መስርሕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብረት ህዝቢ ኤርትራ ንቁልቁል ኣፉ ዝደፍኡ ውድቀት ናይቶም ኣብ ልዕላውነት ኤርትራ ነቕ ዘይብል ፖሎቲካዊ መርገጽ ዘለዎም፡ ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን ብምባል መዓት ዘይተኣደነ መጽሓፍቲ ዝጸሓፉን ኣብ ሆጭ ዝበለ ፈስቲቫል ክብህጉ ካብቲ ኣዝዩ መስደመም መድረኽ ነበረ። 

 

ኩሎም ኢሳይያስ ይኹን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ገለ ኣብ ተቓውሞ ኤርትራ ዘለዉ ውድባት ብድምር ዝርከብሉ ደምበታት ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ፖሎቲካዊ ትሕዝቶን ባህርያትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቃናን ባህግታትን’ውን ከይተረፈ ፍጹም ፍልልይ ዘይብሎም ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገጽ’ዮም። ንነብሶም ከም ፍሉያት ፍጥረት እናቆጸሩ ብደረት ዘይብሉ ትምክሕቲ ዝተነድሑ፡ ህዝቢ ትግራይ ንነዊሕ ዓመታት ብሰንኪ ተበራራዪ ግዕዘይ ምሕደራ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ድኽነትን ሕሰምን ከናሽውዎ ከም ዝውዕሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ ይምስክር። ኣብዚ እዋን’ዚ ትግራዎት ከም ንፉዓት ዝቁጸሩ ዘለው መዓስ ካባና ነፊዖም ኮይኖም፡ ደይ ንሕና ስለ ዝሓመቕና እናበሉ በጨቕ የብልዎ።  ሕገ መንግስትን ልዕልነት ሕግን ኣብ ዝሰፈኖ ሃገርን ሕጋዊ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ኣብ ዝፍቐዶ ዓድን ካብ ህዝቢ ትግራይ ንላዕሊ ሓለይቲ ኣህዛብ ኦሮሞን ኣምሓራን ብምምሳል፡ ንዘይሕጋዊ ዕግርግርን ህውከትን የተባብዑ። ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ብምጽራር ፖሎቲካዊ ስልጣንን ሃብትን ኢትዮጵያ ኣብ ትግራዎት ከም ዝተገበተ ጥራይ ይዝምሩ። ብውጽኢት’ዚ ኩሉ ጸጋታት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ይግዕዝ ምህላዉ’ውን ይምድሩ። እዚ ኩሉ’ዚ ካብ ጭቡጥ ቅርሕንትን ዘይሰናይ ቅንእን ዝብገስ፡ ትግራዎት ካብ ልዕሌና ዝረኣዩ ኢትዮጵያ ክትበታተን ይምረጽ ካብ ዝብል ፖሎቲካዊ መርገጽን ባህግታትን ዝምንጩ ምዃኑ ካብ ማንም ስውር ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ።

 

ዓወት ንኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን!!

 

ምስ ሰናይ ትምኒት

ነፀረኣብ ኣስመላሽ         

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10738

Posted by on Jun 2 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net