ንርትዕን ፍትሕን ዝቓለስ ንሓቂስ ኣይቐብርን’ዩ!!

ክቡራት ኣንበብቲ ብቀዳምነት ከምቲ ልሙድ ምውቕ ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም።

ብምቕጻል ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ኣብ ልዕለይ ዝፈነዎ ክሲ ጭቡጥ መርትዖታት ከቕርብ ብተደጋጋሚ ተሓቲቱ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታት ክሳብ 5ይ ክፋል ዘርጊሕዎ ዘሎ ተኸታታሊ ትሕዝቶ ጽሑፋቱ ከቕርብ ኣይኸኣለን። ብርግጽ’ውን ከቕርብ ከም ዘይኽእል ብጣዕሚ ርግጸኛ’የ። ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ምሳይ ብዘለዎ ዓሚቕ ሌላን ተመክሮን ዘይኾነ ክሳብ ክንድ’ዚ ዝምድር ዘሎ፡ ካብ ገለ መሪሕነትን ኣባላትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተጠጅአ መርዚ ይነዝሕ ምህላዉ በብቁሩብ በጨቕ እናበለ ምምጽኡ ክቡር ምስጋናይ የቕርበሉ። ካብቲ ብጣዕሚ ዘደንጹን ዘስደምምን ድማ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ዜግነት ወሃብን ነፋግን ኮይኑ፡ ኤርትራዊ መንነትና መንጢሉ ብዘይድሌትና ካልእ ዜግነት ክዕድለና’ዩ ዝደናደን ዘሎ። ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ሃገርና ሳዕሪሩ ዝርከብ ጨካን ሕሰምን ጥፍኣትን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ደላይ ጽቡቕን ሰናይን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክዛረበሉ ሕልንኡ ኣብ ዝድርኸሉ ዘሎ ህሞት፡ ግርማይ ወዲ ፍሊፖ ኣምላኽ ዝዓደለና ኣፍና ክዓብስ፡ ኣባላት ኤስደለ ብጉዳይ ኤርትራ ክዛረቡ ፍጹም መሰል ከም ዘይብሎም ክእግድ ዝመጣጠር ባእታ ምዃኑ’ዩ።

 

እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ብትሕዝቶኡ፡ ካብቲ ገባቲ ኢሳይያስ ዝኽተሎ ዓማጽን ጓዕጻጽን ተግባራት ቅንጣብ ፍልልይ ዘለዎ ኣይኮነን። እቲ ኣተሓሳስባ ምስ ገባቲ ኢሳያይስ ተመሳሳሊ ምዃኑ ብዝያዳ ዘነጽር ድማ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ኣብ ልዕለይ ክህልዎ ዝኽእል ባዕላዊ ግምትን ሚዛንን ብዘየገድስ፡ ክሳብ እዚ ዕለት’ዚ ንኩሎም ደለይቲ ለውጢ ክምህርን ልሉይ ተመክሮ ከቕስምን ዝኽእል ደሞክራስያዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ሓሳብ ብልዙብ መንገዲ ከቕርብ ኣይበቕዐን ዘሎ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቶም ብሕጓ ኮይኖም ዘተባብዕዎን ዝምውልዎን ከይተረፈ ልዙብ ፖሎቲካዊ ብቕዓትን መንነትን ዘይውንኑ ምዃኖም ብንጹር እናተጋህደ ይመጽእ ምህላዉ’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብከምዚ ዝኣመሰለ ሕሱር ጸለመታትን ዘይልዙብ ዘለፋታትን ዝሽቁረር ባህሪ ከም ዘይብለይ እናነጸረኩ፡ ከምቲ ጭዋታት ወለድና ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መንገዲ ባቡር ደቕስ ዝብሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕለል ደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልስታቱ ፈተውቱን ጸላእቱን ብግቡእ ከየለሊ ንዝቐርብ ግጉይ ኣተሓሳስባን መደምደምታን ርእይቶይ ምሃብ ቀጻሊ ምዃኑ የረጋግጽ።

 

ገባቲ ኢሳይያስ ክሳብ እቲ ዕለተ ሞቱ ኣብቲ ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምንባር ዘይፈጥሮ ሓሶትን ዘይላግቦ መርፍእን ፈትልን የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መስፍነ ስርዓት ሃይለ ስላሴን ፋሽስታዊ ስርዓት ደርግን ዘለዎ ክቱር ቁጠዐን ጽልኣትን እናመዝመዘ፡ ምስቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደ’ዮም ፍጹም ፍልልይ የብሎምን ክብል ብተደጋጋሚ ክገልጽ ይስማዕ። ኢሳይያስ ብፍላጥ ነቲ እከይ ዝኾነ ዕላማታቱን ተግባራቱን ብምጉልባብ ንህዝቢ ንምትላልን ብሕሉፍ ታሪኽ ጅሆ ንምሓዝን እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ መንጎ እዞም 3ተ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ስርዓታትን ኢትዮጵያ ማለት ብኢህወደግ ዝመራሕ መንግስቲ፡ መስፍነ ስርዓት ሃይለ-ስላሴን ፋሽስታዊ ስርዓት ደርግን ዘሎ ዓሚቕ ፖሎቲካዊ ፍልልይ ካብ ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ንላዕሊ ዝፈልጥ ባእታ’ዩ እንተበልኩ ፍጹም ቃል ኣጋንኖ የብሉን። ኢሳያይስ ነቲ ኩሉ ሂወቱን ክቡር ደም ደቁን ገቢሩ ናብዚ ፖሎቲካዊ ሰልጣን’ዚ ዝብቕዖ ጭዋ ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ስውኣቱን ክጠልም ቅጭጭ ዘይበሎ ንህወሓት ኢህወደግ ክኽሕድ ክሓፍር ኣይኽእልን’ዩ። ስለዝኾነ ድማ ኩሎም ፖሎቲካዊ ስርዓታት ኢትዮጵያ ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ዘይብህጉ ሓደ’ዮም ብምባል ንክውንነታዊ ሓቂ ክኽሕድ ብተደጋጋሚ ይስማዕ። ወያኔ ሕልምታት ኣያታቱ መስፍነ ስርዓት ሃይለ-ስላሴን ፋሽስታዊ ስርዓት ደርግን ደጊስዎ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንምንብርኻኽን ንምድኻምን ብዙሕ ጻዕርታት ኣካይዱ ኣይሰለጦን ክብል ብቀጻሊ’ውን ይምድር። ምምሕዳር ኣሜርካ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ጸላኢ ህዝብና’ዩ፡ ሕጂ’ውን ኤርትራ ንምድኻም ንመንእስያት ብምትላል ካብ ሃገር ክወጹ የተባብዕ……….ወዘተ ዝብል ኣጉል ፕሮፓጋንዳ ይፍኑ። እዚ ጉጉይን ኣዕናውን ፕሮፓጋንዳ’ዚ ግን ኣብ ሰዓብቲ ህግደፍ ጥራይ ዝሰረጸ ኣጉል እምነታት ኣይኮነን።

 

ብርግጽ ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ገለ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝርከቡ ባእታታት፡ ጉጅለታትን ፖሎቲካዊ ውድባትን ካብዚ ኣዕናዊ ፕሮፓጋንዳዊ ዘመተ’ዚ ሓራ ኣይኮኑን። ኩሉ ውሽጣዊ ባህግታትን ሕልምታትን ህወሓት /ኢህወደግ/ ድኽምቲ ኤርትራ ክትህሉ ምርኣይ’ዩ ይብሉ። ነዚ ስውር ኣጀንዳ’ዚ ንምዕዋት ድማ ደንበ ተቓውሞ ደልዲሉ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ልሉይ ተርኡ ክጻወትን ክነፍዕን ስለ ዘይደልዩ ግቡእ ሓገዛት ኣይገብሩን’ዮም። ብኣንጻሩ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ዕንክሊል መታን ክነብር ኣብ ሕድሕዱ ምትእምማን ክስእን ክፈናጨልን ከይደቐሱ ይሓድሩ ይብሉ። መንእሰይ ወለዶ ኣብ ቃልሲ ከይስለፍን ኣብ ፖሎቲካዊ ውድባት ከይውደብን የተባብዕ ክብሉ ይስምዑ። ካብዚ ኣብ ባይታ ዘይድህሰስ እምነት’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኢትዮጵያ ምቹእ መቓለሲ ባይታ ዘይምዃኑ ዝገልጹ ኣይተሳእኑን። ምስ ገለ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ገርናዮ ብዝብልዎ ተደጋጋሚ ርኽባትን ኣዋህሊልናዮ ብምባል ዝገልጽዎ ተመክሮታትን ነቲ ኩሉ ዝፈልጦ ድልዱል ፖሎቲካዊ መርገጻት ህወሓት /ኢህወደግ/ ብምጥምዛዝ ኣብ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ከም ዘይኣምኑ፡ ከረድኡ ብዙሕ ህርድግ ክብሉ ንዕዘብ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ቅድሚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምውጋዱ፡ ህወሓት ኢህወደግ’ዩ ክጠፍእ ዘለዎ ዝብሉ ፈላስፋታት ምህላዎም ርእሰ ግሉጽ ሓቂ’ዩ። ክሳብ’ውን መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ብካልእ ተግባራቱ ክጸድቕ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ቀሪቡ ብጉዳይ ኤርትራ ምስ ዝሕተት ግን ሓጥያተኛ ምዃኑ ርግጸኛታት ኮይኖም ዝቐርቡ ምህላዎም ብጣዕሚ ካብ ዘደንጹ ጉዳይ’ዩ። ብርግጽ ምስ ገለ ክፋል ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ምሉእ ፖሎቲካዊ መስመር ወይ’ውን መርገጻት ህወሓት ኢህወደግ ዘይምስምማዕ ንቡርን መሰልን’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ኣብ ጉዳይ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ንሕሉፍን ህልውን ፖሎቲካዊ መርገጻት ህወሓት ኢህወደግ ምኽሓድ፡ ብቀንዱ መምዘንን መንዓቕን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሰብኣዊ ክብሩ ይኹን ሓርነቱ ንምጉንጻፍን ንቡር ሕውነታዊ ዝምድንኡ ምስ ኣህዛብ ኢትዮጵያ ንምምላስን ንዘካይዶ ዘሎ ዘይሕለል ቃልስታት ቅንጣብ ጣቋ ዘለዎ ኣይኮነን። ብመንፈሱ ይኹን ብትሕዝቶኡ ድማ ካብቲ ገባቲ ኢሳይያስ ብፍላጥ ወግሐ ጸብሐ ዘሰራስሮ ኣሽካዕላልን ባጫን ፍልልይ የብሉን።

 

ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣነ ኣብ ዝተሳተፍክሉ ኣኼባ ሓደ ካብ ተሳተፍቲ ንነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ከምዚ ክብል ሕቶ ኣቕሪቡ ምንባሩ ክዝኽር ግድነት ኮይኑ ኣሎ። ብገለ ዜጋታትና ህወሓት /ኢህወደግ/ ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ኣይብህጉን ወይ ድኽምቲ ኤርትራ ክትህሉ ኢዮም ዝምነዩ ዝብል ስኽፍታታትን ጥርጣሬታትን ዘለዎም ኣለዉ። ነዞም ከምዚ ዝብሉ ኤርትራውያን መልስኻ እንታይ’ዩ? ኢሉ ሓተተ። ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ “እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ብተደጋጋሚ ተሓቲቱ መልሲ ዝሃብኩሉ ሕቶ’ኳ እንተኾነ ሕጂ’ውን ይሕተት ክሳብ ዘሎ መልሲ ክህበሉ ግቡእ’ዩ” ክብል መለሰ። “ብሓጺሩ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምብትታን ወይ ንኤርትራ ከም ሃገር ንምድኻም ብዝኾነ መምዘኒታት ይኹን መዐቀኒታት ካብ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክበልሕን ክነፍዕን ስለ ዘይኽእል ብዙሕ ከይጸዕርኩ ምስኡ ጽቡቕ ዕርክነትን ምሕዝነትን ክገብር ኣጸቢቑ ምቐለለን ምሓሸን ነይሩ” ክብል መለሰ። ብርግጽ’ውን መልሲ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ ቦትኡ’ዩ። ንህዝቢ ምብትታትን ንኤርትራ ንምድኻምን እንተኮይኑ ካብ ገባቲ ኢሳይያስን ስርዓቱን ዝበልሕ ወይ ዝብርትዕ ኣይህሉን’ዩ። ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝጠፍእን ዝበርስን ዘሎ፡ መንግስታት ጎረባብቲ ሃገራት ወይ’ውን መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዘለዎም ፖሎቲካዊ መርገጻት ኣይኮነን። ብውጽኢት እቲ ገባቲ ኢሳይያስ ዝኽተሎ ግዕዘይ ፖሎቲካዊ ምሕደራን ፖሊስታትን ካብኡ ብዘይንእስ ድማ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ህዝብን ሃገርን ካብ ሓደጋ ብርሰትን ጥፍኣትን ህግደፍ ንምድሓን ግቡእ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ክስከም ብዘይብቕዑን ጥራይ ምዃኑ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ።

 

ኣብቲ እዋን’ቲ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ብወሕዱ ንጉዳይ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ተጻረርቲ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያታትን መስመራትን ምህላዉ ተወሳኺ መብርሂ ኣቕሪቡ። ፖሎቲካዊ መርገጽ ህወሓት /ኢህወደግ/ ካብ ቀደም ጀሚሩ ዝተታሕዘ ክሳብ ሕጂ ዘይተቐየረ ብድሕሪ ሕጂ’ውን ፍጹም ዘይቕየር፡ ኤርትራ ርእሳ ዝኸኣለትን ብማሕበረ ሰብ ዓለም ዝተፈልጠትን ልዕላዊት ሃገር ምዃና፡ ብጽንዓት ዝኣምን’ዩ ክብል ኣረጋገጸ። ኣብ ኤርትራ ክህሉ ዝኽእል ፖሎቲካዊ ኩነታትን ምዕባሌታትን ብኣውንታ ይኹን ብኣሉታ ብቀጥታ ንኢትዮጵያ ዝጸሉ ምዃኑ ንግንዘብ ድማ በለ። ብርግጽ ብብልጽግቲ ኤርትራ ኢትዮጵያ ትርባሕ ብድኽምቲ ኤርትራ ድማ ኢትዮጵያ ትጉዳእ ምዃና ደጊሙ ደጋጊሙ ክገልጽ ኣይተማትአን። ነዚ መስመር’ዚ ብሰንጠቕ ዝጻረር ቀደም ዝኣረገን ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዙሕ ተቐባልነት ዘይብሉን ካልእ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያ ድማ ኤርትራ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ዘይኮነትስ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ዝኣምን’ዩ። ካልእ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያ ድማ ብትሕዝቶኡ ካብኡ ዘይፍለ ኤርትራ ነብሳ ዝኸአለት ሃገር ትኹን ደኣንበር፡ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ሰፋሕ ሃገር ወደብ ናይ ምርካብ መሰል ስለ ዘለዋ ንዓሰብ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ምምላስ ዝብል መርገጽ ዘለዎም ሓይልታት ምህላዎም መብርሂ ሂቡ። እዚ ክልቲኡ ፖሎቲካዊ መስመራት’ዚ ድማ ህወሓት /ኢህወደግ/ ንልዕላውነት ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ዝሃበ ብስንኪ’ዚ ኢትዮጵያ ክሳዳ ክትቁረጽን ወደብ ዓሰብ ክትስእን ዝገበረ’ዩ ብምባል ክስታት ዘቕርብ ምዃኑ መብርሂ ሂቡ። በዚ ጉዳይ’ዚ ንህወሓት ኢህወደግ ታሪኻዊ ተሓታትነት ዘሰክም ፖሎቲካዊ መርገጻት ምዃኑ ብሰፊሕ’ውን ገለጸ። እዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝርከብ ተጻረርቲ መርገጻት ክሳብ ዝኾነ፡ ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን እቲ ቅኑዕ ንረብሓታት ኤርትራን ህዝባን ዘውሕስ ኣየናይ መስመር ምዃኑ? በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንጹር መብርሂ ክህቡ ክቡር ዕድመይ የቕርብ።

 

ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ነቲ ዝቐረበሉ ሕቶ ንፖሎቲካዊ መርገጽ ህወሓት ኢህወደግ ኣብ ጉዳይ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ብንጹር ብድሕሪ ምቕማጡ፡ ኣስዒቡ በቲ ለባምን ልዙብን ኣቐራርብኡ ንደምበ ተቓውሞ ነቐፊታ ከቕርብ ከሎ ከምዚ ዝስዕብ ኣቕረበ። ኩልኩም ኣብዚ ኣዳራሽ’ዚ ትርከቡ ኣሕዋት ሃገራዊ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ንምርግጋጽ ንነዊሕ ዓመታት ከም ዝተቓለስኩም ይፍለጥ። ብድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት ምርግጋጹ’ውን ምስቲ ኩሉ ጽንኩርነቱ ደኺምና ከይበልኩም ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ንምጉንጻፍ  ተካይድዎ ዘለኩም ቃልሲ ዝነኣድ’ዩ። እንተኾነ ግን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት ዓዲልኩም ከብቕዕ፡ ነዞም ብጅምላ ክስደዱ ዝተገደዱን ኣብ መደበር ስደተኛታት ዝርከቡ መንእስያትን ወዲብኩም ኣብ ረብሓ ቃልሲ ከተውልዎም ዘይምኽእልኩም እቲ ምክንያት እንታይ ምዃኑ ንዓይ ፍጹም ብሩህ ኣይኮነን ኢሉ። ከምቲ ንዓሻ ደርጉሓሉ ክሳብ ክንደይ ከይፈልጦ ንለባም ኣምተሉ ክሳብ ክንደይ ከይስሕቶ ዝበሃል ብግምተይ ንስኻትኩም ከዕግብ ዝኽእል መልሓስ የብልኩምን ወይ ከኣ እቶም መንእሰያት ዝሰምዕ እዝኒ የብሎምን ጥራይ’የ ክብል ዝኽእል በለ። ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ እቲ ካልእ ገዲፍና ብድሕሪ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ቅኑዕ ራእይን ብቁዕ ኣንፈት ቃልስን ብምውናን፡ ብሓቂ ህዝብን ሃገርን ካብ ሓደጋ ብርሰትን ዕንወትን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምድሓን ክሳብ ክንደይ ይነጥፍ ምህላዉ ብዕምቆት ስለ ዝፈልጥ ካብኡ ንላዕሊ ክብል ይኽእል ነይሩ’ዩ። ንለባምን ሕልና ዘለዎን ግን ንመንእሰያት ከዕግብ ዝኽእል መልሓስ የብልኩም ጥራይ’የ ክብል ዝኽእል ብምባል ክሓልፎ መረጸ።

 

ብዝኾነ ብወገነይ ንርትዕን ፍትሕን ይቓለስ ምህላወይ ክሳብ ዝኣመንኩ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ትሕቲ ነጻነትን ልዕላውነትን ዝብል ኣንጸባራቂ ጭርሖ ተሓቢኡ ብኩሉ መኣዝናት ኣብ ዝዝርኦ እከይን ኣዕናውን ኣተሓሳስባ ዕንክሊል ክብል ወይ ብብዕለቱ ኣብ ዝተኽሎ ጓይላ ጽልእታት ክቆጻጸስ ምርጫይ ኣይኮነን። ምክንያቱ ድማ ኣጀንዳ ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ባህግታት ህዝቢ ኤርትራን ክልተ ተጻራሪ ኣምር ምዃኑ ኣጸቢቐ ስለዝርዳእ። ብኣንጻሩ’ውን ሕልናይ ብምጥላም ተጣባቒ ህወሓት /ኢህወደግ/ ወይ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ክኸውን ኣይኽእልን። ህወሓት ኢህወደግ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ይኹን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት እንታይ ዓይነት ፖሎቲካዊ መርገጽን ፖሊስታትን ይኽተሉ፡ ንነብሶም ይኹን ንህዝቦም በየናይ ኣገባብ የመሓድሩን ሃገሮም ከመይ ይሃንጹን? ኣዕርዮም ዝፈልጡ ብምዃኖም፡ ንናተይ ምውዳስን ንኡስ ጥብቕናን ዝጽበዩስ ኣይመስለንን። ግን ከምቲ ናይ ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ካብ ዕጥቓዊ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ሓቀኛ ፖሎቲካዊ መርገጻት ህወሓት ኢህወደግ ንነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ምቕባር ንባዕሉ ብሕልና ይኹን ብታሪኽ ስለ ዘውቕስ ክመርጾ ኣይኽእልን’የ። ከምቲ ጭዋታት ወለድና ንጽቡቕ ዝገበረልካ ጽቡቕ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ዝብሉ፡ በዚ ሕጂ ዘለኒ ንኡስ ዓቕምታተይ ነቲ ብገባቲ ኢሳይያስ ይኹን ግርማይ ወዲ ፊሊፖን መሰልቱን ካብ ዕለት ንዕለት  ዝርአ ክሕደትን ምግልባጥን ብምኹናን ንሓቂ ምውላዕ ጥራይ’ዩ። ህወሓት ኢህወደግ ሕሉፍ ታሪኾም ንነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ይኹን ንህልዊ ደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልስታት ህዝብና ዝገብርዎ ሕውነታዊ ምድግጋፍ ባዕሉ ዓቢ ምስክር ስለ ዝኾነ፡ ንዕኡ ምቕባር ዘገድድ ብቁዕ ምክንያት ኣይህሉን’ዩ። ህወሓት ኢህወደግ ነቲ ኣብ ልዕሊ ገባቲ ኢሳይያስን ስርዓቱን ዘሎ ድልዱል ፖሎቲካዊ መርገጻትን ንደሞክራስያዊ ቃልስታት ህዝብና ንምድጋፍ ዝገብርዎ ሰናይ ምትሕግጋዝን ክሳብ ክንደይ መዝሚዝናዮ? ተመሊስና ውሽጥና ክንሓትት ምስ ንበቕዕ ክሳብ ክንደይ ለባማት ምኾንና ኔርና ክብል’ውን ይደፍር።

 

ኣብ ጉዳይ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ብዝምልከት፡ ብህወሓት /ኢህወደግ/ ወይ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ዝተቐየረ ፖሎቲካዊ መርገጻትን ፖሊስታትን የልቦን። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብምውጋድ፡ ኣብ ኤርትራ ምዕሩይ ተሳትፎ ዘረጋግጽ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕለል ቃልሲ ብክንድ’ቲ ዓቕምታቶም ዘፍቕዶ ሞራላዊ፡ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዛት ይገብሩ ኣለዉ። እዚ’ውን ንፖሎቲካዊ ውድባት ንምሕጓስ ወይ ንምርባሕ ዘይኮነስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘለዎም ክብሪ፡ ሓልዮትን ሰናይ ዝኾነ ሕውነታዊ ጉርብትና ብምምናይን ጥራይ ምዃኑ ብጽንዓት ይኣምን። ምድኻም ተቓውሞ ኤርትራ ኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ ህወሓት /ኢህወደግ/ ወይ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ድማ ብወልቀ ዝሕተትሉ ጉዳይ ኣይኮነን። ናይዚ ተሓተቲ ኩሎም እቶም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝብህጉ ኤርትራውያን ብሓፈሻ እቶም ዝተወደቡ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ድማ ብፍላይ ዝሕተትሉ ሓላፍነትን ታሪኽን’ዩ። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ መላእ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝርከብ ኣካላት ዕብየት ደረጅኡ ብዘየገድስ፡ ጠንቂ ናይ ምድኻሙ ኣብ ባዕሉ ክመልሶን ብቁዕ ገምጋም ብምግባር ኣንፈት ቃልስታቱ ንምምዕርራይ ትብዓት ክረኽብን ይግባእ ይብል። ኣብ ሕድሕዱ ዝርከብ ዘይምትእምማንን ናይ ዘይመንፍዓቱ ምክንያትን ናብ ካልኦት ምልጋብ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ብምዃኑ፡ ቅኑዕ መፍትሒታት ንምንዳይ’ውን ሓጋዚ ኣይኮነን። ብሓጺሩ ብዘይዝኾነ ቀለዓለም ደምበ ተቓውሞ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ሓደጋ ጥፍኣትን ብርሰትን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምድሓን ዝብል ኣንጻባራቂ ዝኾነ ጭርሖ ናብ ነብሱ ብምምላስ ቅድም ቀዳድም ንድሕነቱ ክተብዕን ክሕደስን ኣለዎ ክብል ይደፍር።

 

ምስ ሰናይ ትምኒት

ነፀረኣብ ኣስመላሽ

08/06/2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10741

Posted by on Jun 10 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net