ባዶ+ባዶ=ባዶ

ክቡራት ኣንበብቲ ዕዙዝ ልባውን ሕውነታውን ሰላምታይ ተቐበሉ፡-

ብምቕጻል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዋንኡ ዘይፍለጥ፡ ኣብ የማናይ ገጽ መርበብ ሓበሬታ መስከረም <<ኣንታ እዛ ሃገር ሰብ’ዶ ዘይብላ መሲልዎም?>> ብዝብል ኣርእስቲ <<ወያኔ ንኤርትራ ወሪርና ንነፀረኣብ ኣስመላሽ ፕረዚደንት ክንገብሮ ኢና ይብሉ>> ዝብል ድርሰት ተዘርጊሑ ንንባብ በቒዑ ምቕናዩ ይፍለጥ። ስለ ምንታይ ዋንኡ ብግልጺ ፖሎቲካዊ መንነቱ ኣነጺሩ ክጽሕፍ ዘይበቕዐን እቲ ተለጢፉ ዝቐነየ ድርሰት ንምንታይ’ኸ ብቅልጡፍ ክወርድ ተገይሩን? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ሓንጎል ኣንበብቲ ክመላለስ ዝኽእል ምዃኑ ኣይሰሓትን’ዩ። ብርእይቶይ እቲ ዝቐረበ ድርሰት ስቕ ኢሉ ኣብ ባይታ ዘየለን ካብ ሓቅነት ኣዝዩ ዝረሓቐን፡ ብፈጠራ ዝተማህዘ ድራማ ምዃኑ ብዙሕ ዘኸራኽር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ’ዚ ዋና ናይቲ ድራማ ተመሊሱ ንባዕሉ ዘሕፍሮ ኣጉል ድርሰት ብሰንኪ ምቕራቡ፡ ፖሎቲካዊ መንነቱ ብግልጺ ከቕርብ ምሉእ ብቕዓትን ድፍረትን ዝሰኣነ ምዃኑ ቅንጣብ ዘጠራጥር የብሉን። ካብቲ ተለጢፍዎ ዝነበረ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ብዘይልሙድ መንገዲ ብቅልጡፍ ንክወርድ ዝደረኸ ምክንያት ከኣ ደራሲ ተመሊሱ ንባዕሉ ኣዝዩ ዘሕፍሮን ዘሕንኾን ድራማ ምዃኑ ድሒሩ ከም ዝተረድኦ’ዩ ዘመላኽት። ብዝኾነ ደራሲ ፖሎቲካዊ መንነቱ ግልጺ ይግበር ኣይግበር ብዘየገድስ፡ እቲ ኣጉል ሓሳብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ተዘርጊሑ ንንባብ ክሳብ ዝበቕዐ፡ ግቡእ መልሰይ ክህብ ግድነት’ዩ።

 

  1. ኣንታ እዛ ሃገር ሰብ’ዶ ዘይብላ መሲልዎም? ብዝብል ንዝቕረበ ድርሰት ብዝምልከት፡-

ብቀዳምነት ደራሲ ብሕቡእ ስምዒታትን እምነታትን ብሓቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ህግደፍን ገባቲ ኢሳይያስን ነዚ ድርሰት’ዚ ምቕራቡ ርዱእ ክውሰድ ይግባእ ይብል። ነዚ ከም መበገሲ ብምግባር ድማ፡ ገባቲ ኢሳይያስ ኣብ ወራርን ኲናትን ቁሸት ባድመ ብድሕሪ’ቲ ዘሕፍር ስዕረት ክስከም ምብቕዑ፡ ኩሉ’ቲ ኤርትራ ብማንም ሓይሊ ዘይትድፈር ሃገር ክንገብራ ኢና ብዝብል ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዃኑ ዝነበረ ኣጉል ሕልምታቱ ከም ሃፋ በኒኑ ምትራፉ ጸሓይ ዝወቖዖ ሓቂ’ዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኩሉ’ቲ ደረት ዘይነበሮ ትምክሕትን ብድዐን ነፊሱ፡ ንኮፊ ኣናን ኣብ መደቐሲኡ ስልኪ ደዊሉ ብቅጽበት ከድሕኖ ምሕታቱ፡ ንጽባሒቱ ድማ መስርሕ ስላም ስምምዕ ኣልጀርስ ክፍርምን ዓቓቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ልዕላውነት ኤርትራ ልዕሊ 1000 ኪ/ሜትር ዝንውሓቱ 25 ትርብዒት ኪ/ሜትር ንክሰፍር ብድሕሪ ምቕባሉ፡ ገባቲ ኢሳያይስ ባዶ+ባዶ=ባዶ ምዃኑ ብግብሪ ኣረጋጊጹ’ዩ። ስለ ዝኾነ ብድሕሪኡ ብግንቦት 7ን ተረፍ መረፍ ደምሓትን ግዝያዊ ሽርሕታትን ምትንዃልን ክገብር እንተዘይኮይኑ፡ ካብኡ ሓሊፉ ዝፈጥሮ ዝኽእል ትኣምር ኣይህሉን’ዩ።

 

ከምቲ ብ1998 <<ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዓሪባ ዘይምምላስ ማለት’ዩ፡ ወያኔ ባዶ ገረወኛ ስለ ዝኾነ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ኣይንቆጽሮምን ኢና>> ዝብል ኣጉል ፈኸራን ጃሕራን እናደጋገመ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ፊት ንፊት ክገጥም ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ብቕዓትን ዓቕምን ከም ዘይብሉ ባዕሉ ኣዓርዩ ይፈልጥ’ዩ። ካብዚ ውሽጣዊ ዕግበት’ዚ ብምብጋስ ድማ’ዩ ነቲ ኣብ መበል 26 ዓመት ጽንብል በዓል ነጻነት ኤርትራ ነቲ ብምምሕዳር ኣሜርካ ዝዝወር ለማስ ትካል’ዩ ብምባል ዘባጭወሉ ዝነበረ ሕቡራት ሃገራት ንዓለምለኻዊ ሕግታት ተገዛኢ ኮይኑ፡ ነታ ብብይን ኣህጉራዊ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋንነት ኤርትራ ምዃና ዝተረጋገጸት ቁሸት ባድመ ከረኽበና ምሕጽናታይ የቕርብ ብምባል ብተደጋጋሚ ኣብ ደረጃ ምልማን ክወድቕ ተገደዱ ዘሎ። ብርግጽ ኣብዚ እዋን’ዚ ገባቲ ኢሳይያስ ዓቕምን ብቕዓትን እንተዝህልዎ ነይሩ፡ ነታ ብኣህጉራዊ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋንነት ኤርትራ ምዃና ዝተረጋገጸት ቁሸት ባድመ ንድሕሪት ገዲፉ፡ ብሃንደበት ነቲ ምስ ጅቡቲ ዝኣተዎ ስምምዕ ብምጥላምን ንክብሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምርጋጽን ነቲ ገና መዕለቢ ዘይተገብረሉ ጎቦታትን ደሴታትን ራስ ዱሜራ ንምሓዝ ዝቐዳደመሉ ምክንያት ኣይህሉን’ዩ። ጉዳዩ ግን በትረይ ሃቡኒ ዘሕምቆ ኣለኒ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 

  1. ወያኔ ንኤርትራ ወሪርና ብዝብል ንዝቐረበ ድርሰት ብዝምልከት፡-

ብቀዳምነት ህወሓት ኢህወደግ ኣብ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ብዝምልከት ካብ ቀደም ጀሚሩ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ዝተቐየረ ፖሎቲካዊ መርገጽ ከምዘይብሉ ብዘይዝኾነ ቀለዓለም ብተደጋጋሚ ዝገለጽኩ ይመስለኒ። ምክንያቱ ሕሉፍን ህልውን ታሪኽ ንባዕሉ ዓቢ ምስክር ስለዝኾነ ንምኽሓዱ ምፍታን ፖሎቲካዊ ዕሽነት ወይ ዕብዳን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ፍጹም ፋይዳ ዘለዎ ትርጉም ስለ ዘይብሉ’ዩ። ኮይኑ ግን ኩሉ’ቲ ወያኔ ንኤርትራ ንምውራር ወይ’ውን ብምውራር…………….ወዘተ ብዝብል ዝቐርብ ኩሉ እከይ ድራማታት ዕድመ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስልጣን ኢሳይያስን ስርዓቱን ንምንዋሕ ዝግበር ሸርሕታት ምዃኑ ህዝብና ካብ መሪር ተሞክሮኡ ዝነቕሓሉን ቀደም ዝኣረገ ፋሽንን ምዃኑ ደራሲ ገና ብግቡእ ዘይተረድአ ኣይመስልን። ብዝኾነ ግን ደራሲ ከምዚ ዓይነት እከይ ድራማ ገና ዘገልግል መሲልዎ ክሳብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንንባብ ክበቕዕ ዝገበረ ህወሓት ኢህወደግ ንነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ክንወርር ኢና ዝብል ዕላዊ መግለጺታት ማለት ብጽሑፍ ወይ ብድምጺ ዝተቐረጸ ንኣንበብቲ ከቕርብ ከም ዘይኽእል ሕጂ’ውን ብጣዕሚ ርግጸኛ ኮይነ ክገልጽ ይደፍር። ስለዚ እዚ ናይ ዓያሹ ፖሎቲካዊ ድራማታት ብድሕሪ ሕጂ ፍጹም ትርጉም ስለ ዘይብሉ እንተዘይተደጋገመ ይሓይሽ ይብል።

 

  1. ነፀረኣብ ኣስመላሽ ፕረዚደንት ንክኸውን ብዝብል ዝቐረበ ባጫ ብዝምልከት፡-

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝኣኽል ፍጹም ካብ ክውንነት ኣዝዩ ዝረሓቐ ክንድ’ዚ ዝኸውን ሓሶት ምቕራብ ንደራሲኡ ዘፍኹስ ደኣምበር ክብሪ ዝህቦ’ዩ ክብል ኣይኽእልን’የ። ኮይኑ ግን ከምቲ ራዛ ናይ ኣብኡ ሓዛ ዝብሃል፡ ደራሲ ካብ ጎይትኡ ኢሳይያስ ሓሶት ብምውራስ፡ ኣብ ባይታ ዘየሎ ፈጠራታት ብምምሃዝ ፖሎቲካዊ መንነቱ ሓቢኡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክዝርግሕ ካብ መረጸ፡ ብሓጺሩ መልሰይ ነዚ ዝስዕብ ይመስል። ቅድሚ ኩሉ ፖሎቲካዊ ብቕዓተይን ዓቕመይን ድሩት ምዃኑ ኣዓርየ ዝፈልጥ ምዃነይ ይሕብር። እቲ ብሓትን ግዕዘይን መንግስቲ ህግደፍ ተወጊዱ፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስዊ ስርዓት ተተኺሉ፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብጣዕሚ ውሑድ ህዝቢ ኣብ ዝቕመጠላ ንእሽቶይ ቁሸት ኣማሓዳሪ ወይ ፖሎቲካዊ ካድር ክኸውን እንተዝበቕዕ ነይረ፡ ብርግጽ ከምቲ እንታይ ይብል ምህላዉ ዘይፈልጥ ገባቲ ኢሳይያስ ብሓርጭን ብሑቕን ዝዛረብ ወይ’ውን ካብ ዕለት ንዕለት ኣብ ሕድሕዱ ዝፋለስ ተገራጫዊ መደረ ዝህብ መራሒ ፍጹም ክኸውን ከም ዘይኽእል ደጋጊመ ከረጋግጽ ይፈቱ።

 

ምስ ሰናይ ትምኒት

ነፀረኣብ ኣስመላሽ

03 ሓምለ 2017

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10758

Posted by on Jul 4 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net