ዕደና ወርቂ ኣብ ኤርትራ ኣብ ደቂ ሰባትን ኣካባብን ዘስዕቦ ዘሎ ጸገማት !!

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ በደልን ግፍዕን፣ እዚ ኢልካ ክጽብጸብ ኣሸጋሪ ኢዩ። ሎሚ ብዛዕባ ዕደና ወርቅን ሳዕቤናቱን ኣብ ኤርትራ ኣልዒልና፣ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝርከቡ ውፉያት ተቓለስቲ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተላእከልና  ብስእሊ ዝተሰነየ ጽጹይ ሓበሬታ ከነቕርብ ንፈቱ።

 

ጉጅለ ህግደፍ፣ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ጠቕሚ ህዝብና ዘይውዕል፣ ልዑል ናይ ወጻኢ ሸርፊ (Hard Currency) ዝርከቦ፣ ዕደና ወርቂ፣ ኩባንያታት ወጻኢ፣ መሻርኽቲ ብምግባር፣ ሃብቲ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ክቡር ማዕድን፣ ብሓላፍነት ዝጎደሎ ኣገባብ  ይምዝመዝ  ከም ዘሎ ርዱእ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብሓፈሻ፣ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ክፍሊ ዕደና ዝሰርሑ ዜጋታትና ድማ ብፍላይ፣ ብዘውርዶ ዘሎ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ከይኣክል፣ ኣብ ጥዕነኦም ዓቢ ጉድኣት የስዕብ ብምህላዉ፣ ብዙሓት ጉዱሳት ሃገራውያን ኣብ ሕጋዊ መጋበእያታት ማሕበረሰብ ዓለም ጥርዓንን ክስን ከቕርቡ ጸኒሖምን ኣለዉን። ኣብዚ መዳይ’ዚ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ብገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ዘመናዊ ባርነትን (Modern Slavery)፣ ኣብ ምቅልዕ፣ ግዱሳት ኣካላት ዓቢ ተራ ይጻወቱ ኣለዉ። ብዝገብርዎ ብዘለዉ ኣበርክቶ ድማ፣ ዓቢ ምስጋና ይብጻሓዮም። ሓደ ካብ’ዚኣቶም፣ ነቨሱን (Nevesun)ዝተባህለ ባእታ፣ ኣብ ዕደና ቢሻ ንዝነጥፍ ኮባንያ ኣብ ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ክሲ መስሪቱ ከም ዘሎ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይካኣል። 

 

ናይ ህዝብን ሓልዮት ዘለወን ሃገራት፣ ተረፍ ናይ’ቲ ዝተጻረየ ማዕድን፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባትን እንስሳን፣ ከምኡ’ውን ንብምሉኡ ኣከባቢ ጉድኣት ንከይስዕብ ብማለት፣ ዓሚቚ ጎዳጉዲ ኲዒተን ይቐብረኦ። ጉጅለ ህግደፍን

 

መሻርኽቱን ኣብ ክንዲ ከም’ዚ ዓይነት ኣገባብ ዝኽተሉ፣ ተረፍ ናይ’ቲ ዝተጻረየ ማዕድን ኣብ ፈቐዶ ቦታታት ብዘይግቡእ ይጉሕፍዎ ብምህላዎም፣ ንብምሉኡ ከባቢን፣ ንዕቑርን ዋሓዝን ማያትን ስለ ዝበከለ፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትናን ኣብ ልዕሊ ጥሪቶምን ዓቢ ጉድኣት የስዕብ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ነዚ ዝተረድኡ ዜጋታትና፣ ብፍላይ ድማ ተቐማጦ መጎራይብን ሃዋሻይትን ጥርዓን ብምቕራብ ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ ጥሬቶምን ወሪዱ ንዘሎ ጉድኣት ብቝጽበት ንክእለ ስለ ዝሓተቱ፣ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ንብዙሓት ካብኣቶም ከም ዝኣሰረን፣ ንተቐማጦ ናይ’ተን ዓድታት ድማ ናብ ካልእ ቦታ ከግዑዞም መደብ ኣውጺኡ ምህላዉን፣ ኣባላት ግሃድኤ ኣረጋጊጾም።

 

ብተወሳኺ፣ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ኣብ ዓዲ ሃሉን ገርገራን ዝሰርሖ ዘሎ ዲጋ፣ ኣብ ሽክቲ ወርቂ ተረኺቡ ስለ ዘሎ ኢዩ ክብል ምንጭታትና ሓቢሮም። እዚ ጉዳይ ብጉጅለ ህግደፍን መሻርኽቱ ኩባንያታትን ብምስጢር ተዓቂቡ ምህላዉውን ተፈሊጡ። ዕደና ወርቂ ብዙሕ ማይ ስለ ዘድልዮ፣ ህዝቢ ማይ ዝረኽበሉ ዝነበረ ዋሓዚታት ብምዕጋት ኣብ ቦታ ዲጋ ብምስራሕ፣ ነቲ ዝዕቊር ማይ ኣብ መዓላ ምጽራይ ወርቂ ክጠቅመሉ መደባት ሰሪዑ ምህላዉ፣ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ምንጭታት ግሃድኤ ካብ ቦታ ሓቢሮም። ብተወሳኺ፣ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብ ህዝቢ ፈጺሙ እምነት ሰለ ዘይብሉ፣  ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ሃብቲ ወርቂ ካብ ህዝቢ ንምኽዋል ዝሃቀነ፣ ብሽከቲ ዝሓልፍ ዝነበረ፣ መንገዲ ኣስመራን መንደፈራን ቀይሩ፣ ካብ ኣስመራ ብዓዲ ሃሉ ኣቢሉ ናብ ድባርዋ ካብኡ ድማ ናብ መንደፈራ ዝቕጽል ሓዲሽ መንገዲ ክሰርሕ መዲቡ ምህላዉውን እቲ ዝበጽሓንና ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

 

 

 

ዕደና ወርቂ ኣብ ኤርትራ፣ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢዩ ዝካየድ። ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባ ዜጋታትና ቅንጣብ ሓልዮት ስለ ዘይብሉ፣ በተን ናይ ዕደና ኩባንያታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝፍጸም ደረቱ ዝጠሓሰ ምዝመዛን ኣዕናዊ ተግባራትን፣ ይትረፍ ዶ ክኣልዮ፣ ኣካል ናተን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጸም ኣብ ዘሎ ሃሳዪ ተግባራት ተሳታፊ ኮይኑ ይርከብ። ዜጋታትና ፍረ ጻምኦም ዝኸውን፣ ደሞዝ ይኩን ዝኾነ ዓይነት ክፍሊት ኣብ ርእሲ ዘይምርካቦም፣  

 

ግቡእ መከላኸሊ ዝኸውን መሳሪሒ ብዘይምህላዉ፣ ኣብ ህይወቶምን ኣብ ጥዕነኦምን ከቢድ ሃሰያ የጋጥሞም ኣሎ። ንሕዱር ሕማም ድማ ተቓሊዖም ይርከቡ። ብሕዱር ሕማም ዝተጠቕዑ ዜጋታት፣ ኣብ ኤርትራ ግቡእ ሕክምና  ይኹን ቀረብ ኣድላዪ መድሃኒት ብዘይምህላዉን፣ ኣብ ዓቢ ስቅያት ጥሒሎም ኣለዉ። ገለ ውሑዳት ካብ’ኣቶም፣ ናይ ቤተሰብ ደገፍ ዝረኸቡ፣ ዶብ ሱዳን ብእግሪ ሰጊሮም ኣብ ዝተፈላለየ ሆስፒታላት ሱዳን ክሕከሙ ይግደዱ ከም ዘለዉ ኩሉ ዝከታተሉ ዘሎ ሓቂ ኢዩ።

 

ዕደና ወርቂ እንተደኣኣ ብጥንቃቐን ብግቡእ መሳርሕን ዘይተኻይዱ፣ ኣብ ጥዕና ወዲሰብን ህይወቱን ኣከባብን ከቢድ ሳዕቤን ዘኽትል ኢዩ። ኣብ ጥዕና ወዲ ሰብ ዘምጽኦ ሕዱር ሕማም  ከም ምንሽሮ (ካንሰር) ምሕጻር ዕድመ፣ ጸገም ስርዓተ ምስትንፋስ፣ ሕማም ሳንቡእ፣ ሕማም ከስዔ፣ ሕማም ጸላም ከብዲ፣ ቲቢ፣ ጸገም ምስማዕ፣ ሕማም ቆርበት፣ ሕማም ዓጽሚ ... ምጥቃስ ይከኣል።

 

ብሰንኪ ዕደና ዝርአ ዘሎ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ቢሻን፣ ዛራን፣ ናይ ኣከባቢ ብከላ፣ ኣብ ኣዚዩ ኣሰካፊ ኩነታት በጺሑ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ፣ ብዘይካ ምግባት ሃብቲ ኤርትራ እንተዘይኮይኑ፣ ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ብከላ’ዚ፣ ኣብ ዜጋታትናን መጻኢ ዕድል ሃገርናን ዘኸትሎ ዘሎ ዓሚቚ ሓደጋታት፣ ግዲ ስለ ዘይብሉ፣ ነተን ጓኖት ዝኾና ናይ ወጻኢ ኩባንያታት፣ ዝኾነ ዓይነት ቁጽጽር ስለ ዘይገብረለን፣ ሓላፍነት ብዝጒደሎ ኣገባብ፣ ዕደና የካይዳ ከም ዘለዋ፣ ዝተረጋገጸ ጉዳይ ኢዩ። ንኣብነት እዞም ኩባንያታት’ዚኣቶም፣ ወርቂ ካብ ሓመድ ንምፍላይ ዝትቀሙሉ ”ሳይናይድ” (Cyanide) ዝተባህለ ከሚካል ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ብመልክዕ ሕሩጭ (ፓውደር)፣ ጋዝ ወይ ድማ ብመልክዕ ፈሳሲ ክቐርብ ዝኽእል ባእታ፣ ክንዲ ፍረ ስርናይ ዝኣክል ዓቀን  ናይ’ዚ ከሚካል`ዚ፣ ናብ ሰውነት ናይ ወዲ ሰብ እንተ በጺሑ፣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ክቐትሎ ከም ዝኽእል ዝተረጋገጸ ኢዩ። ከም’ዝን ንዕኡ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ከሚካላትን ኣብ ክንዲ ብግቡእን ብጥንቁቕን ኣገባብ ምጥቃም፣ መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ኣብ ግምት ዘይወሰደ ኣገባብ ዕደና ብምኽታል፣ ጉጀለ ህግደፍን መሻርኽቱን  ታሪኻዊ ሓላፍነት ክሰከሞ ኢዩም።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ

16/07/2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10787

Posted by on Jul 18 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net