ንቀጠር ብምጥላም ምስ ኣሜርካ ዝርከብ ዕርቂ የልቦን !!

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ዜጋታት ኤርትራ ኩሉ’ቲ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ሰነ-ሓሳብ፡ ብውጽኢቱ ድማ ዝተፈላለየ ግህሰታት ሰብኣውን ፖሎቲካውን መሰላት፡ ግፍዕታትን ግብረ-ሽበራዊ ተግባራትን ኣትሪሮም ዝቓወሙ ወይ’ውን ዝኹንኑ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። እዚ ብኣውንታ ክግለጽ ዝኽእል ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ስትራተጂካዊ ፖሊስታት ናይቲ ስርዓት ብዝምልከት ግን፡ ምስ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራትን ርሑቕ ዓለምን ዝኽተሎ ዝምድናታት ዝደናገሩ ውሑዳት ኣይኮኑን። ብፍላይ’ውን ምስ ግጭት ዶብን ውጽኢታቱን ኣብ ዝተኣሳሰር ጉዳይ ነቲ ብእንኮ ናይ ሓሶት መዕከናት ዜና ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፍኖ እከይ ፕሮፓጋንዳዊ ጽልእታትን ቅርሕንትታትን እናተታለሉ ገሊኦም ኣብ ጃላነት ዝወድቑ፡ ገሊኦም ድማ ነቲ ሓበሬታት ከምቲ ንሱ ብምቕባል፡ ከም ተጣባቒ ልዕላውነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብምውሳድ፡ ምስ ርእይቶኡ ክደናገጹ ዝደናደዱ ምህላዎም ኣይዝንጋዕን። ብዝኾነ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ’ቲ ዝኽተሎ ስትራተጂካዊ ወጻኢ ዝምድናታት ካብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ስነ-ሓሳብ፡ ግዕዘይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ጸረ ቁጠባዊ ምዕባሌን ማሕበራዊ ግስጋሰን ተፈልዩ ክርአ ዝኽእል መንፈስን ትሕዝቶን የብሉን። ምክንያቱ እዚ ስርዓት’ዚ ፍርቂ ጎኑ ጥዑይ ፍርቂ ጎኑ ድማ ሕሙም ክኸውን ስለ ዘይኽእል፡ ምስ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራትን ርሑቕ ዓለምን ዝኽተሎ ስትራተጂካዊ ፖሊስታት ካብቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ናይ ሕቆን ከብድን ዝምድናታት ዝምንጩ ብምዃኑ ተመሳሳሊ ከምዝኾነ ፍጹም ክዝንጋዕ ኣይግባእን።

 

ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብቀንዱ ንኩሉ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ መሪር ቃልስታቱን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን ብምጥላም ንልዕላውነቱ ረጊጹ፡ ኣብ ኤርትራ ብቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ዘይግዛእ ስርዓት ተኺሉ፡ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ቁጠባዊ ምዕባሌን ማሕበራዊ ግስጋሰን ከረጋግጽ ኣይኸኣለን። ካብዚ ጭቡጥ ክውንነት’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ኩሉ’ቲ ዝኽተሎ ወጻኢ ስትራተጂካዊ ፖሊስታቱ ብዓለም-ለኻዊ ሕግታትን ስምምዓትን ተገዚኡ፡ ምስ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራትን ርሑቕ ዓለምን ኣብ ሕድሕድ ሕውነታዊ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓታትን ተመርኲሱ፡ ነጻ ርኽባትን ዝምድናታትን ህዝቢ-ንህዝቢ ዘጠናክር ክኸውን ምጽባይ የዋህነት’ዩ። ብርግጽ’ውን ኣብዚ ዝሓለፈ 26 ዓመት ጉዕዞ ሃገራዊ ነጻነት ብጭቡጥ ዝተረጋገጸ ክውንነት ምስ ዝህሉ፡ ወጻኢ ዝምድናታትን ፖሊስታትን ናይዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ሕድሕድ ሕውነታዊ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓታትን ዘተሰረተ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ በቲ ኣብ መስርሕ ነጻነታዊ ተጋድሎ ኣብ ልዕሊ’ቲ ገዚፍ ሰራዊት ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ዘረጋገጾ ወደሃደራዊ ዓወታት ሰኺሩ፡ ካብቲ ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዃን ዝነበረ ኣጉል ሕልምታት ዝብገስ ምንባሩ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ። ኣብ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ኮንትሮባንዳዊ ስርሓት፡ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ጥልመትን ክሕደትን ዝተሰረተ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር የብሉን። ስለ ዝኾነ ኩሉ’ቲ ዝምድናታት ስትራተጂካዊ ምዃኑ ብዙሕ ክምደረሉ ይጸንሕ’ሞ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ብዲፕሎማስያዊ ምብታኽን ምትዕራቕን ዝልለ፡ ቀጺሉ’ውን ብኲናትን ወራርን ዝግለጽ ተገላባጢ ባህርያት ዘለዎ ክኸውን ግድነት’ዩ። ስለዚ እዚ ስርዓት’ዚ ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ኣትሒዙ፡ ምስ ብዙሓት ሃገራት ዘካይዶን ክሳብ ሕጂ ዘካይዶ ዘሎን ወፍሪ ፕሮፓጋንዳዊ ዘመተን ኩሉ’ቲ ብጉልባብ ዶብ ተመሳሚሱ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ዝተካየደ ኣዕናዊ ኲናትን ወርራን ሕጂ’ውን ምስ ሃገረ ጅቡቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብን ወጻኢ ዝምድናታትን ፖሊስታትን ገባቲ ኢሳይያስ ጥዕና ዘይብሉ ምዃኑ’ዩ ዘመላኽት። ካብዚ ወጻኢ ዝቐርብ ኣጉል ሞጎት ጥቓ ሓቅነት ዝቐርብ ኣይኮነን።

 

ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ 1991-1993 መሰል ርእሰ-ውሳኔ (ረፈረንደም) ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ መድረኽ ምስ መንግስቲ ስዑድያ፡ ሶርያን ግብጽን ናብ ዓቢ ጽልእን ቅርሕንትን ዝኣተውሉ ኩነታት ምንባሩ ኣይስሓትን’ዩ። ብ1994 ድማ ንምምሕዳር ኣሜርካ ንስኻትኩም ዶላራት ጥራይ ክፈሉ እምበር ንመንግስቲ ሱዳን’ሲ ባዕለይ ኣለኽልኩም ብዘስምዕ ቅኒት፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታቱ በቲኹ፡ ክሳብ ኲናት ዝገበረሉን ኣብ ኣስመራ ንዝነበረ ኣብያተ ጽሕፈት ኢምባሲ  ንምንቅስቓስ ደቡብ ሱዳን ዝዓደለሉን ኩነታት ምንባሩ ክኸሓድ ኣይኽእልን’ዩ። ምስ መንግስቲ ሱዳን ብድሕሪ ምትዕራቕ’ውን ናይቲ ሃገር ሰላምን ቅሳነትን ንምዝራግ፡ ንዝተፈላለዩ ተቓውምቲ ሱዳን ክሕብሕብርን ከዕጥቕን ምጽንሑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ብተመሳሳሊ ብ1994 ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ደሞክራስያዊት ኮንጎ ብቕሉዕ ኢድ-ምትእትታው፡ ንካቢላ ናብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምድያብ፡ ዓበይቲ ፖሎቲካውን ወተሃደራውን ኣማኸርቲ ከምኡ’ውን ታንከኛታት ክሳተፉ ምግባሩ ኣይዝንጋዕን። ምስ የመንን ግብጽን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝካየድ ምግፋፍ ዓሳ ተደጋጋሚ ወጥረታት ዝኽሰተሉ ኩነታት ብድሕሪ ምጽናሕ ብ1995 ብዶብ ኣመሳሚሱ ምስ የመን ናብ ኲናት ምእታዉ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ብ1997 ምስ ጂቡቲ ብዶብ ምክንያት ኲናት ኣልዒሉ እንደገና ድማ ብ2008 ተሓዲሱ፡ ክሳብ 2017 መዕለቢ ዘይረኸበ ዘሎ ጉዳይ’ዩ። ከምኡ’ውን ብ1998 ምስ ኢትዮጵያ ብዶብ ኣመኻንዩ ዝበገሶ ኣዕናዊ ኲናትን ወራርን ክሳብ 2017 ብስንኪ ርኡይ ድርቕና ገባቲ ኢሳይያስ መዕርፊ ዘይረኸበ ምዃኑ ካብ ማንም ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ብ2002-2004 ንሳዳም ሑሴን ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምውጋድ ብመሪሕነት ጆርጅ ቡሽ ኣብ ኢራቕ ዝተገብረ ሰፊሕ ምሕዝነታዊ ኲናት ብሓቲ ህግደፍ ምምሕዳር ኣሜርካ መዕርፎ ነፈርትን ቀ/ባሕርን ኤርትራ ክጥቐም ፍቓደኛ ብምዃን ናብ ዝልምነሉ ደረጃ ወሪዱ ምንባሩ ይዝኸር። ኣብ ሶማል’ውን ነቲ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝግበር ዝነበረ ኩሉ-መዳያዊ ጻዕርታት ተጻሪሩ፡ ንጉጅለ ግብረ-ሽበራ ኣልሸባብ ብቕሉዕ ዝድግፈሉን ዘዕጥቐሉን ኩነታት ክሳብ ሕጂ ምህላዉ ክሕባእ ዝኽእል ክውንነት ኣይኮነን።

 

ናይዚ ኩሉ እኩብ ድምር ብሓቲ ህግደፍ ካብ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ፍጹም ተነጺሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ብዓለም ደረጃ ብባይቶ ጸጥታ ማዕቐብ ምስ ተበየነሉ፡ ኣሜርካ ካብ ቀደም ጥንቲ ኣትሒዛ ታሪኻዊት ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ’ያ ዝብል ተደጋጋሚ መደረታት ምሃብ መውጽእ ኣፍ ገባቲ ኢሳይያስን ድራር እለት ህዝብናን ኮይኑ ምህላዉ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ’ዩ። እዚ ስርዓት’ዚ በቲ ብዓለም-ለኸ ደረጃ ማዕቐብ ክብየነሉ ዝገበረ ጭቡጥ መርትዖታት ፍጹም ክምሃር ብዘይምኽኣሉ፡ ቅድም ንዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምእላይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሕድሕድ የመን ንሑቲይን ይድግፍን የዕጥቕን ምንባሩ ይፍለጥ። ድሒሩ ብመሪሕነት መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ሑቲይን ምሕዝነታዊ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ክውሰድ ምስ ጀመረ ንዕኦም ጠሊሙ፡ ናብ ጎኒ በዓል ስዑዲ ዓረብ ተሰለፈ። በዚ መሰረት ድማ መንግስቲ ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዓቢ ወተሃደራዊ መደበር ብምህናጽ፡ ካብኡ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ ሑቲይን ደብዳብ ነፈርቲ ዝፍጽመሉ ኩነታት ምህላዉ ኣይዝንጋዕን። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምስ ንምለስ: ብሓፈሽኡ ሰላም ቅሳነትን ግስጋሰን ናይታ ሃገር ንምዝራግ ብፍላይ’ውን ግድብ ኣባይ ንምፍራስ፡ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ መንግስቲ ግብጺ ሓድሽ ምሕዝነት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ። ነዚ እከይ ሸርሕታት’ዚ ንምዕዋት ድማ ነቶም ሕጋዊ ሰላማዊ ኣገባብ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ዘፍቕድ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምንጻግ፡ ኲናት ከም እንኮ ምርጫ ክወስዱ ዝጸንሑን ዘለዉን ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብወተሃደራዊ መኮንናት ግብጺ ፍሉይ ስልጠናታት ክወሃብ ምጽንሑ ኣይስሓትን’ዩ። እቶም በብግዚኡ ነዚ እከይ ሸርሕታት’ዚ ብምንጻግ ምሉእ ኣጽዋሮምን ንብረቶምን ሒዞም ምስ ሰራዊት ኤርትራ እናተዋግኡ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዱም ዝህቡ ዘለዉ መሪሕነትን መሰረታትን ደምሓት፡ ግንቦት 7ተ ምንቅስቓስ ቤሻንጉልን ነዚ ሓቕታት’ዚ ጥራይ’ዮም ዘረጋግጹ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ ትጽቢት ብዙሓት ዘይነበረን ብሃንደበት ዝተበገሰን ዘይምቕዳው ወይ’ውን ምስሕሓብ ሃገራት ወሽመጥ ከልጅ ኣህጉራዊ ትኩረትን ስሕበትን ክረኽብ ግድን ኮይኑ ኣሎ። እቶም ኣብ ምስሕሓብ ኣትዮም ዘለዉ ኣካላት ብሓደ ወገን ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ዘለውኦ ካብ ኣፍሪቃ ግብጺ ዝሓወሰ ኣንጻር ቀጠር ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ብምሕዝነት 4ተ ሃገራት ዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ቀጠር ወሲድዎ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን ማዕቐብን ብርግጽ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ንክትግበር ምሕሳቡን ምፍታኑን ብጣዕሚ ጭካኔ ዝመልኦ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ተርእዮ ምዃኑ ጥራይ’ዩ ዘመላኽት። እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ቀጠር ከምዚ ዓይነት ኣዝዩ ጨካን ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን ማዕቐብን ዝወሰዱ ሃገራት፡ ብድሕሪ ክንደይ ጻዕረ-ሞት  13 ክስታት ኣቕረቡ። ሓደ ካብቲ ዝቐረበ ዓቢ ክስታት መንግስቲ ቀጠር ንግብረ-ሽበራ የተባብዕን ይድግፍን ዝብል’ዩ። ብርግጽ ሕጂ መንግስቲ ቀጠር ካብዚ ክሲ’ዚ ነጻ ምዃኑ ዘረጋግጽ ጭብጥታት ከም ዘሎ ርግጸኛ ምዃን ዝኸኣል’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቶም ነዚ ክስታት ዘቕርቡ ዘለዉ ሃገራት’ውን ንባዕሎም ካብ ንግብረ-ሽበራ ምትብባዕን ምድጋፍን ሓራ ዘይምዃኖም ብዙሕ ምልክታት ምህላዉ ዝሕባእ ዝኽእል ኣይኮነን። ካብ ዓለም ምሉእ ንግብረ-ሽበራ ዝዋፈሩ ቀዳማይ ቦታ ዝሕዙ ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ ክኾኑ ከለዉ፡ ብፍላይ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝተፈላለየ  ሃገራት ዝርከቡ ግብረ-ሽብራዊ ተግባራት ከም ትድግፍን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዘይተኣደነ ግፍዕታት ከም ትፍጽምን ዝእምቱ ምስጢራት ክወጹ ይጅምሩ ኣለዉ።

 

መብዛሕትኡ እቲ ብመሪሕነት ሳዑዲ ዓረብ ማለት ብ4ተ ሃገራት ቀሪቡ ዘሎ ኣጉል ክስታት ብቀንዱ ንልዕላውነት ህዝብን መንግስትን ቀጠር ዝትንክፍን ዝጻረርን ብምዃኑ፡ ኣብዚ ህሞት’ዚ ተግባራዊ ክኸውን ምሕሳብ ፍጹም ፖሎቲካዊ ዕሽነት ምዃኑ ጥራይ’ዩ ክርአ ዝኽእል። እቶም ነዚ ሓቅታት’ዚ ብኣግኡ ዝተረድኡን ካብ ክልቲኡ ኣብ ምውጣጥ ዝርከብ ኣካላት ገዚፍ ስትራተጂካዊ ረብሓታት ዘለዎምን ብሓያላት መንግስታት ዓለም ዝፍለጡ ነዚ ግጭት’ዚ ንምህዳእን ንምፍታሕን ንሰናይ ተበግሶ ዕርቂ ንጉስ ኩዌት ብምድጋፍ፡ ብርቱዕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት የካይዱ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ። ህዝብን መንግስትን ቀጠር ነቲ ብ4ተ ሃገራት ዝቐረበ ክስታትን ቅድመ ኩነትን ክሳብ ሕጂ ብዘርእዮ ውሕሉልን ህዱእን ኣተሓሕዛ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ጸብለልትነትን ተቐባልነትን ኣረጋጊጹ ምህላዉ ይእምት። እዚ ተረጋጊጹ ዘሎ ጸብለልትነት’ዚ ካብ ትጽቢትን ግምትን ወጻኢ ኮይኑ ብምርካቡ፡ ካብዚ ጉዳይ’ዚ ንምውጻእ ምሕዝነት 4ተ ሃገራት ኣብ ዘይተሓስበ ካልእ ጸገማት ክወድቑ ምዃኖም ምግማት ይኸኣል’ዩ። ብዝኾነ እዚ ግጭት’ዚ ብለባም መንገዲ ብዘተን ልዝብን ጥራይ ክፍታሕ ሰናይ ኩሎም ኣህዛብ ዝሓስቡ ደለይቲ ደሞክራስን ፍትሕን ትጽቢት ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር የብሉን። እዚ ግጭት’ዚ ብሰላም ክፍታሕ ዘይሓስቡ መንግስታት ወይ’ውን ፖሎቲካዊ ሓይልታት ሰናይ ኩሎም ኣህዛብ ዘይብህጉ ምዃኖም ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ዓቢ ምልክት’ዩ። እምበኣርከስ ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ፖሎቲካዊ መርገጽን ፖሊስን ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ከመይ ይመስል? ምድህሳስ ኣገዳሲ’ዩ።

 

ቅድሚ ኩሉ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ምሉእ ማ/ሰብ ዓለም ኣብ ዝተነጸለሉ ህሞት ዝምድናታት ኤርትራን ቀጠርን ከመይ ምንባሩ ምዝኻር ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ዝምድናታት እንታይ ምንባሩ? ብዘየገድስ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ስርዓታት ጽቡቕ ዝምድናታት ምንባሩ ይፍለጥ። መንግስቲ ቀጠር ንብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብሞራል፡ ገንዘብን ንዋትን ዘይተኣደነ ሓገዛት ይገብር ምንባሩ’ውን ዝሰሓት ኣይኮነን። ብውሕዱ ወጻኢታትን ዘመናዊ ንዋትን ማዕከናት ዜናታት ስርዓት ህግደፍ ብመንግስቲ ቀጠር ይሽፍን ምንባሩ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ’ዮም። ኣብ መንጎ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ጂቡቲን ብዶብ ዝተላዕለ ግጭት ንምፍታሕ እንኮ ተበግሶ ዕርቂ ዝወስድ ዝነበረ መንግስቲ ቀጠር’ዩ። ኣብ መወዳእታ’ውን ብስምምዕ ክልቲኡ ሃገራት ክሳብ 450 ሰራዊት ኣብቲ ዘሰሓሕብ ዝነበረ ቦታታት ከም ዓቓቢ ሰላም ኣእትዩ ምንባሩ ኣይኸሓድን’ዩ። ኣብዚ ምስሕሓብ’ዚ ካብ ሃገራት ወሽመጥ ከሊጅ ኩዌትን ዖማንን ካብ ክልቲኡ ኣካላት ገለልተኛ ብምዃን ንዘተ፡ ልዝብን ዕርቕን የተባብዑ ኣለዉ። ዳርጋ መብዛሕትኡ ማ/ሰብ ዓለም’ውን እቲ ምስሕሓብ ብሰላም ክፍታሕ ብርቱዕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣብ ዝገብረሉ ህሞት ንርኸብ። ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ግን ከምቲ ልሙድ ባህርያቱን ኣመሉን ብሃንደበት ንመንግስቲ ቀጠር ጠሊሙ፡ ኣብ ጎኒ’ቲ ብመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ምሕዝነት ክስለፍ ግድን ኮይኑ ኣሎ። እዚ ስርዓት’ዚ ንባዕሉ ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት እናካየደን ንሸባብ ሶማል ብቕሉዕ እናደገፈን ንመንግስቲ ቀጠር ምስቶም በዚ ጉዳይ’ዚ ክሲ ዘቕርቡ ክጽጋዕ ምፍታኑ ካብቲ ኣዝዩ ዘደንጹ’ዩ። ብዝኾነ እቲ ብኣውንታ ዝግለጽ ዝነበረ ዝምድናታት ክልቲኡ ሃገራት ብቀጥታ ተበቲኹ፡ መንግስቲ ቀጠር ነቲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን ሰፊሩ ዝነበረ ሰራዊቱ ብህጹጽ ክስሕብ ተገደዱ’ዩ። ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ንመንግስቲ ቀጠር ጠሊሙ ንምንታይ ምስቲ ብመሪሕነት ስዑዲ ዓረብ ዝፍለጥ ምሕዝነት ተጸጊዑ ንዝብል ሕቶ ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ማ/ምብራቕን ብቀረባ ዝኸታተሉ ተንተንቲ ፖሎቲካ ነዚ ዝስዕብ ተንታን የቕርቡ።

 

  1. ኩሉ ወጻኢ ፖሊስታት ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብመሰረቱ ኣብ ስትራተጂካዊ ዝምድናታት ዘይኮነስ፡ ኣብ ግዝያዊ ጉጅላዊ ረብሓታት ዝተሞኮሰ ስለዝኾነ፡ ካብ 3ተ ሃገራት ወሽመጥ ከልጅ ማለት ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ክረኽቦ ዝኽእል ግዝያዊ ረብሓታት ብምጥማት ዝወሰዶ ፖሎቲካዊ መርገጽ ምዃኑ ይገልጹ። ንግብጺ ብዝምልከት ከኣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባሌ ንምቁጻይ ብሓፈሻ፡ ንግድብ ኣባይ ንምፍራስ ድማ ብፍላይ ዘለዎም ሓባራዊ ምርድዳእን ዘኣተውዎ ስምምዓትን ዝምርኮስ ምዃኑ ይትንትኑ።
  2. ኩሎም ሃገራት ወሽመጥ ከልጅ ምስ መ/ኣሜርካ ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎም ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ብዝጸንሖ ተሰማዕነትን ጽልዋታትን ከምኡ’ውን ኢማራት ዓረብ፡ ባሕሬንን ግብጽን ብምድማር፡ ካብ መ/ቀጠር ብዝበለጸ ጸብለልትነትን ተቐባልነትን ክህልዎም’ዩ ዝብል፡ ገባቲ ኢሳይያስ ጉጉይ ገምጋም ሒዙ ምብጋሱ ይገልጹ። ካብዚ ጉጉይ ገምጋም’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ምስዞም ሃገራት’ዚኣቶም ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ብምምሳል፡ ምስ መንግስቲ ኣሜርካ ንምትዕራቕ፡ ብኡ ኣቢሉ እቲ ብ2009 ኣብ ልዕሊኡ ዝተበየነ ማዕቐብ ንክለዓለሉን ጥጡሕ ባይታ ክምድምድሉ ብምሕሳብ ምዃኑ’ውን ይትንትኑ።

 

ብዝኾነ ንምጥቕላል ዝኣኽል እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክውንነታዊ ሓቅታት’ዚ ብውሕዱ ኩሉ ወጻኢ ዝምድናታት ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኣብ እከይ ጥልመትን ኣዕናዊ ኩናትን ዝተሞርኮሰ ምዃኑ ብግልጺ’ዩ ዘርኢ። ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ብጥልመትን ኲናትን ዝልለ ወጻኢ ዝምድናታት ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ እንታይ ይርባሕ? ንስለ’ቲ ሓቂ ኣብ ዲሞክራስያዊት ኮንጎን ሶማልን ዝፈሰሰ ንጹህ ደም ኣሕዋትና ይኹን ደምሓት፡ ግንቦት 7ተን ምንቅስቓስ ነጻነት ቤንሻንጉልን ናብ መበቆል ዓዶም ኢትዮጵያ ከይምለሱ ንምዕጋት ኣብ ዝግበር ተደጋጋሚ ኲናት ዝሞቱ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ንልዕልነት ህዝብን ሃገርን ንምክልኻል ጅግንነት ከም ዝፈጸሙ ስውኣት ዲዮም ክቁጸሩ ወይስ ካልእ ፖሎቲካዊ ስያሜን ትርጉምን ክህልዎ’ዩ? እዚ ሕቶታት’ዚ ብፍላይ ንተደናገጽትን ሰዓብትን ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ዝምልከት ክኸውን’ዩ።

 

ሰናይ ትምኒትን ንባብን

 

ነፀረኣብ ኣስመላሽ

19 ሓምለ 2017

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10797

Posted by on Jul 20 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net