ኣብ ህላወ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ሓቀኛ ዕርቂ ክረጋገጽ ኣይኽእልን’ዩ?

ክቡራት ኣንበብቲ ብቀዳምነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ ብድሕሪ ምቕራብ፡-

ኣብ ጉዕዞ 26 ናይ ነጻነት ዓመታት ብሰንኪ በሓቲ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይ፡ ክበጽሕ ዝጸንሐን ገና ዝቕጽል ዘሎን ከቢድ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕንወት፡ ኣሽንኳይ’ዶ ንዓና ነቶም ዋናታቱ ንዓለም ምሉእ’ውን ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዚ ህሞት’ዚ ኣብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክግለጽ ዝኽእል ጨካን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ዘይተተንከፈ ባእታ፡ ስድራ ቤት፡ ብሄርን ሃይማኖትን ፍጹም የልቦን። ብሳዕቤኑ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራዊ ዜጋ ዘይነጠባ ክፍለ-ዓለምን ሃገርን ዳርጋ የለን እንተተባህለ ፍጹም ምግናን ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ኤርትራ ብድሕሪ ሃገራዊ ነጻነታ ምጭባጣ ካብተን ብምንጪ ስደተኛታት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝተሰርዓ ሃገራት ክትስራዕ ታሪኻዊ ግድነት ኮይኑ ኣሎ። መንእሰይ ኤርትራ ነጻነት ዘለዎ ሰላማዊ ሂወትን ርጉእ መነባብሮን ንምምራሕ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንምስግጋር ኣብ ዘካይዶ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ብደላሎ ሰብ ዘጓንፎ ቁጠባዊ ምዝመዛ፡ ጭፍጨፋ፡ መጨውይቲ፡ መሸጣን ኣካላዊ ብዝበዛን ንመላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም’ውን ብሩህ ክስተት’ዩ። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ድማ ኣብ ኤርትራ ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ልጓም ኣልቦ ብሓቲ ስርዓት ምትካሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘየገድስ፡ ንልዕልነትን ፖሎቲካዊ ነጻነትን ህዝቢ ዝገልጽን ንመንግስቲ ዝገርሕን ቅዋም ወይ’ውን ግዝኣተ ሕጊ ብዘይምህላዉ’ዩ። ፈረስ ብዘይልጓም መንግስቲ ብዘይቅዋም ናብ ጭቡጥ ጸድፊ ከምዝበሃል፡ ኤርትራ ናብ ርኡይ ደልሃመትን ዓዘቕትን ካብ ተምርሕ ዓመታት ኣቁጺራ ኣላ። እዚ ማንም ሰብ ይፍተዎ ይጽልኣዮ ብዘየገድስ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነት’ዩ።

 

ብኣንጻሩ መራሕቲ ህግደፍን ሰዓብቶምን ምስዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነት’ዚ ክላተሙ ጥራይ’ዮም ዝመርጹ። ከምቲ ብዓል ኣመል ኣመሉ ጎቦ ድማ ቦትኡ ነይገድፍ ዝብሃል ያታዊ ምስላ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ምግሃስ ኩሉ-መዳያዊ ሰብኣውን ፖሎቲካውን መሰላት፡ ምርጋጽ ነጻነትን ማዕርነትን ኩሎም መንፈሳዊ ሃይማኖታትን ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ዝካየድ ጻሕታሪ ኲናት ፖሊሲታትን ምኽሓድ ልሙድ’ዩ። ካብኡ ዝኸፍአ ድማ ኣብ ኤርትራ ብባሓቲ ስርዓት ህግደፍ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ቁጠባዊ ገስጋስን ማሕበራዊ ፍትሕን ተረጋጊጹ ምህላዉ፡ ነጻነትን ማዕርነትን ኩሎም መንፈሳዊ ሃይማኖታትን ባህላዊ እምነታትን ዝተኸበረ ምዃኑ ክገልጹ ድሕር ኣይብሉን’ዮም። ኣብ ወጻኢ ዝምድናታት ብዝምልከት ድማ በቲ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ገስጋስን ምዕባሌን ካብ ክቱር ቅንኢ ብዝብገስ ካብ ዝተፈላለዩ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጽእ እከይ ምትንኳልን ሽርሕታትን እንተዘይኮይኑ፡ ፖሊስታቱ ቅኑዕን ጥዑይን ምዃኑ ከረድኡና ህርድግ ይብሉ። ካብዚ ኣጉል እምነት’ዚ ብምብጋስ’ውን ንኤርትራ መዳርግቲ ዘይብላ ደሴት ሰላምን ፍትሕን ብምባል ስያሜ ክህቡ ምስማዕ ካብቲ ኣዝዩ ዘደንጹን ዘሕንኽን ጉዳይ’ዩ። ብርግጽ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ እዚ ኩሉ ማእለያ ዘይብሉ ጥልመትን ዕንወትን እናተፈጸመ ከሎ፡ ነቲ ዘይተኣደነ በደላት ዝፍጽም ዘሎ ጨካን ስርዓት ዘተባብዑን ዘሳስዩን ሕልንኦም ሞይቱ ብደዎም ዝተቐብሩ ጥራይ’ዮም ክብሃሉ ዝኽእሉ። ካብዚ ወጻኢ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ኣይኽእልን’ዩ።

 

ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ነጻነትን ማዕርነትን መንፈሳዊ ሃይማኖታት ዘየኽብር ንህላወ ገለ እምነታት ድማ ኣይኣምን’ዩ። ገባቲ ኢሳይያስ ብዘይዝኾነ ሕፍረት ንእምነታት ጅሆባ፡ ጴንጠ፡………….ወዘተ ከቋሽሽ ከሎ እዚ ብኣሜርካ ዝተሰንዐ ሃይማኖታት’ዩ ብምባል፡ ብተደጋጋሚ ከም ዝምድር ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ። ብዝኾነ እዚ እምነታት’ዚ ኣብ ኤርትራ ክምለኽን ቤተ-ጸሎት ክሰርሕን ብሕጊ ስርዓት ህግደፍ ዝተኣገደ’ዩ። ብ1993 ጅሆባ ኣብ ረፈረንደም ምድማጽ ኣብዮም ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈላለየ ስጉምቲ ምውሳዱ ይዝኸር። ብድሕሪ’ዚ ንኩሎም ኣመንቲ ጅሆባን ጴንጠን ብኣካላት ጸጥታ እናተሃድኑ ክእሰሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ትሕቲ ጭው ዝበለ ጸልማት ጉድጓድ ብምእሳር ብሓይሊ ክሳብ እምነቶም ክቕይሩ ዝገደድሉ ኩነታት ምጽንሑን ምህላዉን ካብ ማንም ስውር  ጉዳይ ኣይኮነን። ብ1995 ምስ ጅሃድ ምትእስሳር ኣለዎም ብዝብል ልዕሊ 75 ዝኾኑ መሻይኽን ኣመንቲ ምስልምናን ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝተጨውዩ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ስድራ ቤቶም ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ውድዕነት ከም ዘለዉ ኣይፈልጡን’ዮም። እዚ ስርዓት’ዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ እምነታት ከካይዶ ዝጸንሐ ኢድ-ምትእትታውን ንመራሕቲ ሃይማኖታት ብምጽላም ስጉምትታት ምጭዋይን ምእሳርን ድማ፡ ን3ይ ፓትራሪክ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንመንፈሳዊ ክብሮምን ጸጋ ዕድሜኦምን ብምድፋር ብ2005 ናይ ምሕያር ስጉምቲ ምውሳዱ ይፍለጥ።

 

ኩሎም’ቶም ለባማትን ሕልና ዘለዎምን ዜጋታት ብሓፈሻ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ድማ ብፍላይ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንምንታይ ንልዕሊ 10 ዓመት ዝኸውን ኣብ ማሕዩር ጸኒሖም? ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ግድነት’ዩ። እቶም ገለ ምስ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ተመሳጢሮም ኣብዚ እከይ ተግባራት’ዚ ዝወዓሉ መራሕቲ ሃይማኖታት ዘቕርብዎ ኣጉል ክስታት ንጎኒ ገዲፍና፡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዓቢኡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ እምነታት ዘካይዶ ጭቡጥ ኢድ ምትእትታው፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ምግፋፍ ኣገልገልቲ ኣብያተ-ክርስትያን ብትሪ ይቓወሙ ምንባሮም ዝፍለጥ’ዩ። ኩሉ ነገር ደረቱ ምስ ሓለፈን ጸቕጥታት ናይቲ ስርዓት ምስ በዝሐን፡ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ መንፈሳዊ እምነቶምን ጸጋ ዕድሜኦምን ብዝእዝዞ መሰረት፡ ቅድም ምሕያሮም<<ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ህዝብና ብክንድ’ዚ ደረጃን ናህርን ናብ መላእ ዓለም ከም ደቂ-ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ ክኣትዎን ክስደድን ፍጹም ኣብ ትጽቢትና ኣይነበረን። እቶም ከምኡ ዝገብሩ ዘለዉ ጓኖት ዘይኮኑስ፡ ደቂ’ዚ ሃገር’ዮም። ህዝቡ እናተበተነ ስቕታ ዝመርጽን ዓገብ ዘይብልን መራሕ ሃይማኖት መራሒ ክበሃል ዝኸኣል ኣይኮነን። ናተና ንብሎን ባዕልና ቆጽሊ ነውድቐሉን መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሓጺር ግዜ ይዓድለና>> ብምባል ተባዕ መደረ ምስምዖም ይዝኸር። ገባቲ ኢሳያይስን ዓሻክሩን በዚ ተባዕ መደረ’ዚ ፍስሓን ሕጎስን ተሰሚዕዎም ደቒሶም ክሓድሩ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ካብዚ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ እንታይ ዓይነት ስጉምትታት ይወሰድ? ንዝብል ሕቶ ካብ ምእሳሮም ወጻኢ ብገባቲ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ካልእ ቅኑዕ መፍትሒ ሓሳብ ክቐርብ ምጽባይ ኣይኸኣልን’ዩ። ከምቲ ልሙድ ኣብ ፖሎቲካዊ ጉዳይ ንኩሉ ኣዕናዊ ፖሊስታት ናይቲ ስርዓት ዝቓወሙ ባእታታት ወይ ውድባት ሃሱሳትን ጠላማትን ዕሱባትን ዝብል ዝልጠፍ ስያሜታት፡ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንምሕያር ድማ ምስ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ብምምስጣር፡ ምስ ተሓድሶ ጸልዮም፡ ምስ ምናፍቓን ተራኺቦም…….ወዘተ ብዝብል ጸለመታት ብምክያድ ክብሪ መንፈሶምን ጸጋ ዕድሚኦምን ብምድፋር ንክሕየሩ ተወሲኑ እቲ ስጉምቲ’ውን ብቀጥታ ተወሰደ።

 

በዚ ጨካን ስጉምቲ’ዚ ድማ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ’ቲ እከይ ባህግታቱን ሸርሕታቱን ሰሚርሉ ሓድነት ኩሎም መራሕትን ኣመንትን መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ንልዕሊ 10 ዓመታት ተዘሪጉን ተበታቲኑን ኣብ ኣርባዕተ መዳይ ተኸፋፊሉ ጸኒሑን ይቕጽልን ኣሎ።

  1. ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መንፈሳዊ እምነታት ኢዱ-ምትእትታው ከካይድ ዝተቐበሉ፡ ንምጽላም ይኹን ንምሕያር ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብቀጻሊ ዝተመሳጠሩን ዝተዋፈሩን መራሕቲ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ። ምስኡ ብቀጥታ ዝዛመድ ሰዓብቲ ህግደፍ ምስቲ ስርዓት ብዘለዎም ቅርበትን ምድንጋጽን ነቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተወሰደ እከይ ጸለመታትን ምሕያርን ዝድግፉ ተራ ኣመንቲ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ።
  2. ነቲ ብባሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተወሰደ ኢድ ምትእትታውን ምስ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ብምምስጣር ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተገብረ እከይ ጸለመታትን ጨካን ምሕያርን ብድፍረት ዝቓወሙ መራሕትን ኣመንትን እምነት ኦርቶዶክስ።
  3. ኩሉ እናፈለጡን እናዕዘምዘሙን ብፍቓድ ኣምላኽ ዝወረደ ስለ ዝኾነ ክግበር ዝኸኣል ነገር የለን ሕጂ’ውን ብኣምላኽ ጥራይ’ዩ ዝፍታሕ ብዝብል ስቕታ ዝመረጹ መራሕትን ኣመንትን መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ።
  4. እቲ ሓቂ ኣበይ ከም ዘሎ ምምማይ ዝተጸገሙ ኣብ ላንግላንጋ ዝወደቑ ንኡሳን መራሕትን ብርክት ዝበሉ ኣመንትን መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ’ዮም። ብዝኾነ ንኣስታት 10 ዓመት ዝኸውን ንመንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ንምስንጣቕ ክካየድ ዝጸንሐ ከቢድ ሽርሕታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝካየድ ዝነበረ ኣጉል ጸለመታትን ምሕያርን ድማ ብፍላይ ብዕርቂ ምዝዛሙን ካብ ማሕዩር ምፍትሖምን ዝገልጽ ብ21 ሓምለ 2017 ብድምጺ ኣሜርካ ዝተፈነወ ዜናን ጸብጻብን ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

 

ፈነወ ድምጺ ኣሜርካ፡- ን10ተ ዓመታት ዝኣኽል ኣብ ሱባኤ ገዛ ጸኒሖም ዝተባህሉ 3ይ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከም ዝተፈትሑ ተገሊጹ። ብርሃነ በርሄ ካብ ኣስመራ ነዚ ዝስዕብ ሓጺር ጸብጻብ ልኢኹ ኣሎ።

 

ጸብጻብ ብርሃነ በርሄ፡- ኣብ መንጎ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን 3ይ ፓትርያሪክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ብተበግሶ ወከልቲ ስምረት ገዳማት ኤርትራን ጉባኤ ሊቃውንቲ ኤርትራን ብዝተገብረ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት መስርሕ ሽምግልና ብዕርቂ ከም ዝተዛዘመ መልከ ጻድቕ ኣብርሃ ገሊጾም።

 

ቃል መልከ ጻድቕ ኣብርሃ፡- ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘሎ መዛግብ መወኸሲ ክኾነና ምእንቲ ብኡ ሂቦምና ንዕኡ ከኣ ኣጽኒዕናን ርኢናን እንታይ እንታይ ተገይሩ ካብቲ መጀመርትኡ ክሳብ’ዚ መወዳእታ ከብጽሖ ዝኸኣለ ኩነታት መልክዕ ሓደ ብሓደ ኣጽኒዕና ብድሕሪኡ ሰናይ ፍቓድ ናይ ሲኖዶስ ምስ ኾነ ናብ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኬድና ተዛራሪብናዮም ንሶም’ውን ገዳማትን ሊቃውንትን ክትመጹኒ ከለኩም ዘይሰምዓኩም ጉዳይ የብለይን ብዝብል ብሕጉስ መንፈስ ተቐቢሎም። ስለዚ ተመላሊስና ካብኦም ዝውሰድ ቃላት ይኹን ካብ ሲኖዶስ ይኹን ብኩሉ መንገዲ ኣሰማሚዕና ኣረዳዲእና ናይ 18 መዓልታት ዝወድአ ኣብ ውሽጢ ዓመት ማለት’ዩ ውዲእና ነዚ ዕርቂ ብንጹር ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፖትሪያርክ ካብ ዝነበርዎ መንበሪ ገዝኦም ኣምጺእና ዕርቂ ጌርና።

 

መዛዘሚ ጸብጻብ ብርሃነ በርሄ፡- ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሱባኤ ክገብርሉ ካብ ዝጸንሑ ገዛ ወጺኦም ብሰንበት 16 ሓምለ 2016 ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረጼን ቅድስተ ማርያም ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝተገብረ ናይ ጸሎትን ቅዳሴን ስነ-ስርዓት ከም ዝተሳተፉ ተፈሊጡ። 3ይ ፓትራሪክ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ዝነበሩ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብ ቁነና ወይ ሱባኤ ክጸንሑ ብዝሃቦ ውሳኔ መሰረት ን10 ዓመታት ኣብ ከባቢ እንዳ ማርያም ኣብ ዝርከብ ገዛ ከም ዝጸንሑ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት። ብርሃነ በርሄ

 

መዛዘሚ ፈነወ ድምጺ ኣሜርካ፡- ስማዕትና ብርሃነ በርሄ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ንዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪቡ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽል ክንምለሶ ኢና።

 

ኣብ ህላወ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብርግጽ ሓቀኛ ዕርቂ ክረጋገጽ ይኽእል’ዶ? ዝብል ሕቶ ብሃሳስ ለባም ዝምለስ ሕቶ’ዩ። ምክንያቱ እዚ ስርዓት’ዚ ዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቐመሉ እንኮ ስልቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብምዝራግን ስኒት መንፈሳዊ እምነታት ብምጉዝዛይን ጥራይ ስለዝኾነ። ባዕሉ ንዝፈጥሮ ምስሕሓብን ግርጭታትን ሓቀኛ ዕርቂ ንምርግጋጽ በየናይ መምዘኒታት? ባህርያቱ’ውን ዝፈቕድ ኣይኮነን። ብዝኾነ ሕጂ’ውን ነቲ ንዕርቕን ምፍታሕ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስን ኣመልኪቱ ኣቐዲሙ ብቪድዮ ዝወጸ ስእላዊ መግለጺ፡ ድሒሩ’ውን ነቲ ብድምጺ ኣሜርካ ክፍሊ ትግርኛ ዝተመሓላለፈ ዜናን ብወኪሉ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተዋህበ ጸብጻብን ብምዝማድ ምስ ንዕዘብ ሓቀኛ ዕርቂ ዘይምፍጻሙ ጥራይ’ዩ ዘመላኽት። ምክንያቱ ኣብቲ ብቪድዮ ዝተፈነወ ስእላዊ መግለጺ፡ ብጀካ’ቲ ዕርቕን ሕድገታትን ምግባሩ ዝገልጽ ኣካል፡ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብቲ ዝተቐመጥሉ መንበር ዝኾነ ምንቅስቓስ ከይገብሩን ቃል ከይህቡን ፍቓድ ከም ዘይተዋህቦም’ዩ ዝእምት። ኣብቲ ብወኪል ድምጺ ኣሜርካ ብብርሃነ በርሄ ዝቐረበ ጸብጻብ ድማ <<3ይ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ዝነበሩ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ቤ/ጽሕፈት ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብ ቁነና ወይ ሱባኤ ክጸንሑ ብዝሃቦ ውሳኔ መሰረት ን10 ዓመታት ኣብ ከባቢ እንዳ ማርያም ኣብ ዝርከብ ገዛ ከም ዝጸንሑ ካብቲ ቤት-ጽሕፈት ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት>> ይብል። ኣብዚ መዳይ’ዚ ብዘይዝኾነ ቀለዓለም ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብውሳኔ ስርዓት ህግደፍ ድዮም ን10 ዓመታት ተሓይሮም ወይስ ብመሰረት ውሳኔ ሲኖዶስ ኤርትራ? እቶም ንቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ን10 ዓመታት ዝሕልዉ ዝነበሩ ወተሃደራት ናይቲ ስርዓት ድዮም ወይስ ወተሃደራት ቤት-ጽሕፈት ሲኖዶስ ኤርትራ? ን10 ዓመታት ዝኸውን ብሓለዋ ወተሃደራት ዝካየድ ሱባኤ ኣሎ ድዩ? ዝብል ኣገዳሲ ሕቶታት ብቁዕ መልሲ ዝህብ ኣካል ኣይህሉን’ዩ።

 

ኣብ ኤርትራ ነጻነትን ሓርነትን ፕሬስ ዘፍቕድ ልዕልነት-ሕጊ ክሳብ ዘየሎ ንበይኑ ንወኪል ድምጺ ኣሜርካ ብርሃነ በርሄ ዝወሃብ ፍሉይ መሰል ክህሉ ዝኸኣል ኣይኮነን። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡ድማ ብርሃነ በርሄ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ድማ ብፍላይ ብበሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብቀጥታ ቃል ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከቕርብ ስለ ዘይተፈቐደሉ ቃል መልከ ቅዱስ ኣብርሃ ከሰምዕ ከም ዝተገደደ ምስጢር ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። እቲ ኩሉ ኣብ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ዝተፈጸመ ኣዕናዊ ሸርሕታትን ምትንኳላትን፡ ብሳዕቤኑ ድማ ካብ ኣህጉራዊ ቤተ-ክርስትያን ክትንጸልን ክትውገዝን ዝገበረ ምክንያታትን ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተካየደ ርካሽ ጸለመታትን ን10 ዓመታት ክሕየሩ ዝተኣልመ እከይ ተግባራትን ድማ ብፍላይ ብተራ ዕርቕን ሕድገታትን ዝውዳእ ኣይኮነን። ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሱር ድራማታት ክቕበሉ ዘገድድ ብቁዕ ምክንያት’ውን ኣይህሉን’ዩ። ኣብ ውሽጢ’ዚ 10 ዓመታት ክንደይ ግዜ ተፈቲኑ ብቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ተቐባልነት ዘይረኸበ ጉዳይ’ውን’ዩ። ፍጹም ግልጽነት ይኹን ተሓታትነት ዘይብሉ፡ እቲ ስርዓት ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዝነበሮ ኣሉታዊ ተራን ብንጹር ይቕሬታ ከይሓተተን ዝፍጸም ዕርቂ ፍጹም ቅንዕና ክህልዎ ኣይኽእልን’ዩ። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ ኩሎም ኣመንቲ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ዕርቂ ምፍጻሙን ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብቲ 10 ዓመታት ተሓይረምሉ ዝነበሩ ከም ዝተፈትሑን ብኣንደበቶም ቃሎም ከይሃቡ፡ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍን እቶም ገለ መሻርኽቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ብዝፍንውዎ ሓበሬታታት ክታለሉ ፍጹም ኣይግባእን ይብል።

 

ሰናይ ትምኒትን ንባብን

 

ነፀረኣብ ኣስመላሽ

30 ሓምለ 2017

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10806

Posted by on Jul 31 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net