ርሑስ ዒድ ኣልኣድሓ 2017 ርሑስ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 2017

ባሕቲ መስከረም 2017 ካብቲ ካልእ ፍልይቲ ዝገብራ እንተሃልዩ፡ መንፈሳዊ ዒድ ኣልኣድሓን ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝተጋጣጠመላ ድርብ ታሪኻዊት ዕለትን በዓልን ክትኸውን ብምብቕዓ’ዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ ብስቕታ ምሕላፍ ፍጹም ሓላፍነትኻ ምዝንጋዕ ምዃኑ ስለ ዝኣምን’የ ገለ ወስ ከብል ብርዐይ ኣልዒለ ክጽሕፍ ዝተደፋፋእኩ።  

 

እምበኣርከስ ብቀዳምነት ንመላእ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝብና ብሓፈሻ፡ ንኣመንቲ መንፈሳዊ እምነት እስልምና፡ ንኩሎም ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ጸረ-ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ብምውጋድ ደሞክራሲ፡ ምዕሩይ ማሕበራዊ ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ንምርግጋጽ ዝቓለሱ ዘለዉ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ንዓመታት ጅሆ ተታሒዞም ንመወዳእታ ዘይብሉ ሕሱም መነባብሮን ማሕበራዊ ምዝንባልን ዝተፈረዱ ውጹዓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ርሑስ ዒድ ኣልኣድሓ ዝብል ሰናይ መልእኽተይ የመሓላልፍ።

 

ዒድ ኣልኣድሓ 2017 ኣብ መንጎ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ሕ/ሰብኣዊ ክፍልታቱን ዝጸንሐ ድልዱል ፍቕሪ፡ ሓልዮት፡ ሓድነትን ማሕበራዊ ምትሕግጋዝን ብምውሓስ፡ ዒድ ሰላም፡ ቅሳነትን እፎይታን ክኸውን ልባዊ ትምኒተይ ይገልጽ።

 

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጸረ-ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ሓድነት ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ እምነታት ንምዝራግ ርኡይ ኢድ ምትእትታውን ክሳብ’ውን ንእከይ ፖሊሲታቱ ዘይተቐበሉ መራሕቲ ሃይማኖታት ንነዊሕ ዓመታት ከጋፍዕን ክኣስርን ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ መራሕቲ ሃይማኖታት ጸሎት ንምክያድ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ከውጽኡ ኣዚዙ ምህላዉ ኣይዝንጋዕን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ማለት ንነጻነትን ሓርነትን መንፈሳዊ እምነታት ዝእግድ፡ ንድልዱል ሓድነቱ ዘናግዕን ዝዘርግን ጭቡጥ ኢድ-ምትእትታውን እከይ ፖሊሲታትን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖታት ብሓደ ሰሚሮም ክኹንንዎን ከወግዝዎን ጥራይ’ዩ ዝግባእ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ርሑስ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 2017 ዝብል መልእኽተይ ከመሓላልፍ ኣገዳሲ’ዩ። ብምቕጻል ህዝብና ካብ መሰረታዊ መበገሲታት ባሕቲ መስከረም ተራ ሃገራዊ ነጻነት ከረጋግጽ’ኳ እንተበቕዐ፡ ምሉእ ዘይጉዱል ሓርነቱን መሰላቱን ክጓናጸፍ ዘይምኽኣሉ ካብ ማንም ኤርትራዊ ዋላ’ውን ካብቶም ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዘተባብዑን ዝድግፉን ዜጋታት ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ብውጽኢቱ ኣብዚ ህሞት’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዋእል ተበራረይቲ ባዕዳዊ መግዛእታት ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ንማእለያ ዘይብሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ማእሰርትታት፡ ግፍዕታትን ስደትን ዝተዳረገሉ ኩነታት ምህላዉ ክሕባእ ዝኽእል ኣይኮነን። ፖሎቲካዊ መንነትን ባህርያትን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብኡ ወጻኢ ተግባራዊ ክገብር ትጽቢት ዝንበረሉ ብዘይምዃኑ ብዙሕ ኣካታዕን ኣሰሓሓብን ዝኾነሉ ኩነታት ኣይህሉን’ዩ።

 

ምስዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ ብምትሕሓዝ ግን እቶም ንቅዱስ መበገሲታትን ዕላማታትን ባሕቲ መስከረምን ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራን ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ኣብ ጉዕዞ ደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ምህላውና ንኣምን ደለይቲ ለውጢ ፖሎቲካዊ ኣተሓሳስባናን ጭቡጥ ዕለታዊ ንጥፈታትናን ብግቡእ ክድህሰስን ክመዝንን ኣገዳሲ ነጥቢ’ዩ ዝኸውን። ብሓጺሩ እቲ ቅድሚ ሃገራዊ ነጻነት ዝነበረ ኩነታትና ከይጸብጸብና ጉዕዞ ደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልስና ልክዕ 26 ዓመታት ኣቁጺሩ ምህላዉ ዘከራክር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብ ጉዕዞ’ዚ 26 ዓመታት’ዚ ይትረፍ ንድሕነት ኤርትራን ህዝባን ክንቃለስ ንባዕልና ዘዕግብን ዘርውን ዕማም ምፍጻምና ብድፍረት ክንየተሉ ንኽእል ኩነታት የልቦን። ሕጂ’ውን ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ንስለ ዝኽርን ንወጋሕ ትበል ለይቲን ዘይኮነስ፡ ብዘይቀለዓለም በዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ ኩሉ ንህዝብና ዝኣተናዮ መብጽዓታት ንምሕዳስ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። ንኩሉ’ቲ ዝሓለፈ ጉዕዞ ቃልስና ተባዕን ብቁዕን ዝኾነ ገምጋም ብምክያድ፡ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ኣብ ፖሎቲካዊ ኣተሓሳስባና ይኹን ጭቡጥ ዕለታዊ ንጥፈታትና ነጥበ-መቐይሮ ክንገብር ፍቓደኛታት ኮይና ምስ ዘይንርከብ ውድቀትና ዘይተርፍ ክስተት ብምዃኑ ካብ ታሪኻዊ ተሓታትነት ከነምልጠሉ ንኽእል ዕድል ኣይህሉን’ዩ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ንጉዕዞ ቃልስና ተባዕን ብቁዕን ገምጋም ብምክያድ ካብ ምሕዳስ ወጻኢካልእ ቅኑዕ ምርጫን መንገድን የልቦን።

 

በዚ ክቡር ኣጋጣሚታት’ዚ ንመላእ መሪሕነትን ኣባላትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላልፎ ገድላውን ምሕዝነታውን መልእኽቲ ክህልወኒ ግድነት ኮይኑ ኣሎ። ብቀዳምነት እቲ ኣብ ውሽጥኩም ተፈጢሩ ዘሎ ካልኣዊ ፍልልይ ክሳራ መላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ምዃኑ ክሕብር ይፈቱ። ኩሉ’ቲ መዓልታዊ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ዘይኣድላዪ ሕድሕድ ግብረ-መልስታት ብርግጽ ኣገልግለቱ ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝብና ዘይኮነስ ንጸላኢ ምዃኑ ክትግንዘቡ ይሓትት። ኣብ ክንዲ ብግዝያዊ ስምዒታት ምድፍፋእ ትዕግስትን ተጻዋርነትን ምድምማጽን ብዝመልኦ ብለባም ዘተን ልዝብን ንምፍትሑ ዘይሕለል ጻዕርታት ከተካይዱ በዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ ገድላውን ምሕዝነታውን መጸዋዕታይ የቕርብ። እዚ ጉዳይ’ዚ ንመሪሕነትን ኣባላትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዝግደፍ ብዘይምዃኑ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ኩሎም ሓላፍነት ዝስምዖም ካልኦት ኣገደስቲ ባእታታት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ጉጅለታትን ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ናይ መላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክሳራ ምዃኑ ብግቡእ ተገንዚቦም፡ ነዚ ፍልልይ’ዚ ንምፍታሕ ኣውንታዊ ተርኦም ክጻወቱ’ውን ይጽውዕ።

 

ዓወት ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀትን ሞትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ

 

ነፀረኣብ ኣስመላሽ

31 ነሓሰ 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10822

Posted by on Sep 4 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net