እወ ! ሕጂ’ውን ካብ ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ 1 መስክረም 2017

 

ዝኸበርኩም ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ

ዝኸበርካ ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ

 

ሎሚ’ውን ደጊምና ኣብ ዘልኽምዎ ቦታ ሰላምታና ይብጻሕኩም ንብል። እወ። ሕጂ’ውን ካብ ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ምዃና ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ኣባላት ሓደ ጨንፈር ስለ ዘይኮና ከኣ ካብ ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ’ና ክንብል ግድነት እዩ። ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ ንኸይንብል ዝኽልክለና ሕጊ’ውን ዘሎ ኣይመስለናን። ካብ ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ክንብል እንከሎና ድማ ንንየተሉ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተርኽቦ  ስለ ዘለዎ ብማዕረ ንስለ ንውንኖ፡ ሰልፍና፡ ሓድነትና ክንብል ንስለ ዝጠቀስናዮ የዅርዓና። ዝያዳ’ምበር ከሕጉሰኩም ዝግባእ ዝነበሮ’ዩ ንብል። እቲ ዘሕዝን ንሰልፍና ኣትይዎ ዘሎ መድረኽ ብሓደ ሕጋዊ ዝዀነ ኣገባብ መዋጽኦ ክንረኽበሉ ንኣባላትናን ንህዝብናን ክንገልጽ ዘውጻእናዮ መልእኽቲ ብዙሕ ዘጉህን ዘሕርቅን ነውራም ዘብል ምንባሩ’ዩ።

ሎሚ ሓሙስ ዕለት 31 ነሓሰ 2017 መብርሂ ንኣንበብቲ ካብ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ትሕቲ ዝብል መግለጺ፡ ብሽማግለ ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣብ ንሓርነት.ኦርግ ሰፊሩ ይርከብ። መግለጺ ሽማግለ ሰ.ዲህ.ኤ ዞባ ኤውሮጳ ንኣንበብቲ መብርሂ ብማለት ኣስፊርዎ ይረከብ። መን መብርሂ ከም ዝሓተተ’ኳ ዘገድስ እንተዘይኮነ፡ ብዛዕባ ዘይጸሓፍዎን ኣብ’ቲ መልእኽቲ ሓሳቦም ዝወሰኽሉ ዘይነበረ እንተዀይኑስ ብከመይ መንገዲ መብርሂ ክህቡ ይኽእሉ።

በንጻሩ እቶም ካብ ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ ኢሎም መልእኽቲ ዝጸሓፉ’ዮም መብርሂ ክሕተቱ ዝግባእ ከም ዝነበረ ንርዳእ፡ ግን ካብ እግሪ ኣፍ ይዕንቀፍ ስለ ዝዀነ ጸገም የለን። ምናልባሽ’ውን ነቲ መልእኽቲ መብርሂ እንተተዋህቦ ዝጽላኣ እምበይ ነበረን። መልእኽቲ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ግን መብርሂ ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ ዝከላኸል፡ ዝቃወም፡ ከይዱ ከይዱ ከኣ ነውራም መልእኽቲ ነይሩ ብዝብል ዝኸስስ እዩ ።

ኣብ’ዚ ክበርህ ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ እቲ መልእኽቲ ካብ ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ዝብል’ምበር፡ ከም ዘለዎ ብሙሉእ ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ክሳብ ዘይበለ እንተ በዚ እንተ በቲ መልእኽቲ ክመሓላልፍ ይኽእል እዩ። ኣባላት ስለዝዀና ከኣ ግድነት’ዩ።

ብመሰረቱ መበገሲ ጽሑፍ፡ ሰልፊ ኣትይዎ ካብ ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ስርዒታውን ቅልውላው ንምድሓን ክግበር ንዘለዎ ሓሳብ ዘጠቃለለ’ምበር ካልእ ኣይነበረን። ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ካብ’ቲ ዝተባህለስ ንፈውሲ ሓንቲ ነጥቢ’ኳ ኣየልዓለትን።

ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ብዛዕባ ኣብ ጉባኤን ቅዋምን፡ ኣብ ጉባኤ ዝተመርጸት መሪሕነት፡ ዝነደፈቶን ዘውጽኣቶን ፖሊሲታት ተማእዚዙ ዝሰርሕ ጨንፈራት ከም ዘሎ፡ ኣስተምህሮ ሓደ ሸነኽ፡ ኩሉ ኣባል ሰዲህኤ ኤውሮጳ ኣብ ውሳኔታት መሪሕነቱን ዕግበት ኣለዎ ንምባል በቲ ካልኣይ ሸነኽ፡ ዝወጸ ጽሑፍ ይመስል። ተወሳኺ ይንዋሕ ይሕጸር ኣብ ቃልሲ ምስኦም ንዝጸንሑ ኣባላት በቲ ደረጃ’ቲ ክቀርብዎም ዝግባእ ኣይነበሮን።

ኣብ ጉባኤታት ሰልፊ፡ ዞባ፡ ይኹን ጨንፈር ዝግበር ክትዓት ፍልልያት ኣይምዝገብን ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ይኹን’ምበር ኣብ ጉዕዞ ሰልፊ ነዞም ፍልልያት ንምጽባብ ዝካየድ ስርሓትን፡ ኣብ ሓደ ዘተኣማምን ባይታ ቃልሲ ዝበጽሓሉ ኣገባብ ኣሰራርሓ ተጠቕሚካ’ምበር፡ ንዝነበረ ፍልልያት ብምስዋርን፡ ውሳኔ ውሳኔ እዩ እንዳበልካ ብድርቅና ዝብጻሕ ዓወት ኣይኮነን። ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ’ውን ነዚ ንምፍታሕ ክሳብ ሰልፋዊ ዋዕላ ክግበር ዝቀረበ ሓሳብ እዝኒ ኣይሃበትሉን።

ኣብ ሰዲህኤ ስርዒታዊ ኣሰራርሓን፡ ሓሳብካን ርእይቶኻን ብነጻ ምግላጽ እንዳሃለወ ብሕጓ እንታይ ኣምጽኦ ይብሉ ሽማግለ። ዘዛርብ ዘሎ፡ መጀመርታ እታ መልእኽቲ ኣብ ኢዶም ስለ ዘይበጽሐ እምበር ርእይቶ ኣይጽላእን ክብሉ ዝደለዩ ይመስሉ። ውሳኔ ባይቶ ንምውንዛፍ ኣባል፡ ጉዳይ ዞባ ኩሉ ዝፈልጦ እንዳሃለወን፡ ነቲ ጉዳይ ከም’ዚ ኢሉ ክቅጽል ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ  ጠጠው ክሳብ ዘየበለቶ፡ፍታሕ ዝኸውን ሓሳብ ክሳብ ዘየቅረበት፡ ብዘይ ሕቶ ርእይቶ ውሳኔ መሪሕነት ዝሓዘለ መልእኽቲ ክተመሓላልፍ ዘይትጽበዮ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ተሞክሮና ከኣ፡ ዝቀርብ ሓሳብ ኣገዳስነቱ እንታይ ይመስል፡ ናበይ ገጹ እዩ ዝብል ሚዛን የድሊ።

ካልእ ክሕበር ኣለዎ ንብሎ፡ መልእኽቲ ካብ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ መስከረም.ኮም ጥራሕ ኣይኮነን ተዘርጊሑ፡ ኩሉ ብዕሊ ዝተለኣኸሉ ይኹን፡ ካብ ዝወጸ ጽሑፋት ሊንክ ብምግባር ምዝርጋሕ ኣብ ክሊ መራኸቢ ብዙሓት ኤርትራ ሓድሽ ኣብ ልዕሊ ዘይምዃኑ፡ ሽማግለ ዞባ ኣብ መከረም.ኮም ብምውጽኡ ክብልዎ ዝደለዩ ዘለዎም ይመስሉ። ከምኡ እንተደኣ ኮይኑ ካብ’ዛ ሓንቲ መልእኽቲ ንላዕሊ ንጥፈታት ሰዲህኤ ሙሉእ እንድዩ ክዝርጋሕ ጸኒሑ፡ እሞ ሽማግለ ዞባ ብዛዕባኡ እንታይ ርእይቶ ነይርዎም፡ እዚ ሕቶ ናበይ ገጹ ከስፍሕ ከም ዝደለየ መረዳእታ የብሉን።

ኣባላት ሰዲህኤ፡ ንዘለዎም ርእይቶን ሓሳብን፡ ብዘይገለ ተጽዕኖ ኣብ መጋባእያ ክዛረቡ ዕድል መሰልን እንዳሃለዎም ዝብል ፡ መን ይፈልጥ ኣብ ጉባኤ ሰልፊ፡ ኣብ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣብ ጉባኤ ጨንፈር ርእይቶኦም ዝሃቡ ከም ዝነበሩ እንተዝፍለጥስ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ።ይኹን’ምበር እዚ ኣገባብ ቃልሲ ንፍታሕ ዘይበቕዐን።

ብካልእ መዳይ ክረአ እንከሎ ከም ኣብነት ብደረጅ ደምበ ተቃውሞ እቲ ከም ሰልፊ መጠን ኣብ ባይቶ ንሃሉ ኣይንሃሉ፡ ንህዝቢ ክፈልጦ ኣለዎ እንብሎ ንዝርግሖ ዝነበርና ሓበሬታን ኣሰራርሓን ግጉይ ነይሩ ማለት ክኸውን ኣለዎ ወይስ ?

ገገለ ካብ መልእክትና

ባይቶ ዘመሓላለፉ ውሳኔ ኣይተቀበልናዮን፡

ህውኽ ነይሩ፡

ንትጽቢትና ዘዳኽም ኣሰራርሓ፡

ዝምድናታትና ዘላሕልሕ እዩ ዝብል።

ምእንቲ’ዚ ዞባ ሽማግለ ነዚ ዝባሃል ዘሎ ኣብ ውሳኔ ደሪቁ ዘይኮነስ መውጽኢ ሓሳብ፡ መታዓረቂ ሓሳብ እዩ ክፍትሽ ዝነበሮ። ደሓር ከኣ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝተገብረን ዝግበርን፡ ሰልፊ ይኹን ካልኣ ኣወዳድባ ንምድሓን ሓድነት ንምሕላው  ከም ሓድሽ ተርእዮ ኣብ ሰዲህኤ ዝተራእየ ኣይኮነን።ህን ዝገረመኩም ትመስሉ። ከም’ቲ ብዛዕባ ካልኦት ውድባት ነንብቦ ብዛዕባ ሰልፍና እንተንበብኩም ነውሪ ድዩ፡ ነውሪስ ፈውስ ንምድላይ ኢድካ ዘይምዝርጋሕ እዩ። ነውሪ ንብጾትካ ብትሕትና ዘይምምላስ እዩ፡ ነውሪ ንሙሉእ ዕድመኦም ምሳኻ ዝተቃለሱ ከም ሓደሽቲ ጀመርቲ ቃልሲ ብዛዕባ ስርዒት ክትምህር ምፍታን እዩ። ብሓጺሩ ዝቀረበ መልእክቲ ንዘተን ልዝብን ክሳብ ዝዓደመ፡ ንልዝብ ዘሎካ ቅሩብነት ሒዝካ ኣብ ባይታ ዘተ ምውራድ እዩ ዝግባእ ዝነበረ ንብል። ብዛዕባ ውሳኔ ማእከላይ ባይቶ ይኹን ፈጻሚት ሽማግለ ደኣ ኩሉ እንድዩ ሰሚዕዎ፡  እንተዀነ እቶም ኣብ’ዚ ጉዳይ ፍሉይ ርእይቶ ኣፈታትሓ ግርጭት ዝነበሮም ከኣ ንዑ ኣይፋልኩምን ዝበሉ፡ ፍሉይ ሓሳብ ከኣ ኣቅሪቦም። ሽማግለ ዞባ ግን ኣብ ውሳኔ መሪሕነት ደሪቁ ጠጠው ስለ ዝበለ ካልእ ሓሳብ’ውን ከምጽእ ከም ዘይክእል እዩ ዝዛረብ ዘሎ።ዝገደደ ከኣ ንሱ እዩ። ብውሽጥካ ዘይሰመርካን ዘይተረዳዳእካን፡ ዘተ መሪሕነት ጥራሕ ዘይኮነ ዘተ መሰረታት ዘይዕድምን እንሀኹ ዘይብልን ብኸመይ መንገዲ ንግዳማዊ ስምረትን ሓድነት የቋምት።

ብዛዕባ ውሳኔታትን ፖሊሲታትን ኣብ ጉባኤ ዝተመርጸት መሪሕነት ክምእዘዝ ኣለዎ ንዝብል፡ ሰዲህኤ ቅድሚኡን ፡ ኣብ ጉባኤታቶም ዝተመርጹ መርሕነታት ዘሕለፍዎ ውሳኔታት፡ ክስረዝ፡ ክሰሓብ ኣይሓተትን ድዩ ? እሞ ሰድህኤ ንዝተፈላለዩ፡ ኣብ ጉባኤታቶም ዝተመርጹ መሪሕነታት ብዛዕባ ሓባራዊ ጉዳይ ንዝሕልፍዎ ውሳኔታት ዳግማይ ርእይቶ ክገብርሉ፡ ክስሕብዎን ክስርዝዎን ኣብ ባይታ ዝርርብ ክወርዱ ኣይጠለበን ድዩ ? እሞ ከመይ ደኣ ኣባላት ሰዲህኤ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰልፉ ዝሓልፍ ውሳኔ ቅኑዕ ኣይኮነን ግጉይ እዩ ምስ ዝብልዎ፡ ክስሓብን ክዝረዝን ዘይጠልቡ ዘይሓቱን ከመይ ? እቲ ቃልስን ኣሰራርሓ ንጉዳይ ሃገርን ህዝብን ክሳብ ዝዀነ ብደረጃ ዋዕላ፡ ኪዳን፡ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ምንቅስቓሳት ውሳኔ ክስሓብን ክስረዝን ክሕተት ንቡር ዘይከውን። መሪሕነት ኣብ ውሳኔኡ ምስ ዝደርቀ ከኣ፡ ነቲ ደሪቁ ዘሎ ከለሳልሶን ኣብ’ቲ ንቡር ክምለስ ዝዓለመ ኣገባብ ቃልሲ ክፍተን ግድነት እዩ።

እሞ ሰዲህኤ ተሞክሮኡ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ምስኡ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ውሽጢ ሰልፉ ብማዕረኡ እንተዘይሓዞ ግጉይ ኣመለኻኽታ ኣፈታትሓ ግርጭት ኣለዎ ንምባል መዓስ ነውሪ ኮይኑ። ካልኦት ንዝውስንዎ ውሳኔታት፡ ንነቅፍ፡ ውሳኔ ክስርዙ፡ ውሳኔ ክስሕቡ ንጠልብን ጥራሕ እንተኮይና፡ በንጻሩ ውሳኔና ግን ኣይትንከፍን እዩ ዝብል እንተኮይኑ፡ ምርጫ ቃልሲ ኣብ ዕጹ መንገዲ በጺሑ ማለት’ዩ። እሞ መንገዲ ዝተዓጽዎም ኣባላት ክባላሓቱ መሰል የብሎምን ክትብሉ ኣይግባእን። ሽማግለ ዞባ ሓድሽ ሓሳብ ሒዙ እንተቀረበ ዝያዳ መምሓረሎም እምበር ደርረቅ ውሳኔ መሪሕነት ደኣ ከም ኣባላት ሰልፊ መጠን ብሓባር ዝሰማዕናዮን ዝበጽሓናን መልእክቲ እንድዩ።

ሕቶ ህዝቢ ንምምላስን፡ ሓድነት ሰልፊ ንምሕያልን፡ ደመበ ተቃውሞ ንምጥርፍ እንተተደልዩ፡ ከም’ቲ ኣብ ቅሉዕ መልእክቲ ካብ ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ ብዝብል ዝተመሓላልፈ መልእኽቲ ንዝርርብ፡ ምርድዳእ፡ ዘተ ዋዕላ፡ ኮንፈረንስ እዩ ዝፈትሖ ኢልና ንኣምን።

ኣብ መወዳእታ ዘገድስ ብዛዕባ’ቲ ተመሓላሊፉ ዘሎ መልእክቲ’ምበር ቁጽሪ ኣይኮነን። ግን መልሲ ሽማግለ ዞባ ሰልፊ ንምድሓን ዝዓለም ጽሑፍ ዘይምንባሩ ከኣ ሎሚ ኣብ ዞባ ዘለዉ ሽማግለ ብዛዕባ ዝባህል ዘሎ ገዲፎም ከይደርቁ ንፍታሕ ክትሓባበሩን ክተሓጋገዙን፡ ኩነታት ከህድኡ ዝግባእ።ኣብ ቅርዓት ወጺኦም ዘይዛረቡ፡ ዝብል ዘረባ ዘሕፍርን የብሉን ዘፍርሕ ግን ኣለዎ፡ ንሱ ከኣ ብዝተወሰነ ደረጃ ሰልፊ ከይተሃሰየ ብመልእክቲ ንምትሕልላፍ ይከኣል ብዝብል’ምበር ካልእ ከም ዘይኮነ ክንጸር ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ንስኻትኩም ተባዓት ውፉያት፡ ካልኦትን ከ ፈራሓት ወዘተ ኣብ ፍርድን ምንእኣስን ባጫን ከም ዘየድሊ ንርኢ። እዚ ሕጂ’ውን ከም ድፍረት ከይተቆጽረ ብጻይነታዊ ኣተሓሕዛን ትሕትናን’ምበር ልመና’ውን ኣይኮነን።

 

 

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ስውኣትና

ካብ ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10826

Posted by on Sep 4 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net