ብምኽንያት መበል 56 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደ.ግ.ሓ.ኤ)፡ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፣

ህዝብታት ኤርትራ ምእንቲ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ክብሮምን ሃገራዊ መንነቶምን ከረጋግጹ ክብሉ፡ ንከባቢ 20 ዓመታት ዝኣክል ዘካየድዎ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ዘይተዓወተሉ ግዜ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሮም ብሕታዊ መማረጺ፡ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ነጻን ልኡላዊትን ሃገሮም ከረጋግጹን ሓርነቶም ንክጭብጡን ስለ ዝነበረ፡ ምእንቲ’ዚ ፍትሓዊ ዕላማ ክውን ክገብሩ ብሓደ መስከረም 1961 ሽግ ምጅማር ብረታዊ ቃልሶም ዝወልዑ ጀጋኑ ህዝብታት እዮም። ይኹን’ዳምበር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ምብጋሱ፡ ዝተጸንዐ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ እስትራተጅን መሪሕ ውድብን ብምውናን ናብ ቃልሲ ክብገስ ስለ ዘይካኣለ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሱ መሰረታዊ ፍልልያት ኣብ ዘይብሉ ግጭት /ኲናት ሕድሕድ/ እናተኣትወ ከበድቲ ዕንቅፋታትን ጸገማትን እናኣጋጠሙ ብዙሕ ሰብኣዊ ሂወት ተኸፊሉን ናይ ቃልሲ ግዜ ክባኽን ኮይኑ እዩ።

እዚ ዝተናወሐ ህዝባዊ ሓርበኛዊ ቃልሲ’ዚ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብ,ድምሳስ ነጻን ልዑላዊትን ዝኾነት ሃገር ከረጋግጽ ዝኸእለ እኳ እንተኾነ፡ እታ ብቡዙሕ ቃልስን መስዋእትን ዝተወልደት ሓዳስ ወልዶ ሃገር፡  ከይወዓለት ከይሓደረት ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ መግዛእቲ ጸረ ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ስርዓት ህግደፍ ስለ ዝወደቐት ግን፡ ህዝብታት ኤርትራ ናብ ዘይተጸበይዎ ኩሉ-መዳያዊ ሓሳረ-መከራ ሕሱም ሂወት ከሕልፉ ብጸላኢ ተፈሪዶም፡ እቲ ዝተቓለስሉ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ተዀሊፉ፡ እንደገና ናብ ዳግማይ ዘቤታዊ መግዛእትን ጭቆናን ተሳጢሖም ንመሰሎምን ክብሮምን ክብሉ ዳግማይ ቃልሲ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ዘለዉ።

ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ሎሚ ንመበል 56 ዓመት እነኽብረሉ ዘለና ወቕቲ፡ ኩነታት ህዝብታትናን ሃገርናን እንታይ ይመስሉ ኢልና ክንመዝን እንከለና፣ ህዝብታትና ሎሚ’ውን ከም ቀደሞም ሰላምን ምርግጋእን ስኢኖም፡ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሎም ተነፊጎም፣ ናይ ፖለቲካን ሕልናን ነጻነት ተሓሪሞም፡ ከቢድ ቁጠባዊ ምዝመዛ እናበጽሖም ብስእነትን ድኽነትን እናተሳቐዩ፡ ግዳይ ምፍንቓልን ስደትን እናኾኑ፡ ኣብ ናብ ዓባይ ቤት ማእስርቲ ዝተቐየረት ሕግን ስርዓትን ዘይብላ፡ ንፋስ ፖለቲካዊ ውድቀት ዘንጸላልዋ ሃገር ኮይኖም እዮም ዝነብሩ ኣለዉ።

በቲ ካልእ ገጽ ድማ፡ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ጽግዕተኛ ስርዓት ህግደፍ መላእ ሕብረተ-ሰብና ጀሆ ብምሓዝ፡ ናይ ዶባት ምስሕሓብ ብሰላም ንከይፍታሕ መመሊሱ ክረክስ እናገበረ፡ ከም መናውሒ ዕድመ ፖለቲካዊ ስልጣኑ እናተገልገለ ብሓደ ገጽ፣ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ከም ነፋሒቶ ፖለቲካዊ ሕብሩ እናቐያየረ፡ ዓሰብትን መወልትን ናይ ግዳም ስርዓታት እናቀያየረ፡ ውሱን ክፋል ማያውን መሬታውን ልዑላውነትና ንሓደጋ ብዘሳጥሕ መልክዕ ኣካርዩ እናተጠቕመ፡ ህዝብን ሃገርን ናብ ዝኸፍኤ ሓደጋ ውድቀትን ምብትታንን እናኣሳጠሐ ኣብ ዝርከበሉ ኣሰካፊ ወቕቲ ኮይና ኢና ንባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ንመበል 56 ግዜ እንዝክራ ዘለና። በሓጺሩ ኩነታት ህዝብታትናን ሃገርናን ኣብዚ ግዜ’ዚ ናብ መመሊሱ ዝብእስ ናይ ውድቀት ምብትታንን ሓደጋ ተሳጢሖም ኣብ ሞንጎ ሞትን ሂወትን ተቐርቂሮም ኣብ ምስቓይ ዝርከቡ ዘልዉ እዮም።

ኩነታት ህዝብታትናን ሃገርናን ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ደምበ ታቓውሞና ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትናን ሃገርናን ዘካይዶ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ናይ ጭቆናን ምዝመዛን፡ ህልቂት ዕንወትን፡ ውድቀትን ምብትታንን ሓደገኛ ተግባራት ብምግታእ፡ ድሕነትን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ንምውሓስን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ዘካይዶ ዘሎ ሃገራዊ ቃልሲ ቅኑዕን ዝድገፍን ኮይኑ እናሃለወ፡ ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ ኣባላቱ ዝንጸባረቕ ዘሎ ናይ ትምክሕትን ጽበትን ኣረኣእያታትን ካለኦትን ዝፈጥርዎም ጸገማትን ድኽመታትን ተኣማሚኑ፡ ተደጋጊፉን ተወሃሂዱን ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ /ህግደፍ/ ከካይዶ ዝግባእ ስሙር ሃገራዊ ቃልሲ ዘይኣድማዕን ድኹምን ኮይኑ ምጽንሑን ምህላዉን፡ እዚ ብኩራት’ዚ ድማ ብወድዕነቱ ንጸላኢ ዕድል ዝህብ፡ ናይ ህዝብታትና ኩሉ-መዳያዊ ወጽዓ ካኣ መሊሱ ክኸብድ ዝገብር ዘሎ ኣሉታዊ ተርእዮ ምዃኑ ንኩሉ ፈታው ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ተቓላሳይ ዘይተሰወረ ሓቂ እዩ።

ስለ ዝኾነ ደምበ ተቓውሞና ካብዚ ዝሓልኮ ዘሎ ወድዓውን ታሪኻውን ድኽመታትን ጸገማትን ክላቐቕን፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ታሪኻዊ ሓላፍነት ብብቕዓት ክስከም ንክበቅዕን ኣብ ሕድሕዱ ናይ ምሕዝነትን ውህደትን እሩምን ሓላፍነታውን ቃልሲ እናካየደ ክቃለስን ናይ ህዝብታትናን ሃገርናን ወድዕነት ይጠልቦ ስለ ዘሎ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ሓላፍነቱ ንምፍጻም ዓቕምታቱን ውህደቱን ኣሐይሉ ክቃለስ ክረባረብ እዩ ዝህልዎ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾና ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሃገራዊ ባይቶ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ከቢድ ፖለቲካዊ ድኽመታትን ጸገማትን ንምፍታሕ፡ ተረአን ንምብርካት ኣበጊሰነኦ ዘለዋ ናይ ዘተን ምርድዳእን መስርሕን ናብ ሰሚናር ናይ ምእታው ንቕሎን፡ ቅኑዕን ዝተባባዕን ስለዝኾነ፡ ዕዉት ንምግባሩ መታን ክንበቅዕ ተኣማሚንና፡ ተኸባቢርናን ተደጋጊፍናን ክንቃልስ ከም ዝግባኣና በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ይጽውዕ።

ብተወሳኺ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልስና መሊኡ ክዕወት ዝኽእል፡ ናይ ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ካኣ ናይ ደቀ-ኣንስትዮ፡ መንእሰያትን ምሁራንን ተሳትፎ ኣብ ቃልስና ምስ ዝረጋገጽን ኣገዳሲ ናይ ቃልሲ ተረኦም ክጻወቱ ምስ ዝኽእሉን ስለ ዝኾነ፡ ህዝብታትና ብሓፈሻ ደቀ-ኣንስትዮ፡ መንእሰያትን ምሁራንን ካኣ ብፍላይ፡ ናብ ህዝባዊ ቃልስና ብከምቲ ዝድለ ክሳተፉን ተወዲቦም ወሳኒ ናይ ቃልሲ ተራ ከበርክቱ ንክበቕዑን፡ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ተቓወምቲ ውድባት ድኽመታትና ከነወግድ እናጸዓርና፡ ንቓልሲ ከነተበብዖምን ምሰኦም ሓቢርና ክቃለስ ቅሩብነትና ብተግባር ከነርእን ሓጋዚ ተራና ክንጻወትን ኣለና ዝብል መልእኽቲ በዚ ኣጋጣሚ ከመሓላልፍ ይፎቱ።

ኣብ መደምደምታ፡ ጸረ-ህዝብን ጸረ- ደሞክራስን ስርዓት ህግደፍ ብቃልሲ ከየወገድና፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ናይ ወድቀት፡ ምብትታንን ፍሽለትን ሓደጋ ከየድሓናን ቀጻልነቶም ከየውሓስናን፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ናይ ህዝብታትና ዘረጋገጽ፡ ናይ ብሄራትን ብሄረ-ሰባት /ህዝብታት/ ኤርትራ ወለንታዊ ሓድነትን ማዕርነትን ዘረጋግጽ፣ ብተሳትፎ ናይ ህዝቢ ዝጸደቐ ቅዋምን ብህዝቢ ዝተመርጸ ንህዝብን ሃገርን ዘገልግል ናይ ሕጊ ልዕልና ዝኣምን ሕጋዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክህሉን፡ ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ዘውሕስ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ምርግጋጽ ስለ ዘይካኣል፡ ናይ ስደትን ካለኦትን መመረጺታት ግዝያውያን’ምበር ዘላቒ መፍትሒ ከረጋግጹ ስለ ዘይክእሉ፡ ኣንጻር ቀዳማይ ጸላእና ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ሃገራዊ ዓቕምታትና ኣወሃሂድና ክንቃለስ በዛ ታሪኻዊት ዕለት እዚኣ ንሓፋሽ ህዝብታትናን፡ ኩሎም ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምርግጋጽን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምብጻእን ዝቃለሱ ተቓወምቲ ኣካላትን፡ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ጸዋዒቱ የመሓላልፍ።

ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ብቃልሲ ሓፋሽ ህዝብታትና ክዕወቱ እዮም!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዉኣትና!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ (ደ.ግ.ሓ.ኤ)

ባሕቲ መስከረም 2017

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10832

Posted by on Sep 4 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net