ንውራይካስ ባዕልኻ ድኣ ብሕሹኽታ ባዕዲ.. ከይተጥፍኣ

ክሕምሕም….. ሓጊየ ከሪመ

ክጠርዕ…….  ውዒለ ሓዲረ

ክዛረብ….. መልሓሰይ ስሒለ

ርብዒ ዘበን ሓሊፉ ብተባህለ ተገብረ

ጭንን ኢልካ ኣብ ባዕዲ…  የለን ዝዕረ

*

ክሳብ መዓስ’ዩ ጀጂና ክንነብር ???

ካብ ቃልሲ.. ኣእዳውና ክንጠምር !!!

ክንዛረብ ብዘይ ግብሪ ክንውዕል ክንሓድር

መሰል’ዶ ይዋሃብ’ዩ ንደቂሱ ዝሓደር !

ናይ ግድን’ዩ ክንስደድ ሓሲርና ክንነብር

**

ዓለም ጸልሚትዎ… ደኒኑ ዝነብር

ንሓቒ እና ፈለጠ.. ዝሃሰውስው ዘደናግር

ንመሰሉ ብትብዓት.. ዘይምክት ዘይጽዕር

ናይ ግድን’ዩ…  ክሳቀ ክእሰር ክሓስር

ኣብ ልዕሊኡ’ውን ህግደፍ  ክስዕስዕ ክዕንድር

***

ከይጥርነፍ ምስ ኣሕዋተይ ርሒቀ ሃዲመ

ከይቃለስ ተወዲበ.. ምኽንያታት ፈጢረ

ንውልቀ መላኺ ስርዓት.. ኣእዳወይ ሰሊመ

ናይ ግድን’ዩ ክስደድ…  ውዒለ ሓዲረ

መሰለይ ክቕንጠጥ.. ክነብር ሓሲረ ተደፊረ

 ****

ኤሪትሪያና ዓዲ ጀጋኑ ተባዓት ተቓለስቲ

ነጻነትና ተበዲሁ ሓርነት ተሪፉና’ሎ ሕጂ

ሕድሪ ስማእታትና ይተግበር ይጋሀድ ብቓልሲ

ተወላወልቲ ኣይንኹን ንትረር ኣብ መትከል ሓቂ

መትከልና ኣነጺርና.. ንቃለስ ንመክቶ ውልቀ መላኺ

*****

ኢደይ ኢድካ ንበል ኣሕዋት ንተሓባበር

ነቒሕና ንወደብ ንቓለስ ብዘይ ውዓል ሕደር

ኢሂን ሚሂን ንበል ዕላማና ብትብዓት ይተግበር

 ፍትሒ ክንጭብጥ ብዘይ ሕላለ ንጽዓር ንግበር

መሰል’ዶ ይጋሃድ’ዩ ካብ ምስ ጸላኢ ዝመክር!?!?

******

ጅግና ተጋዳላይ መስተንክር ተኣምር ዝሰራሕካ

ተባዕ ተቓላሳይ በጃ ሃገርካ.. ሂወትካ ዝወፈኻ

ኣሰርካ ስዒብና ክንቓለስ’ና ክነተግብር ሕድርኻ

ፍትሕን ሓርነትን ራህዋን ሰላምን ክትለብስ ዓድኻ

መብጸዓ ንኣትወልካ ክነተግብር ኩሉ ሕድርኻ ሕልምኻ

***

ነጢፍና ንቃለስ ብሓቦ…ንመያየጥ ንሕበር

ካብ ታሪኽ ንማሃር… ክብሪ የለን ብዘይ ሃገር

ቅድም ነጻ ነውጽእ ነፍስና ምስ ባዕዲ ኣይንምከር

ተንስኡ ተበራበሩ ኣሕዋተይ ኣሓተይ ብሓባር

ሰዓቱ ኣኺሉዩ ማዕበል ፍትሒ መታን ክወራወር

ለይቲ ክወግሓልና ክትከውን ኤረና ዓዲ ሰላም  ጸባን መዓር

ዕለት፥ 22/09/2017

ዓምር (መልበን – ኦስትረልያ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10838

Posted by on Sep 25 2017 Filed under Articles, Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net