ርሑስ በዓል መስቀል 2017

ብቀዳምነት ንመላእ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንኣመንቲ መንፈሳዊ እምነት ክርስትና፡ ንኩሎም’ቶም ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ጸረ-ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብምውጋድ ሓቀኛ  ደሞክራሲ፡ ምዕሩይ ማሕበራዊ ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ዘውሕስ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ ኣብ ዘይሕለል ቃልሲ ዝርከቡ፡ ነቶም ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምውሓስ ልዕላውነትን ንነዊሕ ዓመታት ተዘሪዖም ንሕሱም መነባብሮን ማሕበራዊ ምዝንባልን ዝተፈረዱ ውጹዓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ርሑስ በዓል መስቀል 2017 ዝብል ሰናይ መልእኽተይ የመሓላልፍ። ከምኡ’ውን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንኣምንቲ መንፈሳዊ እምነት ክርስትና ዮሃና ይብል። በዓል መስቀል በዓል ሰላም፡ ቅሳነትን ብልጽግናን ክኸውን ልባዊ ትምኒተይ ይገልጽ።

 

ትምኒት ጥራይ ግን እኹል ብዘይምዃኑ፡-

ኤርትራውያን ዜጋታት ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ክብርናን ምስልናን ክብለል ዝገበረ ሕሱም ዓዘቕቲ ክንናገፍ፡ ንሰላም፡ ቅሳነትን ብልጽግናን ብዕቱብ ክንሰርሕ ጥራይ’ዩ ዝህልወና። ካብቲ ጸረ ሰላምን ቅሳነትን ዝኾነ ብኩሉ መልክዓት ዝግለጽ ትምክሕታውን ጸቢብን ኣተሓሳስባታት ሓራ ክንኸውን’ውን ይግባእ። ፖሎቲካዊ፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታውን ኣውራጃውን መንነትና መግለጺ ክብርና፡ ጭውነትና፡ ግርማናን ጸጋናን ደኣንበር፡ ፍጹም ዝፈላለይና ክኸውን ኣይግባእን’ዩ። ኩሉ’ቲ ድሑር ስምዒታትን ዝንባሌታትን ሰላም፡ ቅሳነትን ብልጽግናን ከጎናጽፍ ከም ዘይኽእል፡ ብኣንጻሩ ንውሽጣዊ ሓድነትና ብምዝራግ ንዝኸፍአ ዓዘቕቲ ዘውድቐና ምዃኑ ብግቡእ ክርዳእ ጥራይ’ዩ ዝግባእ። ንኩሉ’ቲ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈጥረን ዝተጻሕተረን ውሽጣዊ ይኹን ምስ ጎረባብትና ሃገራት ዘሎ ዝተፈላለየ ጸገማት መፍትሒኡ ሕድሕድ ምክብባር፡ ምድምማጽ፡ ስልጡን ሰላማዊ ዘተን ልዝብን ጥራይ ምዃኑ ብግቡእ ክንርዳእ ኣለና። ሰላም፡ ቅሳነትን ብልጽግናን ካብቲ ጭዋ ያታዊ ባህልና ወጻኢ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብዝካየድ ምንእኣስ ወይ’ውን ምዝልላፍን ምንጽጻግን ክረጋገጽ ዝኽእል ኣይኮነን። ሰላም፡ ቅሳነትን ብልጽግናን ንምርግጋጽ ረዚን ዋጋን መስዋእትነትን ስለ ዝሓትት በዚ ክቡር መንፈሳዊ በዓል’ዚ ብግብሪ ምእንትኡ ክንረባረብ ይጽውዕ።

 

ደጊመ

ርሑስ በዓል መስቀል ይብል።

 

ነፀረኣብ ኣስመላሽ

25 መሰከረም 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10842

Posted by on Sep 26 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net