ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክሳብ ዘሎ ቃልስና ቀጻሊ እዩ !

ካብ ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ

27 መስከረም 2017

 

8ይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰዲህኤ ድሕሪ 5 መዓልቲ ስርሓቱ ዛዚሙ። ኣብ’ዚ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝተላዕለ ኣርእስቲ ብዙሕ’ኳ እንተዀነ ልዕሊ ኩሉ ኣገዳሲ ኣጀንዳ ጉዳይ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ዘንቀሎ ዘይምስምማዕ ሓንቲ ለውጢ ከይገበረ ትእዛዝ መሪሕነት ተቀበሉ ብዝብል ውሳኔ ክንኡ ከም ዘይከይድን ዘተ ከም ዘይቅበልን ኣብ ንህዝቢ ዝዘርግሖ መልእክቲ ኣመሓላሊፎም። እወ ልክዕ ብዛዕባ ጥርናፈ ደመበ ተቃውሞ ተዛሪቦምን ዘትዮምን፡ ቅድሚ ኩሉ ክስራዕ ዝነበሮ ውሽታዊ ስጡምን ሓያልን ኣሰራርሓ ሰዲህኤ ከም ሻሙ በቲ ደረቅ መትከላዊ ውሳኔ ተደብዲቡን ተደምዲሙን ኣሎ እሞ፡ ተፈላሊና ጽባሕ ንራኸብ ዝብል ባህሊ ምፍንጫል ደምበ ተቃውሞ ነፍሰ ምጽንናዕ ገይሮም ዛዚሞሞ ስለ ዘለዉ ሰማዒ ወይ ኣንባቢ ይፍረዶ። “ተራኺቦም ከለውስ መዓስ ንራኸብ ይብሉ” ዝበሃል ምስላ ከኣ ከም’ዚ ዝዓይነቱ እዩ። ሰዲህኤ ኣብ ሓጺር ዕደምኡ ኣብ ምውንዛፍ ኣባላት ካብ’ቶም ዝሕመዩ ቀዳማይ እዩ። ከም’ዚ ዓይነት ኣካይዳ ከም ዝጸንሐ ከኣ ህዝብና ሕሹኽሹኽ ዝብለሉ ጉዳይ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ን ልዕሊ ርብዒ ዘመን፡ ን30 ዓመት ዘካየዶ ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት ኣብ፡ ነዊሕ ምርብራብ ኵናት ዝገደፈሉ ሓያል ስምብራት መስዋእትን፡ ስንክልናን፡ ስደት፡ ዕንወት ከይሓወየን ከይተደበስን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተወልዐ ዶባዊ ኵናት ቁስሉ ጎዲእዎን፡ ነቲ ብማዕዶ ጠሚቱ ክበጽሖ ዝተለሞ መደባት፡ ክነብሮ ዝሓለሞ ሂወት፡ ክጭብጦ ተስፋ ዘንበረሉ ሰላም፡ራሕዋ፡ ማሕበራዊ ዕብየትን ማሕበራዊ ፍትሕን፡ ስልጠና፡ ሰናይ ጉርብትናን ክምሕድግን፡ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሕብረተ ሰብ ዓለም ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ኣንቢረሞ ዝነበሩ ተስፋታት፡ ሓንጺጾሞ ዝነበሩ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ መደባቶም ክስርዝዎን፡ መብጽዓታቶም ዳግማይ ርእይቶ ክህቡ ዝተገደድሉ እዋን ኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበዮ ዝነበረ ሰርቢ ምልካዊ ምምሕዳር ንምግማቱ ብቀሊሉ ክረአ ዝኽእል ዘየሸግር ዓበይቲ ምልክታት ከንጸባርቅ ጀመረ።

እቲ ካብ ጽባሕ ሙሉእ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ደገ ዝተረፈ ሓይልታት ጥራሕ ዘይኮነ መስረትን ላዕለዎት ሓለፍትን ብፍላይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነባራት ተጋደልቲ ህግ ነበር ከይተረፉ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ስግኣታት ብዕቱብ መዚኖም፡ ብፍላይ ድሕሪ ዋዕላ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኡጋድኡን፡ ስምምዕ ኣልጀርስን፡ ኤርትራ ብዘይወዓል ሕደር ብሕዝባዊ መንግስቲ ንምምሕዳር፡ ንቡር መንግስታዊ ኣሰራርሓ ንምትእትታው ኣብ ውሽጢ ሃገርን፡ ወጻኢ ዝነበረ ሓይልታት ብሓሳብን መንፈስን ዝተጋጠመሉን ዝተራኸበሉን መንፈስ ሰላምን ትጽቢትን ሕልምን ሓደ ኣገዳሲ ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ተላዕለ። ከም ውጽኢት ከኣ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ መስክረም 16 ዓመት ዘቁጸረ ዝተፈጸመ ጨካን ተርኽቦ፡ ኤርትራ ዝባኑ ዝቀልዐ ምልካዊ ስርዓት ትመሓደር ከም ዘላ ዘጋለጸ ውህሉል መርኣያ ተሞክሮ ህዝብና ምንባሩ ዘይካሓድ እዩ።

ደጊም ውሽጣውን ግዳማውን ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኤርትራ ሰሚሩን ሓቢሩ ንደሞክራሲያዊ ሕቶ ካብ ዘልዓለ፡ ሕቶታቱ ንምምላሽ ብሓባር ከካይዶ ዘለዎ ቃልሲ መደባቱ ክሰርዕ ስለ ዝነበሮ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ ሓባራዊ ርእይቶ ተዓቒቡ ነቲ ግዳይ ጸላእቲ ሰራዊት መግዛእትን፡ ዳግማይ ግዳይ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝዀነ ህዝብና፡ ካብ ኣህጉራዊ ተንጽሎ ንምድሓን ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ክሓንን፡ ህዝቢ ክጥርነፍ ተደላይነት ስለ ዝነበሮን፡ ነዚ ጭርሖ ዘልዓለን ዝደገፈን ዘበለ ኩሉ ኤርትራዊ ሸነኽ ኣብ ጉባኤታቱ፡ ሰሚናራትን ኣኼባታት ቀዳማይ ኣጀንዳ ሰሪዑ ካብ ዝምጉት፡ ብውሕዱ እንሆ ድሕሪ ምእሳር ላዕለዎ ሰበ ስልጣን ግዜያዊ መንግስቲ ስርዓት ህግዲፍን ጋጤኛታትን፡ ፖለቲከኛታትን 16 ዓመት ኣቁጺሩ ኣሎ። እንተዀነ እዚ ኣገዳሲ ሕቶ ዝተላዕለሉ እዋን ኣብ ኣፍ ኩሉ ኤርትራዊ ዝነበረት ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምዕዋት ኣብ ዝተበገሰሉ፡ ደምበ ተቃውሞ ብተስፋታት ህዝቢ ሰኺሩ፡ ኣብ ክንዲ ብሓባርን ብውዕልን ምስራሕ፡ ብዝተነጻጸለ መንገዲ ነፍሲ ወከፍ ወኪል ዲሞክራሲ ክኸውን፡ ኣብ ክንዲ ረብሓ ህዝብን ሃገርን፡ ረብሓ ውድባትን ማሕበራት ክዛረብ ዝተራእየሉ ኣድላይነት ዘይነበሮ ዝመጠጦ ግዜ ንረብሕኡ ከውዕሎን ክቅይሮ ኣይከኣለን።

ካብ ግዜ ንግዜ ምስ ህዝብን ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብን ዝምድናታቱ ላሕሊሑ ዝጸንሐ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ነቲ ምስሕሓባትን ዘይምርድዳእን ደለይቲ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ፡ ብምምዝማዝ ንረብሕኡ ከውዕሎ ግዜ ኣይወሰደሉን። ማዕረ’ቲ ንምስምማዕና ዝወስዶ ግዜ ከኣ ምልካዊ ስርዓት ግዜ ከሲቡ ንረብሑ ክጥቀመሉ እንከሎ፡ ፍቃድ ከም ዝሃብናዮን ሓገዝናዮን ዘየቁጽር ኣይኮነን።

ኣብ’ዚ ደረጃ ተበጺሑ ተስፋታት እንዳተባሕጎጉን ምንጽጻግ፡ምፍንጫላት፡ ውድበይ ውድባካ እንዳበዝሐ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ሓደ ፍሉይ ንህዝብና ተስፋ ዝሃበ ታሪኻዊ መስርሕ ሓድነት ተቀልቀለ። ሓድነት ተስፋን፡ ሓድነት ድሕነትን፡ ዓብይ ትጽቢት ዝተገብረሉ ነበረ። ድሕሪ ነዊሕን ዝተሓላለኸን መስርሕ፡ በቶም ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክልተ ዝተፈላለየ ተሞክሮታት ዝሕለፉ ኣባላት ዝርከብዎም ብሓባር ክዝትዩን፡ ብሓባር ክሰርሑን ክቀራረቡን ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ብማዕሪኡ ተሰፋታት ህዝብና ሰማይ ዓረገ። እዚ ከኣ ንመጀመሪያ ናይ’ቲ ክብጻሕ ዘለዎ ዕላማታት ድሕነት ህዝብና ሃገርን ዝብል ጭርሖ ዝተወስደ ሰናይ ተበግሶ ነበረ። ኣብ ውሽጢ ሕልኽልኻት ዝመልኦ ደመበ ተቃውሞ ፍልይ ዝበለ ምሕዳስ ዝተራእየሉ መድረኽ፡ ተስፋ ህዝብና መሊሱ ክጥጥዕ ተራእየ።

ታሪኽ ብሕጽር ዝበለ ንምቅራቡ፡ በዚ ሰናይ ተበግሶ ዝሓዘነ እንተነበረ፡እቲ ብዘይካ ንስልጣኑ ካልእ ዘይሓስብ ምልካዊ ስርዓት ከምኡ’ውን ብውልቃዊ ረብሓ ዝተኣሳሰርዎ ገገለ ተበለጽቲ እምበር ካልእ ኩሉ ብዝተፈላለየ መንገዲ ደገፋቱ ክገልጽን፡ ከተባብዕን እንተተኻኢሉ’ውን ኣካል እዚ ሓይልታት ክኸውን ፈተነታቱ ቀጸለን ቅሩብነቱ ኣርኣየን። ይኹን’ምበር ግንባር ድሕነት ካብ’ቲ ዝኸይድ ዝነበረ መስርሕ ሓድነት እንተሰሓቡ፡ ብሰለስተ ውድባት ተ.ሓ.ኤ ስ.ባ ሰ.ዲ.ኤ ግንባር ድሕነትን ዝጀመረ ስምምዓት ከኣ ካልኦት ሓይልታት ወሲኹ ማለት ምንቅስቃሽ ጋሽ ሰቲት፡ ህዝባዊ ምቅስቓስ ኤርትራ ደሚርካ ኣርባዕተ ውድባት ዝተጸንበረኦ ሓደ ሰልፊ ንምምስራት ዝተኻየደ መስርሕ ነዊሕ’ኳ እንተነበረስ ኣብ መወዳእትኡ ውድባቱ ኣፍሪሱ ንሓባርዊ ሓድነታዊ መስራቲ ጉባኤ በቕዔ። ተስፋ ህዝብናን ኣሕጉራዊ ማሕበረ ሰብ ነቲ ሓድነታዊ መስራቲ ጉባኤ ዳግማይ ተስፋ ኣንበረሉ።

ኣብ ዘንቀለና ጉዳይ ክንኣቱ፡ ኣብ ህዝብን ሃገርናን ዝወረድ ዘሎ መዓልታዊ ግፍዕታት እንዳኸበደ፡ እንዳመረረን እምበር እንዳተመሓየሸን እንዳተፈትሐን ኣይመጸን። ሕቶ ዲሞክራስን ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ሃገራዊ ቅዋም ልዕላውነት ሕጊ ንምውሓስ  ካብ ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ ውሳኔታትን መደብን ኣብ ልፍንትን ሓባራዊ ስርሓት ኣቢልካ ምልካዊ ስርዓት ንምዕላው ኣብ ዝካየድ ሓባራዊ ስርሓት ንምዝማድን ንምጽማድን ከቶ ባይታ ንምፍጣር ተሳእኖ። ኣብ ከም’ዚ ኩነታት እንዳሀለወ እቲ እንኮ ተስፋ ዝተነበረሉ ሰ.ዲ.ህ.ኤ እንተዀነ ቀስ ብቀስ ብውሽጡ ዘይምርግጋእ ፈጢሩ ኣብ ዝተፈላልየ እዋን ነቶም ዝሓቆፎም ነባራትን ሓደስትን ኣባላቱ ክኸስር ተራእየ። ብፍላይ ከኣ ካብ መወዳእታ 2016 ኣትሒዙ ክሳብ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ሙሉእ ነቲ ውድብ ክሕምሶ ዝጸንሐ ኩነታት ዝምድናታት ምስ ደምበ ተቃውሞን ኢትዮጵያን፡ ሕቶ ቦታ ጉባኤታቱ፡ ኣገባብ ቃልሲ፡ ኣተሓሕዛ ኣባላቱ፡ወዘተ ዝምልከት ዓበይቲ ሕቶታት ከይዱ ከይዱ ሎሚ ኣብ’ዚ በጺሕዎ ዘሎ ኩነታት ብምውንዛፍ ኣባልነትን፡ ምውንዛፍ ሙሉእ ዞባን፡ ምውንዛፍ ዝተፈለዩ ርእይቶታትን በጺሑ፡ 8ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዕጹውን ዝደረቀ ውሳኔ ዛዘሞ።

መሪሕነት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ካብ’ዚ ንምትዕርራይን ንምምዕርራይን ክሰርሓሉ ዘለዎ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ቀዳምነት ሂቡ፡ ንምፍትሑ ብዝወስዶ ግዜ’ውን ከይሰልክዮን ከይደከሞን ክሰርሓሉ ዝግባእ ዝነበረ ዓብይ ሰልፋዊ ጉዳይ ጠንጢኑ፡ መትከላዊ ዘይቅየር ውሳኔ ብምባል ኣብ’ታ ሓንሳብ ዘውጽኣ ደረቅ ውሳኔ ተሓብአ።ሽምግልና ፈተውትን መሓዙትን ሰልፊ ነጸገን።

እንተዀነ እዚ ውሳኔ ቅኑዕ ኮይኑ ዘይተራእዮም ኣባላት መሪሕነት ይኹኑ መሰረታት ሰዲህኤ ኢዶም ኣጣሚሮም ካብ ደድሕሪ ውሳኔ ምዝማር፡ የርባሓናን ይጠቅመናን ይጥርነፈናን እዩ ብዝበልዎ ሓድነት ሰልፊ ንምዕቃብ ዝተፈላልዩ ኣገባባብት ብምጥቃም፡ ነቲ ተስፋ ህዝቢ ተነቢሩሉ ዝነበረ ሰልፊ ንምድሓን፡ ብኡ ኣቢልካ ኣብ ደመበ ተቃውሞ ንሓባራዊ ስርሓት ዝዕድም መደባት ክብጻሕ ዝነበረ ዕላማ ብሙሉእ ኣብ ቦትኡ ንምምላስ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይተዓወተን። ብኣንጻሩ ካብ ዋናታት መትከላዊ ዘይቅየር ደረቅ ውሳኔ ዝደገፉ መሪሕነትን ኣባላትን ክስንዘር ዝጸንሐን ዘሎን ንሓድነት ዘይዕድም ጽሑፋት ንብዙሓት ኣባላት ሰልፊ ዘየሕጉስን ንስኒትን፡ ብሓባር ንምቅላስ ዘየተባብዕ ምዃኑ ኩሉ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ዝተዓዘበ ብቀሊሉ ክርድኦ ዝኽእል እዩ። እዚ ግን ንረብሓ መን’ዩ እዩ እንተተባህለ፡ ብዘይካ ንረብሓ ምልካዊ ስርዓት ንካልእ ማንም ክግልገለሉ ዝኽእል ከም ዘይኮነ እንዳበርሀ መጸ። ኣባላት ካብ ዞባ ኤውሮጳ እንተዀነ ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ግሉጽን ንጹርን መልእክትን ሳዕቤን’ቲ ፈጻሚት ሽማግለ ይኹኑ ኣባላት ባይቶ ዝወሰድዎ ውሳኔ ምንባሩ ኣነጺሩ ኣቀሚጡ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ’ዚ ሰልፊ ተረኺቡ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ዘርኣዮ ተበግሶን ዝሃቦ ርእይቶን፡ መሪሕነት ሰልፊ ነዚ ካብ ውሽጡ ዝተበገሰ ሓሳብ ከም ፍልልይ ነጥቢ ምምዝጋቡ ብኣውንታ ዝረአ’ኳ እንተዀነ ፡ግን መሪሕነት ውሳኔ ዘይቅየር እዩ ምባሉስ ንፍልልያት ንምጽባብ ኣብ ሓደ ቃልሲ ንምጽማድ ዘይኮነስ ነቲ ክለዓል ዝኽእል ሕቶታት ንምህዳእን ብኡ ጌርካ ከኣ ንምርስሳዕ ከይዱ ከይዱ ውድቅ ሕቶ ንምግባር ዝተገብረ ፈተነ፡ ኣብ ኣባላት ዘይዕግበታት ፈጢሩ እዩ። ምርጫ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ፡ ሓድሽ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭትን ብምዕቡል ኣገባብ ክስራሕ ግድነት ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ሰዲህኤ ከዕብዮን ከስፍሖን ከትርሮን ከሕይሎን ዝኽእል ዝተቀረበ ሓሳባትን ርእይቶታትን ብኣንጻሩ ኣብ ክልተ ወገን ዝመቀለ ሓሳባት ኣገባብን ኣረዳድኣን ዘለዎም ኣባላት ገጹ ከምርሕ ተራእየ። ግርጭታት ንፍታሕ ዘይተዳለወ፡ ሓሳባትን ርእይቶታትን ረብሓ ሰልፍን ረብሓ ህብዝን ከውዕል ዘይተዳለወ መሪሕነት እዚ ዝዓይነቱ መርሆ ከጋጥሞ ግድነት ነበረ። ኣብ ሰዲህኤ ከኣ እዚ እዩ ተራእዩ።

መሪሕነት ሰዲህኤ ንብሙሉእኳ እንተዘይተባህለ ካብ’ቲ ንሓድነት ሰልፊ ንምዕቃብ ዝተጻሕፈን ዝተዋህበን ሓበሬታ፡ እሞ ብዘይካ መሪሕነት ሰዲህኤ ካልእ ዝለዓለ ስልጣን ዘይብሉ፡ ኣብ ኢዱ ንዘሎ ጉዳይ ንኣባላትን ዞባን ቅድሚ ምውንዛፍ ነቲ ደረቅ ውሳኔ ወንዚፍዎ እንተዝነብር፡ ኣብ’ዚ ኩሉ እምበይ ምተበጽሐን። መሪሕነት ሰድህኤ ዘርኣዮ ምትዕጽጻፍ ኣይነበረን። ኣብ ውሳኔ ምድራቅ እቲ ዝቀለለ ጉዳይ እዩ። ምምራሕ ምትዕጽጻፍ እዩ።ምምራሕ ሓድነት ሰልፊ ምሕላው እዩ።ምምራሕ ሰኒት ምክብባር ኣብ ዘለዎሉ እዩ። ሓደ መሪሕነት ተኣኺቡ ብምርድዳእ ብስልጣኑ ኣብ ኢዱ ዘሎ ጉዳይ ንረብሕኡ ዘይውዕል ውሳኔ ብተደጋጋሚ ክደርቀሉን ዘይቅየር ውሳኔ እዩ ኢሉ ክምጉተሉ ክትርኢ እንከሎኻ ኣዝዩ ዘስደምምን ዘገርም’ዩ።

ኣባላት ካብ ዞባ ኤውሮጳ ነዚ ዓይነት ኣተሓሕዛን ኣገባብን ቃልሲ ደጊፉ ክቃለስ ንረብሓ ሰልፉን፡ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ግዳይ ዝዀነ ፍታሕ ዝጽበ ህዝብና ከም ዘይኮነ ርእዩ። መርኣያ ስጡም ሰልፋዊ ሓድነት ዝቦዀሮ ብምዃኑ ርእዩ፡ ንኣዋርሕ ዝኣክል በቲ ዝኣምነሉ ሙሉእ መሪሕነትን ኣባላት ዝዓግብሉ ኣገባብ ፍታሕ ከምጽእ ብማለት ዝተፈላልየ ርእይቶ ክህብ ጸኒሑን ኣሎን።

ኮይኑ ግን ነዊሕ መዓልታት ዝወሰደ 8ይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰዲህኤ ካብ’ቲ ክንቀፍን፡ ንባዕሉ ስርሓት ሰልፊ ቀይዱ ኣሲርዎ ዝጸንሐ ጸግማት ክወጽእ ብዘይምኽኣሉ ውሳኔኡ ደምዲሙ። ጉዳይ ውሽጣዊ ግርጭታቱ ኣብ ዕጹው መደብ ኣብጺሕዎ። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ነቲ ዝተዓጸወ ማኦጾ ምዅሕኳሕ ኣይጠፍእናን እዩ። እቲ ምዅህኳ ግን በቲ ደረቅ ውሳኔ ዝምራሕ መደባት ዘይኮነስ፡ ብክፉትን ግሉጽን እንካን ሃባን ዘለዎ መድረኽን ባይታን ቃልሲ ከም ኣባላት መጠን ዘሎና መሰልን ምርጫን ክንወስድ ተገዲድና ኣሎና።

ሎሚ ነፍስና ሰሪዕና ተወዲብናንን ከም ጥርኑፋት ኣባላት እንቀርቦ ሕቶ ምስራዝ ውሳኔን፡ ሰልፊ ኣብ ንቡር ቦትኡ ንምምላስ ዝግበር ኣሳታፊ ዋዕላ ክግበር ብዝብል ጠለብ ከኣ ውሳኔና ዘላቂ ፍታሕ ምዃኑ ዝረኣና ኣባላት ሰዲህኤ ምዃኑን፡ ምስ’ቶም ኣብ’ዚ ሰልፍና ተመሳሳሊ ሕቶ ዘሎም ኣባላት’ውን ሓቢርና ንምልካዊ ስርዓት ነድምዓሉ፡ ደምበ ተቃውሞ ብሓበራ ብክፉትን ንጹርን ኣገባብ ቃልሲ ተሳትፎ ስትራተጂያዊ ዝምድናታቱን ምትእስሳሩን ኣብ ዘረጋግጸሉ መድረኽ በጺሕና፡ ተቃልሲና ከነዕውቶ ብዘሎና ዕላማን ራእይን ካብ ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ነዚ ዝስዕብ መረዳእታ ዝሓቆፈ ምንባሩ ንምዝኽካር ዝኣክል እዩ፡

ሀ/ ካብ ደረቅ ረብሓ ዘይረከቦ ውሳኔ፡ ንሓድነት ዝሕሉ ውሳኔ

ለ/ ካብ ምንጽጻግ፡ ብምርድዳእ

ሐ/ ካብ ብድኽመት ገደብ ግዜን፡ ብብርታዐ ጉዳያት ምምዛን

መ/ ካብ ብጸቢብ ፍታሕ ምድላይ፡ ኣስፍሕ ኣቢልካ ብዋዕላ ጸገማት ምፍታሕ

ዝብል ከም መበገሲ ሓሳብ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ዋዕላ ተበጺሑ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ብዝተዓጻጸፈ ሰልፍን ህዝብን ዝረብሓሉ ባይታ ክፍጠር ክኽእል ዝነበረና ዝእምቶ ረቋሒታት ብሰንኪ ኣብ ውሳኔ ምድራቁ ኩሉ ንድሕሪት ተረፈ።

ኣብ ስራሕ ዘሎ ኩሉ ይጋገ፡ መሪሕነት ጥራሕ ኣይኮነን ዝጋገ ኣባላት ዝጋገይዎን ዝዝንግዕዎ ጉዳያትን ተርኽቦታትን ክህሉ ባህርያዊ እዩ። እንተዀነ ከም’ዚ ውሳኔ’ዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ ትዕዝብቲ ኣባላት ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ሰዲህኤ ወጻኢ ዘሎ ህዝብና’ውን ክዕዘቦ ግድነት እዩ። እቲ ዝጸንሐ ርኡይ ጌጋ ካብ ሓላፍነት መሪሕነት ሰዲህኤ ኣልጊስካ፡ ነቶም ዕላማ ዝገበሮም እሞ ኣባላቱን ክሰግር ፍጹም ዘይከኣል እዩ። ንሰልፊ ኣብ ዓብይ ሓደጋ ክሳብ ዘይወደቀ፡ ብመንጽሩ ንሓድነት ሰልፊ ዝፈታትነ ክስረዝን ክቅየርን ዘይክእል ውሳኔ መሪሕነት ቅኑዕ እዩ ዘሎ ኢልና’ውን ኣይንእምንን። ግን መሪሕነት ሰዲህኤ ፈጺምዎ። ነቲ ንምውንዛፍ ኣባላት ይኹን ዞባ ዘብጸሐ ዘይቅየር ዝሓለፈ ደረቅ ውሳኔ ኣብ ሰልፊ ብፍላይ፡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደምበ ተቃውሞ ብሓፈሻ ዘርኣዮ ሓደጋን ዕንቅፋትን ብዓይነቱ ይኹን ብዓቐኑ ክረአ ክልለን ዘይክእል ምዃኑ እዩ። ኣብ’ዚ እዩ ከኣ እቲ ዓብይ ቁምነገር ዝጅመርን ዝውዳእን።

ብርእይቶን ሓሳብን ኣባላት ንሰልፊ ክሳብ ክንድዚ ሓደጋ ዘውርድን ዘቃልዕን እዩ ዝበሃለሉ ዘይኮነስ መሪሕነት ነቲ ብጉባኤ ዘጽደቆ ኣብ ግዜን ዘይግዜን ክጥቀመሉ ዘለዎ ሓላፍነት ዘርእይ ሰናሪዮ ጥራሕ እዩ። ንውሳኔታቱ ደገፍ ንምርካብ ከኣ ታርጌት ጌርካ ውሳኔ ምሕላፍ ሳዕቤናቱ ኣብ ግምት ዘይምእታዉ እዩ። ዝብል ርእይቶን ሓሳብን ኣሎና።

መደምደምታ

ንቃል ዓለም ዘይኮነ ከም’ዚ ኣብ ዝሓለፈን ሎሚ’ውን ደጊምና እንብሎን፡ ዘተ ተዛቲኻ ኣብ ፍረ ምብጻሕን፡ ብውዕላትን፡ ብስምምዓት፡ ተቀይድካ መደባት ንምትግባር ኣፍ ደገ መባእታ ስጉምቲ ዓወት ምብጻሕን፡ ራዕዲ ምልኪ ምዃኑ ንኣምን።

ምልኪ ክሳብ ዘሎ ተራን ግደን ኩሉ ኤርትራ ዜጋ ዕዙዝ ስለ ዝዀነ ኣብ ነካይዶ ቃልሲ ብዝተሸጓጐረ መኣዲ ዘተ ዘይኮነስ ክሳብ ዕድመ ስልጣን መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ተኣልዩ ብህዝባዊ መንግስቲ ዝትካእ ኣብ እንካይዶ ቃልሲ ብግሉጽን ቅንዕና እውጁን ኣገባብ ቃልሲ እንኣምን ኣባላት ሰዲህኤ ምዃና ከነረጋግጽ ንፈቱ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ግዚያዊት ሽማግለ

ኣባላት ሰዲህኤ

ካብ ዞባ ኤውሮጳ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10851

Posted by on Sep 28 2017 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net