መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.) ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር (ዋ.መ.ም.)

መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.)

ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር (ዋ.መ.ም.)

ዳግመውደና፤ትኹረት፤ ኣውራነት

ራንክፈርት ጀርመን

20-22 ጥቅምቲ 2017

ጋዜጣዊ መግለጺ 9 ጥቅምቲ 2017

 

ብቀጻሊ ኣብ መንጎ  ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን ተቓወምቲ ውድባት ሓባራዊ ሃገራዊ ራእይን፡ ውሁድ ተግባርን ክብ ንምባል ኪካየድ ዚጸንሐ ጻዕሪ መሰረት: መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (...): ብኣሳላጥነት ኤሪመድረኽ: ኣብ 20-22 ጥቅምቲ 2017: ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር ዘርእስቱ ንምግባእ ጸዊዓ ኣላ::

 

ቀንዲ ዕላማ  ... ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን ውድባት ኣብ ሓደ ብምምጻእ፡ ብዛዕባ ንህዝብን ሃገርን ተደቊኑዎ ዘሎ ብድሆታትን ዕድላትን ሓባራዊ መረዳእታ ምብጻሕ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላማውን ስሩዕን መስርሕ ለውጢ ንምምጻእ ሓባራዊ ሃገራዊ ራእይን፡ ውሁድ ስትራተጂ ብምስኣል ሓባራዊ ስምምዕ ንምርግጋጽ እዩ።

 

ብጠቕላላ 20 ውድባትን ማሕበራትን ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ዋዕላ ... ክሳተፋ እየን::

 

ኣዳላዊት ሽማግለ ... ...: ኣብዚ ቀረባ እዋን እተን ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኤርትራ (ሃዋዲለኤ) ዘለዋ ውድባት: ምስ ... ኣብ ሓደ ዕለት ዝውዕ ሰሚናር ከም ዝገብራ ፈለጣ:: እዚ ክልተ ኣኼባታት ተመላላኢ ዩ:: ኣዳላዊት ሽማግለ ... ... ዓወትን ኣሳልጥን ክረኽቡ ምንዮታ እናገለጸት: ምስ ነፍስወከፎም ዘመነ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር ክትርኢ ሃንቀው ትብል::

 

 

ኣዳላዊት ሽማግለ ... ...

CTCPreparatoryCommittee@gmail.com

9 ጥቅምቲ 2017

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10864

Posted by on Oct 10 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net