ደምዳሚ ኣዋጅ ሳልሳይ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተሳጣሓሉ ውሽጣዊ ቅልውላውን፡ ካብ ልሉያት ሓርበኛታት ሃገራውያን መራሕቱ ኣብ ተቀራራቢ ጊዜያት ብርክት ዝበሉ ብመስዋእቲ ብምፍላዮምን፡ ንገልኣቶም ጉዕዞ ሃገራዊ ተጋድሎ  ውድብና ከም ዝኾልፍ መሲልዎም ነበረ። እንተኾነ ግና፡ ብሳላ ጽኑዕ ተጋድሎ መላእ ኣባላቱ፡ መድረኽ ቅልውላው ብትብዓት ሰጊሩ፣ ውሽጣዊ ሓድነቱ ከረጋግጽን፡ እቶም ሃገራውያን መራሕቱ ዝሓደጉዎ ባዶነት ብምምላእን፡ ከም ብሓዲሽ ኣብ ጽኑዕ ባይታ ብክልተ እግሩ ደው ክብል ክኢሉ’ዩ። ህዝብና ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝብህጎ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ኣብ   ተቓውሞ  ደምበ ኣገዳስነት ግደ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዘየማትእ ተረጋጊጹ’ዩ።

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ልሉይ ሃገራዊ ግደኡ ንምቕጻልን፡ ኣዝዩ ኣብ ዝተሓላለኸ ዘቤታውን ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ኣብ ተኽሰትሉ ኣብ ዘለወሉ ኩነታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ ሰፊሕ መሰረታቱ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዚመረጹዎም ወከልቲ፣ ዝተሳተፍዎ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤኡ “ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ሃገራዊ ግደ ውድብና ነዕዝዝ !!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካብ ዕለት 11 ክሳብ 17 ጥቅምቲ 2017 ኣቃኒዑ።

ብቃላት ኣቦመንበራት ኣሰናዳኢት ሽማግለን፣ ማእከላይ ባይቶን፡ ፈጻሚ ኣካልን፡ ጉባኤ ዕዮታቱ ኣብ ዝኸፈተሉ ህሞት፡ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ዝካየደሉ ዘሎ ኩነታት ኣዚዩ ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ውድባውን ሃገራውን መዳያት ክሓልፎ ዝጸነሐ ፈታኒ መድረኽ ገሊጾም። ብድሕሪኡ ድማ መራሕትን ወከልትን መሓዙት ኤርትራዊ ተቓውሞ ፖለቲካዊ ውድባት ብተኸታታሊ ምሕዝነታዊ ቃል ኣቅሪቦም።

ኣብ ቀዳማይ ዉዕሎኡ፡ ፖለቲካዊ ጸብጻብን፣ ጸብጻባት ኣብያተ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ኣካልን፡ ከምኡ’ውን ጸብጻብ ጠቕላላ ተቆጻጻርን ቀሪቡ ። ዓሚቕ ምይይጣት ብድሕሪ ምክያድ ድማ ኣድላዪ ምምሕያሻት ብምትእትታው ጉባኤ ኣጽደቆ። ድሕሪ 2 ጉባኤ፡ ውድብ ናይ ዝተቓላዓሉ ውሽጣዊ ቅልውላው መንቀልታትን ሳዕቤናትን ብወድዓዊ ኣጠማምታ ገምገመ። ንብድሕሪ ሕጂ ተመሳሳሊ ኩነታት ከይድገም፡ ኣብ ሕገ ህንጻን መምርሕታትን ኣድላዪ ምምሕያሻታት ኣተኣታተወ።

 ኣብ ልዕሊ ውሽጣዊ ውድባዊ ቅልውላው ውድብና፡ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብዘርኣይዎ ኣተሓሕዛ ኣመልኪቱ 3ይ ጉባኤ ዓሚቚ ምይይጥ ኣካይዱ። መፈለምታ ናይ’ቲ ኣብ ሞንጎ ክልትኡ ሸነኻት ዝተኸስተ ቅልውላው፡ ነቲ ዘጋጠመ ጸገማት ብምርድዳእ ንምፍታ፣ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣወንታዊ ግደ ከም ዝነበሮም ርእዩ። እንተኾነ ግን፣ እቲ ቅልውላው እናባኣሰ ምስ መጸን፡ እቲ ካልኣይ ሸነኽ ካብ ሕጋውነት ክወጽእ እንከሎን፡ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ብምክያድ  ብመሰረት ሕገ ህንጻ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ውሳነ ወሲዱ። እቲ ዝተወስደ ውሳነ ሕጋውነት ዝለበስ ምዃኑ ብሩህ’ኳ እንተነበረ፡ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ድሒሮም ዝወሰድዎ መርገጽ ግን፡ ፍትሓዊ ከም ዘይነበረ ጉባኤ መዚኑ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ካብ ኣባላት መሪሕነትና ጉድኣት ምስ ተፈጸመን፣ እቲ ተፈንጫሊ ሸነኽ ንንብረት ውድብ ክቆጻጸር ከሎን ዕሽሽ ከም ዝበልዎ’ውን ጉባኤ ገምጊሙ። ፖለቲካዊ መሪሕነት፣ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ግቡእ ምክትታል  ክገብረሉን ከልዕሎዎን፣ ጉባኤ ሓላፍነት ኣሰኪሙ።

ተጋዳላይ ህዝብና !!

ፈተውትን ኣዕሩኽትን !!

 

ህዝብና ኣብ ትሕቲ ሰብኣዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ምጣነ ሃብታውን ባህላውን መሰላት ዝግህስ ህልዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ልዕሊ ርብዒ ዘበን ዝኣክል ኣሰቃቒ ኩነታት የሕልፍ ኣሎ። ዝሰፊሐ ቀጸላታት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ፡ ኣውራ ድማ መንእሰያትና ኣብ ዓለም ንሂወቶም ንምድሓን መዕቆቢ ንምንዳይ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ጎረባብቲ ሃገራት ዶባት እናሰገሩ፣ ህይወቶም ኣብ ባሕርታትን ምድረ-በዳን ንሓደጋታት ይሳጥሑ ኣሎዉ። ነዚ ኩነታት’ዚ ንምግጣም ድማ ምድግጋፍ ናይ ኩሎም ፖለቲካውን በርጌሳውን ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ከም ዘድሊ ጉባኤ ኣመልኪቱ። ካብ’ዚ ብምንቃል’ውን፣ ህዝብና ዘማዕድዎ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ውድብና ዕዙዙ ተራ ንኸበርክት፡ ንሓዳሽ ፖለቲካዊ መሪሕነት ሓላፍነት ኣሰከመ።

 

ጉባኤ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ተቓውሞ ሓይልታት ዝተራእዩ ሓያልነትን ድኽመትን ዝሓዘለ ጉዕዞ ብዕቱብነት ተመልከተ። ክንዲ’ቲ ባህጊ ህዝብና ዘይምዃኑ’ውን መዘነ። ተሞኩሮ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ናይ መላእ  ኤርትራዊ ተቓውሞ ሓይልታት ዓቕምታት ንምጥርናፍ ዝተበገሰ ቅኑዕ ፈተነ’ኳ እንተ ነበረ፡ በቲ ኣብ ሞንጎ ኣባላቱ ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ግርጭታት ግደኡ ተኾሊፉ ከም ዝጸንሐ 3ይ ጉባኤ ግሃድኤ ኣመልኪቱ። ካብ’ዚ ተረድኦ’ዚ ብምብጋስ ከኣ፣ ተቓውሞ ሓይልታት ንልዑል ሃገራዊ ረብሓታት ቀዳምነት ሰሪዑ፣ ናይ ዝሓለፉ መድረኻት ኣሉታት ንምስጋር ክጽዕሩን፡ ትካላት ሃገራዊ ባይቶ ከደንፍዑን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብኡ ዝሕተት ኣወንታዊ ግደ ከበርክት ምዃኑ ድማ ኣረጋጊጹ።  

 

ከምኡ’ውን ህዝብናን ተቓውሞ ሓይልታቱን፣ ንሃገርና ኤርትራ ኣንጸላልይዋ ዘሎ ከቢድ ብድሆታትን ሓደጋታትን ብምርዳእ፡ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምቅልጣፍ፡ ብሓባር ንምግጣም ጉባኤ ጸዊዑ። እዚ ዕማም’ዚ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ጥራሕ ዝምልከት ዘይኮነስ፡ ናይ ኩሉ ንሃገሩን መሰላትን ክብርታትን ህዝቡ ናይ ዝሓሊ ነፍሲ ወከፍ ሃገራዊ ሓላፍነት እውን’ዩ። ጉባኤ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምስላፍ፡ ምስ’ቶም ኣብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓቀኛ ረብሓታት ዘሎዎም ካልኦት ቀጸላታት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ጎኒ-ንጎኒ ክቃለሱ ይጽውዕ።  

 

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝኽተሎ ዘሎ ብኣስገዳድ ዜጋታትና ካብ ዝነብርሉ ቦታታት ብኣስገዳ ምንቃል ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሰፈራ መደባትን፣ ንሱ ዘስዕቦ ዲሞግራፍያዊ ምቅይያራትን፣ ከምኡ’ውን ብጉዳይ መሬት ዝኽተሎ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲታትን፡ ግበታ ሃገራዊ ጸጋታትን፡ 3ይ ጉባኤ ግሃድኤ ብትሪ ኮኒኑ። ብተወሳኺ፣ ብዜጋታት ኣብ ባንክታት ዝተቀመጠ ገንዘቦም፣ ከም ድላዮም ንኸይውጽኡ ዝቅይድ ዘይ ፍትሓዊ ሕግታትን፡ ኣባይቲ  ብዘይሕጋውን ጭካነ ብዝመለኦን ኣገባብ ምፍራሱን ኮኒኑ።  

 

ሓፋሽ ህዝብና !!  

ፈተውትን ኣዕሩኽትን !!

 

ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጉርብትናን ታሪኽን ሓባራዊ ረብሓታትን ዝተኣሳሰሩ ብምዃኖም፣ ዝምድናኦም ኣገዳሲ ምዃኑ ጉባኤ ኣረጋጊጹ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ምስ መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ ኣብ ሰናይ ጉርብትናን ሓባራዊ ረብሓታት ክልቲኡ ህዝብታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ሰላምን ዲሞራስን ልምዓትን ንምስፋን ዘገልግል ጥዑይ ዝምድና ንምህናጽ ውድብና ግሃድኤ ክጽዕር ምዃኑ ጉባኤ ኣረጋጊጹ።

 

ጉባኤ፡ ኣብ ከባቢና ተኸሲቱ ዘሎ ግርጭታት፡ ዞባውን ኣህጉራውን ሰላም ብዝረጋግጽ መንገዲ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ጸዊዑ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንመሬት ኤርትራ መዋፈሪ ወተሃደራዊ ምሕዝነታትን፣ ዞባውን ኣህጉራውን ወተሃደራዊ ግጭታትን ብምግባሩ ድማ ውድብና ኣትሪሩ ከም ዝቃወሞ ጉባኤ ኣረጋጊጹ።  

 

ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብን፡ ሰብኣዊ ማሕበራትን ብዛዕባ ኩነታት ሰደተኛታት ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ኣውራ ድማ ኣብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ የመን፣ እስራኤል ንዝርከቡን፣ ኣብ ሊብያን ኢጣልያን ዚተሓየሩን ንምእላይ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ክገብረሎም ጉባኤ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ። ከምኡ’ውን ጎረባብቲ ሃገራት ጸረ ንግዲ ደቂ ሰባት ደው ንምባልን ዕዙዝ ተራ ንክጻወታን፣ ኣብ ህይወቶም ዓቢ ሓደጋ ከጋጥሞም ስለ ዝኽእል፣ ካብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝሃደሙ ዑቕባ ንዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ’ቲ ስርዓት ከይመልስዎም ኣትሪሩ የማሕጽን። ጉባኤ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንነዊሕ ዓመታት ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብምዕቋቦም ፍሉይ ምስጋና የቅርብ።

 

ኣህጉራዊት መርማሪት ኮምሽን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራዊያን ብዝምልከት ዝገበረቶ ጻዕርታት ብምምጓስ፣ እዚ ዝተጀመረ ኣገዳሲ ስጉምትታታ ድማ ክቅጽልን፣ ነቶም እዚ ገበናት  ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸሙ ኣባላት’ቲ ስርዓት ከኣ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ዓለም ኣብ ሄግ ንክቐርቡ፣ መርማሪት ኮሚሽን ጻዕርታት ክትቅጽሎ ጉባኤ ተማሕጺኑ።

   

ኣብ መደምደምታ፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፣ ኣባላት 3ይ ጉባኤና ናብ ቦታ ጉባኤ ንምብጻሕ ብዝገበሩልና ምትሕብባር፣ ጉባኤና ዕዙዝ ምስጋና ኣቐሪቡ። ቀጺሉ፣ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ሕገ ህንጻ ኣጽዲቑን፣ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣማሓላሊፉ።፣ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ድማ ናይ መጻኢ መድረኽ ዕማም እትስከም ሓዳስ መሪሕነት መሪጹ።

 

ዓወት ንዲሞራስያዊ ቃልስና !!

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት !!

ዝኽርን ሞጎስን ንስዉኣትና !!

 

17 ጥቅምቲ 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10874

Posted by on Oct 23 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net