መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.) ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር (ዋ.መ.ም.)

መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.)

ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር (ዋ.መ.ም.)

ዳግመውደና፤ትኹረት፤ ኣውራነት

ራንክፈርት: ጀርመን

 

መዝከር ምርድዳእ

ሓባራዊ ሃገራዊ ራእይን፡ ውሁድ ተግባርን: ምስግጋር  ዴሞክራሲ ኣብ ኤርትራ

22 ጥቅምቲ 2017

 

 

እዚ መዝከር ምርድዳእ ውጺኢት ናይ’ቲ ኣብ ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን ተቓወምቲ ውድባት: ካብ 20 ጥቅምቲ ክሳብ 22: 2017 ዝተኻየደ ዘተን ዝተበጸሐ ምርድዳእንዩ::

 

  1. ራኢ

 

ብዙሑነት ባህሊ ዘለዋን ዲሞክራሳዊትን ሃብታምን፡ ክብርን መሰልን ውልቀሰት ብመሰረት ቅዋም እተረጋግጽን፡ መሰል ምሉእ ተሳታፍነት እተውሕስን፡ ግዝኣተ ሕጊ እተትክልን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ እተውሕስን፡ ብኣገራዊ ሉዕላውነታን  ዶባዊ ክብርታታን እተቕስንን፡ ምስ ነብሳን ጎረባብታን ብሰላም እትነብር ሃገር።

 

  1. ተልእኾ

 

ምምስራት ስሙር ሃገራዊ ዲሞክራሳዊ ምንቅስቃስ: ነዚ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣልጊሱ ብቅዋሚ ስርዓት ክትክእ ዝቃለስ።

 

እዚ ስሙር ሃገራዊ ዲሞክራሳዊ ምንቅስቃስ: ንኹለን ምእንቲ ዲሞክራሲ ዝቃለሳ ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን ተቓወምቲ ውድባትን ውልቀሰባትን ዘዋስእን ተሳታፍነትን ዘረጋግጽን: ብመሰረት ሓበራዊ ዕላማ ጽምዳዊ ጽዓት ዝፈጥርን: ምስግጋር ቅዋማዊ ስርዓት ዘቀላጥፍን

 

ነዚ ንምዕዋትን: ሓደ ኣድማዒ ዝኾነ ተቓውሞ ንምፍጥር: ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይሊ: ምስቲ ኣብ ስደት ዘሎ ምእንቲ ዲሞክራሲ ዝቃልስ ከተላግቦ ክትጽዕር።

 

ስሩዕን ሰላማውን ዝኾነ ፖለቲካዊ ምስግጋር ንምርግጋጽ ክትጽዕር።

 

  1. መትከላትን ቀንዲ ክብርታትን

 

3.1  ‘ታ ብማዕረ ንኹልና እትብጸሓና ሃገር

 

ኤርትራ ብማዕረ ንኹልና እትብጸሓና ሃገር ‘ያ፡ ሃገር ኤርትራ ድ ማ ውጺኢት ናይቲ ሓባራዊ ቃልስን መስዋእትን ጻዕርን ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ‘ያ።

 

ሕብረተሰብ ኤርትራ ቡዙሕነት ባህለን ብሄራትን ቋንቋታትን ሃይማኖትን ዘለዎ ‘ዩ።

 

ስምረትን ግስገሳን ብልጽግናን ህዝቢ ኤርትራ: ኣብ መንጎ ዜጋታት: መዓርነትን ሕድሕዳዊ ምክብባርን: ተቓዲኻ ብሓባር ምንባርን: ምርግጋጽን ዝተሞርኮሰ ኮይኑ: ኣብ ስምረት ኣብ ቡዙሑነት ዝተሰረተ ‘ዩ።

 

  • ቅ ዋማዊ መንግስቲ

 

ቅዋም ሰረት ናይ ግዝኣተ ሕጊ ‘ዩ፡ መሰረታውያን መሰላትን ሓርነታትን መዓርነት ዜጋታትን ድማ የረጋግጽ። ከም ሕገ መሰረት ሃገርን ፡ ቆፎ ህዝባዊ ልዕላውነትን፡ ምንጪ ናይ ኩሉ ወግዓዊ ስልጥን፡ ኮይኑ ድማ የገልግል።

 

  • ዲሞክራሳዊ መንግስቲ

 

ሓደ ዲሞክራሳዊ መንግስቲ መላእ ተሳተፍነትን ውክልናን  ህዝቢ ኣብ ቡዙሕነቱ ቃሉ ዝ ህበሉ ዝተመስረተ ኮይኑ ፍልይ ዝበለ ጠመተ  ንደቂ ኣንስትዮ ዝህብን መሰላት ውሑዳንን ዘረጋጽን ‘ዩ።

 

  • ዘይምእኩል መንግስቲ

 

ምምስራት ፖለቲካዊ ስርዓትን: ህዝቢ ኣብ ማእከል ሰሪዑ: ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት መንግስቲ ዝውሰድ ውሳኔታትን: ዝሕንጸጽ መምሪሒታትን መላእ ተሳታፍነት ዘርጋግጽን: ንጠለባት ህዝቢ ብኣድማዕን ኣዕጋብን ኣገባብ ዝምልስን ‘ዩ።

 

  • ምምሕያሽ ሰባዊ ኩነት

 

ኣብ ምሕብሓብ ሃብትታት ሃገርን፡ ኣብ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምህዝነት ትኽእሎን  ዋኒንተኛዊ መንፈስን፡ ዝጥምት ሓድሽ ማክሮኤኮኖማዊ ቅጥዒ፡ ‘ቲ ብሕታዊ ጽላት ኣብ ትሕቲ ኣድማዒ መጣኒ ቁጽጽር ኣእትዩ: ነቲ ቁጠባዊ ስፍራ ዝኸፍትን፡ ናይ ውሽጥን  ወጻእን ወፍርታት ኣትባቢዑ ስራሕን ሃብትን ፈጢሩ ድኽነት ዘቃልል።

 

  • ብሓባር ብሰላም ምንባርን ሰናይ ጉርብትናን

 

ኣብ ኢስትራተጂካዊ ቅጥዒ ዝተሰረተ ሓድሽ ዝምድና ዘባዊ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን:  ቁጠባዊ ምውህሃድን:  ንኣገራዊ ሉዕላውነታን:  ዶባዊ ክብርታታን ብኹሉ ሸነኻት ዝኽበረሉ  ምምስራት::

 

 

  1. ተተግበርቲ ጉዳያት

 

4.1      ነዞም ኣብዚ ሓበራዊ ራእን ዕላማታትን ተተኺሎም ዘለው መትከላትን ሽቶታትን ሰፈሕ ህዝባዊ ተቐባልነት ንኽረኽቡ፡ ጽዑቕ ርኽክባዊ ጻዕርታት ጌርካ፡ ሃገራዊ ስምምዕ ንምፍጣር ምስራሕ።

 

4.2     ነዚ ውጽኢት ዋዕላ ክትዝርግሕ ብስፍሕ ዝበለ  ልፍንታዊ ስምረት ዝተሰረተት: 1) ኣብዚ ተቐልቂሉ ዘሎ ጥሙር ሃገራዊ ዲሞክራሳዊ ምንቅስቓስ ንጡፍ ተሳታፍነት ንኽህልዎ ነዚ ኣብ ስደት ዘሎ ምሕብሓቡ: 2) ነቲ ኣብ ውሽጢ ንዲሞክራሳዊ ልውጢ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዳግም ምሕያሉ: 3) ነቲ ኣብ ውሽጢን  ወጻእን ዘሎ ሓይልታት ጥሙር ሃገራዊ ዲሞክራሳዊ ምንቅስቓስ ንምሕያሉን ምልጋቡን ምጽዓር።

 

4.3     ነዘም ዕላማታትን ጻዕርታትን ጥሙር ሃገራዊ ዲሞክራሳዊ ምንቅስቓስ: ኣህጉራውን ዘባውን ድገፍ ንምርካብ ንጥፍ ዝኾነ ምርኻባት ምክያድ።

 

  1. ኣገባብ ኣስራርሓ

 

ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር (ዋ.መ.ም.) ሓሙሽት ዝ ኣባላታ ርክብ ሽማግለ፡ ክልተ ካብ ፖለቲካውያንን ውድባትን፥ ክልተ ካብ በርጌሳውያን ማሕበራትን፡ ሓደ ካብ ኣባላት ቦርድ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተን፡  መራኸቢ ማእከል ክትከውን ብመሰረት ዚ መዝከር ምርድ ዳእ ተመስሪታ።

 

 

ኣዳላዊት ሽማግለ ... ...

CTCPreparatoryCommittee@gmail.com

22 ጥቅምቲ 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10876

Posted by on Oct 25 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net