ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጋዜጣዊ ናይ ደገፍ መገለጺ ነቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጀሚሩ ናብ ኩሉ ክፋላት ኤርትራ ዝልሕም ዘሎ ህዝባዊ ኣብያ

ትማሊ 31 ጥትምቲ፡ 2017 ብዕምጠራ ህግደፍ ንዝተዓጽወ ናይ እምነታት ቤት ትምህርታት ሓደ ካብኡ ቤት ትምህርቲ ድያ፣ከምኡ’ውን ምእሳር መማህራንን ወለድን እቲ ቤት ትምህርቲ፣ ብፍላይ ከኣ፣ ብማእሰርቲ ናይ እቶም ንመሰሎምን፣  ንመሰል ደቆምን ብዓውታ ሂወቶም ክኸፍሉ ድሉውነቶም ዝገለጹ ኣቦ – ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ፣ዝነደሩ ተማሃሮ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብትብዓት ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዶም፡ ነቲ ምልካዊ ጉጅለ ኣዝዩ ዘሰምበደ  ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናይ ተበራበር – ተላዓል መጸዋዕታ እዩ ኔሩ።

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ነቲ ተባዕ ስጉምቲ ህዝቢ  ምሉእ ድጋፉ እንዳገለጸ፥ ሰብኣዊ መሰልን ሓርነትን ህዝቢ፡ ካብ ውልቂ ዜጋ  ክሳብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ልዑል ፈጣሪኡ ዝተዋህቦ ዘይቕንጠጥ ክብሩ እምበር፣ ካብ መለኽትን፣ ጨቆንትን ዝትኮብ ስለዘይኮነ፣  መላእ ህዝቢ ኤርትራን ከምቲ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ መስዋእቲ ከፊሎም ዘረጋገጽዎ፣  ምእንቲ ሰብኣዊ መሰሎምን  ዝተማለአ ሓርነቶምን  ብስምረት እምቢ ንምልኪ ኢሎም ክለዓሉን  ንጽውዕ።  ብፍላይ ከኣ፦

  1. ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ኤርትራ እትነብሩ ዜጋጋት ኤርትራን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ፣ ብዘይ ቅዋምን ስርዓተ-ሕግን ረጊጹ ዝገዝእ ጉጅለ ዝወርደኩም ዘሎ ኣደራዕን ጭቆናን ካባኹም ንላዕሊ ዝፈልጦ የለን። እቲ ብመስዋእቲ ደቕኹም ዝተረጋገጸ ነጻነት ናብ ሓርነትን ሰላምን ራህዋን ንኽቕየር ብስምረት ተላዓሉ።
  2. ኣብ ኩሉ ኮርናዓት ኤርትራ ዘለኹም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ፖሊስን፡ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ኣገልግልቲ ህዝብኹም  ምዃንኩም ዘኪርኩም፣  ሕድሪ ናይ እቶም እታ ተሓንጊጥኩማ ዘለኹም ብረት ዘረከብኹም ጀጋኑ ስውኣት ዘኪርኩም፣ እታ ናይ ስውኣት ብረት ናብ ኣደን ኣቦን ስውኣት ወይ ሓብትን፣ ሓውን ስውኣት ወይ ደቂ ስውኣት ከይተቕንዕዋ፣ ልዑል መጸዋዕታና ነቕርበልኩም። ሕድሪኹም ክትፍጽሙ፣ ዋልታ ምሉእ መሰላትን ሓርነት ህዝብኹም ክትኮኑ ሃገርን ህዝቢ ኤርትራ ይጽዋዓኩም ኣሎ።
  3. ኩሎም ዲያስፖራ ኤርትራውያን፡ ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡ ኣብ ከባቢ 15 ሕዳር ወከልቶም ብምምራጽ ናይ ከባብያዊ ባይቶታት (ባይቶ ዓዲ) ከቑሙ ዝገበሮ ጻውዒት ደጊሙ የዘኻኽር። ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ቀንዲ በዓል ብርኪ ናይ ለውጢ ሞራላዊ ድጋፍ እንዳሃብና ንማሕበረሰብ ዓለም ህዝቢ ዝሰረቱ ደሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምትካል ዓቕሚ ከምዘሎ ነመስክሩሉ እዋን ሕጂ እዩ። ኣብ እትነብሩሉ ኣከባቢታትን ዞናታትን፣ ናይ ምልካዊ ጉጅለ ውዲታትን ማሕለኻታትን ክትበጣጥሱ፣ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ኤርትራዊ ሰሚሩ ደጀን ህዝቡን ሃገሩን ንክኸውንን ክትሰምሩን፣ ኤርትራ ካብ ሕሱም ምልካዊ ጭቆና ተገላጊላ ናብ ሰላማዊ ዲምክራያዊ ሂወት ንኽትሰጋገር ሃገርን ህዝብን ይጽወዓና ኣሎ።
  4. ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ሲቪክ ማሕበራትን ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም ቃልሲ ምሉእ ዓወት እናተመነና፣ ነዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ሕሱም ምልካዊ ጭቆና ንምውጋድ፣ ህዝቢ ዝማእክከሉ ምሉእ ስምረት ናይ ኩሎም ተቓለስቲ ንፍትሒ ብምዕዋት  ሃገርን ህዝብን ንምድሓንን ናብ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ሂወት ንምስግጋርን ግደኹም ክትጻወቱ ንጽውዕ።

 

ነዚ ዝምልከት  በብንነብረሉ ከባቢታት ንምጥርናፍን፣ ናይ ተግባር ምደባት ንምስኣልን ኣብ ሰፊሕ ህዝባዊ ናይ ዘተ መኣዲ  ንቀዳም 4 ሕዳር ሰዓት 11:00 ቅ.ቀ. ብናይ ኒው-ዮርክ ሰዓት አብቲ ናይ Paltalk ገዛና ክትሓብሩና ብትሕትና ንዕድም።

ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ኢመይል ተወከሱና GIEEGM@googlegroups.com

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን     01 ሕዳር 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10884

Posted by on Nov 4 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net