መደረኽ ሃገራዊ ዘተ (መሃዘ)

ጋዜጣዊ መግለጺ ሕዳር 6: 2017

 

ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ይገብር፡ ብሰንበት 02 ለካቲት 2014 ምምስራት መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መሃዘ) ተቓሊሑ። እዚ ብስራት’ዚ ኣብ ህዝብና ተስፋ፡ ትጽቢት፡ ከምኡ’ውን ሕቶታት ኣለዓዒሉ። ብድሕሪ’ዚ ግን መድረኽ ዋላ’እኳ ውሑዳት ኣገደስቲ ሸቶታት እንተኣመዝገበት፡ ንነብሳ ናብ ሓደ ሂወት ዘለዎ ሓያል ውዳበ ብምስግጋር፡ ንጹር ቅርጽን ኣገባብ ኣሰራርሓ ዝወነነ፡ ንኣባላቱ ወይ መላፍንቱ ምሉእ ዋንነት ናይ’ቲ ዕላማ ክወስዱ ዘብቅዕ ኣሰራርሓ ንምውናን ኣይበቐዐትን።

 

መሃዘ እምበኣር ነዚ ሓቂ’ዚ ብዕምቆት ብምግንዛብ፡ ድሕሪ ብዙሕ ምምኽኻርን ክትዕን፡ ኣካይዳ መድረኽ ከይተመሓየሹ ከምዘለውዎ ክቕጽሉ ምቕባል ዘስርሕ ከምዘይኮነ ደምዲሙ። ካብዚ ሓሊፉ ዓሚቕ ውድባዊ ሕዳሰ ምክያድ ኣድላይን እዋናውን ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ነዚ ዕላማ’ዚ ክውን ንምግባር፡ ብዓርቢ 20 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ብምግባእ፡ ዳግመ ስርርዕ ብምክያድ መጠን ኣባላት ቦርድ ብምስፋሕ ንነብሳ ብንጹርነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ኣሰራርሓ ክትሰርሕ ዘኽእላ ኣገባባት ዚኣተኣታትያ። እቲ ሓድሽ ውዳበ ወይ ስርርዕን ብመሰረት ብዓርቢ 20 ጥቅምቲ 2017 ዝጸደቐ ውሽጣዊ ሕጊ ኮይኑ፡ መሃዘ ነቲ ዝተመስረተትሉ ዕላማታት ከተዐውት ዘኽእላ ትካላዊ ደገፍን ድፍኢቲን ክህብ እዩ።

 

እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ቦርድ ንኹሉ ፖለቲካዊ ርኢቶታት ዘንጸባርቕ ኮይኑ 25 ኣባላት ዝሓቆፈ እዩ። ምምሕዳር ቦርድ ኣብ ናይ መጀመርያ ርክባ፡ ፕረሲደንት ቦርድን፡ ሸውዓተ ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለን መሪጹ። በዚ መሰረት ዶር. ኣሰፋው ተኸስተ ፕረሲደንት ቦርድ ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ እዞም ዝስዕቡ ድማ ፈጻሚት ሽማግለ ኮይኖም ተመሪጾም፡

 

  1. ሰመረ ተ. ሃብተማርያም፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ
  2. ሱሌማን ኣደም ሑሴን፡ ምኽትል ዋና ኣካያዲ ስራሕ
  3. ሙሕየዲን ኣቡባከር ሸንገብ፡ ፋይናንስ
  4. ጊለዋይ ሳዒድ ፡ ጸሓፊ
  5. ኣምበ. ኣንደብርሃን ወልደ ጊዮርጊስ፡ ኣቦ መንበር ሽማግለ ልዝብ፡ ድፕሎማሲን ጎስጓስን
  6. ዮናስ ሓጎስ፡ ኣቦ መንበር ሽማግለ መራኸቢ ብዙሓንን ህዝባዊ ርክባትን
  7. ዶር. ኣዳነ ገብረመስቀል ተኪኤ፡ ኣቦ መንበር ሽማግለ ምርምርን ስትራቲጂካዊ መጽናዕትን

 

ኣባልት ሓደስቲ ምምሕዳር ቦርድ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ ኣስማቶም ብተርታ ፊደል ተዘርዚሩ ይቐርብ።

  1. ኣሕመድ ቐይሲ   መስፍን ሓጎስ
  2. ኣምበ. ኣድሓኖም ገብረማሪኣም   ሙሕየዲን ኣቡባከር ሸንገብ
  3. ኣምበ. ኣንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ   ሳባ ፍስሃየ
  4. በንያም ደበሳይ   ሳልዋ ኑር
  5. መሓመድ በርሃን ብላታ   ሰመረ ተ. ሃብተማርያም
  6. በያን ነጋሽ               ሰመረ ከሰተ
  7. ዶር. ኣዳነ ገብረመስቀል ተኪኤ                ሰምሃር ገብረስላሴ
  8. ዶር. ኣንገሶም ኣጽብሃ   ሱሌማን ኣደም ሑሴን
  9. ዶር. ኣሰፋው ተኸስተ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ
  10. ሕሩይ ተድላ ባይሩ             ቨሮኒካ ኣልመዶም
  11. ሑመድ መሓመድ ኩሉ ያቆብ ኣብራሃም
  12. እድሪስ ሑመድ ኢብራሂም             ዮናስ ሓጎስ
  13. ገላዋይ ሳዒድ

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10893

Posted by on Nov 8 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net