ኣውሊዔይ… ኣውሊዔይ… ኣውሊዔየ

ኣውሊዔይ… ኣውሊዔይ…  ኣውሊዔየ

ኣብ ኣኽሪያ….. ሰውራ ሓርነት ተባሪዓ

ኣውሊዔይ… ኣውሊዔይ…  ኣውሊዔየ

ኣብ ኣስመራ…….  ሸግ ሓርነት በሪሃ

***

ኣያ ሙሳ ዶ ክብለካ….. ኣቦይ ሙሳ

ሸኽ ሙሳ ዶ ክብለካ…. . ሓጂ ሙሳ

ኩሉ ኣስማትካ’ዩ…  ኩሉ የጥዕመልካ

ምብርካኽ  ዘይትፈልጥ  ተባዕ ጅግና ኢኻ

****

ጅግና እንተበልኩኻ.. . . እወ. .. .ጅግና ኢኻ

ተባዕ እንተበልኩኻ.. .. . እወ.. . .ተባዕ ኢኻ

ኣንበሳ ኤሪትሪያ.. . . . . .  ሸጥ ዝበለ መዓንጣ

ኣንጭዋ  ሳሕል ኣንፈጥፈጠት ምስ  ሰምዐት ድምጽኻ

*****

ካብ 60 ዓመታት ንላዕሊ.. ተቃሊስካ እንዲኻ

ደኺመ እንከይበልካ….. እንከይተሓለልካ

ኣቦ ሓርነት ፍትሒ……  ኣብሪህካያ ጩራ

ካብ ቤት  ትምህርቲ  ኣዲያእ  ሰውራ እዊጅካያ

******

ኣደ ወሊዳ ትምከም… ኣይክንዲ ሽሕ እንዲኻ

ሸባብ ኣርራቢጣ….  ካብ ኣርባዓታት ጀሚርካ

ቀጺልካዮ ቃልሲ…..  ምስ ማሕበር 7 ሓራካ

ምስ ፊዳኢዪን ጀብሃ….ምእንቲ ናጽነት ሃገርካ

***

እንታይ ዘይፈተንካ….. እንታይ ዘይገበርካ

ተወፋይነት ሓቦ…. ጽኑዕ ዘይስበር መንፈስካ

እምቢ ንምልኪ.. መሰለይ ኣይተንከፍ ዝበልካ

ኩሩዕ’የ በኣኻ ከዘንቱ…ንዘልኣለም ታሪኽካ

****

ኣንበሳ ወረቀት….. ሉሕሉሕ ሓሳኽ ስርዓት

ሸበድበድ ኣቲይዎ.. ድብልቕልቕ ምስ ፍርሃት

ሰዓቱ ኣኺሉ’ዩ.. … ጭፍራ ፍሽለት መዓት

ሓቢርና ንደርዕሞ..ንድፈኖ ብዘይ ክብሪ ስርዓት

*****

ኣቦ ትሪ ጽንዓት… . ፍትሒ ሕግን ትብዓት

በዲህካዮ ምልኪ…..መኻን ፍሹል ስርዓት

ጭፍራ ህግደፍ ቦኽባኽ.. .ጽረ ሕጊ ልምዓት

ዓገብ ንበል..ይኣክልንመከራ ሽግር ጥፍኣት

******

ህዝበይ ተላዓል… ተወደብ ተዓጠቅ ነቂሕካ

ዓቢ ምስ ንኡሽተይ…ዓላማታትካ ኣነጺርካ

እምቢ ንምልኪ እወ ንፍትሒ በል.. ሓቢርካ

ንምልካዊ ስርዓት በርቕቑ… ግዜ ከይወሰድካ

***

ይኣክል ጥርዓን ዘረባን…ንወደብ ንመክት ሓደ ኰንና

ሰዓት ፍትሒ ኣኺሉ’ዩ. …. ህዝበይ ተላዓለ ኣጆና

ዓወትና ናይ ግድን እዩ…ሽሕ እኳ እንተነውሐ ቃልስና

ኣይ ደቂ ከቢረ እንዲና.. ደቂ ዓዋተ..ደቂ  ሓጂ ሙሳ

****

ብስራት… ብስራት…  ንኹሉ ኤርትራዊ

ማዕበል ሓርነት ተላዕለ….. ዘይብሉ ዓጋቲ

ሓቢርና ንቃለስ….. መንእሰይ ምስ ዓበይቲ

ሓርነት.. ፍትሒ.. ክነልብሳ  ልዑላዊት  ዓዲ

 

ዓምር (ኣቡ ሙሓማድ)

12/01/2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10919

Posted by on Jan 12 2018 Filed under Articles, Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net