መግለጺ ብኣጋጣሚ ዓመታዊ ዝኽሪ መስዋእቲ ሓርበኛ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም

መስዋእቲ ዓቢ ሃገራዊ መራሒ ተጋዳላይ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ድሮ እነሆ ሓደ ዓመት ኣቕጺሩ ይርከብ። ስዉእ ዶር. ሃብተ ብዕለት 13/01/2017 ኣብ ከተማ ቦን (ጀርመን) ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ብመሳዋእቲ ተፈልዩና።  ሓርበኛ ስዉእ ዶር. ሃብተ ሓደ ካብ’ቶም ልሉያት  መራሕቲ ሰውራናን ውድብናን ኮይኑ፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዕድሜኡ ብምሉኡ ዘወፈየ ሃገራዊ ኢዩ።

ኤርትራ፣ ድሕሪ መሪር ቃልሲ፣ ብ1991 ነጻነታ ድሕሪ ምጉንጻፍ፣ ስዉእ ዶር. ሃብተ፣ በቲ ዝነበሮ ዓቕምን ተመክሮን ልዑል ሃገራውነትን፣ ምስ’ቶም ከምኡ ዝኣመሰሉ ሃገራውያን ተቓለስትን መራሕትን፡ ትካላት ሓዳሽ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ምቛም ዓቢ ግደ ንክጻወቱ ተስፋ ተነቢርሎም ካብ ዝነበሩ መራህቲ ኢዩ። መላኺ ኢሳይያስ ዝመርሑ ገባቲ ጉጅለ ግን ኣብ ኤርትራ ስልጣን ብምብሓት፡ ኣስተዋጽኦ ውፉፍያት ሃገራውያን ኣብ ዳግመ ህንጻ ሃገር ንከይውዕል ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑን ክሳብ ሕጂ’ውን ይቕጽሉን ኣሎ።

ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ዓመታዊ ዝኽሪ መስዋእቲ ሓርበኛ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም የኽብረሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ንሃገራዊ ውርሻ መራሒና ክዕቅቦን፡ ካብ ሃገርና ጭቆና ለጊሱ፣ ዲሞክራስን ፍትሕና ንኽነግስ ይካይዶ ኣብ ዘሎ ቃልሲ፣ ሓርበኛዊ ታሪኹ ደራኺ መንፈስን ሓይልን ከም ዝህበና ብምርግጋጽ፡ ቃልስና ብዝያድ ክሓንን ምዃኑ ሎሚ ንብጻይና ዶር. ሃብተ ተስፋማርያምን ንኩሎም ስውኣትናን መብጻዓና እነሕደሰሉ ዕለት ኢዩ።

ክቡር ስዉእ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም፣ ኣብ ልዕሊ ግሃድኤ ዝተኣልመ፣ ውሽጣውን ግዳማውን፣ ውዲት ኣብ ምፍሻልን፣ ውድብና ኣብ ንቡር መሪሕ ናይ ቃልሲ ቦትኡ ኣብ ምምላስን፣ ዓቢ ተራ ዝነበሮ ውፉይ መራሒ ኢዩ። ተቓለስቱ ብጾቱ ከኣ፣ ኣሰሩን ኣሰር ኩሎም ጀጋኑ ስዉኣትና ብምኽታል፣ እነሆ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዕዉት 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ኣሰላሲሉ፣ ኣብ መስርሕ “ምድሓን ህዝብን ሃገርን” ከም ዝምርሽ ገይሮሞ ይርከቡ።

ልዑል ሃገራዊ መትከላት ስዉኣትና ህያው ኮይኑ ንክነብር፡ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት፡ ሓድነትን ሃገራዊ ጥርናፌ ኤርትራውያን ክዕቀብን፡ መትከል ልዝብን ተጻዋርነትን ኣንጊሶም ምፍልላይ ወጊዶም፡ ንያታውን ንዋታውን ዓቕምታቶም ብሓባር ጸሚዶም፡ ህዝብና ካብ ኣርዑት ምልካዊ ስርዓት ንምድሓንን፣ ዲሞክራስን መሰል ደቂ ሰባት ዝኸብረሉ ስርዓት ንምቛምን፣ ሓያል ቃልሲ ከካይዱ ጻዊዕትና ነቕርብ። 

ደጊምና ንኽብርቲ በዓልቲ ቤት ስዉእ ዶር. ሃብተ ብጸይትና ኣድያም ተኽሊትን፣ ክቡራት ደቁን  ኩሎም ስድራ ቤቱን ኣባላት ግ.ሃ.ድ.ኤን ከምኡ’ውን ንኩሎም ኤርትራውያን ተቓለስቲ በዚ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ናይ ብጻይናን መራሒናን ዶር. ሃብተ ጽንዓትን ኣኻእሉን ክህብና እናተመነና፡ ኣሰሩ ተኸቲልና ቃልስና ክንቅጽል ምዃና ነረጋግጽ።

 

ጅግንነታዊ ታሪኽ ሓርበና ስዉእ ዶር. ሃብተ  ንዘልኣለም ኣብ ልብና ነባሪ ኢዩ !!

ክብርን ዝኽርን ንኹሎም ስውኣትና !!

 

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

13/01/2018

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10922

Posted by on Jan 13 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net