ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

ብዕለት 21-01-2018 ባይቶ ሰ.ዲህ.ኤ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ዝተዋሃህደን ልዙቡን ስሩዑን ኣኼባ ከኣ ኣካይዱ፡፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ ስሩዕ ኣኼባ ብጉዳይ ሃለዋት ህዝብን ሰልፍን፡ ሃገርናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ኣህጉራዊ ኩነታት፡ ኣልዒሉ ዘትዩ።

ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ህዝብና ኣብ ውሽጢ 26 ዓመት ብቀጻሊ ክወርዶ ዝጸንሐን ዝወርዶ ዘሎ ኩሉን እንተናዊ ጸገማት ዘይሰብኣዊ ምሕደራ፡ ዘይፍትሓዊ ማሕበራዊ ናብራ ኣልዒሉ ዘትዩ። ሃገርና ከቢብዎ ንዘሎ ዞባውን ዓለምለኻዉን ወጥሪ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያ ብዘይዕረፍቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ክዝረበሉ ዝጸሐ ኩነታት ብምርኣይ፣ ውልቀ መላኺ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጽባሕ ጽባሕ ዝቀየያር ፖለቲካውን ዲፖሎማስያውን ፖሊሲታት ዘምጽኦ ቅልውላው ዝተሞርኮሰ ኮይኑ ኣብ መንጎ ሱዳን፣ግብጺ፣ኢትዮጵያ፣ኤርትራ ሓደ ሸነኽ፣ ኣብ ጉዳይ የመን ሽርክነት ቀጠርን ሱዑዲ-ዓረብን ካልኣይ ሸነኽ ንሃገርናን ከባቢናን ኣብዘይ ርግኣትን/ ህውከትን ግጭትን ክመርሕ ዝኽእል ስግኣታት፡ ኣብ ህዝብና ክፈጥሮ ዝኽእል ስነ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ቀሊል ከም ዘይኮነ መዚኑ። ይኹን’ምበር ህዝብና ኣብ ኵናት ወረ ኵናትን ዝጸንሓሉ ቀሊል ዘይኮነ ዓመታት፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ ስደት፡ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ናህርን ክብርን ዕዳጋታት፡ ስእነት ኣባይትን መዓልታዊ ናብዮት፡ ዘይብቁዕ ህዝባዊ ኣገልግሎት ካብቲ ብቀረባ ከሳቅዮ ዝጸንሐ ምዃኑን፡ ንህዝብናን ዓለምናን ዘዛርብ ዘሎ ጉዳያት ውልቀ መላኺ ስርዓት ብሓላፍነት ዝሕተተሉን እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኣልጊስካ መተካእታ ዘይብሉ ቅዋማዊ ህዝባዊ ስርዓት ንምትካል ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ግደን ተራ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ከበርክቶ ዘለዎ እጃም ብዕቱብነት ዘትይሉ።

ውልቀ-መላኺ ካብ ድፕሎማስያዊ ጽምዋ ክወጻሉ ዝኽእል ዕድልን ባይታን ንምፍጣርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝገብሮ ዘሎ ምዕልባጥ ዝተወልደ ሓሳብ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታት ምዃኑን፡ ህዝብና ከኣ ካብ’ዚ ኵናት ዝረብሖን ዝኸስቦን ከመይ ዘየለን እኳ ደኣስ ንዝነበሮን ክሓልፎን ዝጸንሐ ሂወት መሊሱ ንዝኸፍአ ቅልውላውን፡ ምዝንባል ናብራ፡ ስደት ከም ዘስዕበሉ ተርእዮን ውጽኢት ምልካዊ ምሕደራ ምዃኑ ርእዩ።

ብኣንጻሩ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ንዘሎ ቅልውላውን ጸልማት መነባብሮ ህዝብና ንምሽፋን፣ ውልቀ መላኺ ስርዓት ብዝውንኖን ከምድላዩ ዝእዝዞ ማዕከናት ተጠቂሙ ከም’ቲ ወትሩ ዘካይዶ ፕሮፕጋናዳ ንህዝብናን ዓለምናን ንምድንጋር እንተዘይኮይኑስ፡ ለውጢ ከምጽእን ዝሓሸ ሂወት ሃገርናን ህዝብና ከሰጋግሮ ከም ዘይክእል ርእዩ። እዚ ዓቕለ ጽበታዊ  ዘበገሶ ህውተታ ውልቀ መላኺ፣ ምልክት ውድቀቱ ስለ ዝኾነ ከኣ ደምበ ፍትሒ ብሓባር ዝሰርሓሉ ባይታ ክፈጥር ምስ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ህዝብና ጽኑዕ ምትእስሳር ብምግባር ናይ ምስግጋር ግዜ ምቅርራብ ምድላዋት ክገብር ኣድላይነቱን ኩነታት ይጽውዖ ምህላዉ ርእዩ፣ ብወገና ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብሙሉእ ሓይሉ ክንሰርሓሉን ክቃለሰሉን ከም ዘለዎ ተገንዚቡ፡፡

ኣኼባ ባይቶ ኣበይ ኣለና፣ እንታይ ኽንገብር፣ ኣበይ ክንበጽሕ፣ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ድማ፡ ንሕና ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ንዝተበገስናሉ ፖለቲካዊ ዕላማታትን ውሳኔታትን፡ ድሌት ህዝቢንምምላስ፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ክነግስ፡ስልጣን ንህዝቢ ክሳብ ዝርከበ ናይ ዝካየድ ርሕቀት ቃልሲ ብግሉጽን ብተሓታትነት ምስራሕ ከም ዝግባእ ርእዩ፡ ይኹን እምበር እዚ ግዙፍ ሃገራዊ ዋኒን፡ ሓላፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ደላይ ፍትሒ ስለ ዝኾነ ምስ ዝተፋላለያ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ውድባት ሓቢረን ምቅላስ መተካእታ ዘይብሉ ሓደን ኣውራን መሰረታዊ ሕቶ ክምለስ ክኽእል ከም ዘለዎ ዓብይ ኣቃልቦ ተዋሂብዎ ተዘሪብሉን። እተን ብራኢ-ዕላማ- ተማሳሳሊ ተልእኾ ዘለወን ክኣ ሓቢረን ብምስራሕ ክረጋገጽ ዝኽእል ምዃኑ ይኣምን።

እንታይ ክንገብር ንዝብል ክኣ ነቲ ህዝቢ ዘማእከለ፣ሰፊሕን ዲሞክራሲያዊ ጽላል ንኽህሉ፣ብቕድም ስራሕካን ኣካይዳኻን ኣጻፊፍካ ምዱቡን ትካላውን ኣሳራርሓ ኣታኣታቲኻ ንውልቀ ሰብ ይኹን ውድባት፣ብጽምዳዊ ይኹን ብእኩብ ኣብ ስራሕ እናተራኸብካ፡ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ፣ዘይምትእምማን ኩነት ሰጊርካ ናይ ሓባር መደባት ዝካየድሉ ምትእትታውን ምትርጓምን እዩ፤ ኣበይ ንምብጻሕ ዝብል ክኣ፣ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ስልጣን ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ዝብል ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ፣ ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ክሳብ ዝረጋገጽ፣ መሰል ደቂሰባት ዝኸብረሉ ፣ስኒት ሓድነት ህዝብን ተረኺቡ፣ ሙሉእ ልእላውነት-ሃገርን ተረጋጊጹ ህዝብና ብሰላም ዝነብረላ ሃገር ንምቋም እዩ። ነዚ ንምብጻሕ ሓያል ቃልሲ ተወፋይነት ተሳተፍነት ኩሉ ዜጋ ዘረጋገጸ፡ እጃምና ንምብርካት ብተግባር ክንስርሓሎም ዘለዎም ጉዳያት ብሓባራዊ ስምምዕ ንሓባራዊ መደባቱ ምብጋስ። ነተን ብግዚያውነት ቆይመን ዘለዋ ኣርባዕተ ቤት ጽሕፈታት ከኣ ብትካላዊ ዲሞክራሲያው ብመደብ ክሰርሓ ምቅድሚት ክስጉማ ዘኽእለን ምድላዋት፡ ቀረባን ርሑቅ መደባት ሓንጺጹ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ደላይን ተጣባቂ ሓድነት ደኣ’ምበር ፈላላይ ከምዘይኮነ፡ ኣብ ዘተን ምርድዳእን፡ ኣብ ስኒትን ሓድነትን ዝኣምን ሰልፊ ምዃኑ ክሰርሓሉን ክቃለሰሉን፡ ብንጹር ንህዝቢ ክሕበር ሓላፍነት ኩሉ ኣባል ሰልፊኳ እንተኾነ ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ግደኦም ከበርክቱ ከም ዘለዎም  ቤት ጽሕፈታት ሰልፊ ኣብ ሓድሕዶም ብምትሕግጋዝ ልዑል ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ምዃኖ ስምምዕ ተበጺሑ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ናይ ቡዙሓት ራእን ሓሳብን ክሰምዕ ድልውነቱ ገሊጹ፣ ንኹሉ ነቲ ኣብ ደምበ-ፍትሒ ዝዋሳእ ክዓኩክን ክዓብን፣ ብልፍንቲ ይኹን ብሓባር ክሰርሕ ዕዙዝ እዋናዊ ሕቶ ህዝብና ምዃኑ ኣገዳስነቱ ርእዩ። ካብ ጸለምን ክስን፡ ካብ ፈላላይን በታንን ተግባራት ብምርሓቕ፡ህልክ፣ቅርሕንቲ፣ጽልኢ፣ትምክሕቲ ቦታ ከይሃበ ፍናን/ሞራል ሰልፊ፡ ደምበ ፍትሒን ህዝብናን ክብ ንክብል ምጽዓር፣ ምስ ህዝቢ ብቀረባ እትራኸበሉ ተባላሕነት መራኸቢ ብዙሓት ተጠቂሙ ክቃለስ ከም ዘለዎ ሓደ ካብ’ቲ ኣብርቲዑ ክስርሓሉ ዘለዎን ዝተሰማማዓሉ መደባት ሓደ እዩ።

ግርጭትና ክንፈትሕን ንቃልስና ምስ ናይ ኩሎም ተዋሳእቲ ፍትሕን-ዲሞክራስን  ተዋሃሂዱ ክሰርሕ፣ ብሓደ ድምጺ መልእኽትና እነብጽሓሉን፣ ህዝቢ ክዓስሎ ዘለዎ ዲሞክራሲያዊ ባይታ ክህሉ ናትና ጽዓትን ሓይሊ ቃልሲ ስለ ዝሓትት፡ ተሳትፎ መላእ ህዝብና ውሽጥን ወጻእን ብሓፈሻ፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ከኣ ብፍላይ፡ ክረጋገጽ ክተባባዕ ሰልፋዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ  ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ርእዩ፡፡

 

 

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና

ክንዕወት ኢና

 

ዜናን – ሓበረታን

ሰ.ዲ.ህ.ኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10927

Posted by on Jan 24 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net