ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ መደባት ስርሕ ፈጻሚት ሽማግለ ኣጽዲቁ

27 ጥሪ 2018

ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብዕለት 27 ጥሪ 2018 ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ መቀጸልታ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ካብ ዝተዘርበሉ ኣርእስታት ሓደ ብዛዕባ መደብ ስርሓት ፈጻሚት ሽማግለ ብምንባሩ፡ ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚት ሽማግለ ንቀረባን ርሑቅ ክስርሓሉን ከስርሖን ይኽእሉ እዮም ንዝበሎም መደባ ነዲፉ ንባይቶ ኣቅሪቡ፡ ማእከላይ ባይቶ ብፈጻሚት ሽማግለ ንዘወረደ ንድፊ መደባት ስርሓት ቤት ጽሕፈታት ንኩሉ ብቀደም ተኸተል ተኻቲዑን፡ ኣብ ስርሓትና ከዕውተና እዩ ዝብሉም ሓሳብ ወሲኹ ንድፊ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚት ሽማግለ ብሙሉኡ ኣጽዲቁ። ይኹን ደኣ’ምበር መደብ ዕዮ ስርሓት ፈ/ሽ ከቢድ ሓላፍነት ስለ ዝኾነ ኣብ ትግባረ ንምስግጋሩ ምድግጋፍ ኩሉ ኣባል ሰልፍ ከም ዘድልዮ ተዘሪብሉ ኣብ ስምምዕ በጺሑ።

ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ንህሉው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዓቕምን ክእለትን ተሳታፍነት ኣባላት ሰልፊ ኣብ ስርሓት ንምውፋር ክልተ ሽማግለታት ኣቝሙ። መደብ ስርሓት ሽማግለን ኣስማት ኣባላቱን ከኣ ኣብ ዝመጽእ ንህዝቢ ክሕበር ምዃኑ ነፍልጥ።

ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ መደብ ዝጸንሐን መደባት ስርሓትን ሰልፊ ንምግላጽ ኣኼባ መላእ ኣባላት ሰልፊ ክካየድ፡ ንቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ጸዋዒት ሓላፍነት ተዋሂብዎ። ድሕሩ ዝመጸ ሓበሬታ ኣብ’ዚ ዝቀረባ መዓልታት ክካየድ፡ ድሮ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ኣሎ። መሪሕነት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዘካየዶ ኣኼባ ልዙቡን ውዕውዑን ብስምምዕ ኣኼባ ተዛዚሙ።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ክንዕወት’ና

ሰ.ዲ.ህ.ኤ

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10931

Posted by on Feb 1 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net