መግለጺ ሓዘን

መስዋእቲ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣብራሃም ነጋሲ

ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣብራሃም ነጋሲ ኣቦ መንበር ደሞክራስያዊ ምንቕስቃስ ሕብረት ኤርትራን ኣባል ኣስናዳኢት ሽማግሌ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ዝኾነ ብዘጋጠሞ ሕማም ብዕለት 28 ጥሪ 2018 ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ብምፍላዩ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።

 

ስዉእ ተጋደላይ ኣብራሃም ነጋሲ ኣብ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ተመሃራይ እንክሎ ኣብ ውሽጣዊ ስርርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ድሕሪኡ ኣብ ሜይዳ ኣብ ዘተፈላልዩ ናይ ቃልሲ ዕማማት ህዝባዊ ግቡኡ ዝፍጸም ዝነበረ ጅግና ተባዕ ተቓልሳይ እዩ ነይሩ።

 

ብድሕሪ ምርግጋጽ ነጽነት ኤርትራ’ውን እንተኾነ ምእንቲ ፍትሓዊ ቃልሲ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍታሕ፡ ዕድሚኡን ተሞኩሮኡን ሂወቱን ከይበቐቐን ከይተሓለለን ብጽንዓትን ተወፋይነትን ክሳብ መዓልቲ መስዋእቱ ክቃለስ ዝጸንሐ ሓርበኛ ተጋዳላይ ወዲ ህዝቢ’ዩ። ኣብ’ዚ ኣዝዮ ተኣፋፊ ወቕቲ’ዚ መስዋእቲ ጅግና ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣብራሃም ነጋሲ ንኩሉ ኤርትራውያን ተጋደልትን ህዝቢ ኤርትራን ደምበ ተቓውሞን ዓቢ ክሳራ’ዩ።

 

በዚ ኣጋጣሚዚ ነቲ ስውእ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣብራሃም ነጋሲ ዝተሰዋኣሉ ቅዱስ ዕላማታትን ባህግታትን ህዝቢ ኤርትራ ንዝኾኑ ሕቶ ሰላምን ዲሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ክውን ንምግባርን ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮታቶም ሃናጺ ትምህርቲ ብምውሳድን ፍልልያቶም ብምጽባብን ሓድነቶም ብምድልዳልን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኣወንታዊ ተራኦም ከዕዝዙን ኣበርቲዖም ክቃለሱን ኤ.ዲ.ኪ ናይ ቃልሲ መጸዋዕታኡ የቕርብ።

 

ኣብ መወዳእታ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብፍላይ ንስድራቤቱን ኣዕርኽቱን ፈተውቱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ከምኡ’ውን ንመሪሕነትን መሰረታትን ደሞክራስያዊ ምንቕስቃስ ሕብረት ኤርትራን ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓት ይሃብኩም እናበለ፡ ንጅግና ስውእ ተጋዳላይ ኣብራሃም ነጋሲ ከኣ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ንብል።

 

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዋኣትና!!

ውድቅትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

 

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

01 ለካቲት 2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10936

Posted by on Feb 9 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net