ኣኼባ ባይቶ ሰዲህኤ ንድፊ መምርሒ ዕማም ክልተ ሽማግለታት ኣጽቑ፡ 24 ለካቲት 2018

ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰዲህኤ ንፈጻሚት ሽማግለ ዝሃቦ ሓላፍነት፡ ብ27 ጥሪ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ቀጻሊ ኣኼባ መደብ ዕዮ ስርሓት ፈጻሚት ሽማግለ ከም ዘጽደቀን፡ ብተወሳኺ ነተን ዝቆማ ክልተ ፍሉያት ሽማግለ፡ ኣባላተንን ንድፊ መምርሒ ዕማማተን ብዝምልከት ባይቶ ደጊሙ ንፈ/ሽ ሓላፍነት ከም ዝሃበ ኣብ ዝሓለፈ ተገሊጹ ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር ፡ እንሆ ሎሚ ዕለት 24 ለካቲት 2018 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ፡ ፈ/ሽ ሽማግለ ንዘቅረበቶ ኣባላት ፍሉያት ሽማግለን፡ ንድፊ መምርሒ ስርሓተንን ብባይቶ ጸዲቁ።

ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ኣብ‘ዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዝተረኽበ ኩነታት ብምግላጽ ጀሚርዎ። ህዝብና ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ካብ ግዜ ንግዜ ናብራ ሂወት ህዝብና ካብ ዝኸፍአ ንዝኸፍአ ንታሕቲ ዘንቆልቁል ዘሎ ሕሰም ናብራ፡ ብዘይምቁራጽ ንስደት ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ስደት ዝርከቡ መንእሰያት ዜጋታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ትሕቲ ሓውሲ ማእሰርትን ማእሰርትን ዝርከቡ ሽግራት ደድሕሪኦም ከም ዝሰዓበ፡ ሎሚ ኣብ ኣብ ዘይውሑስ ሃገራት ከም ኣብ ሊብያ ዘለዉ መንእሰያት መዓልታዊ ንሰምዖ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ’ዚ እዋን መንግስቲ  እስራኤል ኣብ ልዕሊኦም ወሲንዎ ንዘሎ ዘይሰብኣዊ ውሳኔ ኣዝዩ ዘሻቅል ምዃኑ ብምግላጽ ንድሕነቶም፡ ንዝምልከቶም ኣካላትን ንዝተፈላልዩ ማሕበራት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት መልእኽቲታት ጥርዓናት ንምትሕልላፍ ዝከኣል ኩሉ ፈተነታት ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።

ብምቅጻል ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳን ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ክዝረብ ዝወርሐ ተወጢሩ ዝነበረ ቀስቲ ኵናት ምዝሓሉ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዘሎ ዝምድናታት ብደቂቅ’ኳ ክፍለጥ እንተዘይተኻእለ ኣሕዋት ዝኾነ ህዝቢ ካብ ዳግማይ ብርሰትን ጥፍኣትን ምድሓኑ ንግዜኡ ትንፋስ ዝህብ’ዩ ይኹን’ምበር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ነዚ ኩነታት ንረብሕኡ ክጥቀመሉን‘ኳ ዝጽዕር እንተኾነ ህዝብና ብዝያዳ ክነቅሓሉ ይግባእ ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ንምዝራብ ብዕምቆት ኣፍልጦ ስለ ዘየለ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዓብዩ ንኢትዮጵያውያን ስለ ዝምልከት ኣብኡ ኣትየ ብዙሕ ክዛረብ ኣይኮነኩን። ግን ከኣ ሰላም ይኹን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ጎረቤትና ኣባና ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋታት ብምግንዛብ፡ ብፍላይ ከኣ ህዝብና በዚ ዘለዎ ፖለቲካዊ ሃለዋት ኣብ ዞባና ክረአ ዝኽእል ዘይንቡር ኩነታት ብሰላምዊ ኣገባብ ክዓርፍን ክፍታሕን’ዩ ምርጫና ኢሉ።

ድሕሪ መግለጺ እዋናዊ ኩነታት ከኣ፡ ኣጀንዳ ንባይቶ ዕድል ተኸፊቱ ዝተፈላየ ሓሳብን ርእይቶን ቀሪቡ። ኣብ‘ቲ ኣባላት ሽማግለ ዝቀረበ ኣስማት ብሙሉእ ተሰማምዐ፡ ኣብ’ቲ ንድፊ መምርሒ ስርሓት ክልተ ሽማግለ ከኣ ብዙሕ ርእይቶታት ሓሳበትን ቀሪቡ ተዘይትይሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንክልተ ሽማግለታትን ንድፊ መምርሒ ስርሓት  ክዝተየሉ ኣገዳስንት‘ኳ እንተሃለዎ፡ ንመበገሲ በቲ ቀሪቡ ዘሎ ምስ ምምሕያሻቱ ተቀቢልና ኣብ’ቲ ሽማግለታት ዘቅርቦ ገምጋም መጽናዕቲ፡ መላእ ኣባል ሰልፊ ንዝህቦ ርእይቶን ሓሳብን ተሞክሮታትን ብዝያዳ ከነትኵረሉን ከገድሰና ስለ ዘለዎ፡ ሽማግለ ስርሓተን ንምጅማር ንምትብባዕ ንምድግጋፍን ዝሓሸ ኣብ ዝብል ሓሳብ ተሰማምዐ።

 

 

 

ማእከላይ ባይቶ፡ ዝርዝር ኣባላት ሽማግለታት ብኸምዚ ዝስዕብ መዲብዎም ይርከብ።

 

  1. ናይ መጽናዕቲ ሽማግለ

 

  1. መስፍን ሓጎስ
  2. ዳዊት ሰሎሙን
  3. ሓሚድ ድራር
  4.  ፍስሃየ ትንሴው
  5. መንግስትኣብ  ጐበዛይ

 

  1. ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ቀያሲት ሽማግለ

 

  1. ኤፍረም ታፈረ
  2. ተኸስተ ዳምር
  3. ዶር. ገብረመስቀል ገብረዮናስ

 

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና

ክንዕወት’ና

 

ዜናን ሓበሬታን

ሰ.ዲ.ህ.ኤ

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10951

Posted by on Feb 28 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net