መግለጺ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኣጋጣሚ መበል 54 ዓመት ዝኽሪ ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባ

ዕለት 15 መጋቢት 2018 መበል 54 ዓመት ዝኽሪ ናይ’ታ ኣብ መንጎ ጅግና ሰራዊት ሓርነት ኤርትን ጎበጣዊ ሓይሊ መግዛእቲ ኢትዮጵያን ዝተኻየደትላ ታሪኻዊት ኲናት ተጎርባ ኢያ። ዂናት ተጎርባ ብዕለት 15 መጋቢት 1964 ኣብ ባርካ እትርከብ “ቶጎርባ” ዝተባህለት ቦታ ኢያ ተኻይዳ።     

ባዕዳዊ  መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሰውራና ብዕሸሉ ከሎ ንምጥፋእ ፈቲኑ ምስ ተሓለሎ፡ ነቲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ሃልሃልትኡ ኣብ መላእ ሃገር ክዝርጋሕ ዝጀመረ ገድሊ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቅሃም ስሩዕ ሰራዊቱ (ጦር-ሰራዊት)፣ ብዘመናዊ ኣጽዋር ኣዕጢቑ ናብ ኤርትራ ኣበገሶ። 15 መጋቢት 1964 ከኣ መደባቱ ክፍጽመላ ተሃንዲዱ ዝወፈረላ መዓልቲ ነበረት።  ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸላእን ኣብ መንጎ ስዉእ ጅግና መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ “ኣቡ ሪጀላ” ዝመርሐን ሰለስተ ጋንታታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዝተኻየደ ውግእ፣ ጅግና ሰራዊት ሓርነት ትብዓትን፣ ጅግንነትን፣ ተወፋይነትን፣ ተዓጢቁ ነቲ ሰፍ ዘይብል ሓይሊ ሰብን ኣጽዋርንተሰኪሙ፣ንከጥፈኦ ዝመጸ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ከቢድ ስዕረት ብምስዓብ ዛሕ-ዛሕ እናበለ ከም ዝምለስ ገበሮ። ኣብ‘ዚ ውግእ‘ዚ ጸላኢ 84 ዝኾነ ካብ መኮንናቱን ስራዊቱን ክመትዎ ከለዉ ብዙሓት ከኣ ቍሰሉ። ሒዝዎ ዝመጸ መደባት ንምዕዋት‘ሲ ይትረፍ ብኣገባብ ክሃድም ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት በጽሐ። ብወገን ሰራዊት ሓርነት ከኣ ንዘልኣለም ዝዝከር ጅግንነታዊ ታሪኽ ገዲፎም 18 ዝኮኑ ሓርበኛታት ተሰውኡ። 

ካብ’ቶም ኣገደስቲ ውጽኢታት ኵናት ተጎርባ፡ ኣብቲ ግዜ‘ቲ ኣብ ኣፍሪቓ ዝሓየለ ሰራዊት ተበሂሉ ዝዝነየሉ ዝነበረ ሓይሊ ዝውንን ዝነበረ መግዘእታዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ፣ ቅልጡፍ  ኵናት ኣካይድካ ብቐሊሉ ክድምሰሱ ዝኽእሉ ውሑድ ዝቝጽሮም ሸፋቱ ኢሉ ዝግምቶም ዝነበረ ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ካብ‘ቲ ንሱ ዝገመቶ ዝለዓለ ዓቕምን ተወፋይነትን ዘለዎም ኣብ ርእሲ ምንባሮም፣ ብህዝቢ ዝድገፍ ናይ ርሑቕ ቀረባን ሃገራዊ ዕላማ ዝውንኑን ምዃኖም’ውን እቲ ዝተኻየደ ኵናት ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ከምኡ‘ውን እቲ ኣብ ውሱን ቦታታት ተሓጺሩ ዝነበረ መቓልሕ ሰውራና ናብ ኩሉ ኩርናዓት ኤርትራ ክዝርጋሕን፡ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ሰውርኡ ዝያዳ ክተኣማመንን፣ ንተሳትፎ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ከተባብዕን፡ ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባ ደራኺ ተራ ተጻዊታ።

ድሕሪ ነዊሕ ቃልስን ሰፍ ዘይብል መስዋእትን፣ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ዓወት ብምርግጋጽ፡ መሬትና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ብምውጻእ፡ ኤርትራ ሃገርና ልዑላውነታ ክረጋገጽ በቕዐ፡

መሬትና ሓራ ድሕሪ ምውጻእ፣ ብሰንኪ’ቲ ሕሱም ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ህዝብና ተነፊግዎ ዝነበረ መሰራታዊ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ካብቲ ዘሕለፎ ከቢድ ወጽዓን ጭቆናን ተናጊፉ፣ ብሩህ ተስፋታት ዝሓዘለ ሓዲሽ ሞዕራፍ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተኸሲቱ ኢዩ፣ ዝብል ዓቢ ተስፋ ኣብ ህዝብና ሰፊኑ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ግን፣ ምልካዊ ስርዓት ብምቛም፡ መጻኢ ዕድል ሃገር ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቍጽጻሩ ኣእቲዩ፣ ንኤርትራ ኣብ ዓባይ ቤት መእሰርቲ ቀይሩዋ ይርከብ። ካብ መዓልቲ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ግፍዕን መከራን ከውርድን፣ ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታቱ፣ ሓድነት ህዝብና ንምብትታን ዘይፈንቀሎ እምንን ዘይመሃዙ ሽርሕን የልቦን። ከምኡ’ውን  ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ዓቢ ሓደጋ ከም ዝወድቕ ገይርዎ ይርከብ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት፣ ዕላማታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሽትኡ ንምብጻሕ ዝቃለሱ ውድባት፣ ብጀካ ኣብ ዕላማታቶም ቀጥ ኢሎም ቃልሲ ምቕጻል ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን። ብርግጽ ኣብቲ ግዜ’ቲ፣ ብሰንኪ’ቲ ዝተረጋገጸ ዓወትን፣ መሬትና ካብ ባዕዳዊ ሓይሊ ነጻ ምዃኑን ዝፈጠሮ ናይ ሓጎስን ደስታን ኩነታት፣ ዝሰፍሐ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ከም እንደገና ኣብ ቃልሲ ኣድማዒ ተሳትፎ ንክህልዎ ከቢድ ምንባሩ፣ እቶም ሃገራውያን ውድባት ብግቡእ ይፍልጥዎ ነይሮም። እንተኾነ ግን ድሕሪ ቅሩብ እዋናት፣ ባህርያት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝመርሖ ምልካዊ ጉጅለ እና ተጋለጸ ምስ መጸ፣ ናይ ህዝቢ መርገጻት’ውን እናበርሀ ከደ። ናይ ተቓውሞ ድምጺ’ውን ክዓቢ ጀመረ። ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ጸሕታሪ ፖሊስቲት ስርዓት ህግደፍ፣ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ውግእ ብምእታው፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይኹን ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራት ሰፍ ዘይብል መከራን ዕንወትን ብምስዓቡ፣ ንጉጅለ ህግደፍ ዝቃወም ኣካላት ቁጽሩ እና በዝሐ ክኸይድ ባህርያዊ ነበረ። 

ኤርትራዊ ተቓውሞ ሓይሊ ዘካይዶ ዘሎ፣ ብሰንኪ ናይ ኣረኣእያን ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ኩነታት ቦኺሩ ብምህላዉ፣ ብማዕረ’ቲ ንኤርትራ ከቢብዋ ዘሎ ፈታንን በዳህን ተደላይነታ ሽሕ’ኳ እንዘይኮነ፣ ደምበ ተቓውሞ ሓይሊ ካብ’ዚ ኩነታት’ዚ ኣውጺእካ፣ ዕዙዝ ገድላዊ ግደ ንኽህልዎ ብዙሕ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ መዳይ’ዚ እቲ ናይ ሓባር ጠርናፊ ሃገራዊ ጽላል ዝኾነ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ’ቲ ኣትይዎ ዘሎ ቅልውላው ብምውጻእ፣ ዕዉት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣካይድካ፣ ኣብዚ ተሃዋሲ መድረኽ መሪሕ ገድላዊ ግደ ንኽህልዎ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ኣይንመርጽን።        

ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ኣቲየሞ ዝርከቡ ወሳኒ ታሪኻዊ መድረኽን፡ ከምኡ’ውን ስርዓት ህግደፍ ነቶም ኣብ ተጎርባን ኣብ ኩሉ ጅግንነታዊ ግጥምያታት ዝተሰውኡሉ ዕላማታት ጠሊሙ፣ ንልዕሊ 25 ዓመት ዝኸውን  ዕላማታትን ባህግታትን ሰውራና ዘየንጸባርቕ ስርዓት ኣብ ምቛም ይቕጽል ብምህላዉን፣ ኩሎም ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ ፋሕ-ፋሕ ኢልካ ምቅላስ ዘስዓቡ ዓቢ ክሳራ ብሩህ ስለ ዝኾነ፡ ፍልልያቶም ወጊዶም ብሓባር ተጠርኒፎም ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ቃልሶም ከኻዕብቱ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ብምዝኽኻር፣ እዚ ሓይልታት’ዚ ሕድገታት ገይሩ ተጠርኒፉ ክቃለስ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ተሪር ጻዊዒት የቕርብ። እዚ ምስ ዝፍጸም ጥራሕ ኢዩ ከኣ ሕድሪ ስዉኣት ኵናት ተጎርባን ኩሎም ስዉኣትናን ዝትግበርን፡ ሓርነትን ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ ዝካኣል። 

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ዝነብር ህዝብና’ውን፣ ሓድነቱ ኣደልዲሉ፣ ክበታትንዎ ንዝደልዩ ጉጅለታት ባእታታትን ነጺጉ፣ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዕቱብ ተሳትፎ ንኽህልዎ ንጽውዕ። ከምኡ’ውን ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ታሪኻዊ ኲናት ተጎርባ፣ ኣባላት ስራዊትን ጸጥታን፣ ነቲ ዓማጺ ስርዓት ራሕሪሖም ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ብምባል፣ ሓርነትን ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገር ኣብ ምሕናጽ እጃሞም ከበርክቱ ግሃድኤ ጻውዒቱ የቕርብ።

ኣብ መደምደምታ፣ ክብርን መጎስን ንስዉኣትን ሓርበኛታን ተጎርባን፣ ዘልኣማዊ ክብሪ ንኹሎም ጀጋኑ ስውኣት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን  ስዉኣት ሰውራናን ብምቕራብ፣ ክሳብ’ቲ ዝተሰውኡሉ ዕላማታት ብምልኡ ዝረጋገጽ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ምዃንና ቃልና ነሐድስ።

ኤርትራ ሃገርና ናጽነታ ዓቂባ ትንበር !!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ !!.

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና !!

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

15/03/2018

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10955

Posted by on Mar 15 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net