መግለጺ ንዝኽሪ ሐርበኛ መምህር ኢብራሂም መሓመድ

መምህር ኢብራሂም መሓመድ

መምህር ኢብራሂም መሓመድ ብዕለት 28 መስከረም 1947 ዓ.ም. ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኤርትራ ተማሂሩ፡ ናይ ማእከላይን ካላኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኢትዮጵያ (ኣብ ደሴን ኣብ ኣዲስ ኣበባን) ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይ ሃይለሰላሴ ብጂኦግራፊ ብባችለር ዲግሪ ተመሪቑ (B.A in Geography. HaileSelassie I University, Addis Ababa, Ethiopia)። ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምኻድ ብማስትረይት ዲግሪ ተመሪቑ (M.A in Library and Information Science.  Loughbrough University of Technology, UK)። ኣብ ኮተቤ ናይ መማሃራን ኮለጅን ኣስመራን ዩኒቨርስቲን ሓላፊ ቤት ንባብ ከምኡ’ውን ናይ ጂኦግራፊን ናይ ላይብረሪ ሳይንስን መምህር (Head of Library as well as Geography and Library Science lecturer) ኮይኑ ብተወፋይነትን ብኣብነትን ሰሪሑ።  ብዝሓደሮ ከቢድ ሕማም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ሕክምና ድሕሪ ምጽናሕ ብ 26 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብቲ ክእለየሉ ዝጸንሐ ሆስፒታል ዓሪፉ። መምህር ኢብራሂም መሓመድ ባዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ቆልዑን እዩ ኔሩ።

 

መምህር ኢብራሂም ግድላት ናይ ምፍታሕ ድሌትን ክእለትን ዝውንን ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር እዋናት ብፍሽኽታ ንጸጋማቱ ዝገጥም ሓያል ልቦና ዝውንን ግዱስ ኤርትራዊ እዩ ኔሩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ፡ ሕልፍ ዝበለ ትዕግስትን ጽን ኢልካ ምስማዕን ካብ ቀንዲ መለለይታት መምህር ኢብራሂም እዮም። መምህር ኢብራሂም፡ ንደቂ ሰባት ብሓፈሻ ንኤርትራውያን ከኣ ብፍላይ ብኣውንታ ንምጽላው ዕድል ኣብ ዘጋጠሞ ግዜ፡ ማሕበራዊ ብድሆታት ንምፍታሕ እጃሙ ንምብርካት ብተወፋይነትን ብቕንዕናን ብምሉእ ዓቕሙ ንምግባር ድሕር ዘይብል ህርኩትን ግዱስን ኣብነታዊ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ ኔሩ።

 

መምህር ኢብራሂም ሓደ ካብ መስረትቲ ዓለምለኸ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እዩ። ዕረፍቲ ናይ መምህር ኢብራሂም ንኹሉ ደምበ ፍትሒ ኤርትራ ብሓፈሻ ንሓይሊ ዕማም ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኸኣ ብፍላይ ሰፍ ዘይብል መተካእታ ዘይርከቦ ክሳራ እዩ፡፡ ኣባላት ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡ ንስድራቤት መምህር ኢብራሂም ጽንዓት ይሃብኩም እንዳበልና ዝተሰማዓና ከቢድ ሓዘን ንገልጽ። ንሓውናን ብጻይናን መምህር ኢብራሂም ኣምላኽ አብ ገነቱ ይቀበሎ።

 

ሓይሊ ዕማም ዓለምለኻዊ ተበግሶ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10965

Posted by on Mar 29 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net