ዕዉት ስርሒት ኣብ ከባቢ ሩባ ዓንሰባ

ሃገርካ ክዝመት ዓይንኻ ነይዕመት” !!

ከም መቐጸልታ ነቲ ምስ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ እነካይዶ ኩሉ መዳያዊ ግጥምያ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ንኽሰላሰል  ፍሉይ ኣቕልቦ ኣንቢርናሉን መደባት ሰሪዕናሉን ዝጸንሓና ገድላዊ ስራሓት ፍርያት እናሃበ ይመጽእ ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ውድብ ኣብሪሁ። ድሕሪ ኣብ 11/03/2015  ኣብቀሓውታ”  ዝተፈጸመ በርቃዊ መጥቃቲ፣ ዝተፈላለየ ስርሒታት ከም ዝተኻየደን፣ ከምኡውን ኣብ ገለ ከተማታት ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ኣስመራን፥ ምጽዋዕን ዓሰብን፣ ንህዝብና ንምብርባርን፣  ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ ብቐጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ዘይተኣደነ ጭቝናን ምብስባስን ንምቅላዕን፣ ኣገዳሲ ጽሑፋት ዘርጊሕና ምንባርና ዝዘክር ኢዩ። ሕጂውን ከም መቐጸልታ ናይ ኩሉ፣ ምዑታት ጀጋኑ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡  ብሰሉስ ዕለት 3 ሚያዝያ 2018 ኣብዘራዝተባህለ ኣብ ከባቢ ሮባ ዓንሰባን ሰሚንጣሕራዝርከብ ቦታ ኣድቢዮም ብምጽናሕ፣  ኣብ ልዕሊ ማዕድናት፣ ብፍላይ ድማ ወርቂ፣ ተበጻጽሕ ናይ ጽዕነት መኪና ኣዕኒዮም። ኣብ ልዕሊ ህይወት ኤርትራውያን ዝኾነ ክሳራ ንከየጋጥም፣ መራሕ መኪናን ኣብታ መኪና ተጻዒኖም ዝነበሩ ተሓጋጋዚ መራሕ መኪናን ከምኡውን ክልተ ኣባላት ሰራዊትን ካብ መኪና ኣውሪዶም ብረቶም መንዚዖም ነታ ካብ’ቲ ቦታ ኣርሒቖም ከም ዝኸዱ ብምግባር እታ ንብረት ጽዒና ዝነበረት መኪና ከም ትዓኑ ገበርዋ። ምዑታት ኣባላት ግሃድኤ ዕማሞም ብጽፈት ብምፍጻም ብዘይ ዝኾነ ጉድኣት ናብ ቦቶኦም ብሰላም ከም ዝተመለሱ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ግሃድኤ ኣረጋጊጹ። እዚ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምስ ተሰምዐ፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበሩ ሓላፍቲ ሰራዊት  ናብ ቦታ ብምኻድ መርመራ ከካይዱ ከም ዝጀመሩ እቲ ዝበጽሓና ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ኣብታ ዝዓነወት መኪና ተጻዒኖም ዝነበሩን ሰባት’ው ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ መርመራ ከም ዝተኻየደሎም ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ። 

ቀንዲ ዕላማ ናይ ስርሒት “ዘራ”  ባህርያዊ ትሕዝቶ ሃገር፣ ብፍላይ ድማ ወርቅን ካልእ ክቡር ማዕድናትን ብስሱዓት መራሕቲ .... ምስ ገለ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኮይኖም ንዘካይድዎ ዘለዉ ዘመተ ንምምካን ዝሓለነ ኢዩ። 

 

.... ኣብ ከረጋግጾ ዝደሊ፡ ግጥምያና ምስ ጨቛኒ ስርዓት .... ኣብ ውሽጢ ሃገር ክኸውን ኣለዎ ዝብል መደብ ካብ ነዊሕ ግዜ ተተሓሒዝዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ እቲ ቅድመ ተዳላይነታት ብመጠኑ ተማሊኡ ስለ ዘሎ፡ ከምዚ ዓይነት ስርሒታት ክንቅጽሎ ምዃንና ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ከነብስር ንፈቱ። እንካይዶ ስርሒታት ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝብናን ንብረቱን ዝኾነ ሓደጋ ንኸየስዕብ፡ ብጥንቃቔን ብዝተጸንዐ ኣገባብን ከነካይዶ ምዃና ንኩሉ ከነተኣማምን ንደሊ። ብተወሳኺ፡ እቲ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ኤርትራ ግዳይ  ገባቲ ስርዓት .... ምዃኑ ስለ እንኣምን፡ መጥቓዕትና ናብኡ ዘቕነዐውን ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ኣብ ጎድኒ ጨቛኒ ስርዓት ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝኾነ ዓይነት ግፍዒ ንዝፍጽም ባእታ ግንበዚ ኣጋጣሚ ካብ ስርዓት ክላቐቕ ኣትሪርና ነጠንቕቕ። ኣይፋለይን ንዝብል ግን ኣብ እንካይዶ ስርሒታት ንኸጋጥሞ ዝኽእል ሃሰያታት ሓላፍነቱ ባዕሉ ከም ዝሰከም ብቅሉዕ ክንሕብር ንፈቱ። ከምኡውን ሃብቲ ሃገርን ኩሉ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ህዝብናን ክምዝምዙን ክዘምቱን ንዝርከቡ፡ ብዘሎና ዓቕሚን ብምትሕብባር ምስ ህዝብናን ንጹሃት ሃገራውያን ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን መደባቶም ንምፍሻል ክንቃለስ ኢና።

ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት ናይ ስርዓት ዝዋፈሩ ዘለዉ ስራሕተኛታትን ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቦም ተሰሊፎም ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክቃለሱ እዋኑ ከም ዝኣኸለ ክነዘኻኽር ንፈቱ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

12 ሚያዝያ 2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10984

Posted by on Apr 16 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net